ጀርመን፡ ሃድን ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ እንታይ የመልክት?

ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ጀርመን ብሓሙስ 26 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣስማቶም ዘይጠቐሶም 17 ውልቀሰባት "መስረትን ኣባላትን ውሽጣዊ ግብረ ሽበራዊ ውድብ ምዃኖም ዝተጠርጠሩ እዮም" ይብል።

ኤርትራ ዝመበቖሉ ሆላንዳዊ ጋዜጠኛ ሃብቶም የውሃንስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትተ "መንግስቲ ጀርመን ንበርጌድ ንሓመዱ ገና ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ኣይበሎን ዘሎ" ይብል።

ሃብቶም ነዚ ከብርህ እንከሎ "ኣኽባሪ ሕጊ ምስ ፖሊስ ኮይኑ'ዩ ዝሰርሕ። ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኮይኑ ግን ርእሱ ዝኽኣለ 'ዩ። ገበን ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ይኹን ጉጅለ ከኣ ንሕጊ እታ ሃገር ምርኩስ ብምግባር ከሲሱ ናብ ሕጊ የቕርቦ። ብኸምኡ'ዩ ኣኽባሪ ሕጊ ዝብሃል" ይብል።

እዚ ኣኽባር-ሕጊ፡ ብርጌድ-ንሓመዱ "ግብረ-ሽበራዊ" ትካል ኢሉ ጠርጢርዎ ስለዘሎ፡ ነዚ መርትዖ ዝኾኖ መረጋገጺ ንምእካብ እዩ ብረቡዕ 26 መጋቢት፡ ኣብ ሹዱሽተ-ዞባታት ናይ ጀርመን ልዕሊ ክልተ-ሚእቲ ፖሊስ ብምውፋር፡ ን19-ንብረታት (ገዛ፡ ድኳን ወይ ቤት ምግቢ ምዃኑ ኣይሓበረን) ናይ 17 መራሕቲ ናይ ብርጌድ-ንሓመዱ ዝበሃሉ ሰባት ፈቲሹዎ።

"ኣብ ዴንማርክ እውን ተፍተሻ ተኻይዱ። እንተድኣ እቶም ብኣኽባር-ሕጊ ዝምርሑ ፖሊስ እኹል ጭብጢ ረኽቦም፡ "ብርጌድ-ንሓመዱ ግብረ-ሽበራዊ" እዩ ኢሎም ናብ ፍርዲ ከቕርብዎ እዮም። ካብኡ ፈራዳይ ነቲ ዘቕረብዎ መረጋገጺ ርእዩ፡ ንጠለቦም ከጽድቕ ወይ ክነጽግ ይኽእል። እዚ መስርሕ እዚ ክሳብ ዝፍጸም ግን "ጀርመን ንብርጌድ-ንሓመዱ ግብረሽበራዊ ኢላቶ" ዝብል ወረ ሓቅነት የብሉን" ይብል ሃብቶም።

እዚ ኣካል እዚ መስረትቲን ኣባላትን [ብርጌድ ንሓመዱ] ውሽጣዊ ግብረ ሽበራዊ ውድብ ምዃኖም ዝተጠርጠሩ እዮም፡ ብምባል ምስ ፖሊስ ኮይኑ ናብ ቤት ፍርዲ ንምቕራቦም ይሰርሕ ምህላዉ ከኣ ይሕብር።

"እቲ ብመንግስቲ ይኹን ብምኒስትሪ ፍትሒ ዘይዝወር ፈራዲ ነቲ ካብ ኣኽባሪ ሕጊ ዝቐረበሉ መርትዖታት ሓቅነቱ እንተኣረጋጊጹ'ዩ ብርጌድ ንሓመዱ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ተባሂሉ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል" ክብል የረድእ።

"ብኣንጻሩ ወከልቲ ብርጌድ-ንሓመዱ ባዕሎም ይኹን ብጠበቐኦም ጌሮም፡ ብርጌድ-ንሓመዱ ግብረ ሽበራዊ-ጉጅለ ከምዘይኮነ ንፈራዳይ ብመርትዖ እንተኣእሚኖም፡ ናይቲ ኣኽባር-ሕጊ ክሲ ንጹግ ይኸውን ማለት እዩ" ብምባል ይውስኽ።

ጎኒ ጎኒ እቲ ኣብ ጀርመን ዝካየድ ዝነበረ ተፍትሽን ሃድንን ኣብ ዴንማርክ'ውን ይካየድ ነይሩ'ዩ።

እዚ ብደረጃ እተን ጎረባብቲ ሃገራት ዝተወደበዶ ኣይመስልን ንዝብል ሕቶ "ንኹሉ ዘማእክል ኢንተርፖል ስለዘሎ እዚ ሓደ ኣጋባብ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እቲ ካልእ ከኣ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ'ውን ሓበሬታታት ይለወዋወጡ'ዮም" ዝብል መብርሂ ሂቡ።

"ንኣብነት ዝሓለፈ ዓመት ኣቶ ዮውሃንስ ኣብርሃ [ጆን ብላክ] ካብ ቀንዲ መራሕቲ እቲ ምንቅስቃስ ተባሂሉ'ውን ይጥቀስ'ዩ። ኣብ ሆላንድ ንኣርባዕተ ዓመታት ክእሰር ከምዝተፈረደ ኩላትና ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ካብቲ ኣርባዕተ ዓመት ዘፍረዶ እቲ ሓደ እቲ ኣብ ጊሰን [ጀርመን] ገይርዎ ዝተባህለ'ዩ" ይብል ሃብቶም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፖሊስ ብሪጣንያ፡ ኣብ ከተማ ሸፊልድ ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ባእሲ ተሳቲፎም ንዝበሎም ናይ 22 ኤርትራውያን ኣሳእል ዘርጊሑ ኣብ ምህዳኖም ተዋፊሩ ምህላዉ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘጋጠመ ግጭት ብ25 ግንቦት 2024 ዉድቦርን ኣብ ዝተባህለ ጐደና ከም ዘጋጠመ ፖሊስ ሳውዝ ዮርክሻየር ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ዕግርግር ኣብ መንጎ ክልተ ንመንግስቲ ዝድግፉን ዝቃወሙን ጕጅለታት ማሕበረ ሰብ ኤርትራ ዘጋጠመ እዩ። ኣብቲ እዋን ብዘጋጠመ ሓደጋ፡ 22 ሰባት ተሃሪሞም ሆስፒታል ከምዝኣተውን፡ ካብኦም እቶም 10 ብኸቢድ ከም ዝቘሰሉን ይፍለጥ።

ምስዚ ብዝተሓዝ ዛጊት 18 ሰባት ብናዕቢን ስርዓት ኣልቦነትን፡ ምሓዝ ሓደገኛ ኣጽዋር ከምኡ'ውን ጉድኣት ብምውራድ ናይ ገበን ክሲ ተመስሪቱሎም ከም ዘሎ መግለጺ ፖሊስ ይሕብር።

መንግስቲ ሽወደን'ውን ብተመሳሳሊ ብ27 መጋቢት ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዕግርግር ብምፍጣር ዝተጠርጠሩ ፍርዲ ሂቡ።

እቶም ሽዱሽት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት፡ ኣብ 2023 ኣብ ስቶኮልም ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዕግርግር ብምፍጣር ንማእሰርቲ ከም ዝተፈረዱ ማዕከናት ዜና ሽወደን ኣቃሊሐን።

ሓሙሽተ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ክፍረዱ እንከለዉ፡ እቲ ሻዱሻዮም ከኣ ንመንፈቕ ክእሰር ተበይኑዎ።

እቲ ኣብ ሽወደን ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራውያን፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝድግፉ ምዃኖም ዝንገረሎም ውልቀሳባት ዝውድብዎ ኰይኑ ዓመታዊ'ዩ ዝካየድ።

እንተዀነ፡ ኣብ 2023 እቲ ፈስቲቫል ክካየድ እንከሎ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ኣማኢት ሰባት ናብቲ ፈስቲቫል ዝካየደሉ ዝነበረ ቦታ ብምኻድ፡ ዕግርገር ብምግባሮም ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዶም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣእማንን ኣባትርን ብምሓዝ ንመካይንን ነቲ ፈስቲቫል ንምክያድ ዝተተኸለ ቴንዳታትትን ብሓዊ ብምቕጻል'ዮም ንመንግስቲ ኤርትራ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም።

ጊሰን

ፈስቲቫላት ኤርትራውያን

ምንጪ ስእሊ,Shabait

እቲ ኣብ 2022 ኣብ ጊሰን ጀርመን ጀሚሩ፡ ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ምዕራብ፡ ዓዲ ኢንግሊዝ፣ ስዊዘርላንድ፣ ሽወደን፣ ኖርወይ፣ ሆላንድ፣ እስራኤል፣ ኣውስትራልያ፣ ካናዳ ኣመሪካን ከይተረፈ ዝተላብዐ ጐነጻዊ ተቓውሞ ግን እንታይ እዩ መንቀሊኡ ዝብል ነገር ምፍታሽ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ብሕጋውን ሰላማውን መገዲ ሓሳብካ እትገልጸሉ፤ ንፖሊሰታት መንግስቲ ክትነቅፍ፡ ርእይቶኻ ክትገልጽ ዘፍቅድ ናይ ብሕቲ ናጻ ጋዜጣታት የለን።

እተን ኣብ 1996 ብኣዋጅ ቆይመን ብዓቕመን ዝዋስኣ ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብ18 መስከረም 2001 ብወግዒ ብኣዋጅ ተዓጽየን እየን።

ኣዳለውተን ሽዑ ተኣሲሮም ምስተሰወሩ ንልዕሊ 24 ዓመታት ደሃይ የብሎምን። ስለዚ ከኣ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ምልካዊ መንግስቲ ብሰላማዊ ኣገባብ ክቃለሱዎ ጸኒሖም።

ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ናይ ፕሮፖጋንዳ ፌስቲቫላት እናወደበ ካብ ሃገር ብዝመጽኡ ካድራቱ ስግረ ሃገራዊ ዓፈና ብምክያድ ነቶም ካብ ሃገሮም ተገፊዖም ዝወጽኡ መንእሰያት ብኽድዓትን ጥልመትን እናኸሰሰ ከሾቕሩሮም ምስ ፈተነ እቲ ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝተገልጸ ናይ መንእሰያት ህዝባዊ ማዕበል ዝመጽአ ይብል ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተሎ ዶ/ር ተስፍኣለም።

እዞም ናይ ግዜ ገደብ ካብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ግዱድ ዕስክርናን ሃዲሞም ኣብ ዶባት ሃገሮም ብጥይት እናተሳሕቱ ናብ ጐረቤት ሃገር ተሰዲዶም ብኣጻምእ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ናብ ኤውሮጳ ዝኣተው፡ ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ብዙሕ ዘስካሕክሕ ፍጻሜታት ዝረኣዩ ኤርትራውያን ኣንጻር እቲ እግሪ እግሮም እናሰዓበ ስነ አእምሮኣዊ ጸቕጢ ዝፈጥረሎም ስርዓትን ፕሮፖጋንድኡን ብሕርቃን ከምዝተላዕሉ እዩ ጸብጻባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝጠቅስ።

እቶም ነቲ ተቓውሞ ዘካየዱ ሰባት፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝካየድ ፈስቲቫላት ከም ናይ ስግረ ዶባዊ ዓፈናን ፕሮፖጋንዳን ምንጪ ኣታዊ ናይ ወጻኢ ሸርፊፍን'ዩ ዝጥቀመሉ ኢሎም'ዮም ዝኸሱ።

ግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል

ምንጪ ስእሊ,AP

"ነዚ ጉዳይ'ዚ ኣጽኒዖም ሒዞምዎ ኣለው''

እዚ ኣብ ተቐራራቢ እዋናት ዝካየድ ዘሎ ሃድን፡ ዝተወደበን ንኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ መርገጺ እግሪ ንምኽላእ ዝዓለመን'ዶ ይመስል ንዝብል ሕቶ፡ ሃብቶም ዮውሃንስ "ነዚ ጉዳይ'ዚ ኣጽኒዖም ሒዞምዎ ከምዘለዉ ዘርኢ'ዩ" ይብል።

ነቲ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ ከኣ "እቲ ቀንዲ ጠንቂ፡ ኣብ 17 ለካቲት 2024 ኣብ ዘሄግ ዝጋጠመ ጎንጺ'ዩ፡ ኣብኡ ብዙሓት ፖሊስ ተሃስዮም፡ ልዕሊ 750 ሽሕ ዶላር ዝግመት ንብረት'ውን ዓንዩ። ኣሰንቢድዎም'ዩ። መን'ዮም እዞም ሰባት ብከመይ'ከ ንቃለሶም ኢሎም'ዮም ናብዚ በጺሖም" ክብል ይውስኽ።

ብምቕጻል "ኣብ ሓደ ግዝኣተ ሕጊ ዘለዎ ሃገር እንድሕር ድኣ ብጎንጺ ንህዘቢ ኣሰንቢድካ፡ ካልኣይ ንመንግስታዊ ትካል ወይ ንመንግስቲ ድላይካ ንክፍጽመልካ ብጎንጺ ተገድዶ ኰይንካ፡ እዚ ካብቲ ምልክታት ናይ ግብረ ሽበራ ስለዝኾነ፡ እዚ ብርጌድ ንሓመዱ ዝብሃል ጉጅለ መን'ዩ ክጽናዕ ኣለዎ ተባሂሉ፡ ንሓድሕዶም ሓበሬታታት ክለዋወጡ ጸኒሖም'ዮም" ኢሉ።

"ኣብ ልዕሊኡ'ውን ኣብ ሆላንድ ደገፍቲ መንግስቲ ጉጅለ ብርጌድ ንሓመዱ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ'ዩ ዝብል ክሲ'ውን ቀሪቡ ስለዘሎ እሱ'ውን መጽናዕቲ ይግበረሉ ኣሎ" ይብል ሃብቶም ዩውሃንስ።

ቤት ፍርዲ ጀርመን ነቲ ኣኽባሪ ሕጊ ኣቕሪብዎ ዘሎ ክሲ ተቐቢሉ "ብርጌድ ንሓመዱ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ'ዩ እንተ ኢሉ፡ እቲ ጉጅለ ኣብታ ሃገር ክኽልከል'ዩ፡ እሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣባል እቲ ጉጅለ እንተዀይንካ'ውን ኣባል ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ትኸውን ስለዘለኻ የሕትተካ'ዩ"

እንተዀነ "እቲ ጉጅለ ኣብ ጀርመን ግብረ ሽበራዊ ስለዝተባህለ ግን ኣብ ካልኦት ኩለን ኣውሮጳውያን ሃገራት ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ይምዝገብ ማለት ኣይኮነን። እቲ ጉጅለ ግብረ ሽበራዊ'ዩ እንተተባሂሉ ግን ክልተ ዜግነት እንተሃልዩካ ንኣብነት ናይ ጀርመንን ናይ ኤርትራን እቲ ናይ ጀርመን ዜግነት ክትሕደግ ትኽእል ኢኻ" ብምባል እቲ ውጽኢት ምስ ግዜ ዝርአ ምዃኑ ሃብቶም ይሕብር።