ኣብዚ ወርሕዚ ድማ መክሲኮ ነቲ ብቘናጁ ወይዘራዝሮም ዝተወከሉ ኣህዛብ፡ ነቲ ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ዘለዉ ውድድር ተአንግድ ኣላ።
እቲ ካብ 29 ጥቅምቲ ዝጀመረ፡ ንመበል 73 ግዜኡ ዝካየድ ዘሎ ሚስ ዩኒቨርስ እዚ ዓመት፡ ቀዳም 16 ሕዳር 2024 እዩ ክዛዘም። ኣብዚ ልዕሊ 120 ወይዘራዝር ዝወዳደራሉ መድረኽ፡ ኤርትራ ብመንገዲ ስኒት ሃብተኣብ ንፈለማ ግዜ እያ ትወዳደር ዘላ።
እዚ ድማ ነታ ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ክትሳተፍን ክትዕወትን ዝጸንሐት ኤርትራ ታሪኻዊ ምዕራፍ ምዃኑ ይግለጽ።
ን ኤርትራ ወኪላ ትወዳደር ዘላ ስኒት መን እያ?
ስኒት ሃብተኣብ ብ 1999 ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት፡ ሎሚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ግዛኣት ቨርጂንያ እትነብር ዘላ ኤርትራዊት መንእሰይ እያ።
ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጥልያን ተማሂራ፡ ኣብ 2017 ወዲኣ። ብድሕር'ዚ፡ ኣብ ኮሌጅ ማይ ነፍሒ ንሓጺር እዋን ተማሂራ።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ናብ ስደት ዘምርሐት ስኒት፡ ሕልምታ ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ ንዝረኸበቶ ዕድላትን እናተጠቕመት ትጓዓዝ ዘላ መንእሰይ ኰይና፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆርጅ ማሶን፡ ምርቕቲ ኒዩሮሳይንስ እያ።
ብተወሳኺ ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ሞንተሰሪ ከም ተሓጋጋዚት መምህር ኰይና'ውን ትሰርሕ።
ብዘይካ'ዚ 'ሌዲስ ፈርስት' ናይ ዝተባህለ ናይ ጡብ ካንሰር ኣፍልጦን ኣስተምህሮን ናይ ዝህብ ትካል ኣምባሳዶር እያ።
እዛ ብግቡእ ስነምግባርን ኣልያን ወለዳ ተዀስኲሳ ከምዝዓበየት ዝንገረላ ወይዘሪት፡ ኣብ ኤርትራ ተምሃሪት እንከላ ኣትሒዛ፡ ዕረፍቲ ኣብ ዝረኸበትሉ ኣብ ቤተክርስትያናት ካብ 2- 17 ዓመት ንዝዕድመኦም፡ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዘተኰረ መደባትን ትምህርትታትን ኣብ ምድላው ትነጥፍ ነይራ።
ብዘይካዚ ኣብ ናይ ቅድመ ትምህርትን መዋእለ ህጻናትን ቤት ትምህርቲ ኣይሮሪ ከም ተሓጋጋዚት መምህር 1ይ-5ይ ክፍሊ ሰሪሓ።
ቋንቋ ትግርኛ፡ ጣልያንኛ እንግሊዘኛን ጽቡቕ እትመልኽ ስኒት፡ ቋንቋታት ፈረንሳን ኣምሓርኛን'ውን ብዝተወሰነ ደረጃ ትዛረብ።
ስኒት ሃብተኣብ ንግስቲ ወይዘሪት ኣፍሪቃ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ (Miss Africa USA) 2023 ብምዃን ዘውዲ ደፊኣ እያ።
ስኒት ኩዕሶ ሰኪዐትን ተኒስን ከምእትጻወትን ሳሕቲ’ውን ሳዕስዒት ሳልሳ ከምእተዘውትር ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚስ ኣፍሪካ ዩኤስኤ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ሓቢራ።
ቀንዲ ዕላማኣ እንታይ እዩ?
ንሳ ኣቐዲማ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበረቶ ወግዒ፡ ዳውን ሲንድሮም ዘለዋ ጓል 16 ዓመት ምንኣሳ ሓፍታ ምስቲ ኵነታታ ዝሳነ ብቝዕ ትምህርቲ ዘይምርካባ፡ ኣብቲ ዓውዲ ኣድሂባ ክትሰርሕ ከምዝደረኻ እያ ገሊጻ።
ስለዚ፡ “በቲ እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ናይ ምምህርና ፍቕሪ፡ መጽናዕትን ትምህርትን ወሲኸ ንኵነታትን ዓቕምን ናይዞም ሓገዝ ዘድልዮም ቈልዑ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ንዕኦም ዝበቅዕ ስርዓተ ኣመሃህራ ወይ ካሪክለም ከመሓይሾን ከዐርዮን እየ ዝሓስብ ዘለኹ፡” ትብል።
ኣብ ቈልዑ ብፍላይ ከኣ ኦቲዝምን ዳውንሲንድሮምን ዘለዎም ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ክትሰርሕ ከም እትደሊ ንቢቢሲ ዝገለጸት ስኒት፡ ንውድድር ወይዘሪት ኣፍሪቃ - ኣሜሪካ፡ "ነቲ ዓቢይ ራእየይ ሓገዝትን መሻርኽትን ኣብ ምርካብን ምስ ዝተፈላልዩ ዓበይቲ ዕድላትን ሰባት ንምርኻብ ባይታ ክፈጥረለይ ሰፊሕ ዕድል ስለዘለዎ፡ ከም ናብቲ ሸቶይ መብጽሒ ድልድል እየ ዝርእዮ” ኢላ ነይራ።
ብርግጽ ድማ እቲ ድልድል እቲ ናብዚ ንግስቲ ዓለም ክትኰነሉ እትኸእል ባይታ ጸንቢርዋ ኣሎ።
ኣብ ወይዘሪት ዩኒቨርስ ዝበዝሐ ዘውዲ ዝደፋኣ ሃገራት
- ኣሜርካ - 9
- ቨነዝወላ - 7
- ፖርቶሪኮ - 5
ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ወይዘሪት ዩኒቨርስ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክወዳደራ እኳ እንተጸንሓ ዝተዓወታ ግን 4 እየን። በዚ መሰረት ደቡብ ኣፍሪቃ 3 ግዜ ክትዕወት እንከላ፡ ቦትስዋና፡ ኣንጎላን ናሚብያን ሓሓደ ግዜ ዘውዲ ደፊአን ኣለዋ።
መብዛሕትኡ ውድድራት ኣብ ግዳማዊን ውሽጣውን ጽባቐ እተን ወይዘራዝር ዘተኰረ ኰይኑ፡ተወዳደርቲ ብመገዲ ሒዘናኦ ዝመጻ ሓሳባት፡ ራኢ ከምኡ'ውን ህዝቢ ብዝህቦ ድምጺ ተደማሚሩ እዩ ኣብ መወዳአታ ዝውሰን።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኤርትራውያን ወይዘራዝር ካብ ዘምዝገባኦ ድሙቕ ዓወታት ንምጥቃስ
- ኣብ 2024 ዓ/ም ሚስ ኣፍሪቃ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ስኒት ተወልደመድህን
- ኣብ 2022 ዓ/ም ሚስ ኣፍሪቃ ዓባይ ብሪጣንያ ኣይዳ መብራህቱ
- ኣብ 2022/24 ሚስ ቻርም ከምኡውን ሚስ ግሎባል ብምዃን ዊንታ መብራህቱ
- ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ሚስ ኣፍሪካ ዓባይ ብሪጣንያ 2024 እውን ጓል 20 ዓመት ንእስቲ ዮርዳኖስ መንግስታኣብ 2nd RUNNER UP ብምዃን ተዓዊታትሉ
ብዘይካ'ዚ ንሕማም ካንሰር እናገጠመት ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ውድድር ጽባቐ ተዓዋቲት ድርብ ኣኽሊ ዝዀነት ራይሞክ ቃልኣብ'ውን ካብተን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተኻየዱ ውድድራት ብጸብለልታ ዝዝከራ እያ።
ስኒት፡ ብኸመይ ናብዚ በቒዓ?
ኣብዚ ሎምዘበን ዝካየድ ዘሎ ዝለዓለ መድረኽ ውድድር ቁንጅና ንምእታው ፈለማ ምስ ደቂ ሃገርካ ብምውድዳር ሚስ ዩኒቨርስ ሃገርካ ኴንካ ክትዕወት የድሊ።
ስለዝዀነ ኤርትራ ንፈለማ ግዜ ክትወዳደር፡ ብመንገዲ ካሜሮናዊት ሚስ ሌዲ ኬይት ፍቓድ ድሕሪ ምርካባ እተን ኣብዚ ዓውዲ ድሮ ስም ዝጸንሐን ወይዘራዝር ነዚ ዓቢ ዕድል ንምዕዋት ውድድር ኣካይደን።
እቲ ውድድር ብማንዛ እዩ ተኻይዱ።
ብመምዘኒ ናይቲ ሚስ ዩኒቨርስ ኤርትራ ዘዳሉ ኣካል ድማ ካብ 11 ናብ 6 ተወዳደርቲ ተጻርየን። ድሕሪ'ዚ ነተን 6 ናብ ናይ መወዳአታ መጻረይ ዝሓለፋ ድማ ኤርትራውያን ድምጾም ክህቡን ክመርጹን ጸኒሖም።
ስኒት ሃብተኣብ ድማ ተዓዋቲት ሚስ ዩኒቨርስ ኤርትራ ናይቲ ውድድር ብምዃን ንኤርትራ ንፈለማ እዋን ወኪላ ኣብቲ ኣህጉራዊ መድረኽ ንምውድዳር በቒዓ።