ነዚ ዝምልከት ብወገን ኤርትራ ዝወጽአ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
"ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ኣብ ጥቅምቲ 31 ከምኡ'ውን 03 ሕዳር ኣብ ዝግበር ናይ ቻን መጻረዪ ውድድር ክልተ እግሪ ጸወታታት ን23 ተጻወቲ ጻዊዒት ቀሪቡ" ይብል እቲ ብመንገዲ ፋና ብሮድካስቲን ዝወጽአ ሓበሬታ።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት እናሓርፈፈ ዝመጸ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ምትፍናን ገጹ የምርሕ ምህላዉ ይግለጽ።
ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ኣብ 2018 ዝጀመረ ምውቕ ዝምድና፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣዝዩ እናዘሓለን እናሓርፈፈን ይርከብ።
እቲ ብበረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዝነበረ እንኰ ቁጠባዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት፡ ኤርትራ ብዝወሰደቶ ውሳነ ድሕሪ ምቁራጹ እቲ ውጥሪ እናገደደ ይመጽእ ኣሎ።
ኣብቲ ንመበል ሻሙናይ ግዚኡ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ቻምፕዮንሺፕ ሃገራት ኣፍሪቃ 2024 (CHAN) 40 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ ምዃነን ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ይሕብር።
ብመሰረት ካፍ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ናይ መጻረዪ ግጥማት ኣብ ክልተ እግሪ ዝካየድ ኰይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ሓደ ጸወታ ከተአንግድ ዝገብር'ዩ።
ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት ዝካየድ ውድድር 19 ጋንታታት ክሓልፋ ትጽቢት ይግበር።
ብመሰረት ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ ኣብ ካይሮ ዝወጸ ምድብን ሰሌዳ ጸወታታትን፡ ቀዳማይ ዙርያ ግጥማት ካብ 25 ክሳብ 27 ጥቅምቲ፡ ከምኡ'ውን 01 ክሳብ 03 ሕዳር ክካየድ'ዩ።
እቲ ኣብ 2009 ዝፈለመ ውድድር ነቶም ኣብ ክለባት ሃገራቶም ዝርከቡ ተጻወትቲ ዝተሓዝአ እዩ።
እዚ ማለት ካብ ሃገሮም ወጺኦም ዝጻወቱ ፍሉጣት ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ኣብቲ ግጥማት ኣይክሳተፉን እዮም።
"ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ንፈለማ እዋን ዝተወሰነ ኮይኑ፡ ሓደ ካብቲ ንኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ንምምዕባል ካፍ ዘካይዶም ዘሎ ዘሕጉስ ምህዞ እዩ" ይብል እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኮንፈደረሽን ዝወጽአ መብርሂ።
ነቲ ውድድር ስዒራ ዝወጸት ጋንታ ዋንጫ 'ቶታልኢነርጂ ካፍ ቻን (TotalEnergies CAF CHAN) ክትዓትርን 2 ሚልዮን ዶላር ክትሽለምን እያ።
ኣብቲ ኣብ ኣልጀርያ ዝተኻየደ ዝሓለፈ ውድድር፡ ጋንታ ሰኔጋል ነታ ኣአንጋዲት ሃገር ብምስዓር ዋንጫ ተዓዊታ ምንባራ ይዝከር።