ኣብ 1977 ዝነበረ ገስጋስ ሰውራ ኤርትራ፡ ንሓያሎ ከተማታት ተቘጻጺሩ፡ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብዘይካ ናቫል በይዝ፡ ወደብን ርእሲ ምድርን ንዝበዝሐ ክፋል ከተማ ምጽዋዕ ተቘጻጺሩዋ ነይሩ።
መሊኡ ንምሓዛ ከኣ ተደጋጋሚ ፈተነታት እኳ እንተ ኣካየደ፡ እቲ ብጸቢብ መንገዲ ጥራሕ ዝሕለፍ ባህሪያዊ ዕርዲ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ከስግሮ ኣይከኣለን።
ድሕሪ ናይ ኣስታት ዓመት ምፍጣጥ፡ ስርዓት ደርግ፡ ኣብ ኦጋዴን ምስ መንግስቲ ስያድ ባረ ሶማል ዝነበሮ ውግእ ብሓገዝ ኵባውያን ሰራዊትን ዕጥቅን ስዒሩ፡ ኵሉ ዓቕሙ ንሰሜን ብምቕናዕ ካብ ሩስያን ኵባን ዘበናዊ ኣጽዋርን ምኽርን ዓጢቑ፡ ነቲ ውሑዳት ከተማታት ጥራሕ ተሪፈናኦ ዝነበረ ውድባት ኤርትራ፡ ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ካብ ከበሳታት ደፊኡ ናብ ባርካን ሳሕልን ኣርሓቖም።
ህዝባዊ ግንባር ካብ ሰምሃር ቅድሚ ምዝላቑ፡ ንኸተማ ምጽዋዕ ንምቍጽጻር ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ'ኳ እንተ ኣካየደ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ስጋለት ቀጣን ኣዝጊቡ፡ ንግርሁ ጨው ሳሊና፡ ማይ ባሕሪ ብምምላእ ንገስጋስ ተጋደልቲ ገቲኡ፡ ነቲ ከባቢ ብጽዑቕ ደብዳብ ነፈርትን መዳፍዕን ኣቃጺሉ ከቢድ ዋጋ ኣኽፊሉዎም።
ቅድሚ 12 ዓመታት ናይቲ ኣብ 1990 ዝተኻየደ ወግእ፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንኸተማ ምጽዋዕ ክቈጻጸሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፡ "ደርግ፡ ጨው ሳሊና ብባሕሪ ኣጥለቕሊቑ፡ ነታ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝዀነት ናቫል-በይዝ ካብ ምትሓዝ ከም ዝተኸላኸለላ ዝዝከር እዩ፤ ኣብቲ እዋን'ቲ ህዝባዊ ሰራዊት ንሳሊና ክሰግር ዝገበሮ ፈተነ ኣይተዓወተን ጥራይ ዘይኰነ፡ ሳሊና ንምስጋር ዘካየዶ ውግእ ብዙሕ መስዋእቲ ሓቲቱዎ እዩ፡" ብምባል መጽሓፍ 'ፈንቅል' ዛንታታት ተመኵሮ ገድሊ ቅጺ 3 ኣብ መእተዊኡ ኣስፊርዎ ንረኽቦ።
ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ዳን ኮነል እውን፡ ኣብቲ እዋን ኣስታት 2000 ተጋደልቲ ከም እተሰውኡን ኣስታት 400 ከም ዝተወግኡን ኣብ ጽሑፋቱ ይገልጽ።
ስነጥበበኛታት ህዝባዊ ግንባር ከኣ ነቲ መሪር ኵነታት ንምግላጽ፡ "ጻሕ ዝበለ ጐልጐል ግራት ናይ ሳሊና/ ገሊኣ ትውጋእ ርእሳ ተጀኒና/ ገሊኣ ትስዋእ ሓመድ ተኸዲና!" ብዝብል ናይ መስዋእን ጽንዓትን ኣስተንትኖ ነቲ ኵነታት ይዝክርዎ እዮም።
እቲ ኣብ ለካቲት 1990 ዝተኻየደ ውግእ ግን ካብቲ ናይ ቅድም ፍልይ ዝበለ እዩ።
ሽዑ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ቀዋሚ ዕርድታት ናቕፋን ሳሕልን ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት መኪቱ፡ ካብ ደባይን ሓውሲ ደባይን ውግኣት፡ ብታንክታትን መዳፍዕን ናብ ዝስነ ስሩዕ ውግእ ዓብዩ፡ ብ1984 ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ንውቃው እዝ፣ ብ1988 ከኣ ኣብ ኣፍዓበት ንናደው እዝ ብምድምሳስ ናይ ውግእ ብቕዓቱ ማዕቢሉ ነበረ።
ይዅን እምበር፡ እቲ ኣብ 1977 – 1978፡ ኣብ ውግእ ምጽዋዕ ዘጋጠመ፡ ሓደጋታት ስጋለት ቀጣንን ግራውቲ ጨው ሳሊናን ግን፡ ኣብ ስርሒት ፈንቅል እውን እንተዀነ ኣብ ቦታኡ እዩ።
![ኤርትራውያን ተጋደልቲ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/e218/live/12bedbd0-e72c-11ef-a819-277e390a7a08.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ,@hawelti
እቲ ውግእ ብ08 ለካቲት 1990 ኣብ ጐላጕል ጋሕቴላይ ጀሚሩ፡ ብልዑል ፍጥነት ናብ ባጽዕ ምስ ኣተወ ግን ከም ቀደሙ ስጋለት ቀጣንን ግራውቲ ጨው ሰሊናን ብቐሊሉ ክስገር ኣይተኻእለን።
እቲ ብግጥም ዳዊትን ጐልያድን ዝተመሰለ ደማዊ ውግእ ከኣ ብደገፍ ታንክታትን፡ 'ንመስዋእቲ' ዝተወፈዩ ተጋደልቲ ብዘሰጋግራ ፈጣናት ጀላቡ ሓይሊ ባሕሪ ህዝባዊ ግንባርን ብ16 ለካቲት ብዓወት ተፈጺሙ፣ ከተማ ምጽዋዕ ኣብ ኢድ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣተወት።
ዳን ኮነል፡ ኣብቲ ንሸሞንተ መዓልታት ዝተኻየደ ውግእ ኣስታት 3000 ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ኣስታት ሰለስተ ዕጽፊ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝወደቑን ኣብ ሰነዳቱ ኣስፊሩዎ ኣሎ። እቲ ውግእ ግን ኣብ ምጽዋዕ ኣየብቅዐን።
ድሕሪ ሒደት ሳምንቲ፡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብነፈርትን መካይንን ዝተጓዕዙ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብግንባር ጊንዳዕ ጥሒሶም ንምጽዋዕ ክወርዱ ኣብ ጊንዳዕ ንልዕሊ መንፍቕ ከቢድ ውግኣት ተኻየደ።
ካብ ባሕርን ደሴታት ዳህላክን ካብ ዓበይቲ መራኽብ ውግእ ኢትዮጵያ ደብዳብ ሚሳይላት፡ ካብ ነፈርቲ ውግእ ከኣ ብሰማይ ናፓልም ስለ ዝዘነበ፡ ብዙሓት ሰለማውያን ነበርቲ ምጽዋዕ ተቐትሉ።
መሰረተ-ልምዓት እቲ ወደብን መኻዚኖታት እኽልን እውን ተቓጸለ። ድሕሪ ኣስታት ዓመት ከኣ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ደቀምሓረ ዓሪዱ ንዝነበረ ሓይሊ ኢትዮጵያ ስዒሮም፡ ብ24 ግንቦት 1991 ንኣስመራ ተቘጻጸርዋ።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት ከኣ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ስዒባ ናጽነት ኤርትራ ወግዓዊ ኰነ።
ድሕሪ'ዚ እምበኣር፡ እታ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍላ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ድሕሪ ናጽነት እንታይ ለውጢ ኣርእያ? ማዕቢላዶ ኣይማዕበለትን? ካብቲ ዝነበረቶ ማዕረ ክንደይ ሰጒማ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን እዩ። ቅድሚኡ ግን ዛንታ ወደባዊት ከተማ ባጽዕን ዕቝር ዓቕማን ምድህሳስ ኣገዳሲ እዩ።
![ተጋዳላይ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/2d81/live/19b91300-e764-11ef-af5e-d9bfeed61051.png.webp)
ምንጪ ስእሊ,Hidri
ሓጺር ድሕረ-ባይታዊ ታሪኽ
ታሪኻዊት ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ኣብ ዞባዊ ንግድን ጂኦፖለቲካን ቀይሕ ባሕሪ ንዘመናት ወሳንን ኣገዳስን ተራ ጸኒሑዋ እዩ። እዛ ምስ ምንቍልቋል ጥንታዊት ወደባዊት ከተማ ኣዱሊስ ከም ዝተንሰአት ዝንገረላ ከተማ፡ ምስ ንግስነት ኣኽሱም እውን ሓያል ምትእስሳር ነይሩዋ እዩ።
ካብ 8ይ ክሳብ 10ይ ክፍለ-ዘመን ኣብ ዝነበረ እዋን፡ እተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ እኩባት ደሴታት፡ ብፍላይ ከኣ ዳህላክ ብኣዕራብ ይመሓደር ስለ ዝነበረ፡ እቲ ቀንድን ዓብላልን ሃይማኖት ምስልምና እዩ ነይሩ።
ይዅን እምበር፡ ኣብታ ወደባዊት ከተማ ድሕሪ ቋንቋታት ትግራይትንን ዓረብኛን ትግርኛ እውን ይዝረብ ምንባሩ እዩ ዝንገር።
ግብጻውያን፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም፡ ካብ ስግር ቀይሕ ባሕሪ ንገማግም ኤርትራ እናሰገሩ ኣብ ንግዲ ይዋስኡ ነበሩ። ዞባ ዳህላክ እውን ብንግዲ ምስ ግዝኣት ኣኽሱም ምትእስሳር ነይሩዎ።
![ኣብ 60'ታት ዝነበረ ባቡር ኣስመራ ምጽዋዕ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/f5d9/live/c1d0d240-e72c-11ef-8c5b-7b4c98064ea3.jpg.webp)
ምጽዋዕ ኣብ ምቅብባል ምሕደራ ሓይልታት ግዳም
ብ1557 ዑስማናውያን ቱርኪ፡ ንምጽዋዕ ምስ ተቘጻጸሩዋ፡ ንማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ህንድን እተራኽብ ስትራተጅያዊት ወተሃደራዊትን ንግዳዊትን ማእከል ኰነት።
ብ1865 ግብጻውያን ካብ ቱርካውያን ምስ ተረከቡዋ እውን ኣገዳስነታ ዓዚዙ እምበር ኣይነከየን።
ኣብ 1885 ጥልያን ፈለማ ንምጽዋዕ፡ ኣብ 1890 ከኣ ንመላእ ኤርትራ ተቘጻጺራ፡ ግዝኣታ ምዃና ንዓለም ኣወጀት።
ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብሓይልታት ኪዳን ክሳብ እትስዓር ከኣ ንወደብ ምጽዋዕን ትሕተ ቅርጺ እታ ከተማን መሳለጥያታትን ብቕልጡፍ ኣማዕበለቶ። ሓደስቲ ጽርግያታት፡ መራኸቢታትን፡ መኽዘናትን ብምህናጽ፡ ንወተሃደራውን ንግዳውን ንጥፈታታ ዝድግፍ መደበር ሓይሊ ባሕሪን ጽገና መራኽብን ሃነጸት።
ብ1911 መንገዲ ባቡር ምጽዋዕ-ኣስመራ፡ ሰፊሕ መርበብ ጽርግያ፡ ከምኡ'ውን፡ ብ1937፡ ካብ መታሕትን ከበሳን ንኸበድቲ ኣቑሑ ዘመላልስ ተለፈሪካ (ኣስመራ - ምጽዋዕ) ብምህናጽ ንንግድን ምንቅስቓስን ሰባት ዘመቻችእ ትሕተ ቕርጺ ኣማዕበለት።
ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ማይን፡ ስርዓት ጽሬት፡ ከምኡ እውን ምምሕዳራዊ ኣብያተ ጽሕፈት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሆስፒታላትን መንበሪ ኣባይትን ብምህናጽ ንኸተማ ምጽዋዕ ዘመናዊት ከተማ ገበረታ።
ኣብ ምጽዋዕን ዝተፈለላያ ከተማታት ኤርትራን ዝተፈላለየ ፋብሪካታት ብምህናጽ፡ ኣብ ከበሳን መታሕትን ሰፊሕ ኣግሮ ኢንዱስትርን ሕርሻ ብምክያድ ንንግዳዊ ምንቅስቓስ ምጽዋዕ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብጺሓቶ።
ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ፡ ከተማ ምጽዋዕ፡ ካብ ቱርካውያን ናብ ግብጻውያን፡ ካብኡ ናብ ኢጣልያውያን፡ ብድሕሪኡ ናብ እንግሊዝን መግዛእቲ ኢትዮጵያን እናተሰጋገረት፡ ካብ 10 ለካቲት 1990 ኣትሒዛ ንሓርነታ ከቢድ ዋጋ ብዝኸፈሉላ ደቀባት ን35 ዓመት ትመሓደር ኣላ።
![ከተማ ምጽዋዕ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/5917/live/d9466ab0-e72d-11ef-a819-277e390a7a08.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ,Raphael GAILLARDE
መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ነዛ ኣብ ዝዓሞቐ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደባዊት ከተማ፡ 'ባጽዕ' እናበሉ እዮም ዝጽውዑዋ።
ከተማ ባጽዕ፡ ጥዋለት፡ ሓምላይ ደሴት [ወይ ደሴት ሸኽ ስዒድ]፡ እምኩሉ፡ ሕጡምሎ፡ እምበረሚ፡ ዕዳጋ-ብዕራይ፡ ኩትምያ፡ ኣማተረ፡ ግራር፡ ሸኽ ዓብደልቓድር፡ ግርጉሱም ዝተባህለ ክፍልታት ኣለዋ።
እቶም ተረፍ ኲናት ዝዀኑ ብጠያይቲ ዝተበስዑ ውጽኢት ጥንቁቕ ጥበብ ስነህንጻ ጥልያንን ቱርክን ዝዀኑ ህንጻታታ፡ ብዛዕባ ጽባቕኦምን ታሪኾምን ልዕሊ ቃላት ይዛረቡ።
እታ ኣብ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝዓምበበት ወደባዊት ከተማ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ እውን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ስለ ዝነበረት፡ ቍጠባዊ ኣገዳስነታ ኣይነከየን።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ገማግም ባሕራ ኣብ ግርጉሱም ክሕምብሱን ብሑጻኣ ክፍወሱን ዝደልዩ ገያሾ ካብ ኣስመራ፡ ብባቡር፡ ብለተሪና ወይ ከኣ ብኣውቶቡስ ... ብዓርበ-ረቡዕ ኣቢሎም፡ ንነፋሲት ወሪዶም፡ ንእምባትካን ጊንዳዕን ሰጊሮም፡ ብዶንጎሎ ላዕላይን ዶንጎሎ ታሕታይን ሓሊፎም፡ ብየማነ ጸጋም ጋሕተላይ ንዝተዘርገሐ ጐላጉልን ዕጸዋትን እናማዕደው ንባጽዕ ይወርዱ ነይሮም።
ኣስተርእዮ ማርያም ድማ ተዘካሪ ንግደት እታ ከተማ እዩ።
እታ ብስርሒት ፈንቅል ዝዓነወት ከተማን ወደብን ድሕሪ ናጽነት ቅልጡፍ ጽገና ተኻይዱላ እዩ፤ ክሳብ ምስ ጐረቤት ኢትዮጵያ ብዶባት ዝተሳባበ ውግእ ባድመ (1998-2000) ዝለዓል ማእከል ንግድን ቍጠባን ኰይና ትምዕብብ ነይራ።
ብፍላይ ካብ 1993 ክሳብ 1997 ኣብ ዝነበረ እዋን ኢትዮጵያ ንወደባት ኤርትራ ዓሰብን ምጽዋዕን ከም ቀንዲ ኣፍደገ ንእታውን ሰደድን ትግልገለሉ ስለ ዝነበረት፡ ዳርጋ ዓመታዊ ናብ 1 ቢልዮን ብር ዝገማገም ብር ትኸፍል ምንባራ ሰነዳት ይገልጹ።
![ባጽዕ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/474d/live/d8de4f80-e72c-11ef-a319-fb4e7360c4ec.jpg.webp)
ኣብ ርእሲኡ፡ ንወደባዊ ኣገልግሎት ዘማልእ ዓያዪ ጕልበት ኰነ ንገያሾ ዘአንግድን ዝቕበልን መዓርፎ ኣጋይሽን ኣብያተ መግብን ምዝንጋዕን ተበራቢሩ። ብኮርያዊ ኩባንያ ኪንግናም ዝተሃንጸ መንበሪ ኣባይቲ፡ ምስፋሕ ትሕተ-ቅርጺታት ጽርግያን ካልእን ንብዙሓት ዜጋታት ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ነይሩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ከም ኣካል 'ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎ' ኢላ እታ ሃገር ዝኣወጀቶ ኣብ 2002 ዝተጀመረ መደብ፡ ብኩባንያ ህንጻ ሙሳ ዓሊ ኣብታ ከተማ ዝተሰርሑ ኣባይቲ፡ ኣብ ምስፋሕ እታ ከተማ መጻኢ ዕድላታን ተስፋ ሂቦም ነይሮም።
በዚ ከኣ እታ ኣብ ሓደ እዋን ሉል ቀይሕ ባሕሪ ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ከተማ፡ ምስ ግዜ፡ ልዕሊ እቲ ቀደም ዝነበረቶ ዓብያን ሰፊሓን፡ ምስ ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ወደባት ክትወዳደረሉ እትኽአል ዓቕሚ ከተጥሪ ተስፋ ከም ዝተገብረላ ይንገር።
ድሕሪ ኲናት ዶባት (1998 - 2000) ኢትዮጵያ ብወደባት ባጽዕን ዓሰብን ምጥቃም ደው ምስ ኣበለት፡ ክልቲአን ወደባት ዝግልገለለን ስኢነን ጸምየን። ኤርትራ'ውን ብኸምቲ ዜጋታታ ዝሃርፍዎን ዝተቓለስሉን፡ ንገዛእ ቍጠባኣ ብዘደንፍዕ መገዲ ከም ዘይተጠቕመትለንን እዩ ዝፍለጥ።
በዚ ከኣ ቍጠባዊ ኵነታት እተን ከተማታት ኣንቈልቊሉ፣ ብጽምዋ ተዋሒጠን፡ ነበርተን ከኣ ዝሓሸ ስራሕን ዕድልን ንምርካብ ናብ ካልእ ከማዕድው ግድን ኰይኑዎም።
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ብበዓል መዚ ናጻ ንግዳዊ ዞባ ኤርትራ ዝመሓደር ዝነበረ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ወደብ ባጽዕን ዓሰብን፡ ኣብ 2001 ተኣዊጁ ኣብ 2006 ዝጀመረ ብናጻ ንግዳዊ ዞባ ተበጊሱ ዝነበረ መደባት፡ ንታሪኻዊ ህንጻታታ ኣዕንዩ ጥራይ፣ ከምቲ ዝተወጠኖ ምንም ፍረ ከየመዝገበ በርዒኑ ምትራፉ፡ ምስኡ ተስፋ ብዙሓት ኣቕሂሙ እዩ።
ከተማ ምጽዋዕ፡ ንዓይኒ ዘብህግ ስነህንጻን ጽባቐን ሓቚፋ ክንሳ፡ 'ምንቅስቓስ ዘይብላ' ከተማ እያ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኸውንን።
እታ ኣደ ዅሉ እናተባህለት፡ ዝዀነ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ይዅን ኢትዮጵያ ዝመጽአ፡ ብፍቕሪን ስኒትን ሰሪሑ ዝነብረላ ዝነበረት ኣመና ዕምርቲ ወደባዊት ከተማ፡ ሎሚ እንትርፎ ኣብ ከም በዓላት ዝኽሪ ፈንቅል ኣስተርእዮን እንተ ዘይኰኑ፡ ውዕዉዕ ህይወታ ሃሲሱ፡ ዝሕልሕል ኢላ ምትራፋ፡ ብፍላይ ነቶም ንህይወት እታ ከተማ ካብ ነዊሕ ዝፈልጡን ብናፍቘት ዝዝክርዎን ኤርትራያን ይዅኑ በጻሕታ ኣመና ተንካፊ እዩ።
![ባጽዕ ቀደምን ሎምን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/ad20/live/493d5bf0-e72c-11ef-a819-277e390a7a08.jpg.webp)
ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕ ሰላም ተኻይዱ፡ እቲ ንኣስታት 20 ዓመታት ዝጸንሐ ኵነተ ኵናት ምስ ኣብቅዐ፡ ኢትዮጵያ ብወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ኣገልግሎት ክትጅምር ምዃና ዝእምት ስምምዓት ተስፋታት ፈጢሩ ነይሩ።
ክልቲአን ሃገራት ነቲ ን20 ዓመታት ካብ ኣገልግሎት በዂሩ ዝጸንሐ ጽርግያታት ብምሕዳስ፡ ንቡር ርክባት ንግዲ ክጅምራ እየን እናተባህለ ከኣ ኣብ መንጎ ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ኤርትራ ዝተጸንበረቶ ኲናት ተኸፊቱ ነቲ ዝነበረ ትጽቢት ኣማህሚንዎ።
ኣብ መወዳእትኡ እውን ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ኣቢይን ዝነበረ ዝምድና ስለ ዝሻሕከረ፡ እቲ ተስፋ ከይተተግበረ በርዒኑ ተሪፉ፡ ይብሉ ነቲ ኵነታት ብቐረባ ዝከታተሉ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ።
ሓደ እዋን እውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ቲቪ ኤረ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ "እታ ሉል ቀይሕ ባሕሪ እትበሃል ዝነበረት ባጽዕ ሎሚ ኣበይ ኣላ? ሎሚ ባጽዕ ኣላ... የላን?" ክብል እቲ ዝነበረ ናይ ልምዓት ተስፋን ትጽቢትን ከምቲ ዝተሓስበ ከም ዘይሰጐመ ዘረድእ ሓበሬታ ሂቡ ነይሩ።
መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል እምበኣር፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ይበዓል ከም ዘሎ ዝገልጽ ተመራማሪ ታሪኽ ፕሮፌሰር ጋይም፡ ኤርትራውያን ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ምስ ኢትዮጵያ ብዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዘይምርድዳእ እኳ እንተ ዘይሰርሐ፡ ቀይሕ ባሕሪ ክለምዓሉ ዝኽእል ዓቢ ናይ ቱሪዝም ዕድላት ከም ዘሎን፡ "እቲ ንሓርነት እዛ ከተማን ናጽነት ኤርትራን ዝተኽፍለ ዋጋ ትርጕም ዝህልዎ ቍጠባዊ ልምዓትን ፖለቲካዊ ሓርነትን ምስ ዝህሉ እዩ፡" ይብል።