ከረን ካብ ከተማታት ኤርትራ ብዕብየታ ካልአይቲ እያ። ብ1930ታት፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢጣልያ፡ ከረን ስሉጥ ዕብየት ከም ዘርኣየት መጻሕፍቲ ታሪኽ ይገልጹ።
እቲ ኣብዚ ግዜ`ዚ በሪሱ ዝርከብ፡ ጣልያን ዝሰርሖ መገዲ ባቡር፡ ካብ ባጽዕ ጀሚሩ ብኣስመራ ሓሊፉ ንኸረን ሰንጢቑ ክሳብ ኣቑርደት ይበጽሕ ነበረ። በቲ ዘመን'ቲ ከኣ እቶም መራኽቦታት ኣብ ምዕባለ ከረን ዓቢይ ግደ ነበሮም።
ከረን መዓርፎ-ቃፍላይ ብምንባራ፡ ቀዋሚት-ሰፈር ቢለን ክትከውን በቕዐት፣ ብትግረ፡ በጃ፡ ሱዳናውያን ከምኡ'ውን ኣዕራብ ትብጻሕ ከም ዝነበረት'ውን ዎልበርት ስሚት ዝተባህለ ተመራማሪ ታሪኽ ይገልጽ።
ግጥም እንግሊዝን ጥልያንን ኣብ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images
እታ ብ1885 ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያዊ ዝኣተወት ኤርትራ፡ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ኢታሎ-ሓበሻ፡ ንወራራት ጣልያን ኣብ ልዕሊ ሃጸያዊት ግዝኣት ኢትዮጵያ ከም መነሃርያ ውግእ ከም ዝነበረት መጻሕፍቲ ታሪኽ ይገልጹዎ።
ብ1935 እቲ ካልኣይ ወራር ጣልያን ክጅምር ከሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመቱ ኣብ ኢድ ጣልያን ከም ዝወደቐት ዝዝከር'ዩ።
ኢትዮጵያ፡ ኢጣልያዊት ሶማሊላንድን ኤርትራን ተደሚረን ከኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ 'ኢጣልያዊት ምብራቕ ኣፍሪቃ' ዝስሙ ግዝኣት ተመስረተ። እዚ ማለት፡ እቲ ዞባ ብዕሊ ኣካል ሃጸያዊት ግዝኣት ኢጣልያ ኰነ።
ድሕሪ ምእዋጅ ኲናት ኢጣልያ፡ ብ10 ሰነ 1940 ምዃኑ'ዩ፡ ውልቀመላኺ ኢጣልያ ቤኒቶ ሙሶሊኒ ንሰራዊቱ ንእንግሊዛዊት ሶማሊላንድን ኣብ ሱዳንን ኬንያንን ዝርከባ ዶባት ከተማታትን ክሕዙ ኣዘዘ።
እዚ ዛንታ እምበኣር፡ ወተሃደራት እንግሊዝን ሓይልታት ኮመንዌልዝን ንኢትዮጵያ ሓራ ንምውጻእ ብኸረን ኣቢሎም እንክሓልፉ፡ ኣብኡ ዘካየዱዎ ውግኣት ዝገልጽ ኣገዳሲ ምዕራፍ ታሪኽ ከረን'ዩ።
ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ከረን ምዕቡል መራኸቢታት - ማለት ክሳብ ኣስመራ ዘእትዉን ንኣስመራ ሰጊሩ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ዘብጽሑን ጽርግያታትን ሓዲድን ስለ ዝነበሩዋ እዩ።
ንኸረን ንምቍጽጻር ዝተኻየደ ውግእ፡ ብእንግሊዛዊ ሜጀር ጀነራል ዊልያም ፕላት ዝምርሓ ክልተ ክፍላተ-ሰራዊት ህንዲ ምስ'ቶም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓሪዶም ዝነበሩ ዝበለጹ ሰራዊት ጣልያን ክገጥማ ዘገድድ ነበረ።
ስለዚ፡ እቲ ኣብ ከረን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ንኢጣልያውያን ወሳኒ ጽፍዒት ብምውራዱ'ዩ ዝዝከር። ጀነራል ፕላት ንዶብ ሱዳን ምውሓስን ብድሕሪኡን ከኣ ንጣልያን ካብቲ ዞባ ጸሪጉ ንኸውጽእ ዕድል ፈጠረሉ።
ኰይኑ ድማ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ዘይኣክል (ለካቲት–መጋቢት 1941) ብእንግሊዝ ዝምርሑ ሓይልታት ብመጀመርታ ንኣቑርደት (1 ለካቲት)፡ ብድሕሪኡ ንባረንቱ (2 ለካቲት)፡ ጸኒሑ ድማ ንኸረን (ብ6 መጋቢት) ክቈጻጸሩ ከኣሉ።
እቲ ናይ ሽዑ ኣገዳሲ ወራር ብርክት ዝበሉ ጸሓፍቲ ክስንዱዎ ከኣሉ። ንኣብነት፡ ሚከላ ሮንግ ዝተባህለት እንግሊዛዊት ጸሓፊት ብድራማዊ ኣጸሓሕፋ ንዘቕረበቶ ዛንታ ምንባብ መሳጢ'ዩ። ከምኡ'ውን ኤርትራዊ ጸሓፊ ኣለምሰገድ ተስፋይ ንወራር ከረን ኣብታ 'ኣይንፈላለ' ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ኣብ መእተዊኡ ብጽቡቕ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
መጥቃዕቲ እንግሊዝ ኣብ ኣቑርደትን ባረንቱን

ምንጪ ስእሊ,Getty Images
ጀነራል ፕላት ንኤርትራ ከጥቅዕ ዝኣክል ምድላዋት ኣብ ከባቢ ከሰላ ምስ ኣካየደ፡ ትልሙ ናብ ኣቑርደት ገጹ ኣቕንዐ። 18 ጥሪ 1941 - ወራር ዝጀመረሉ መዓልቲ - ንራብዓይ ህንዳዊ ክፍለ-ሰራዊት ኣኽተተ። መደቡ ብኽልተ ሸነኽ ንኣቑርደት ንምውራር ነበረ።
ጣልያን ካብ ከባቢ ከሰላ ኣዝሊቑ ኣብ ኬሩን ከባቢኣን ሓሙሽተ በጦሎኒ ኣዕሪዱ ኣብ ሓለዋ ኣቑርደት ኣተኲሩ ይጽበ ነበረ።
"እንግሊዝ ብቕልጣፈን ሰላሕታን ብሃይኮታ ኣቢሉ ንሰሜናዊ ምዕራብ በቲኹ ኣብ ከባቢ ቢሻ ንመንገዲ ኬሩ-ኣቑርደት ገጹ ደፍአ። ወተሃደራት ጣልያን ናይ ኣየር ደገፍ ስለ ዝተሓረሞም፡ ኣቑርደት ንሓደጋ ተቓልዐት።
ጣልያን ብ1 ለካቲት ኣብ ኣቑርደት ተሳዒሩ ዳርጋ 1000 ምሩኻት፡ 43 ከቢድ ብረትን 14 ዝተቓጸላ ታንክታት ራሕሪሑ ተበታተነ፡" ይብል ኣለምሰገድ ተስፋይ።
ወሲኹ ድማ፡ "ንጽባሒቱ፡ ድሕሪ ምውዳቕ ዕርድታት ኣቑርደት ማለት'ዩ፡ እታ ብ8,000 ወተሃደራትን 32 ከቢድ ብረትን ትሕሎ ዝነበረት ባረንቱ'ውን ኣብ ኢድ ብሪጣንያ ወደቐት፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራ ፋሕ-ፋሕ ኢሎም ድማ ኣብ ፈቐድኡ ተራእዩ፡" ኢሉ ይትርኽ።
እቲ ንኤርትራ ዝወረረ ብጀነራል ፕላት ዝምራሕ ሓይሊ፡ ክሳብ ክንደይ ጽዑቕ ወራር የካይድ ከም ዝነበረ ካብቲ ጣልያን ዝኸሰሩዎ ጸብጻብ ክንርዳእ ንኽእል። ኣለምሰገድ ይብል፡ "ኣብ ውሽጢ ክልተ ቅነ ጥራይ፡ ጣልያን 6,000 ወተሃደራት፡ 26 ታንክታትን 400 መኻይንን ከሰረት።" ካብ'ቶም 6,000 እቶም ዝበዝሑ ኢዶም ዝሃቡ ኤርትራውያን ከም ዝነበሩ ይሕብር።
ዓወት ኣቝርደትን ባረንቱን፡ ኣብ ከረን ንምድጋም

ምንጪ ስእሊ,Getty Images
ድሕሪ ውግእ ባረንቱ ሓይልታት እንግሊዝ ናብ ከረን ገጾም ኣቕንዑ። ከረን ግን እታ ዝጸንዐት ዕርዲ ጣልያን ስለ ዝነበረት፡ እቲ ወራር እንግሊዝ ኣብ ፈለማ ኣይቀንዐን።
'ብዘይካ ጽርግያ ጥንቁልሓስ ሰራዊትን መካይን ውግእን ኣምሪሕካ ንኸረን እትድይበሉ ካልእ መንገዲ ኣይነበረን። ጣልያን ድማ ንዕርድታቶም ከነው ኣቢሎም ብምሓዝን ምክልኻልን ንእንግሊዝ መንገዲ ዓጸዉዎም፡' እናበለ የዘንቱ ተመራማሪ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ።
ሓይልታት ብሪጣንያ ብገደልን ኣኻውሕን ስንጭሮታትን እኳ እንተ ተሰናኸሉ፡ ንእምባ ሰንኪል ንኽሕዙ ፈንጠርጠር በሉ። ይዅን'ምበር፡ ካብኡ'ውን ተደፊኦም ወረዱ።
ሒደት መዓልታት ጸኒሖም እንግሊዝ ብሰሜን ሰንኪል ንዝርከብ ቦታ (ተረተር እሽዲራን ሳርባራን) ኣቢሎም ናብ ከረን ክኣትዉ ፈተኑ። ንሱ'ውን ኣይሰለጦምን። ከረን ንምሓዝ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ምርብራብ ቀሊል ኣይነበረን።
ኣለምሰገድ ከም ዝበሎ፡ "ካብ ጽርግያ ኣቑርደት-ከረን ንየማን ዝርከቡ ቦታታት'ውን ብሸነኽ ደሎዅሮዲኽ ብወገን ሩባ በጉ ከኣ ንላዕሊ ንብዓል ጽላለን ፈለታዅን ዝተፈተነ መጥቃዕቲ ኣብ ሒደት መዓልታት ዘፍ በለ።"
ጎቦታትን ዕርድታትን ከረን ጸኒዖም ንእግሊዝ ለሽ ኣበሉዎም።
እንግሊዝ ንኸረን ከመይ ኣቢሎም ክሕዙ ከም ዝኽእሉ ተመሊሶም ኣብ መጽናዕቲ ኣተዉ። ኰይኑ ድማ ነፈርቲ ተጠቒሞም ንመዓርፎ ነፈርቲ ጣልያን ብደብዳብ ከዳኽሙ መረጹ፣ ገበሩዎ ከኣ። እቶም ደብዳባት ብመጠኖም ኣድማዕቲ ነበሩ፣ ምኽንያቱ፡ ኣብቲ እዋን`ቲ ማዕረ 1500 ወተሃደራት ጣልያን (መብዝሕትኦም ዓሰክር ጣልያን ዝነበሩ ኤርትራውያን) ኢዶም ሃቡ።
መጻሕፍቲ ታሪኽ ከም ዝገልጹዎ፡ እንግሊዝ ወተሃደራት ኣኻኺቦም (ካብ ህንድን ጫድን ፈረንሳውያንን) ዳግም ንቕሮራን መስሓሊትን ብምቍጽጻር፡ እዚ ማለት ብሰሜን ንኸረን፡ ንባጽዕ ከኣ ብሰሜናዊ ምዕራብ ከጥቅዕሉ ዘኽእሎም ቦታታት ሓዙ።
ናብ ጸብጻብ ሚከላ ሮንግ ክንምለስ፡ ውግእ ከረን ንምርዳእ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ነገራት ኣብ ኣእምሮና ምስኣል የድሊ፣ ንኣብነት፡ ኣብቲ ንዶብ ሱዳን ዝወስድ መንገዲ ዝርከብ መቓብር እንግሊዝ ኣቲኻ ምርኣይ የድሊ። እንተ ተኻኢሉ ድማ ንስንጭሮ ጥንቍልሓስ ምውካስ ወይ ከኣ ጅኦግራፊ ከረን ምጽናዕ የድሊ ትብል። ሓቃ እያ፡ ውግእ ከረን (ኣብ ኤውሮጳ) ዝዝክሮ ሰብ ዳርጋ የሎን።
ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብዕልባ ኖርማንዲ (Normandy Landings) ምስ እንሓስብ - እቲ ዓመት ዓመት ዝኽበርን ዝዝከርን ንሂትለር ለሽ ዘበለ ወተሃደራዊ ክስተት- ክሳብ ክንደይ ትርጉም ዝነበሮ ወራር ከም ዝነበረ ንምርዳእ ከቶ ኣይንሽገርን፣ ብኣንጻሩ ግን ንውግእ ከረን ምልስ ኢልና እንተ ርኣና እንትርፎ እቶም ኣብኡ ዝተሳተፉ ወተሃደራት ካልእ ዝዝክሮ ሰብ የሎን።
"ውግእ ከረን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ስም'ቲ ሃገር ኣይኰነንዶ ተራ ሰባት እቶም ኣብቲ ውግእ ዝተሳተፉ ወተሃደራት'ውን ከይተረፉ ኣይፈልጥዎን ነበሩ፡" ትብል ሚከላ ሮንግ - ኣብቲ ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራ ዝጸሓፈቶ መጽሓፋ።
"ከም ሓቁ፡" ትብል ሚከላ ሮንግ፡ "ህዝቢ ኤርትራ'ውን ከይተረፈ ካብ ውግእ ገድሊ ኤርትራ ሓሊፎም ኣብ ከረን እንታይ ከም ዝተገብረ ኣይፈልጥዎን'ዮም፣ እሞ ከኣ ንመዘከርታ ናይቲ ውግእ መቓብር ወተሃደራት እንግሊዝ ኣብኡ ተተኺሉ ክነሱ፡" ኢላ ነቲ ጕዳይ ተስምረሉ።
"ውግእ ከረን ማዕረ 30,000 ወተሃደራት እንግሊዝ ዘሳተፈ ውግእ ኰይኑ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ጣልያን ካብ ዶባት ሱዳን ኣንሳሒቦም እናተዀብኰቡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘእተወ ውግእ ነበረ፡" ትብል ሚከላ ሮንግ።
ቀይሕ ባሕሪ መራኽብ ሓይልታት ኪዳን ብሰላም ምእንቲ ክሓልፋሉን ክዕሸጋሉን ጣልያን ካብ ባጽዕን ኣስመራን ተደፊኦም ንኽወጽኡ ነበረ እቲ ዕላማ እንግሊዝ። ከምኡ ንምግባር ግን ቅድም ንኸረን ሓራ ምውጻእ ናይ ግድን ነበረ።
ርግጽ'ዩ፡ ውግእ ከረን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተኻየደ ውግእ'ኳ ይዅን`ምበር፡ እቲ ውግእ ኣብ ኤውሮጳ ዝተጠጅአን ዝተመደበን ነበረ። ኤርትራ ብዛዕባ'ቲ ውግእ እትፈልጦን ኢዳ ዘእተወትሉ መዳይ ኣይነበራን።
ንጀነራል ፕላት ብምጥቃስ፡ "ውግእ ከረን ኣዝዩ ከቢድን ንወተሃደራትናን ናውቲ ውግእናን ዘህለኸን ምስቲ ግዙፍ ጸላኢ ድማ ዘረባረበናን ውግእ ነበረ፡" ከም ዝበለ ትጠቕሶ ጸሓፊት።
ሚከላ ሮንግ ብፍልይ ዝበለ ድራማ-ሓዘል ትረኻን ንኣንባቢ ዝማርኽ፡ ኣወዳድቓ ጽሕፈትን ንጸብጻብ ውግእ ከረን ገሊጻቶ ኣላ።
"ኲናት ከረን ብ15 መጋቢት ሰዓት 07፡00 ንግሆ ጀመረ፡" ይብል ተመራማሪ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ። ኢንግሊዝ ብሳንኪልን ሳምዓናን ከኣ እንተ ሃጀሙ፡ ንሓይሊ ጣልያን ፈንጢሶም ክኣትዉ ኣይከኣሉን። ብኣንጻሩ ጸሓይን ምቘትን በርቲዑዎም ዘልሓጥሓጥ ክብሉ ወዓሉ።
"ንጽባሒቲ ንግሆ ሓይልታት ወሲኹ ኣብ ቍልቍለት ጥንቁልሓስ ዝርከብ ፎርቶ ዶሉዅሮዶዅ ኣጥቂዑ ወተሃደራት ጣልያን ማረኸን፡" ይብል ኣለምሰገድ። ብድሕሪኡ፡ ተወሳኺ ሓይሊ ሒዙ ንፈለስታዅን ዝባንን ብምጥቃዕ ብርቱዕ ውግእ ከም ዝተኻየደ ይሕብር፣ ደጋጊሙ ከኣ ኣጥቅዐ። እቲ ውግእ ንዓሰርተ መዓልታት ከም ዘትከለ ይገልጽ። ክልቲኦም ሸነኻት ብማእለያ ዘይነበሮ ቦምባታትን ዓበይቲ መዳፍዕን ገጠሙ።
ኢጣልያዊ መራሕ ውግእ "ኣንበሳ ሰሃራ" ኣብቲ ውግእ ሞተ፣ ይሙት'ምበር ሓይልታት እንግሊዝ ንቕድሚት ክስጕሙ ኣይከኣሉን። ንዶሉዅሮዶዅ ግን ኣብ ቍጽጽሮም ኣእተዉዋ። ኣብ ሳንኪል ግን ብዙሓት እንግሊዛውያን ረገፉ። ጀነራል ፕላት ዕላምኡ ዝገበረ ገይሩ ብጽርግያ ጥንቍልሓስ ኣቢሉ ንኽሃጅም ነበረ። እቲ ጀነራል ወተሃደራት ጣልያን ዋላ'ኳ ኣትሪሮም ይዋግኡን ይጸንቱን ከም ዝነበሩ ስለ ዝተረድኦ፡ ስኑ ነኺሱ ንወተሃደራቱ ክድፍኡ ይእዝዞም ነበረ።
ንጣልያን እቶም ዝሃድሙ ዝነበሩ ዓሳክር ጣልያን (ኤርትራውያን ወተሃደራት) ከፍኡዎ ፣ ዝወድቕ ወዲቑ ዝሃድም ከኣ ሃደመ።
ድሕሪ ናይ ዓሰርተ መዓልታት ኲናት ዕርድታት ጣልያን ሃደሽደሽ ክብል ጀመረ። እንግሊዝ ንመንገዲ ጥንቍልሓስ ብምቍጽጻር ደፍአ። እቲ ኣብ ፎርቶ ዶሉዅሮዶዅ ዝነበረ ሓይሊ ለሽ ኣበሉዎ።
እንግሊዝ ይስዓሩ'ምበር፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ኣጥፍአት። እተን ክልተ ብህንዳውያን ዝቘማ ክፍለ-ሰራዊታት ማዕረ 3,000-4,000 ወተሃደራተን ብምጥፋእ ፈጺመን ተሃስያ። ጣልያን ተደፊኦም ናብ ኣስመራ ገጾም ኣንሳሒቦም ኣብ ዓዲ-ተከለዛን በጽሑ።
ሽዑ፡ ብ1 ሚያዝያ 1941 ሓንቲ ጻዕዳ ባንዴራ እተውለብልብ መኪና ብሸነኽ ካብ ኣስመራ ንዓዲ-ተከለዛን መጽአት። ጣልያን ፈጺሞም ተሳዕሩ። ብድሕሪኡ ከተማ ባጽዕን ዓሰብን ተታሕዛ።
ኣለምሰገድ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፡ ጣልያን 65 ዝኣኽሉ በጦሎኒታት ኣብ ኤርትራ ከሰሩ፣ ማዕረ 40,000 ወተሃደራቶምን 300 ከበድቲ ብረትን ተማረኹዎም፣ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዓሰክር ጣልያን ከኣ ራሕርሑዎም።

ምንጪ ስእሊ,Getty Images
ጣልያን ካብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ሶማልያን ኢትዮጵያን ክወጽኡ ተገደዱ። እቲ ዘመን ከም መቐይሮ ታሪኽ ዞባና ክርአ ይከኣል።
ብዓይኒ ፖለቲካ ኣገዳስነት ከረን ዓቢይ'ዩ። ብግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብቲ ብውግእ ከረን ዝፍለጥ (3 ለካቲት - 27 መጋቢት 1941) እንግሊዝ ንጣልያን ስለ ዝሰዓረ፡ እቲ ብሓይልታት ኪዳን ዝፍለጥ ሓይሊ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወሳኒ መቐይሮ ኣተኣታተወ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብታሕሳስ 1946 ኢብራሂም ሱልጣን ሰልፊ ኣ'ራቢጣ ኣል-እስላምያ ዝተኸልሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ደለይቲ ናጽነት ድልየቶም ዘነጸርሉ እዋን ነበረ።
ከረን ነዚ ውግእ እንግሊዝን ጣልያንን ጥራሕ ኣይኰነን ርእያ።
ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብሓምለ 1977 ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ከረን ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ወተሃደራት ደርግ ዝሃደምሉ እዋን ነበረ፣ ይዅን'ምበር፡ ብሕዳር 1978 ደርግ ዘይተኣደነ ሓይሊ ደሊቡ ብምምጻእ ንተጋደልቲ ደፊኡ ካብ ከረን ኣውጽኦም።
ከረን ክሳዕ ግዜ ናጽነት ከም ዕርዲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይና ጸንሐት።
ከረን ዝተፈላለዩ ብሄራት ብስኒትን ምክእኣልን ዝነብሩላ ኰይና፡ ላዕላይ ከረን፡ ገዛባንዳ፡ ሹቕ (ከረን ታሕታይ)፡ ደዓሪት፡ ዓድ ሓባብ፡ ገዛ ወረቐት፡ ጉዕጫዓ፡ ሓሸላ፡ ሕለት ሱዳን፡ ሕለት ተዅሪር - ብምጥቃስ ሸፍሸፊት (ሩባ ዓንሰባ) ከመይ ኢሉ ነቲ ከተማ ኣቋሪጹ ከም ዝሓልፍ ይገልጹዎ።
ብሓጺሩ፡ ከረን ብሓልሓል፡ ሓጋዝ፡ ዒላበርዕድ፡ ተዓጂባ ኣብ ሕምብርቲ ኤርትራ እትርከብ፡ መልክዓ ዘይትሃስስ ኣብነታዊት ከተማ ምዃና ኣብ ባህርያት ደቂ ከረን ብቐሊሉ ከምዝ ረአ ይገልጹ። ከረን "ብጻዕድኣ ክትጽበየና ተስፋ ንገብር፡" ከኣ ይብሉ።