ህግደፍ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ መሰል ደገፍቱ ክሕሎ ዝጽውዕ ሰልማዊ ሰልፊ ኣካይዱ

ህግደፍ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ደግፍቱ፡ ናይ ምእካብ፡ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን ካልእን መሰላቶም ክሕሎ ዝጽወዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዱ። ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ 10 መስከረም፡ ኣብ ከተማ በርን ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ‘ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕጊ ስዊዘርላንድ ናይ ምዝራብን ምትእኽኻብን መሰልና ክሕለወልና‘ ክብሉ ደገፍቲ ህግደፍ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ብስም ማሕበረኮም ኤርትራውያን፡ ንዓመታት ፌስቲቫላት ብምውዳብን ብስም ሃገራዊ በዓላት ድማ ጓይላታት ብምክያድን ዘኻዕብትዎ ገንዘብ፡ ብቀጥታ ናብ ካዝና እቲ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰስ ስርዓት ክኣቱ ምጽንሑ ይግለጽ።

እዚ ብኤምባስን ቤት ጽሕፈት ህግደፍን ብቀጥታ ብዝወሃብ መምርሒታት ዝውደብ ንጥፈታት ደገፍቲ ህግደፍ፡ ነቲ ካብ ፖለቲካ ይኹን ካልእ ጸግዒ ወይ ወገን ንዘይሓዛ ናጻ ማሕበራት፡ ብመንግስቲ ስዊዘርላንድ ዝወሃብ ፋይናንሳውን ንዋታውን ሓገዝ‘ውን ክኸስበሉ ጸኒሑ‘ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ንጓይላታት ህግደፍ ብምቕዋም ብብርጌድ ንሓመዱ ዝተካየደ ጎነጽ ዝተሓወሶ ምንቅስቓሳት፡ በዚ ኣብ ኤርትራ፡ ንባዕሉ መሰላት ዜጋታቱ ከምዘየኽብር ዝውቀስ ፖለቲካዊ ስርዓት ዝውደቡ ፌስቲቫላትን ጓይላታትን መርመራታት ብምክያድ ከምዝእገዱ ኮይኖም።

ኣብ ከተማ ጀኔቫ ዝመደበሩ ኤምባሲ ኤርትራን ቤት ጽሕፈት ህግደፍን፡ ኣንጻር ውሳኔ ስዊዘርላንድ ተቓውሞ ክካየድ ጎስጓስ ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ ድማ‘ዩ ደገፍቱ ብምትእኽኻብ ነቲ ናይ በርን ሰለማዊ ሰልፊ ወዲቡ።

እቶም ደገፍቲ ኣብቲ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ከም ’24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ፡ መዓልቲ ሰማእታት: ባሕቲ መስከረም ዝኣመሰሉ ሃገራዊ በዓላት ንምጽንባል ክተኣኻኸቡን፡ ፌስቲቫላትን ጓይላታት ከካይዱን ክፍቀደሎም ‘ዮም ጠሊቦም።

ኣብቲ ዘካየድዎ ሰልፊ፡ ‘ቋንቋታትና፡ ባህልታትና፡ ክብርታትና ምዕቃብን ናብ ንኣሽቱ ወለዶና ንምስግጋርን መሰልና ስለዝኾነ፡ ነዚ ንምትግባር ዘኽእል ሕጋዊ ውሕስነት ክወሃበና ኣለዎ‘ ክብሉ ተማሕጺኖም።

ሓደ ካብቲ ንፈስቲቫላትን ጓይላታትን ህግደፍ ኣብ ጠመተ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ክኣቱ ዝደፋፍአ ምኽንያት፡ ንቆልዑ ወተሃደራዊ ክዳውንቲ ኣልቢስካን ናይ ሓሶት ብረት ኣዕጢቕካን ዝግበር ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ዝሓቖፈ ምርኢታትዩ።