ኣብዛ ዕለት፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ቀዳሞት ጸላእቲ ፕረስ ምዃኑ፣ ብዝተፈላለዩ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወጽእ ዘሎ መግለጺታት የመልክት።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ’ውን፣ ቀዳሞት ጸላእቲ ናጻ ፕረስ ተባሂሎም፣ ብሕማቕ ኣብነት ካብ ዝተጠቕሱ መራሕቲ፣ ከም ናይ ቅድሚኡ ዓመታት፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግኑን ስም ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ።
ኣብ ኤርትራ፣ ካብ 2001 ኣትሒዞም በብእዋኑ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ጋዜጠኛ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ኣዳላውትን ከምኡ ድማ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜናን ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።
ኣብዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ይኹን ካልእ ማዕከን ዜና ኣብ ዘይብላ ኤርትራ፣ ኣብ ርእሲ ድማ ንሓያሎ ዓመታት ንዝተቐየዱ ጋዜጠኛታት ናብ ፍርዲ ከተቕርብ ብዘይምኽኣላ፣ ነዚ ዝሓለፈ 23 ዓመታት ብናጽነት ፕረስ ኣብ ድሕሪት ምስ ዝስራዓ ሃገራት’ያ ትርከብ።
ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ብዘስፈሮ ጸብጻብ፣ ንኤርትራ ብደረጃ ናጽነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ’ዩ ሰሪዑዋ።
ኖርወይ፣ ደንማርክ፣ ሽወደን፣ ኤስቶንያን ፊንላንድን ብናጽነት ፕረስ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክርከባ እንከለዋ፣- ሰሜን ኮርያ፣ ቬትናም፣ ኤርትራ፣ ኢራን፣ ቱርኪመንስታንን ሚያንማርን ከኣ ናጽነት ፕረስ ዘይፈቕዳ ሃገራት ተባሂለን ኣብ ድሕሪት ተሰሪዐን ኣለዋ።