ኤርትራ፡ ሶማልን ግብጽን ጽኑዕ ምሕዝነት ኣለና ይብላ

ግብጺ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ሶማል ዝጀመረቶ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ፣ ተወሳኺ ኣጽዋር ከምዘእተወት ተሓቢሩ። እቲ ጸረ–ነፈርቲ፣ ድሩዓት መካይንን ከበድቲ ብረታትን ዘጠቓለለ ኣጽዋር ብዝሑ እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ካብቲ ዝሓለፈ ቅነ ናብ ሶማል ዝኣተወ ዝዛያደ ምዃኑ ‘ዩ ተጠቒሱ።

መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ኣጽዋር ጽዒና ዝመጸት መርከብ ክሳብ እትራገፍ፣ ብሰንበት 22 መስከረም፣ ንወደብ ሞቛድሹ ዓጽዎ ከምዝወዓለ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ግብጺ፣ ብሕጂ‘ውን ተወሳኺ ኣጽዋርን ሰራዊትን ናብ ሶማል ከተዋፍር ምዃና‘ዩ ዝግልጽ ዘሎ።

ዕላማ እቲ ግብጺ ንሶማል እተዋፍሮ ዘላ ብዝሒ ኣጽዋራትን ሰራዊትን እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ንኢትዮጵያ ስግኣት ፈጢሩላ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ኣቶ ታየ ዓጽቐስላሴ ብዛዕባ‘ዚ ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ናብ ሶማል ዝጓረት ዘሎ ኣጽዋር ናብ ኢድ ሽበራውያን ጉጅለታት ከይወድቕ ዘስግእ ምዃኑ ጠቒሱ።

እዚ ከምዚ‘ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንምስፋት ኣብ ኒውዮርክ ዝርከቡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ሶማልን ግብጺን፣ ጎኒ ጎኑ፣ ኣብ ዘካየድዎ ስሉሳዊ ርክብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምትኳር ብምምይያጥ፣ ኣብ መንጎ ሰለስተ ሃገራት ክህሉ ዝኽእል ወትሃደራውን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ ብዝምልከት ዘትዮም።