“ኣብ ንኡስ ዕድመይ እየ ወጺአ። ዋላ'ኳ ሳላ ኣሕዋተይን ቤተሰብን እዚ ዝበሃል ሽግር እንተዘይረአኹ፡ ስደት ስደት ምዃኑ ስለዝይተርፍ ግን ናይ ባዕሉ ጸቕጢ ኣለዎ፤ ኣብዚ ንምብጻሕ ቀሊል ኣይነበረን፡" ትብል።
ብዘይካ'ዚ ካብ ወለድኻ፡ ባህልኻን ሕብረተሰብካን ተፈሊኻ ምንባር ቀሊል ከምዘይኰነ ብምጥቃስ፡ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ ዝደረኻ ሓደ ነቶም ከምኣ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጹ ሓደስቲ ስደተኛታት ዝተፈላልየ ሓገዛት ንምብርካትን ንምሕጋዝን ምዃኑ ትገልጽ።
ዮርዳኖስ ናብቲ ውድድር ዝተጸንበረትሉ ኣጋጣሚ ከተብርህ እንከላ፡ እታ ንስደተኛታት ሓገዝ ኣብ ዝህብ ትካል ክትሰርሕን፡ ንስርሓ ድማ ብፍቕሪ ክትገብሮን ዝተዓዘበታ ሓፍታ ከምዘተባብዓታ ትገልጽ።
“ሓፍተይ በቲ ሓደ ርእሰ ተኣማንነትኪ ተዕብዪ በቲ ኻልእ ድማ ነቲ ትሰርሕዮ ዘለኺ ምስ ስደትኛታት ናይ ምትሕግጋዝ ስራሕ ክትዓብይሉ ትኽእሊ ኣጋጣሚ እዩ ኢላትኒ እየ ጀሚረ፡” ትብል።
እቲ ብምትብባዕ ሓፍታ ዝጀመረቶ ውድድር ንሳውን ከይሓመቐት ኣብቲ ብዙሕ ውረድ ደይብ ዝነበሮ ንዅሉ በዲሃ ስማን ስም ሃገራን ከምዘጸውዐት ብሓበን ትገልጽ።
ኣብዚ ግዜ ዮርዳኖስ ጐድኒ ጐድኒ እቲ ስነመድሃኒት - ፋርማሲ - ትምህርታ፡ Campus collective ምስ ዝበሃሉ ንስደተኛታት ትምህርታዊን ሞያውን ስልጠና ብምውዳድ ዝሕግዝ ትካል ከም ኣምባሳደር ኰይና ትሰርሕ ኣላ። ንሳ ነቲ ኵሉ ኣብ ስደት ዝረኸበቶ ዕድላትን ኣፍደገታትን ንምዕባል ሕብረተሰባ ክትጥቀመሉ ከም እትደሊ እያ ትዛረብ።
"ፈለማ ዝዀነ ይዅን ዓቕሚ ኣይነበረንን፤ ግን ኣብ ስደት መጺአ እየ ርእሰ ተኣማንነተይ ኣዕብየ፤ ዕድል ትምህርቲ ረኺበ፤ ናይ ቋንቋ ከእለተይ ኣዕብየ በቲ ኣብ miss charity [ወይዘሪት ግብረሰናይ] ዝረኸብኩዎ ትምህርትን ተመኵሮን ድማ ንዅሎም ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ዝተሰደዱ መንእሰያት፡ ኵሉ ክብጻሕ ከምዝከኣልን ኣርኣያ ክዀኖም እየ ዝደሊ፡" ብምባል ነቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ንዝበጻሕኩዎ ነገራት ርእዮም ክተባብዑን ነብሶም ክፍትሹን ከዳልውን ደራኺት ክትከውን ከምዝትደሊ ተዘኻኽር።
ውድድር ከመይ ነበረ?
ውድድር ብጽቡቕ ተጀሚሩ ኣብ ዝኸደሉን ድምጺ ህዝቢ ኣብ ዝሓተተትሉን እዋን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገለ ዘይተፈልጡ ኣካላት ከም ኢትዮጵያዊት (ትግራወይቲ) ገይሮም ምብቕራብ ህዝቢ ከይመርጻ ጐስጓስ ተጀሚሩ ከምዝነበረ ብምዝካር፡ እዚ ተርእዮ'ዚ ግን ባህ'ኳ እንተዘይበላ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንጥፍቲ ብዘይምዃና ብዙሕ ጽልዋ ከምዝይገበረላ ትዛረብ።
“ኣነ እቲ ምኽያት እዚዩ'ኳ እንተዘይበልኩ፡ ምናልባት ግን በቲ ድምጺ ህዝቢ ጥራይ እትዕወት ስለ ዝመስሎም ንሓንቲ ኣጸሊምካ ንሓንቲ ላዕሊ ምስቃል ተራእዩ፤ እዚ ድማ ኣብዚ እዋን ህዝብና ተፈላልዩ ስለዘሎ እዩ ናብ ካልእ ወገን ኣትሒዝዎ፡" ብምባል ሰባት ባዕሎም ዝፈጠርዎ ምዃኑ ተረድእ።
ወሲኻ ዮርዳኖስ፡ እቲ ኬንያዊት ዝረኸበቶ ዓወት ትምህርቲ ክዀነና ተስፋ ከምዘለዋ ትገልጽ። ምኽንያቱ እዛ ኬንያዊት ዕውትቲ ኣዝዩ ጸላዊን መሃርን ታሪኽ'ኳ እነተበራ ዝዀነ ድምጺ ከምዘይነበራ ገሊጻ።
"ድምጺ ህዝቢ ንሓንቲ ሞዴል የገድስ እዩ፤ ስለዘገድስ ድማ ኢና ናብ ህዝቢ መጺእና ድምጺ ሃቡና ኢልና ግን ድማ ዓወት በቲ ድምጺ ጥራይ ዝውሰን ኣይኰን፡” ብምባል ኣብቲ ውድድር ድምጺ ህዝቢ፡ ተውህቦ ከምኡ'ውን ቻሪቲ 40 ሚእታዊት እቲ 60 ሚእታዊት ድማ ባህላዊ ልብሲ፡ መሐንበሲ ከምኡ’ውን ኣልባሳት ናይ ምሸት እንግዶት ተኸዲንካ ኣብ እተካየዶ ንጥፈታትን ብሉጽነት ተንጸባርቕን ከምዝምርኮስ ተረድእ።
“ኣነ ከም ዮርዳኖስ ክርእዮ ከለኹ፡ ጽቡቕ ስራሕን ጽቡቕ ባህርን እንተለካ ክትዕወት ከም እትኸእልን እቲ ዝነበረ ዕግርግር ኣብ ውድድር ቁንጅና ዋጋ ከምዘይብሉ ኣርእዩና እዩ ኢለ'የ ዝሓስብ፡ እቲ ምንታይ ሓደ ሰብ ድምጺ የብሉን ማለት ኣይዕወትን ማለት ስለዘይኰነ።”
ኣብቲ ዝተኻየደ ውድድር ኬንያ (queen) ጋና(1st runner up) ኤርትራን (2nd runner up) ብቕድም ተኸተል ተዓዊተን ኣለዋ። ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈት ካልእ ኤርትራዊት ሃገር ፍቓዱ እውን ኣብ ናይ ባህልን ድምጺ ህዝብን ተሸላሚት ኰይና እያ።
ብተወሳኺ...
ዮርዳኖስ፡ ነቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ በጺሖም ግን ንዝረኸብዎ ዕድላት ትምህርቲን ምምዕባል ገዛእ ርእስኻን ዘይጥቀምሉ መንእሰያት ባብ ምርሓውን፡ ዕድላት መዝሚዞም ኣብ ዝበለጸ ደረጃ ንኽበጽሑ ኵለመዳያዊ ሓገዛት ምብርካትን ካብ ዕላማታታት ምዃኑ እያ ትገልጽ።
ኣብ መጻኢ ድማ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኤርትራ ከም ኣብ ኢትዮጵያ ካልኦት ዝተፈላልዩ መዓስከራትን ዝርከቡ ስደተኛታት መናእሰያት ሓገዛት ንምብርካት መደብ ከምዘለዋ ትገልጽ።
ዮርዳኖስ መን እያ?
ዮርዳኖስ፡ ካብ ኣቶ መንግስተኣብ በላይን ወ/ሮ ምሕረት ፍስሃየ ኣስገዶምን ኣብ ዓላ ተወሊዳ ዝዓበየት እያ። ክሳብ 8 ክፍሊ ኣብ እንዳ መድሃኔን ኣለም ታሕታይ ዓላ፣ 9ይን 10ይን ድማ ኣብ ፈይዝምሽን ደቀምሓረ ተማሂራ፡ ገና ትሕቲ ዕድመ ኣብ ዝነበረትሉ እያ ኣብ 2018 ናብ ኢትዮጵያ ኣምሪሓ።
ኣብ 2020 ድማ ናብ ዓዲ እንሊዝ ኣትያ።ኣብዚ እዋን ድማ ብዘይካ'ዚ ናይ ቍንጅና ንጥፈታታ ብዓውዲ ስነመድሃኒት ትምህርታ ትቕጽል ኣላ።
ብተወሳኺ ስፖርታዊ ንጥፈታት እተዘትር ዮርዳኖስ ምስ 'running charity' ሓቢራ ንስደተኛትት ኣብ ዘተኰረ መደባት ትሳተፍ።