ኣብ 2022 ዝወጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘረድኦ፡ 83 ሚእታዊት ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 19 ዝርከባ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ በቲ ኣሰቃቒ ልምዲ ክሽቦ ሓሊፈን።
እተን 36 ሚእታዊት ካብአን ሓደ ዓመት ቅድሚ ምምለአን ዝተኸንሸባ ክኾና እንከለዋ፡ 27 ሚእታዊት መዓስ ከምዝተኸንሸባ ብርግጽ ክዝክራ ኣይክኣላን።
ዋላ'ኳ ካብ 2007 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ብሕጊ እጉድን ብቐጻሊ ጐስጓስ ዝካየደሉ እንተኾነን ክሳብ ሎሚ ክውገድ ኣይክኣለን።
ስለዚ ድማ'ዩ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ገለ ከባቢታት ዞባ ዓንሰባ ተረጋጊጹ ዝብሃል ዘሎ ዓወት ንብዙሓት ቆልዑ ኣዋልድ ኤርትራ ተስፋ ዘስንቕ ክኸውን ተኽእሎ ዘለዎ።
ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዘውጽኡዎ ጸብጻባት፡ ኣብታ ነቲ ግናይ ልምዲ ንምውጋድ ኣርኣያ ብምዃን ትመርሕ ዘላ ዞባ ዓንሰባ ዝርከባ ንኡሳን ዞባታት ከረንን ገለብን "ብ23ን 25ን ሕዳር ነጻ ካብ ክሽቦ ጓልኣንስተይቲ ኣዊጀን" ኣለዋ።
ኣብ 2017 እውን ንኡሳት ዞባታት ኣስማጥን ሃበሮን ክሽቦ ምሉእ ብምሉእ ከወግዳ ከምዝኸኣላ ሕቡራት ሃገራት ይጠቅስ።
ኣብ 2022 ኣካል እቲ ዞባ ዝኾና ንኡሳን ዞባታት ሓልሓልን ዓዲ-ተክለዛንን ተመሳሳሊ ኣዋጅ ኣውጺአን ነይረን። ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ'ውን ኣሰረን ክትስዕብ ጻዕርታት ተካይድ ከምዘለ'ዮም ጸብጻባት መንግስትን ሕቡራት ሃገራትን ዝገልጹ።
ንምውጋዱ ዝውሰድ ሕጋዊ ስጉምቲ
ክሽቦ ጓልኣንስተይቲ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ኣዋልድ ቆልዑን ዲቂኣንስትዮ ብሓፈሻን እዩ።
ኣብ 2008 ጠቕላሊ ባይቶ ጥዕና ዓለም፡ ነቲ ልምዲ ንምውጋድ 'WHA61.16' ዝተባህለ ውሳነ ኣሕሊፉ ነይሩ።
እቲ ውሳነ ጽላታት ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ፍትሒ፡ ፋይናንስን ንመሰላት ደቂኣንስትዮ ዝሰርሓን ዝሕለቓን ኣካላትን ተወሃሂዶም ንክሰርሑ ዘተባብዕ'ዩ።
ብወገን ኤርትራ ድማ ኣብ 2007 ንክሽቦ ጓል-ኣንስተይቲ ዘይሕጋዊ ገበን ዝገብር "ኣዋጅ ቊጽሪ 158/2007" ወጺኡ።
"ዝኾነ ጓለንስተይቲ ዝኸንሸበ ሰብ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ብዝበጽሕ ማእሰርትን ካብ ሓሙሽተ ሽሕ ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ናቕፋ ብዝበጽሕ ናይ ገንዘብ መቕጻዕትን ይቕጻዕ" ይብል ዓንቀጽ 4.1 ናይቲ ኣዋጅ።
መሳርሒታት ክሽቦ ብምቕራብ፡ ብምትብባዕ ወይ ብዝኾነ ካልእ ኣገባብ ኣብቲ መስርሕ ኢዱ ዝሐወሰ ሰብ'ውን ናይ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርትን ኣስታት 3000 ሽሕ ናቕፋ መቕጻዕትን ይብይን። እቲ ገበን ከምዝተፈጸመ ዝፈልጥ ሰብ'ውን ንዝምልከቶም ኣካላት ክሕብር እቲ ኣዋጅ የገድድ።
እንተኾነ ግን፡ ኣብቲ ዛጊት ዝቕጽል ዘሎ ልምዲ ምኽንሻብ፡ ክንደይ ሰባት ከምዝተቐጽዑ ኣብ መብዛሕትኦም ጸብጻባት ክሽቦ ክወጽእ ኣይርአን።
ኣብ 1995 መጠን ክሽቦ ኣብ ተመሳሳሊ ክሊ ዕድመ ዝነበራ ኣዋልድ 97 ምንባሩ ጸብጻባት መንግስቲ የነጽሩ። ኣብቲ እዋን ኣብ ኩለን ዞባታት ካብ 90 ክሳብ 99 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ክንሹባት'የን ነይረን። ኣብ ከተማታት'ውን 93 ሚእታዊት ብክሽቦ ዝሓለፋ'የን ነይረን።
እቲ ዘገርም'ውን 91 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ኣስመራ ዝተኸንሸባ ምንባረን ቤትጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኤርትራ ኣብ 1997 ዘውጽኦ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ዋላ'ኳ ብኣካላት መንግስቲ፡ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮን ጻዕርታት ክካየድ እንተጸንሐ፡ ብሃገር ደረጃ መጠን ክሽቦ ትሕቲ ፍርቂ'ውን ክወርድ ኣይክኣለን ዘሎ።
ክሽቦ ጓልኣንስተይቲ እንታይ'ዩ
ምኽንሻብ ብልዕቲ ደቂኣንስትዮ ኣብ 30 ሃገራት ኣፍሪቃን ገለ ሃገራት ኤስያን ማእኸላይ ምብራቕን ይፍጸም።
እቲ ከቢድ ኣካላዊን ስነኣእምሮኣውን በሰላ ዘስዕብ ሃሳዪ ልምዲ ክሽቦ ዝተፈላለየ ደረጃታትን ዓይነታትን ዘለዎ'ዩ፣
- ብምልኡ ይኹን ብኽፋል ምቚራጽ ጉድበን ዝሽፍኖ ቆርበትን
- ብምልኡ ይኹን ብኽፋል ምቚራጽ ጉድበን ንኡስ ከናፍር ርሕምን
- ምስፋይ፡ ከምኡ'ውን ብኽፋል ወይ ብምሉእ ምቚራጽ ግዳማዊ ብልዕቲ ጓልኣንስተይቲ (ጉድበ ንኡስን ዓበይትን ከናፍር ርሕሚ)
- ዝተቖርጸ ጉድበን ዝተጨንደሐ ከናፍር ርሕምን ንምልጋብ ብእሾኽ፡ ብድርቂ ወይ'ውን ብፈትልን ብኻልን ምስፋይን፡ ንምጽባብ ርሕሚ ቆጽሊ ወይ ካልእ ነገራት ኣብ ርሕሚ ምእታው
- ንልምዳዊ ምልክት ዝግበር ደም ምንቃዕ ዘስዕብ ምርምጣጥን ምውቃጥን ጉድበ
- ካልእ ተመሳሳሊ ሕክምናዊ ምኽንያት ዘይብሎም ኣገባባት ኣካላት ብልዕቲ ምጉዳልን ምቚራጽን የጠቓልል
እዚ ፈጺሙ ዝኾነ ጥዕናዊ ረብሓታት ዘይብሉ ምጉዳልን ምጉዳእን ኣካላት ደቂኣንስትዮ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ግዳያት ዝተፈላለየ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለዎ።
ገለ ካብቲ ህጹጽን ጥዕናዊ ሳዕቤናት፡ ክቱር ቃንዛ፡ ልዕሊ ዓቐን ምፍሳስ ደም፡ ሕበጥ ብልዕቲ፡ ረስኒ፡ ረኽሲ፡ ጸገማት ስርዓተ-ሽንቲ፡ ምጉዳእ ኣብ ከባቢ ብልዕቲ ዘሎ ክፋል ኣካላት፡ ስንባደ፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ሞት ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ከከም ደረጅኡ ነባሪ ዝኾነ ረኽሲ ስርዓተ-ሽንቲ፡ ጸገማት ወርሓዊ ጽግያት፡ ኣካላዊ በሰላ ብልዕትን ክፋላቱን፡ ጸገማት ጾታዊ-ርክብ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ዝተሰፍየን ዝተጐንደበን ኣካላት፡ ንምኽፋት ይኹን ንምጽባብ ተወሳኺ መጥባሕትታት ከኸትል ይኽእል። ኣብ እዋን ሕርሲ'ውን ዘይንቡር ምፍሳስደምን ጻዕርን ከስዕብ ይኽእል።
ከኖ'ቲ ህጹጽን ነባሪን ሳዕቤናት ግን፡ ኣብ ልዕሊ እተን ግዳያት ዝኾና ኣዋልድ ስነኣእምሮኣዊ በሰላ ክገድፍ ከምዝኽል ሰብሞያ ይገልጹ። ኣብ ቀጻሊ ህይወተን ብቅዛነት፡ ተርባጽ፡ ጭንቀት፡ ምምዝባዕ ኩነተ-ኣእምሮን ምጉዳል ርእሰ-ተኣማንነትን ንዝበሉ ሓደጋታት ክቃልዓ ይገብረን'ዩ።
ምስ ክሽቦ ደቂኣንስትዮ ንዝተሓሓዝ ጥዕናዊ ጸገማት ንምእላይ ዓመታዊ ኣስታት 1.4 ቢልዮን ወጻኢ ይሓትት።
ኣብ መላእ ዓለም ዓመታዊ ሰለስተ ሚልዮን ኣዋልድን ደቂኣንስትዮን ግዳይ ናይዚ ከቢድ ስቅያት ዘስዕብ ድሑር ልምዲ ከምዝኾና ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብሩ።
ልዕሊ 230 ሚልዮን ብህይወት ዘለዋ ደቂኣንስትዮ ዓለም ብሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ደረጃታት ክሽቦ ዝሓለፋ እየን። ዓመታዊ ድማ ልዕሊ 3 ሚልዮን ኣዋልድ ነቲ ሓደጋ ዝተቓልዓ ምዃነን ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።