እቲ ዘሎ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣኻሊ ከምዘይኰነን ምሉእ ኣገልግሎት ዝህባ ኣውቶቡሳት ክህልዋ ኣለወን ክብል ሓሊፍዎ።
እቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ናብ ኵሉ ገጠራት ኤርትራ ከይተረፈ ማዕረ ክባጻሕ ከምዘለዎ ግን ገሊጹ።
ኣብ ኤርትራ፡ ነዊሕ ኣትሒዙ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳድን መቀያየሪ ኣቕሑን ሓያሎ ናይ ብሕቲ ኣውቶቡሳት ይዅና ሚኒባሳት ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዘለዋ ወነንቲ ተሽከርከርቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ከማርሩ ይስምዑ።
ብፍላይ ናይ ብሕቲ ኣውቶቡሳት ገና ንኸይንቀሳቐሳ ተኸልኪለን ስለዝርከባ፡ ወነንቲ እተን ተሽከርከርቲን ተሳፈርትን ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዝርከቡ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ጉዳይ ህንጸት ኣባይቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘልዓሎ ነጥቢ፡ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣካይዳ ከምዝፈሸለ ብምእማን፡ ብሓድሽ መልክዕ ንምውዳብን ዝሰርሕ ኣካይዳ ምትእትታውን ከምዘድሊ ድማ ገሊጹ።
ኣብ ኤርትራ ስርሓት ህንጸት ብትካላት መንግስትን ህግደፍን ተባሒቱ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እተን ዝነበራ ሓያለ ትካላትን ኩባንያታትን ህንጸት ኣብ 2006 ስራሕ ጠጠው ካብ ዘብላ፡ ብዙሓት መሃንድሳተንን ኣካየድተንን ካብ ዝእሰሩ ንደሓር ብውልቂ ዝግበር ህንጸት ኣባይቲ ንዝሓለፈ ልዕሊ 18 ዓመታት ደው ከምዝበለ ይፍለጥ።
እተን ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኰይነን ካብ 2002 ኣቢሉ፡ ኣብ ትሕቲ "ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎ" ዝተበገሳ ኩባንያታት ህንጸትን ኣባይትን’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝጀመራኦ ፕሮጀክትታት ብብቕዓትን ኣፈጻጽማን ክንቀፋ ጸኒሐን እየን። ብሰንኩ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ዳግመ-ምውዳባት እውን ዝጭበጥ ውጽኢት ኣየመጽአን።
እዚ ኰይኑ ግን ነዚ ዝእርም ኣካይዳ ብኸመይ ክትግበር እዩ ግን እቲ ፕረዚደንት ንጹር ኣይገበሮን።
ኣብታ ሃገር ዝፍተኑ ወይ ዝትግበሩ ዝተፈላለዩ ፖሊሲታትን መደባትን፡ ኵሉ መዳያዊ ክፉት ገምጋምን ተሓታትነትን ስለዘይግበረሎም፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ መስኮት ተሌቪዥን ቀሪቡ ብዘቕርቦ ወቐሳ መሰል መግለጺታት ክስገር ጸኒሑ እዩ።
እቲ ዓመታት ዝወሰደ፡ ብዙሕ ጉልበትን ግዜን ጸጋታትን እታ ሃገር ዝፈሰሰሉ ፕሮጀክትታት ኣባይቲ ልዕሊ 22 ዓመታት ዝተጨበጠ ውጽኢትን ፍታሕን ከየመዝገበ ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ፡ ሕጂ’ውን ዝሕተተሉ ኣካል ዘሎ ኣይመስልን።
ኢሳይያስን መለስን
ኣብዚ ናይ ሕጂ ቃለመጠይቑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብተደጋጋሚ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ብተደጋጋሚ ከልዕሎ ተሰሚዑ እዩ።
ኢሳይያስ ምስ መለስ ብቐጻሊ መማኽርቲ ምንባሮም ብምጥቃስ፡ ካብኡ ንኽልተ ጉዳያት ብፍሉይ ኣልዒሉ።
ኣብ 1993 ኣብ ኣጋጣሚ ኣኼባ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ነቲ “ግብጺ ንእስራኤል ማይ ክትሸጠላ” ዝብል መደብ ኣመልኪቱ ምስ ሰበስልጣን ግብጺ ክዘራረበሉ ዝደለየን፡ ንሱ ግን ዘይተቐበሎን ጉዳይ ኣልዒሉ።
በዚ ድማ ፕሮጀክት ዓቢይ ግድብ ህዳሰ፡ ምስ “ፕሮጀክት ጣና በለስ” ዝተኣሳሰር፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝጸንሐ ፕሮጀክት ከተኣሳስሮን፡ ንኻልእ ዝበሎ ብንጹር ዘይገለጾ ዕላማታት፡ “ንናይ ወጻኢ ኣጀንዳን” እዩ ብምባል ክገልጾ ተሰሚዑ።
ፕሮጀክት ግድብ ኣባይ፡ ኢትዮጵያ ተጠቃምነታ ካብቲ ማይ ንምዕባይን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ልምዓትን ቍጠባን እታ ሃገር እጃም ከምዝህልዎ ንምግባር ዝጸንሓ ድሌት ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ድማ፡ ነቲ ናይ ዓመታት ባህጊ እታ ሃገር ግብራዊ ዝገበረ መራሒ ተባሂሉ ዓቢይ ናእዳን ክብሪን ካብ ዝረኸበሉ ፕሮጀክትታት ሓደ እዩ።
ኣብ ካልእ ምስ መለስ ዝተመኻኸሩሉ ጉዳይ’ውን እቲ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ክዛረበሉ ዝተሰምዐ ጉዳይ ቅዋም እታ ሃገር እዩ። እዚ ድማ ጠንቂ እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ “ብሄራዊ ምትፍናን” እዩ ኢሉ።
ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንጉዳይ ባድመ ኣልዒሉ’ውን፡ ኲናት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ 1998 ቅድሚ ምጅማሩ ዝነበረ ሓፈሻዊ ኵነታትን ወጥሪታትን ጠቒሱ።
ኣብዚ ጉዳይ፡ ነቲ ኵነታት ብውዕል ኣልጀርስ ንምፍትሑ ዝተሓልፈ መስርሕን ደሓር ዘጋጠመ ነቲ ስምምዕ ዘይምትግባርን ን 20 ዓመታት ዝቐጸለ ወጥሪን፡ ኣብ 2009 ዝሰዓበ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተገብረ እገዳን ኵሉ፡ “ናይ ኢትዮጵያ ዘይኰነስ ናይ ዋሽንግተን እዩ” ብምባል ንኣመሪካ ክወቅስ ተሰሚዑ።
ኲናት ትግራይ
ኣብ ጉዳይ እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ከቢድ ደማዊ ኲናት ትግራይ ኣመልኪቱ ገለ ነጥብታት ኣብ መግለጺኡ ዘልዓለ ኣቶ ኢሳይያስ፡ ኣቐዲሙ ብወገን መራሕቲ 'ማለሊት' እናበለ ክገልጾም ዝተሰምዐ መራሕቲ ህወሓት ሰፊሕ ምድላው ኲናት ይግበር ከምዝነበረን ንምፍትሑ ፈተነታት ከምዝተገብረን ብምጥቃስ፡ ምስ ኣቦመንበር ህወሓት ፕረዚደንት እቲ ክልል ዝነበረ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራ ተራኺቦም ዝተበሃሃልዎን ኣልዒሉ።
ኣቐዲሙ ግን ድሕሪ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ለውጢ፡ "ንዓና ንምውቃዕ እዩ" ካብ ዝብል ኲናት ኣዊጆም፤ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ምስ መራሕቲ ትግራይ ንምዝርራብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ከምዝሓተቶን፡ እንተዀነ "ኣብ ውዱእ እሞ እንታይ ክንብል ወዲኦሞ እዮም ነይሮም" እውን ኢሉ።
እንተዀነ ኣብ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡን፡ እቲ ንኽልቲአን ሃገራት ን20 ዓመታት ኣተፋኒኑ ዝነበረ ጉዳይ ዶብ ብውዕል ኣልጀርስ ብዘይቅድመ ኵነት ከተግብሮን ምስ ኤርትራ ዕርቂ ክገበር ቃል ድሕሪ ምእታዉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ናብ ሰበስልጣን ህወሓት ብምንጽጻር ‘ገይም ኦቨር’ ጸወታ ተወዲኡ እዩ ብምባል፡ ኣብ ኢትዮጵያ “ፖለቲካዊ ሕጽቦ” ከምዘድሊ ብተደጋጋሚ ተሰሚዑ እዩ።
እዚ ይዅን ግን፡ ነቲ ኲናት ኣመልኪቱ ነይሩ ንዝበሎ ውጥን ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ 70 ዝኸውን ዒላማታት ሚሳይል ተሓንጺጹ ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ ሰፊሕ ምድላዋት ከምዝነበረ ገሊጹ።
ኣብቲ ኲናት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ከምዝተዋግኡ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ናብ ኣስመራ ክልተ ግዜ ሚሳይላት ከምዝተተኰሰ ይዝከር።
ነቲ ኲናት ደው ንዘበለ ውዕል ፕሪቶሪያ ዘልዓለ ኣቶ ኢሳይያስ፡ እቲ ኣብ መንጐ መራሕቲ "ማለሊት" ዘሎ ምክፍፋል ናብ ካልእ ከየምርሐ ደው ክብል “መኺሩ”።
እዚ ከይኣክል፡ "ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝግበር ዘሎ ጽልኢን ዝጕስጕስ" ነገራት ንህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ይዅን ካልኦት ህዝብታት ከምዝበኣስ ምግባር ረብሓ የብሉን፤ "ምስ ህዝቢ ኤርትራ ከተባእሶ ኢልካ ዘይለዓል ኣርእስታት" ይለዓል ከምዘሎ ጠቒሱ።
ንሱ፡ ኣብ 2025 ኣብ ዝዀነ ጐናዊ ኩናት ከምዘይኣቱን፡ "ናይ ምግታእ ፖሊሲ" ከምዘለዎ ብምግላጽ ''ነቶም ዝጋገዩ ዘለው ድማ ዓዲ ውዓሉ ንብሎም'' ኢሉ።
ኣብ ርእሲኡ፡ኣብ ዘሎ ምዕባለታትን ኵነታትን ትግራይ ንመራሕቲ ነዊሕ ዝወቐሰ ኣቶ ኢሳይያስ "ሕልናዊ ግዴታ ኣለና" ብምባል፡ ዘየድልዩ ምዕባለታት ከይመጹ ኣብ ምግታእ ኣበርክቶ ክንገብር ድሉዋት ኢና ኢሉ።
ኤርትራ-ግብጺ-ሶማል
እቲ ኣብ ዝሓፈለ ቅንያት ኤርትራ፡ ግብጺን ሶማልያን ዝመስረታኦ ኪዳን ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ንምጥቃዕ ዝዓለመ እዩ ዝብል ዘመተ፡ ብኸምቲ ልሙድ ኣገባብ “ናይ ደገ ኣጀንዳ እዩ” ኢልዎ።
ነቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ህሉው ዝምድና ኣመልኪቱ ዝዀነ ዘይተዛረበ ኢሳይያስ፡ ንኢትዮጵያ ንምጥቃዕ እዩ ዝብል ዘረባታት “ነየነይቲ ኢትዮጵያ እያ?” ብምባል፡ ዝግበር ኪዳናትን ርክባትን ኣብዚ ዞባ “ርግኣት ንምፍጣር ጥራይ እዩ” ኢሉ።
ኣብቲ ዝቐረበ ሕቶ ዝተጠቕሰ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያን ምስ ሶማሊላንድ ዝተገብረ ውዕልን ዝምልከት እውን ዝዀነ ኣይተዛረበን።ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን'ውን ኣይተዛረበን።
ኢትዮጵያ ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ ንምውሓስን፡ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ክትጽጋዕ ዕድል ዝህባ ገማግም ባሕሪን ክትረክብ፡ ምስታ ባዕላ ነጻነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣብ ምእታው እዚ ዓመት ውዕል ከምዝኸተመት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ግን በታ ከም ኣካላ እትሓስባ ሶማልያ “ግህሰት ልዑላውነትን ምዝርግ ሓድነትን” ኰይኑ እዩ ተገሊጹ።
በዚ ስጕምቲ ዝተቘጥዐ ፕረዚደንት ሶማልያ ሸኽ ሓሰን ማሕሙድ ድማ ብቕጽበት ናብ ኤርትራን ናብ ግብጺን ብምምልላስ ምስ ክልቲኦም ፕረዚደንታት ብተደጋጋሚ ክመክር ተራእዩ እዩ። ሰለስቲኦም መራሕቲ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም ስሉሳዊ ኪዳን መስሪቶም እዮም።
ጉዳይ ሱዳን
ኣብዚ ናይ ቀዳም ቃለመጠይቝ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንጉዳይ ሱዳን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግለጺ ዝሃበ ኰይኑ፡ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መበገሲኡ ይዅን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ክፍታሕ ዘይከኣለሉ ምኽንያትን ብቐንዱ ብሰንኪ ምትእትታው ዝተፈላለያ ሃገራት ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ብኤርትራ ዝቐረበ እማመ ከምዝነበረ ብምጥቃስ ድማ፡ “እቲ እማመ እንተዝትግበር ነይሩ እዚ ሕጂ ሱዳን ዘላቶ ኵነታት ኣይምተፈጥረን” ኢሉ። ሕጂ’ውን እቲ ፍታሕ እቲ ብኤርትራ ዝቐረበ ናብ “በሪ-ኣማን” ዘብጽሕ መርሓ ጐደና ምትግባር ጥራይ እዩ፤ ብምባል ንዅለን እተን ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢደን መሊሰን ዝሸናኽራ ዘለዋ ሃገራት ኢደን ክእክባ ኣተሓሳሲቡ።
ጉዳይ ሱዳን “ብቐረባ ይጸልወና እዩ” ብምባል ድማ ዝዀነ ይዅን ኢድና ኣጣሚርና ኣይክንርእን ኢና ኢሉ። እቲ ኤርትራ “ብፍሉይ ንቡርሃን ትድግፍ እያ” ዝበሃል ዘመተ ማዕከናት ዜና እዩ ኢሉ ዝወቐሰ፡ ብፍሉይ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ ኤርትራ ዑደት ዝገበረ ኣቦመንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ትድግፈሉ ምኽንያትን ረብሐን ከምዘየለ፤ “ረብሓና ርግኣት ህዝቢ ሱዳን እዩ” ኢሉ።
ኣብዚ ጉዳይ፡ መራሒ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ሱዳን ዝነበረ ጆን ጋራንግ ዝዘከረ ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ኣብ ሓድነት ሱዳን ይኣምን ምንባሩ ጠቒሱ። እቲ ኣብ 2011 ዝተገብረ ምንጻል ደቡብ ሱዳን እውን ዕላማ ቃልሱ ከምዘይነበረን፡ ዕላማን ድሌትን ሓይልታት ወጻኢ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ብዘይካ’ዚ
ኣብቲ ብዓለማዊ ጉዳያት ዝጀመረ መግለጺ ኣቶ ኢሳይያስ፡ ኣብዚ ናይ ቀዳም ዘረብኡ እውን፡ ነቲ ወትሩ ጠንቂ ሕንፍሽፍሽን ቅልውላውን ዓለም ኰይኑ እዩ ብምባል ከምዝፈሸለ ዝገልጾ፡ ነቲ “ኣመሪካ እትመርሖ እንኮ ቀጽራዊ ስርዓተ ዓለም” ነዊሕ ክወቅስ ኣምስዩ።
እዚ ድማ ልዕልና ኣመሪካ ንምርግጋጽ፡ ናይ ጽልዋ ዞባታት ንምስፋሕ፡ ነተን ሓያላት ዝበሃላ ሃገራት ሩስያን ቻይናን፡ ጉዳያት ዩክረይንን ታይዋንን እናገብርካ ከምዝግትኣ ምግባር ሳዕቤናቱ እዚ ዝርአ ዘሎ እዩ ኢሉ።
ቝጠባ ቻይና ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብሉ ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ፡ ሓድሽ ተመራጺ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ እውን፡ ነቲ ኣመሪካ ዝፈሸለትሉ ልዕልነት ኣልዒሉ፡ ደጊምካ ንኣመሪካ ኣብ ቅድሚት ምስራዕ ዝብል ጭርሖኡ ብኸመይ ከተግብሮ እዩ ብሕጂ ዝርአ እዩ ኢሉ።