ኤርትራን ሳዋን፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ከምዚ እዋን

ቅድሚ 30 ዓመት፡ ልክዕ ከምዚ እዋን፡ ስታድዩም ኣስመራ፡ ገና ብንግሆኡ፡ ካብ ፈቐዶ ኵርናዓት እታ ከተማ፡ ሃገራዊ ጻውዒት ክምልሱ ብዝውሕዙ መንእሰያት አዕለቕሊቓ ኔራ። እቶም ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት፡ ገሊኦም ብመካይን፡ ገሊኦም ብሚኒባሳት፡ ዝበዝሑ ከኣ ብኣጋር፡ ሳናጡኦም ተሰኪሞም፡ ብስድራ ቤቶም፡ ኣዝማዶም፡ ኣዕሩኽቶምን መማህርቶምን ተዓጂቦም እናሰሓቑን እናተጫረቑን ኣብቲ ቀጽሪ ተኣኻኸቡ።

ማይክሮፎናት ናይቲ ስታድዩም “ክለዓል በለ፡ ክለዓል በለ፡ መንእሰይ ወዲ ኤረ ክለዓል በለ፤ መንእሰይ ነቐለ ንሳዋ፡ ሳዋየ - ሳዋ!” ዝብል ጣዕመ ዜማ የቃልሕ ነበረ።

ኣብቲ ኣብ ሰለስተ ዙር፡ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ዝተወደበ ጕዕዞ፡ ደቆምን ኣሕዋቶምን፡ ዘፋንዉ ስድራ ቤታት፡ ኣብቲ ቀጽርን ግዳምን ምስ ፍቱዋቶም ወዛሕዛሕ ይብሉ ነበሩ።

እቶም ሃገራዊ ጻውዒት ዝተቐበሉ ኣሽሓት መንእሰያት ከኣ፡ ነቲ "ኣይተርፍን’ዩ!” ዝበሉዎ “ናይ 18 ኣዋርሕ ሃገራዊ ግቡኦም" ፈጺሞም ናብ ዋኒኖም ክምለሱ በብምምሕዳራቶም ንሳዋ ወሓዙ።

ኣቐዲሙ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብወግዒ ተኣዊጁ፡ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ፡ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድመኦም፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ኣስመራ፡ ሃገራዊ ግቡኦም ፈጺሞም መሰላቶም መታን ከውሕሱ፡ በብምምሕዳራቶም ኣብቲ ዝተጠቕሰ ዕለት፡ ናብ መዓስከር ሳዋ ክብገሱ፡ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ክርከቡ ዝዕድም መጸዋዕታ ምስ ተዋህበ፡ ኣብ ነበርቲ እታ ከተማ ዝተፈላለየ ርእይቶ ይወሃቦ ነይሩ።

“ ሕጂ’ኸ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ውግእን ወረ ውግእን እንታይ ዝኸውን ታዕሊምን ብረትን እዩ? ዝብሉን ብኻልእ ድማ፡ “ ነዛ ሓዳስ ሃገር ን18 ኣዋርሕ ምግልጋል መዓስ ይውሕዳ" ኣገዳስነት ሃገራዊ ኣገልግሎት ንሓደ ሃገር ምርኵስ ገይሮም ዝምጕቱን ነይሮም።

ልዕሊ ዅሉ ግን፡ “ እዞም ካብ ከተማ ወጺኦም ዘይፈልጡ ቈልዑ፡ ስለምንታይ ናብ በረኻታት ባርካ? ስለምንታይ ናብ ኣጻምእን ምድረ ለመምትን ይወስዱዎም? ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘይዕልምዎም!” ዝብል ካብ ሻቕሎት ዝብገስ ርእይቶ'ውን ስለዝነበረ፡ ማዕከናት ዜና መንግስቲ፡ ራድዮ፡ ተሌቪዥንን ጋዜጣን “ ሳዋ ውሑስ ቦታ ምዃኑን ንዅሉ ዘገልግል እኹል ጽሩይ ማይ ከምዘለዎን ብስእልን ምስክርነት ሰባትን ዝተደገፈ መደባት ብቐጻሊ ይቃላሕ ነይሩ።

ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ንኣብነት፡ “እታ መሬት ባዕላ እያ!” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ‘ኤርትራ ብኲናት 30 ዓመት ደምየን ነቢዐን እየ’ሞ ንብዓተይ ሓቢስኩም ደመይ ጸሪግኩም ቁስለይ ሓኪምኩም ኣሕውዩኒ። ንድፋዕን ፋሓምን ዝተቘርጸ ስልማተይ ኣግራብ፡ ብነቕጽን ደርቅን ዝዓረቐ ክዳን ዝባነይ ተክኡለይ፡ ዝነቐጸ ዓይኒ ማያተይ ክፍልፍል፡ ዝጸምአ ጐረሮ ፍጡራተይ ክጠልል ኣልምዑኒ፡ ዕየዩኒ’ ዝብል ተንካፊ ፕሮፓጋንዳ ጽሑፍ ሰፊሩ ነይሩ።

ቀዳማይ ዙር

ምንጪ ስእሊ,HADAS ERITREA

  • ኣብታ ዕለት ንቕሎ ከኣ ዳርጋ ኵሉ ወፋራይ ነቲ ጻውዒት ከምዘይተርፍ ጋሻ ተቐቢሉዎ፡ በብምምሕዳራቱ ተወዲቡ ብሰለስተ እብረ ኣብ ኣውቶቡሳትን መርሰድሳትን ተጻዒኑ ናብ ሳዋ ተበጊሱ።

    ካብ ኣሕዋትና ኣይንተርፍን ኢና ዝብሉ 18 ዓመት ዘይመልኡ መንእሰያት፡ ዕድመኦም ወሲኾም ምስ ኣሕዋቶምን ደቂ ገዛውቶምን ክዕለሙ ኣብተን መርሰድስ መካይን ሞሊቘም ዝተሰቕሉን፡ ገሊኦም ኣብ ሳዋ ስለዝበጽሑ ዝቐንዖም፡ ገሊኦም ግን ካብ መገዲ ዝተመልሱ ብዙሓት እዮም። መብራህቶም ሃንስ ሓደ ካብቶም 18 ዓመቶም ከይዛዘሙ ዝተዓለሙ እዩ።

    “ሽዑ ሽታ ናጽነት ገና ሃገግ እዩ ዝብል ነይሩ። ሽዑ ሓው ሓፍቲ ዘመድ መቕርብ ተጋዳላይ ክህልወካ መነየቲ መዅርዒ እዩ ነይሩ። ንሕና ከኣ ነቶም ተጋዲሎም ናጽነት ዘረጋገጹ ኣሕዋትና ክንመስል ደሊና። ንሃገርና ክንሕልዋን ክንሃንጻን ምንቃልና ሓበን እዩ ነይሩ። እቲ ጉዳይ ዳሕራይ እዩ ተበላሽዩ” ክብል ናብቲ ዝኽሪ ይምለስ።

    ነቲ እዋን ከም ስእሊ ዝዝክሮ፡ ሽዑ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ነበር ኣባል ሳልሳይ ዙርያ፡ ሳሙኤል ቢዘን፡ “ ፍቕሪ ሃገር ዝመልኦ ዘደንቕ እዋን እዩ ነይሩ። ሽዑ ኵሉ መንእሰይ ሕድሪ ሰማእታቱ ከኽብር ሃገሩ ክሃንጽ ብልዑል ወኒ’ዩ ተበጊሱ፡” ክብል ነቲ ዋህው ይዝክሮ።

    “ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ሃገራዊ ሓላፍነት ቅቡል እዩ። እቲ ተጋዳላይ፡ ተጋድሎ፡ ቃልሲ መስዋእቲ፡ ዝበሃል ዘረባ ምስ መንፈሱ እዩ ነይሩ። ዳሕራይ ብዝተጋህደ ብልሽውናን ኣካይዳን ኣይተበረዘን። ስለዚ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ብወኒ ኢና ተጸንቢርናዮ” ይብል።

    ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንነዊሕ ዓመታት መጽናዕቲ ዘካየደን “ኣገልግሎት ንሓባራዊ ዕላማ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራን ፍልሰት መንእሰያትን” ዘርእስታን ካልእ ሓያሎ መጻሕፍትን ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ኣብ ዘለዎም ዓበይቲ ጆርናላት ኣዚዮም ብዙሓት ዓንቀጻት ዘሕተመ፡ ኣብ ሳውዝ ባንክ ዩኒቨርሲቲ - ክፍሊ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ሕጊን ዳይረክተር መጽናዕቲ-ስደተኛታት ኰይኑ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ኤርትራዊ ተመራማሪ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንህንጸትን ድሕነትን እታ ሃገር ቅኑዕን ኣገዳስን ምንባሩ ይኣምን።

    “እቲ ዕላማ ክብገስ እንከሎ ቅኑዕ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ኤርትራ ብውግእ ዓንያ ስለዝነበረት ሰብኣዊ ዓቕማን ጸጋታታን ንህንጸት ሃገር ከተበግስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምእዋጃ ቅኑዕ እዩ ነይሩ” ይብል።

    ሳሙኤልን መብራህቱን እውን “ ብልዑል ድሌትን ወንን ኢና ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸንቢርና” ብዝብል ምስክርነቶም ምስ ሓሳባት ፕሮፌሰር ጋይም ይሰማምዑ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ዝተሃንጸን ዝማዕበለን ሃገራዊ ስምዒትን ንምዕቃብን ምምዕባልን ኣገዳሲ እዩ ነይሩ ኢሎም ይኣምኑ።

    ሳሙኤል ቢዘን፡ እቶም ካብ ኣስመራ ወጺእና ዘይንፈልጥ መንእሰያት፡ ብታዕሊምን ስራሕን ኣካላዊ ብቕዓትና ክንመዝን፡ ምስ ካብ ዝተፈላለያ ብሄራትን ዞባታት ዝመጽኡ መንእሰያትን ክንላለን ክንፋለጥን ሓጊዙና ክብል ነቲ እወታዊ መዳያቱ ይገልጾ።

    ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ሃገር ኣብ ምዕቃብን ምውሓስን ተራ ነይሩዎ እዩ። ግን ብሰንኪ ምሕደራን ኣልያን እቲ ስርዓት፡ እቲ ዝተዓለመን ዝተወደበን ሓይሊ ንስደት ክውሕዝ ስለዝጀመረ ኣብ ህዝቢ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ እዩ፤ ይብል።

    ገለ ወገናት፡ 'ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንሓንጐል መንእሰያት ብጽዑቕ ፕሮፖጋንዳ ሓጺቡ፡ ምእዙዝን ሐራይ በሃልን ሓይሊ ብምፍጣር ምልኪ ንምጥጣሕ ዝተወደበ እዩ፡' ዝብል ርእይቶ ኣለዎም፤ ፕሮፌሰር ጋይም ግን እቲ ቅዱስ ዕላማ ኣብ መስርሕ ብዝተዋህለለ ብልሽውና ከምዝተራኸሰ እዩ ዝኣምን።

    ጽንብል 30 ዓመት

    ምንጪ ስእሊ,YEMANE G. MESKEL

    እቶም ከም መብራህቶም ዝኣመሰሉ ብልዑል ሃገራዊ ወኒ ዝወፈሩ ኣባላት ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብቲ እኹልን ዝተማልአ ቀረብ መግብን መጽለልን ዘይነበሮ መዓስከር ሳዋ፡ ብጽኑዕ ወተሃደራዊ ድስፒሊን ታዕሊሞም ወዲኦም ናይ 12 ኣዋርሕ ኣገልግሎቶም ክፍጽሙ ናብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታትን ሚኒስትሪታትን ተወዚዖም።

    እቲ ዙርያታት ከምኡ እናበለ፡ ካብ ቀዳማይ ዙር፡ ሳሙኤል ቢዘን ናብ ዝተሳተፎ ሳልሳይ፡ ክሳብ ሓምሻይ ዙርያ ምስ በጽሐ፡ ብዶባት ኣብ ዝተሳበበ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ልዕሊ 19 ሽሕ ተጋደልትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት መንእሰያትን ህይወቶም ከፊሎም።

    እቲ ውግእ ብውዕል ኣልጀርስ'ኳ እንተዓረፈ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝፈረመሉ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ምቕባል ስለዝኣበየ ብዝተፈጥረ “ ኵነተ ኲናት” ናይ ግዜ ገደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተናዊሑ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ንዓመታት ኣብ በረኻታት ዝሰፈሩ ብምሕደራ እቲ መንግስትን ሰበስልጣንን ዝተማረሩ፡ ብዓቢኡ ድማ ህይወቶም፡ ሕልምታቶምን መጻኢኦም ዝተዀልፈ መንእሰያት ብብዝሒ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ጀሚሮም።

    ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኤርትራ፡ ዝዀነ ብዘይ ፍቓድ ዶብ ክሰግር ዝተረኽበ መንእሰይ ብጥይት ክህረም ስለዝኣዘዘ “ ሹት ቱ ኪል፡ ተኲስካ ቅተል” ዝብል ፖሊሲ ስለዘተኣታተወ፡ ብዙሓት መንእሰያት ዶባት ሃገሮም ክሰግሩ ብጠያይቲ ኣሕዋቶም ከምዝተቐትሉ ሰነዳት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።

    መንግስቲ ኤርትራ፡ እተን ኣብ ኣልጀርስ ኣውሓስቲ ስምምዕ ሰላም ዝነበራ፡ ኣመሪካ እትርከበን መንግስታትን ሕቡራት ሃገራትን፡ ግዴታአን ስለዘይፈጸማ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሰንኪ ስቕተአን ከምዝተናውሐን፡ ንዓቕሚ መንእሰይ ኤርትራ ብፍላጥ ከምዝዘቘቓኦን እዩ ዝኸስስ።

    ኣብ ርእሲኡ፡ ብዙሓት ዜጋታት ደገፍቲ መንግስቲ፡ ‘ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተዘይትእውጅ ኣደዳ ወራርን ጐበጣን ተጻባእታን ሓይልታት ኢትዮጵያን ምዀነት ነይራ’ ክብሉ ይምጒቱ።

    ብኣንጻሩ ንመንግስቲ ኤርትራን ብፍላይ ከኣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝነቕፉ ወገናት ድማ፡ ‘ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሰላም ክነብር ስለዘይክእል ንኤርትራ ምስ ኵለን ጐረባብታ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ኪኖ ባሕሪ ሰጊሩ እውን ብደሴታት ዙቑር ሓኒሽ ምስ የመን ኣዋጊኡና’ ክብሉ ይነቕፉዎ።

    መንግስቲ ኤርትራ ግን ወትሩ ንከምዚ ዝኣመሰለ ነቐፌታታት ዘይሚዛናውን ንኤርትራን መንግስታን ንምስይጣን ዝንዛሕ ኣብ ሓቂ ዘይተሞርኮሰ ክሲ እዩ ክብል ይነጽጐ።

    ከም ሂዩማን ራይት ዎችን ኣምኒስት ኢንተርናሽናልን ዝኣመሰላ ሓያሎ ኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ትካላት፡ ነቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት “ጠንቂ ስደትን ፍልሰትን መንእሰያት ይኸውን ኣሎ” ብምባል ብፍላይ ድሕሪ ሓምለ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ዕርቀ ሰላም ምስ ተኸተመ፡ ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስን እቶም ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሑ ዜጋታት ናብ ንቡር ሰላማዊ ህይወቶም ክምለሱ ክጽውዑ ጸኒሖምን ኣለውን።

    ሃገራዊ ኣገልግሎት

    ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

    እቲ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓቢ ተስፋ ሂቡ ዝነበረ ዕርቀ ሰላም ግን፡ ኣብ ሕዳር 2020 ንኤርትራ ብዘሳተፈ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ስለዝተዘርገ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ናብ ንቡር ናይ ምምላሱ ተስፋ ዝበርዓነ ይመስል ክብል ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ይገልጽ።

    ሕጂ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ዝነብር ዘሎ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ነበር ሳሙኤል ቢዘን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኣዋጅ'ኳ እንተተፈጸመ፡ ሽዑ ሃገራዊ ቅዋም ስለዘይነበረ፡ እቲ ኣዋጅ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይተመርመረን፤ ኣብ ርእሲኡ እቲ ስርዓት ከም ቃሕ ዝበሎ እዩ ዝገብር ክብል እቲ ዜጋታት ረድዮም ዝተጸምበሩዎ ጻውዒት መልመስ መንእሰያት ከምዝዀነ ይዛረብ።

    “ እታ ሃገር ብሓደ ኣዝዩ ጨፍላቒ ረጋጺ ሰብ ትግዛእ ስለዘላ፡ እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ባርነት ተቐይሩ። ኣብ ባርነት ከኣ ጽቡቕ የሎን። ንዜጋ ከም ባርያን ጊላን ከተንብሮ እንተፈቲንካ ወዲቕካ ማለት እዩ። ስለዝዀነ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ዳግማይ ክሕሰበሉን ክኽለስን ኣለዎ” ክብል ርእይቶኡ የቐምጥ።

    ፕሮፌሰር ጋይም እውን፡ እቲ ኣብ ፈለማ ብጽቡቕ ድሌት ዝተበገሰ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዙሕ ጽቡቕ ነገር'ኳ እንተነበሮ፡ መሰል ኣገልገልቲ ብዘውሕስ ሕጊታት ስለዘይተነድቀን ኣብ መስርሕ ብብልሽውና ስለዝጋዕዘየን፡ መንእሰያት ተስፋ ስኢኖም ንስደት ከምዘምርሑን ብምግላጽ፡ ነቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ ክመስል እንተዀይኑ ከኣ ግቡእ ገምጋም ክግበረሉ ከምዝግባእ ይመክር።

    ኣብዚ ዝኽሪ 30 ዓመታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኽበረሉ ዘሎ እዋን፡ ገሊኦም ኤርትራውያን ንመጻኢ እውን እንተዀነ፡ ብሕጊ ዝተቐየደን ኵሉ መሰላት ኣባላት ኣገልግሎት ዘማልአን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክህሉን ዝደልዩን፡ ድሕሪ ስርዓት ኢሳይያስ ክቕጽል የብሉን ዝብሉ ኰይኖም ይካትዑ ኣለው።

    ኣብ ሓምለ 1994 ብወግዒ ዝጀመረ ሃገራዊ ኣገለግሎት ኤርትራ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት 36 ዙርያታት ኣመሪቑ ይርከብ።