ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ እቲ ዝደምቕ ዘሎ ኮኾብ ኒውካስል

ብዙሓት ምስቲ ናይ ኵሉ ግዜ ኮኾብ ኣርሰናል ዝነበረ ቴሪ ሄንሪ የመሳስልዎ እዮም።

ኵዕሶ ናይ ምሓዝን ምዅብኳብን ክእለቱ፡ ናብ ኵሉ ኣንፈታት ከይተጸገመ ብቐሊሉ ክሓልፍን ከሽክዕን እንከሎ ተመሳሳልነቱ ደሚቝ እዩ ዝርአ።

ኣበርክቶኡ፡ ጋንታኡ ኒውካስል ናብ ውድድር - ኣርባዕተ ቀዳሞት - ተሳተፍቲ ሻምፕዮንስ ሊግ ክትምለስ ኣኽኢሉዋ ኣሎ።

ኣብ ምጅማር እዚ ዓመተ ስፖርት፡ እታ ጋንታ ኣታውን ወጻእን ዝዀነ ብቕዓት ብምርኣይ፡ ሸቶታት ንምምዝጋብ ክትጽገም ተራእያ ነይራ።

እዚ ድማ ኣብ ኣንፈት ደረጃኣ ጥርጣረታት ኣሕዲሩ ነይሩ።

እንተዀነ ሸውዓተ ተኸታተልቲ ዓወታት ብምምዝጋብን፡ ኣሌክሳንደር ብብሉጽ ቍመናን ብቕዓትን ብምጽዋቱን ተስፋ ደገፍታ ዝተመልሰ ይመስል ኣሎ።

ኒውካስል ኣብ ቀዳማይ እግሪ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ካራባኦ ኣብ ልዕሊ ኣርሰናል 2ብ0 ኣብ ዝሰዓረትሉ እዋን፡ ኣሌክሳንደር ሸቶ ብምምዝጋብ ክእለቱ ብምርኣይ ድምቀቱ ወሲኹ።

ወሳኒ ተጻዋታይ ኒውካስልን ብደገፍታ ድማ ኣመና ፍቱው ክከውን ዝሓለፎ ጕዕዞ ድማ ኣነቓቓሒ ዛንታ'ዩ።

ከመይ ኢሉ ኣብዚ ደረጃ'ዚ በጺሑ?

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ኣሌክሳንደር፡ ብዛዕባ ተውህቦኡ ካብ ፈለማ ዘጠራጥር ኣይነብረን - ወትሩ ከም ሓደ ፍሉይ ተውህቦ ዝተዓደለ ንፉዕ ተጻዋታይ እዩ ዝርአ።

ገና ወዲ 16 ዓመቱ ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣብ ታሪኽ ሽወደናዊት ክለብ AIK [ኤኣኬ] እቲ ዝነኣሰ ኣመዝጋቢ ሸቶ ኰይኑ።

እዚ ዓወት እዚ ድማ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ኣቓልቦ ረኺቡ፤ ብዙሓት ከም ሓደ ዝዓቢ ዘሎ ኮኾብ ርእዮምዎ።

ገሊኦም'ውን ምስ ዛንታ'ቲ ፍሉጥ ሽወደናዊ ተጻዋታይ ዝላታን ኢብራሂሞቪች ኣነጻጺሮምዎ።

ይዅን እምበር ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ኢብራሂሞቪችን ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም።

ኢብራሂሞቪች ቅሩብ ኣንነት ዘለዎ ርእሰምትእምማኑ ክብ ዝበለ ክኸውን ከሎ፡ ኣሌክሳንደር ግን ኣመና ሓናኽ፡ ትሑትን ኣብ ስርሑ ጥራይ ዘተኵርን እዩ።

ንሱ፡ ኣብ ስቶክሆልም ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ስድራቤት ዝተወልደ ኰይኑ፡ ብትሕትናን ልኡም ስብእነትን ሃኒጹ እዩ ዓብዩ።

ኣሌክሳንደር፡ ኣብ 2017 ናብታ መንእሰያት ተጻወትቲ ናብ ከዋኽብቲ ክዓብዩ ብምሕጋዝ እትፍለጥ ጀርመናዊት ክለብ ቦሩስያ ዶርትሙንድ ተጸንቢሩ።

ዋላ'ኳ ተውህቦ እንተነበሮ ምስ ናብራ እታ ክለብ ክላመድ ተጸጊሙ።

ዘይከም በሊንግሃም፡ ሳንቾን ሃላንድን ኣብታ ጋንታ ኣይማእምኦን፤ ሓፋር ስብእናኡ ምስ ኣሰልጠንትን ደቂ ጋንታኡን ንኽወሃሃድን ክረዳዳእን ኣጸጊምዎ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ሓደ ኣጋጣሚ ግን ህይወቱ ዝቐየረ ነጥበ መቐይሩ ተፈጥረ። ምስ ኣሰልጣኒ ተቐያሪት ጋንታ ዶርትሙንድ ያን ሲወርት ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፤ ሲወርት ንኣሌክሳንደር ክልተ ዝተፈላለያ ኣሳእል ኣርኣዮ።

እታ ሓንቲ ኣብ ወንበር ተቐየርቲ ኮፍ ኢሉ ዘይሕጕስ ገጹ ዘርኢን፣ ካልእ ድማ ንሃገራዊት ጋንታኡ ሽወደን ሸቶ ምስ ኣመዝገበ ዘርኣዮ ፍሽኽታን ነበረ።

ካብቲ ዝርርብ፡ ኣሌክሳንደር ርእሰ ተኣማንነት ከምዘይብሉን፡ ዓቕሙ ከየውጽእ ዝዓግቶ ዘሎ ባህሪ ምዃኑን ንኽግንዘብ ሓጊዝዎ።

ኣሌክሳንደር፡ ዝያዳ ተመኵሮ ንምድላብ ተባሂሉ፡ ናብ ሆላንዳዊት ክለብ ዊለም ብልቓሕ ተሰጋጊሩ።

ኣብታ ጋንታ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኣብ 16 ጸወታታት 13 ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ልዑል ደረጃ ብቕዓቱ ኣመስከረ።

ድሕሪ እዚ ዕዉት ጻንሒቱ ኣብ ሆላንድ፡ ኣብ 2019 ዘርኣዮ ምምሕያሽ ንምቕጻል ናብ ስጳኛ ክለብ -ሪያል ሶሲዳድ ተሰጋጊሩ።

ኣብ ሪያል ሶሲዳድ፡ ኣሌክሳንደር ከም ሓያል ኣጥቃዓይ ክፍለጥን ስሙ ከዕብን ጀሚሩ።

ኣብ ካልኣይ ዓመቱ 17 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ልዑል ደረጃ ናይ ምውድዳር ዓቕሙ ኣርእዩ።

ኣብ ዩሮ 2020 ምስ ሽወደን ተሰሊፉ ጽቡቕ ኣርእዩ፤ ኵዕሶ ብምዅብኳብን ንደቂ ጋንታ ዕድላት ናይ ምፍጣር ዓቕሙን ኣድናቘት ረኺቡ።

ኣብዚ ውድድር ዋላ'ኳ ሸቶ እንተዘይኣመዝገበ፡ ኣንጻር ስሎቫክያ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ዘርኣዮ ብቕዓት ግን ከም ኣብነት ክእለቱ ጐሊሑ ተራእየ።

ኣብቲ እዋናት፡ ዋላ'ኳ ተውህቦኡ ዘይከሓድ እንተዀነ፡ ቀጻልነት ዝጐድሎ ኣታውን ወጻእን ቍመናኡ ሕቶ ፈጠረ።

ኣብ ዓመተ ስፖርት 2021-22 ኣብ 32 ጸወታታት 6 ሸቶታት ጥራይ ኣመዝጊቡ።

እዚ ድማ ነቲ ሪያል ሶሲዳድ ዝሓተተቶ ልዑል መጠን ክፍሊት ናብ ላዕለወይቲ ክለባት ንምሻጥ ይበቕዖ ዶ ኣይበቕዖን ጥርጣረታት ፈጢሩ።

ኒውካስል ኣብ መጀመርታ በቲ ዝተሓተተ ገንዘብ ከተፈርሞ ተማቲኣ ነይራ።

እንተዀነ ኣብ ልዕሊ ቀንዲ ኣጥቃዓያ ካሉም ዊልሰን ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ሓሳባ ቀይራ፤ ኣብ ነሓሰ 2022 ክብረወሰን እታ ጋንታ ብዝሰበረ መጠን ክፍሊት ኣፈሪማቶ።

ጽልዋኡ ኣብ ኒውካስል

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ኒውካስል ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ዘፈረመትሉ እዋን፡ ገለ ነቐፍቲ እታ ክለብ ብሰንኪ ሃብታማት ስዑዳውያን ወነንታ ዘይግቡእ ወጻኢታት ትገብር ከምዘላ ክወቕሱ ተሰሚዖም ነይሮም።

እንተዀነ ኣካየድቲ እታ ጋንታ ዓቕሙን ተውህቦኡን ብግቡእ ገምጊሞም፡ እቲ ወፍሪ ዝበቕዖ ምዃኑ ኣሚኖም ኣብ ውሳነኦም ጸንዑ።

ሓደ ካብቲ ዝመረጹሉ ምኽንያታት ትሕትናኡን ኣብ ናይ ጋንታ ጸወታ ዘተኰረ ጋንታ ኣጠማምታኡን ኰይኑ፡ እዚ ኸኣ ምስቲ እታ ጋንታ እትምርሓሉ መትከላት ኣተኵሮ ኣብ ሓድነትን ናይ ሓባር ስራሕን ዝሳነ ብምዃኑ እዩ።

ኣሌክሳንደር፡ ኣብ ኒውካስል ዝጀመረ ቀዳማይ ዓመተ ስፖርት ብሰንኪ ዘጋጠሞ መስበርቲ በዳሂ'ዩ ነይሩ።

ብሰንኪ ኣብ ሰለፉ ዘጋጠሞ ጸገም፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ካብ ጸወታ በዂሩ፤ ብተወሳኺ ብመጕዳእቲ ረቃቒቶ ተሳቕዩ።

እዚ ዕንቅፋታት እናጋጠሞ ግን ኣብ ዝተሰለፈሉ ጸወታታት ጽልዋ ኣሕዲሩ።

ኣብ ፈላሚ ጸወታኡ ኣብ ኣንፊልድ ኣንጻር ሊቨርፑል ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብ፡ ንደገፍቲ ዓቕሙ ንምርኣይ ዕድል ረኺቡ።

ኣብ መወዳእታ ዓመተ ስፖርት 2023-24 ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ድሕሪ ኣላን ሽረር ኣብ ሓደ ዓመተ ስፖርት 20 ሸቶታት ሊግ ዘመዝገበ ፈላማይ ተጻዋታይ ኒውካስል ኰይኑ።

ኒውካስል፡ ኣብ ፈለማ እዚ ዓመተ ኣሰልጣኒኣ ኤዲ ሆው ብዝደለዮ ኣገባብ ንኽትጻወት ተቓሊሳ እያ።

እታ ጋንታ ብማእከል ሜዳ ኣቢላ ጸወታታት ክትቈጻጸርን መጥቃዕቲ ክትፈጥርን ኣጸጋሚ ስለ ዝነበረ፡ ኣሌክሳንደር ኣብ ቅድሚት ተነጺሉ ክተርፍ ተራእዩ።

እዚ ምስቲ ኣብ መወዳእታ ኣብ ክለብ ሪያል ሶሲዳድ ዘጋጠሞ ኵነታት ዝመሳሰል ኮይኑ፡ ኣብ ስርዓተ ጸወታ እታ ጋንታ ዝመጽአ ለውጢ ምስ ማእከል ሜዳ ንምትእስሳር ኣጸጋምዎ።

ይዅን እምበር ኒውካስል ኣብዚ ቀረባ እዋን ቅዲ ጸወታኣ ኣመሓይሻ ቀሪባ።

ኣብ ማእከል ሜዳ ዝመጸ ለውጢ፡ ከም ሳንድሮ ቶናሊ ዓሚቝ ተራ ማ'እከል ሜዳ ሒዙ ክጻወት፡ ብሩኖ ጉይማረዝ ንቕድሚት ክደፍእ ምግባር፡ ነታ ጋንታ ዝሓሸ ሚዛንን ቍጽጽርን ጸወታ ክህልዋ ብርኡይ ሓጊዙ እዩ።

እዚ ምትዕርራይ እዚ ድማ ንኣሌክሳንደር ብዝበለጸ ደረጅኡ ብቕዓቱን ንኽጻወት ሓጊዝዎ።

ኣብ ታሕሳስ ንኒውካስል ኣብ ልዕሊ ኢፕስዊች 4ብ0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸወታ፡ ንፈለማ እዋን ሃትሪክ ኣመዝጊቡ።

ድሕሪ ጸወታ ኤዲ ሆው ንኣሌክሳንደር፡ ብሉጽ ርግኣትን ቴክኒካዊ ክእለትን ዘለዎ "ዓለምለኻዊ ደረጃ ዘለዎ በዓል ተውህቦ" ክብል ገሊጽዎ።

መጻኢ ጕዕዞኡ

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ እቲ ዝደምቕ ዘሎ ኮኾብ ኒውካስል

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ኒውካስል፡ ነቲ ገና ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኮንትራት ዝተረፎ ኮኾብ ተጻዋታያ ኣብ ሕቝፋ ከተጽንሖ ዝወሰነት ትመስል ኣላ።

ካብ ኣርሰናል ካልኦት ክለባት ተገዳስነት ከምዘሎ ዝገልጽ ወረታት ክዝርጋሕ'ኳ እንተጸንሐ፡ ኒውካስል ግን ክትሸጦ መደብ የብላን።

እታ ክለብ ብውሑዱ 150 ሚልዮን ፓውንድ ዋጋ ሰሊዓትሉ ከምዘላ እዩ ዝስማዕ፤ እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ዝኸበሩ ተጻወትቲ ዓለምና ይገብሮ።

ኣሌክሳንደር ከም ሕመረት መጻኢ ኒውካስል'ዩ ዝረአ።

ፍሉይ ክእለቱን ትሕትናኡን ዳርጋ ክትካእ ዘይከኣል ተጻዋታይ እዩ ክበሃል ይከኣል።

እታ ክለብ ንዓወታን መጻኢኣን ኣገዳሲ ገይራ እያ ትርእዮ፤ ክትከስሮ ከም ዘይትደሊ ድማ ብንጹር ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።

እቲ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ዋንጫ ምዕታርን ኣብ ውድድራት ኣውሮጳ ምጽዋትን እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኒውካስል ብዘርኣየቶ ምምሕያሽን ኣበርክቶኡን፡ እታ ጋንታ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ንኽልቲኡ ከተዐወት ኣብ ድርኩኺት ዘላ ትመስል።

ኣሌክሳንደር፡ ካብ ሓፋር መንእሰይ ተጻዋታይ ናብ ሓደ ካብ ብሉጻት ኣጥቃዕቲ ፕረምየርሊግ ክመጽኦ ዝጸንሐ ጕዕዞ፡ ምስክር ጻዕሩ፡ ተውህቦኡን ቈራጽነቱን እዩ።