እቲ ምስ 100 ህቡባት ኣፍሪቃውያን ዝሰርዖ ትካል፡ ንግርማይን ኣፕቴክን ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾም፤
"ግርማይ [ዘርኣይ] ኣብርሃም፡ መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ኣፕቴክ ኣፍሪቃ እዩ።እዚ ኣብ ጸሓያዊ ጸዓት መፍትሒታት ዝቕርብ ትካል፡ ንሓደ ፕሮጀክት ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ዘመሓድር ኰይኑ፡ ንድፊ፡ ምህንድስና፡ ዕድግን ህንጸትን (EPC) ኣጣሚሩ ይሰርሕ፡" ይብል።
ቀጺሉ፡ "ኣብ 2011፡ ብ20 ሽሕ ዶላር ወፍሪ ዝተመስረተ ኣፕቴክ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ኣብ ልዕሊ 25 ሃገራት ዕዮታቱ ኣካዪዱ፣ ኣብ 9 ሃገራት ድማ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣለዎ። እዚ ኵባንያ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ግርማይ፡ ንልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ብርትዓዊ ዋጋን ዘተኣማምንን ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ብምቕራብ፡ ንቝጠባዊ ምዕባለ ይድርኽን ንመጻእቲ ኣፍሪቃውያን ፈጠርቲ ዕዮ (መራሕቲ-ዋኒን) የነቓቕሕን። ኣፕቴክ ኣብተን በዳሂ ኵነት ዘለወን ሃገራት ከይተረፈ ብምእታው፡ ኣብ ጽላት ጸዓት እታ ኣህጉር ዓቢይ ጽልዋ የሕድር ኣሎ፡" ኢሉ።
ቢቢሲ ነዚ ዝረኸቦ ኣፍልጦ ተመርኲሱ ንመሃንድስ ግርማይ ኣብ ዝተወከሰሉ፡ "ኣነ'ውን ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ኣፍልጦ ኣይጸንሓንን፣ ከም ሰበይ እየ ሰሚዐዮ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ክንሰርሕ እንከለና፡ ናብቲ ራእይና ዘብጽሓና ሽቶታት ኣቐሚጥና ኢና ንሰርሕ። ዝቕይደና ጽኑዕ ክብርታት ድማ ኣለና፡" ይብል።
ዘረባ ብምቕጻል፡ "ኣብቲ መስርሕ እንከለና፡ ነቲ እነካይዶ ንጥፈታት ዝጥምቶን ኣፍልጦ ዝህቦን ምርካብ፡ ዝያዳ ምንቕቓሕ እዩ ዝህበና። ብሕልፊ ድማ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመነ ሓበሬታ፡ ብደረጃ ኣህጉር ወይ ኣፍሪቃ ስም ምርካብ ነቲ ርሑቕ ራእይና ንምጭባጥ ቀሊል ዘይበሃል ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ፡" ብምባል ይገልጽ።
'ረፕዩተይሽን ፖል ኢንተርናሽናል (RPI) ነቶም ሚእቲ ህቡባት ኣፍሪቃውያን መሃዝትን ጸለወትን ብኸመይ ከም ዝመርጾም ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ጽማቝ ጽሑፍ ኣስፊሩ ኣሎ።
ኣብ ጸጽላቶም ዘመስከሩዎ ብቕዓት፤ ኣብ ቴክኖሎጂ፡ ፈጠራውነት ኣብ ኢንዱስትሪ፡ ስፖርት፡ ህዝባዊ ኣገልግሎት፡ ትምህርትን ዕቃበ ከባብን፣ ከምኡ'ውን፡ ኣብ ዘቤታውያን ዓለማውን መድረኻት ደረኽትን ጸለውትን ብምዃን ትርጕም ዘለዎ ለውጢ ገይሮምዶ ዝብል ምዃኑ ይገልጽ።
ቡቕሊ ኣፕቴክ ኣብ ኣስመራ
ብመካኒካል እንጅነሪን ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝተመረቐ ግርማይ፡ ገና ተመሃራይ እንከሎ ኣትሒዙ ኣብ ተተካኢ ጸዓት ተገዳስነት ኣሕዲሩ፡ ውሑድ ዓቐን ዝነበረን ጸሓያዊ ጸዓት ንመንበሪ ኣባይቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ክተክል ከም ዝጀመረ ይዛረብ።
ትምህርቲ ድሕሪ ምውዳኡ ድማ ንድፊታት (ዲዛይን) ከዳሉን ዕብይ ዝበሉ ፕሮጀክታት ክሕዝን ምኽኣሉ ይገልጽ።
"ኣጀማምራና ብኽልተ መንገዲ እዩ ዝግለጽ። እቲ ወግዓዊ፡ ብሓድሽ መንገዲ ምስ መትከል ሓወይ ኴንና ዝጀመርናሉ ብ2011 ኣብ ጁባ - ደቡብ ሱዳን እዩ። እቲ መሰረቱ ግን ኣብ ኣስመራ እዩ ተተኺሉ፡" ይብል።
"እቲ ኣብ ኣስመራ ንገብሮ ዝነበርና፡ ንምህዞ ወይ ምስናዕ ብዝነበረና ድሌት፡ 'ነዚኣስ ምገበርናያዶ?' ኢልና ኢና ሓዀት ንብል ነይርና፣ እቲ ናይ 'ቢዝነስ' ወገኑ ይርድኣና ኣይነበረን። በብግዜኡ ስራሕ እናመሃረናን ዓቕምና ብትምህርቲ እናዕበናን ድማ ቀጺልና፡" ብምባል ንኣጀማምራ ኣፕቴክ ኣፍሪቃ ይገልጽ።
ኣፕቴክ - ኣብ ኣፍሪቃ
እታ እኹል ብርሃን ጸሓይ፡ ብርቱዕ ንፋሳትን ጂኦተርማላዊ ጸዓትን እትውንን ኣፍሪቃ፡ ጸጋ ተተካኢ ጸዓት ዘለዋ ኣህጉር ደኣ ትዅን'ምበር፡ ካብ ዓለም ዝተሓተ መጠን ኣቕርቦት ኤለክትሪክሲቲ ከም ዘለዋ እያ ትግለጽ።
ወኪል ልምዓት ሕብረት ኣፍሪቃ (AUDA-NEPAD) ከም ዝገለጾ፡ 640 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ኣቕርቦት ኤለክትሪሲቲ ኣይረኽቡን፣ 40 ሚእታዊት ጥራሕ እዮም ኤለክትሪሲቲ ዝበዝሖም።
እዛ ኣህጉር ብኣብዝሓ ዕንጸይቲ እና'ንደደት እያ ጸዓት እትጥቀም። "ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ካብ ንፋሳዊ ጸሓይ 0.01%፣ ጂኦተርማል ካብ 4% ክሳዕ 5%፣ ካብ መንጫጫዕታዊ ጸዓት 17%፣ ካብ ዕንጸይቲ 77% ክኽውን እንከሎ፡ ካብ ጸሓያዊ ጸዓት ድማ 2% ጥራሕ ከም እትጥቀም ወኪል ልምዓት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ለካቲት 2024 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ግርማይ ነዚ ጸብጻብ ክምልከቶ እንከሎ፡ "መሪር ሓቂ እዩ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ሃገራት ኣፍሪቃ ዓማምን ኣተባባዕን ዝዀነ ናይ ተተካኢ ጸዓት ፖሊሲ ክሕንጽጻ ኣለወን፡" ይውስኽ።
"ኣብቲ ጽላት ዓቢይ ወፍሪ ክካየድ ስለ ዘይጸንሐ፡ ንዕኡ ዘድሊ ትሕተ-ቅርጺ እኹል ኣይኰነን ዘሎ። እቲ ዝርካቡ'ውን ኣገባብ መመንጨዊ ጸዓቱን ናይ ምዝርግሕ ስርዓቱን ዘይማዕባለ እዩ። ከየሐድስኦን ዘመናዊ ከይገብርኦን ድማ ፋይናንሳዊ ሕጽረታት ኣለወን፡" ይብል'ሞ፡ "ብዘየተኣማምን ጸዓት ከኣ ምዕባለ ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ፡" ይብል።
እቲ ኣፕቴክ ዝነጥፈሉ ዘሎ ኵነታትን ብድሆታቱን ድማ ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ተተሓሒዙ ከም ዝርአ ይገልጽ።
ኣብቲ ኣፕቴክ ዝተመስረተሉ ደቡብ ሱዳን ንኣብነት፡ ኣስታት 13 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ምስ ኣቕርቦት መስመር ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝተሓሓዝ። ብሰንኪ እኹል ትሕተ-ቅርጽን ናይ ምምንጫው ዓቕምን፡ ዋላ ከም ጁባ ዝኣመሰላ ከተማታት ውሑስ ኣገልግሎት ኣይጸንሐንን።
ኣፕቴክ ኣፍሪቃ ኣብ ሸውዓተ ዞባታት እታ ሃገር ፕሮጀክታት ብምሕንጻጽ፡ ኣብ ማእከላት ጥዕና፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ናይ ጐደና መብራህትታት፡ መስኖኣዊ ሕርሻ ወዘተ ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ብምዃን ቀረብ ጸዓት ተግባራዊ ክገብር ከም ዝጸንሐ መሃንድስ ግርማይ ይዛረብ።
ብተወሳኺ ኣፕቴክ፡ ኣብ 2023 ኣብ ደቡብ-ሱዳን ብዓይነቱ ዝዓበየ ምዃኑ ዝተነግረሉ 26 ሜጋዋት መመንጨዊ ጸሓያዊ ጸዓት ከም ዝተኸለ ይዝከር።
መሃንድስ ግርማይ ኣብቲ እዋን'ቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡" እዚ ጸዓት እዚ ንልዕሊ 500 ሽሕ ሰባት መዓልታዊ ኣገልግሎት ናይ ምሃብ ዓቕሚ ኣለዎ፡" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ዛጊት ኣብ 25 ሃገራት ኣፍሪቃ ፕሮጀክትታት ጸሓያዊ ጸዓት ዘካየደ ኣፕቴክ፡ ኣብ ሕርሻዊ መካናይዘሽንን መስኖኣዊ ሕርሻን ኣተኲሩ ዝዓዪ ክፍሊ'ውን ኣሎዎ።
ጸሓያዊ ጸዓት ብምጥቃም፡ ምህርቲ ንምስሳን ኣበርክቶ ይገብር ከም ዘሎ ይግለጽ። ብጸሓያዊ ጸዓት ዝድፋእ፡ ንንግዳዊ ኰነ እንዳስትሪ ዘገልግል መስመራት ማይ ኣብ ምዝርጋሕ'ውን ይነጥፍ።
እዚ ትካል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈላለየ ንምዕባለ ጸዓት ዝሕግዝ ኣገባባት ከተኣታቱ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ኡጓንዳ "ፐይ ኤንድ ፓምፕ" ዝብል ኣገባብ፡ ኣብ ስራሕ ከም ዝውዕል ገይሩ።
በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ነሓሰ 2021፡ 'ኣፍሪካን ድጂታል ቻምፕዮንስ' ብዝተባህለ ትካል፡ 'ብድጂታላዊ ስርሓትን ተተካኢ ጸዓትን ለውጢ ዘምጽኡ ዘለዉ 50 ትካላት ተባሂሉ' ተረቚሑ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ዓመት'ቲ፡ ብቻይናዊ ቢልዮነር ጃክ ማ ዝውነን፡ 'African Business Hero's' ብዝተባህለ ኣፍልጦ ዝህብ ትካል፡ ኣፕቴክ ኣፍሪቃ፡ ምስ ዝበለጹ ዓሰርተ ጸለውቲ ትካላት ኣፍሪቃ ተጸዊዑ ነይሩ።
ብኬንያዊት ዝውነን ኢንዳ ኣትለቲክ፡ ብናይጀርያዊ ዝውነን ክሪክድ፡ ብርዋንዳዊት ዝውነን ኢሪባ ዋተር ግሩፕ ዝርከቡዎም ሓሙሽተ ደቀንስትዮን ሓሙሽተ ደቂ-ተባዕትዮን ኣብቲ ዝርዝር ከም ዝነበሩ ኣይርሳዕን።
መሃንድስ ግርማይ ኣፕቴክ ኣፍሪቃ ዝተፈላለየ ኣፍልጦታት ዝረኽብሉ ዘለዉ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡ ካብኦም ንላዕሊ ብዙሓት ኤርትራውያን ዓበይቲ ኣውፈርቲ ከም ዘለዉ ይገልጽ።
"ንሕና ከምቲ ዝድለ ዋላ ኣይዅን ስርሓትና ኣብ ምፍላጥ ንሰርሕ ኢና። ብዙሓት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ዝሰርሑ ኤርትራውያን ግን ንዓለም ከፋልጡዎ ብዙሕ ኣይርኣዩን፡" ይብል።
"ኣነ ዘሕዝነኒ፡ ክንደይ ዓበይቲ ስርሓት ገይሮም ኣብ ግጉል ስሞም ወይ ስም ትካሎም ኣእቲኻ ክትረኽቦም ዘይትኽእል ኣለዉ። እዚ ክቕየር ኣለዎ፣ ዝህቡዎ ዘለዉ ኣገልግሎት ኣፍልጦ ክረክብ ዝግብኦ እዩ፡" ኢሉ።
ሎሚ ዓመት፡ 'ረፕዩተይሽን ፖል ኢንተርናሽናል( RPI) ነቶም ዝረቝሖም 100 ጽልዋ ዘሕደሩ ህቡባት ኣፍሪቃውያን ስልማቶም ዝቕበልሉ ወግዓዊ ጽንብል ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካካይዶ እዩ።