ምውንጃል መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሓድሽ ጎንጺ ክመርሕ ይኽእል’ዶ?

ካብ 2013 ክሳብ 2018 ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኰይኑ ዘገልገለ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፡ ብ17 ለካቲት ኣብ ናይ እንግሊዘኛ መርበብ ሓበሬታ ኣልጃዚራ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝመጽእ ግጭት ምውጋድ፡ ውሳነ ዝውሰደሉ ግዜ’ዩ፡” ክብል ጽሒፉ። ጽሑፍ ዶክተር ሙላቱ፡ “ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ምስ ገለ ወገን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብምልፋን፡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ኲናት ክትከፍት ትቀራረብ ኣላ፡” ዝብል’ዩ። እቲ ፕረዚደንት ነበር ወሲኹ፡ “ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን መንግስቲ ኤርትራን ነቲ ዞባ ኣብ ሰንሰለታዊ ኲናት ብምንቛት ይሕመሶ ኣሎ፡” ኢሉ ነዊሕ ሓተታ ብምቕራብ፡ “ኣብ ቀረባ እዋን’ውን እቲ ንስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ንምትዕንቓፍን ንኢትዮጵያ ምሕማስን ይሰርሕ ኣሎ፡” ክብል ይኸስስ።

ዶክተር ሙላቱ ኣብ መዛዘሚ ናይ ኣልጀዚራ ጽሑፉ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሊሱ ኣብ ካልእ ጎንጺ ከይኣቱ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጸቕጢ ክገብር ጸዊዑ። ነቲ ዞባ ናብ ዝተሓደሰ ሕንፍሽፍሽ ንዘይምምራሕ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ብቕልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዑ።

ንርእይቶ እቲ ናይ ቅድም ፕረዚደንት ስዒቡ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ (ናይ ቅድም ትዊተር) ንጽባሒቱ ሰሉስ 18 ለካቲት ነዊሕ ምላሽ ሂቡ ኣሎ። ሚኒስተር የማነ ኣብ ጽሑፉ 10 ነጥብታት ብምስፋር፡ ኢትዮጵያ “ንዘሎካ ውሽጣዊ ጸገማት ንደገ ክትንውጅል ምድላይ” ዝብል ምጉት ኣቕሪቡ። “ኲናት ንምኽፋትን ንውሽጣዊ ሕንፍሽፍሽ ናብ ካልእ ምኽኑይ ንምግባርን ዝዓለመ፡” ኢሉ ንዝጸወዖ ጽሑፍ ዶክተር ሙላቱ፡ “ብኣንጻሩ መንግስቲ ኤርትራ ግዳይ ምምሕዳር ኢትዮጵያ’ዩ ክብል ዘርዚሩ ኣሎ። “ናብ ኲናት ትግራይ ብዕድመ መንግስቲ ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝወረደና መጥቃዕቲ ንነብሰ-ምክልኻል ኢና ኣቲና፡” ዝበለ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ “ስምምዕ ፕሪቶሪያ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ስለ ዝዀነ ኤርትራ ነቲ ስምምዕ ከተተዓንቕፍ ሸውሃት የብላን፡” ኢሉ። እቲ ሚኒስተር ዜና ድማ ኢትዮጵያ ብእትገብሮ “ምስፍሕፋሕ” ዝብሎ ነቲ ዞባ ትህውኾ ከም ዘላ ጽሒፉ።

ዶክተር ሙላቱ ሎሚ ኣብ መንግስታዊ መዝነት ስለ ዘየሎ፡ ወግዓዊ መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዲዩ ወይስ ናይ ውልቁ ርእይቶ ንጹር ኣይኰነን። ኣብዚ ጉዳይ ንመርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ጽሑፍ እቲ ናይ ቅድም ፕረዚደንትን መብርሂ ንምርካብ ንወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ተወኪስናዮ። እንተዀነ እዚ ጸብጻብ ክሳብ ዝተዳለወሉ ሰዓት ምላሽ ኣይረኸብናን።

ንምዃኑ ጽሑፍ ዶክተር ሙላቱ ከም ወግዓዊ መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዲዩ ዝርአ ወይስ ናይ ውልቂ? ርእይቶ ንኽህበና ኣቐዲሙ ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ብደረጃ ዳይረክተር ጀነራል ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ዝሰርሕ ዝነበረን ካብ 1998 ኣትሒዙ ካብታ ሃገር ድሕሪ ምውጻእ ኣብ በበይኑ ትካላት ተራድኦ ልምዓት ዝሰርሐን ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን ተወኪስናዮ ኔርና። ብኣረኣእያ ኣቶ ሰመረ፡ እቲ ጽሑፍ ብስም ውልቀ-ሰብ ደኣ ይጸሓፍ እምበር፡ መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገይሩ ከም ዝርድኦ ይኣምን።

ከም ኣረጋድኣ ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብኽልተ ወገናት ዝተዋህበ ምላሽ ህሉዊ መርገጺን መርኣያ ዝምድናን ክልተ ሃገራት’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ። ኣቶ ሰመረ ድሕሪት ምልስ ኢሉ ናብዚ ዝመርሐ እቲ ትካላዊ ኣሰራርሓን ቅርጺን ዘይሓዘ “ኣብ ሕኸኸኒ ክሓከካ” ዝተመስረት ዕርቂ መራሕቲ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን’ዩ ዝብል ምጉት ኣለዎ። “ንዘላቒ ዝምድና ሃገራትን ህዝብታትን መሰረት ዘይገበረ” ኢሉ ዝግለጾ ዕርቂ ድማ ድሒሩ ናብዚ ከም ዝመርሐ ይግለጽ።

ዝምድና መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ትግራይ ክሕርፍፍ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣንጻሩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝዋጋኡ ዘለዉ ሚሊሻ ፋኖ ኤርትራ ከም እትድግፎም ይኸስስ። መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ብወገኑ ኣብ ቀረባ እዋን ንተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝዀኑ በበይኖም ወገናት ከምቲ ቅድሚ 2018 ዝነበረ ብግልጺ ከእንግድ ጀሚሩ ኣሎ። ንምዃኑ እዚ ተደማሚሩ ናበይ ክመርሕ ይኽእል ዝተወከስናዮ ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን “እዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ዝበሎ ምምልላስ” ናብ ጎንጺ ከይዓርግ ሻቕሎቱ ይነግር።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ብበይኑ ጎንጽታትን ዳግመ-ስርርዕ ሓይልታትን ክርኣየሉ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ መሪሕነት ህወሓት ድሕሪ ዝተፈጥረ ፍልልይ’ዩ እምበኣር ሓደ ክፋል ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሓድሽ ዝምድና ከም ዝፈጠረ ብወገን ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሎሚ ዝውንጀል ዘሎ። እቲ ቅልጡፍ ምልውዋጥ ሓይልታትን ወገናት ዝርኣዮ ዞባ ሎሚ’ኸ ንሓድሽ ጎንጺ ቦታ ክኽፈት ዲዩ ወይስ ንሃልኪ ፕሮፓጋንዳ መራሕቲ ጥራይ ኰይኑ ዝተርፍ ከኣ ንግዜ ዝግደፍ’ዩ።