ብቓንዛ ዝተጐብአ ትጽቢት ስድራቤታት፡ ዛንታ'ታ ብዘይ ሰዳድ ወረ ዝተሸርበት ‘ሰራም’ ጃልባ 2014

ክረምቲ 2014 እዩ ነይሩ - ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት። ቀዝሒ ኣውሮጳ ክሓልፈሎም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ደቡብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ምሽብሻብ ነበሩ።

ጕዕዞ ግዱድ ስደት ካብ ሓድሕዱ ዝበላለጽ ማእለያ ዘይብሉ በብዓይነቱ መስገደል፡ መኻልፍን ብድሆን ከምዘለዎ ልዕሊ 100 ሚልዮን ስደተኛታት ዓለም ዝተመኮርዎ እዩ።

ክረምቲ 2014 እዩ ነይሩ - ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት። ቀዝሒ ኣውሮጳ ክሓልፈሎም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ደቡብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ምሽብሻብ ነበሩ።

ኣብ መወዳእታ እታ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 170,000 ስደተኛታት ነቲ ቀታሊ ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ትንፋሶም ኣብ ኢዶም ሒዞም ናብተን ንባዕላተን ናብ ኣስከሬን ዝተቐየራ ውሕስነት ዘይነበሮም ጃላቡ ተሰቐሉ።

እቶም ንኽጨውይዎምን ክሸጥዎምን ድሕር ዘይብሉ ጨካናት ኣሰጋገርቲ (ሰምሰርቲ) ናብተን ካብ እንዳ ጓሓፍ ኣራርዮም ዘምጽኡወን ሕሱራት ጃላቡ ከም ሳርዲን ጸፋጺፎም ብምእታው ደፊኦም ምስ ኣበገስዎም፡ ነቲ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝተታሕዘ ሚልዮናት ዶላራት ንምእራይ ናብ ትሪፖሊ ካብ ምጉያይ ሓሊፎም ምስቶም ንዕድሎም ናብቲ ማዕበል ዝመልኦ ባሕሪ ዝኣተዉ ስደተኛታት ክጓዓዙ ዘይሕሰብ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ሰነ ናይቲ ዓመት ዝነበረ ቀዳመ-ሰንበት ብዙሓት ጃላቡ ዝተበገሳሉን ሓያለ ካብአን ኣብ ሓደጋ ዝኣተዋሉን’ዩ። ዳርጋ ናይ መብዛሕትአን ኵነታት ኣብቲ እዋን ብማዕከናት ዜና፡ ተሓለቕቲ ትካላትን ሰብ መዚ ጸጥታን ተጸብጺቡን ተሰኒዱን ነይሩ። ሓንቲ ካብአን ግን ክሳብ ሎሚ ኣሰራ ኣይተረኽበን።

እታ ‘ሰራም’ ጃልባን ግዳያታን

ንባሕሪ ክሰግሩ ዝፍትኑ ዘለው ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ወጋሕታ 28 ሰነ 2014፡ ልዕሊ 240 ስደተኛታት ናብታ ኣብ ገምገም ባሕሪ ትጽበዮም ዝነበረት ጃልባ 'ተሰቕሉ'።

ክልተ ዓመት ዘይመልኡ ህጻናት ዝርከብዎም ንኣሽቱ ቈልዑን ኣደታቶምን፡ ሰብ-ሓዳር፡ መጻምድቲ፡ ኣሕዋት፡ ኣዝማድ ከምኡ’ውን ብዙሓት መንእሰያት’ዮም ነይሮም። ቍጽሮም ብልክዕ'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ መንነቶም ግን መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ምዃኖም’ዩ ዝፍለጥ።

ከም ኵሎም ቅድሚኦም ዝተበገሱን ድሕሪኦም ዝሰዓቡን ኣማኢት ኣሽሓት፡ ናብ ውሑስ ሃገር በጺሖም ህይወቶም ብሰላም ክመርሑን ሕልሞምን ሕልምታት ደቆምን ንምርኣይ ባህጊ ነይሩዎም።

ቅድሚ'ዚ ኣብ ቅድሚኦም ዝተገተረ ዘይርጕጽ ኵነት፡ ሓደጋ ጥይትን ማእሰርቲን ዘንጸላለዎ ዶባት፡ ከምኡ’ውን ጥምየት፡ ጽምኢ፡ ጭውያን ሞትን ምድረበዳ ሰሃራ ሓሊፎም’ዮም ናብታ ኣብ ከቢድ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ ዝነበረት ሊብያ ኣትዮም።

ሓደ ካብቶም ምስታ ጃልባ ተበጊሶም ዝተባህሉ፡ ንሚኪኤል ገብርኣብ ንእሽቶ ሓው ይርከቦም። እቲ ኣብቲ እዋን ወዲ 22 ዓመት ዝነበረ መንእሰይ ሓዉ፡ ኣብ ለካቲት 2014 ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ብእግሪን መኪናን ተጓዒዙ ናብ ሱዳን ኣትዩ።

እቲ እዋን ስደተኛታት ብብዝሒ ናብ ሊብያ ዝውሕዝሉ ዝነበሩ ግዜ ብምንባሩ ድማ ኣብ ሱዳን ነዊሕ ከይጸንሐ ጕዕዞ ምድረበዳ ሰሃራ ተታሓሒዝዎ።

ሚኪኤል ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ሊብያ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ጥራይ ጸኒሑ ናብ ኣውሮጳ ክሰግር ብባሕሪ ተበጊሱ።

“ኣነ ባዕለይ ናይ መወዳእታ ዝረኸብክዎ ዕለት 26 ሰነ 2014፡ ሰዓት 13፡50 ኣቢሉ ይኸውን። ምስ ረኸብክዎ ጽባሕ ክንብገስ ኢና ኢሉኒ ስለ ዝነበረ ልክዕ ዕለት 27 ድማ ደጊመ ደዊለ [ሓደ ካብቶም ኣፋነውቲ] ተበጊሶም ኢሉኒ”። ኣብቲ ‘መዝራዓ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ክሳብ ዝብገሱ ዝጸንሕሉ ገዛ እንከለዉ’ዩ ረኺቡዎ።

ጃኬት ድሕነት (Life Jacket) እንተደልዮም ተወሳኺ ገንዘብ ክኸፍሉ በቶም ኣሰጋገርቲ ከምዝተነግሮም ብምግላጽ፡ ንሓው ገንዘብ ክሰደሉ ሓቲትዎ። ሚኪኤል ብወገኑ ቀልጢፉ ሰዲድሉስ ከምዝበጽሖ’ውን ኣረጋጊጹ። እቲ በቲ ገንዘብ ክግዛእ ዝተባህለ ጃኬት ግን የርክብ ኣየርክብ ኣይተፈልጠን።

ብዛዕባ እቲ ተበጊሳትሉ ዝበሃል ዕለት ንባዕሉ ዝተፈላለየ ሓበሬታ’ዩ ዘሎ። ብመሰረት ገለ ካብቶም ግዳያት ኣቐዲሞም ንቤተሰቦም ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ብ 27 ሰነ ተበጊሳ ክትከውን ትኽእል’ያ። ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ ዕለት 28 ተበጊሳ ዝብል ጸብጻብ’ውን ኣሎ።

ሓዋ ዝጠፍኣ ፍዮሪ ኣስመሮም፡ ኣብታ “ሰራም” ክትብል እትገልጻ ጃልባ ከምዝነበረ ዝግለጽ ንእሽቶይ ሓዋ፡ ብ26 ሰነ ከምዝተበገሰ ሓቢሩዋ። ንጽባሒቱ ድማ ጕዕዞ ስለዘይሰለጦም ከምዝተመለሰ ኣፍሊጡዋ።

‘ኣለዉ ኢልና ኢና ንኣምን’፡ መትሓዚ ዝተሳእኖ ዝናፈስ ወረታት. . .

ክዳውንቲ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

እቶም ግዳያት ደሃይ ካብ ዘጥፍኡ ኣትሒዙ ብዛዕባ ሃለዋቶም ንስድራ ቤታቶም ዘናወጸ ዝተፈላለየ ወረታትን ክልሰ ሓሳባትን’ዩ ዝናፈስ።

“ኣብዚ ዓሰርተ ዓመት'ዚ ዝዀነ ጩቡጥ ሓበሬታ የብልናን ዝተፈላለዩ ዘይተጨበጡ ወረታት ግን ነይሮም’ዮም” ይብል ሚኪኤል።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስድራ ቤታት፡ ክብገሱ ምዃኖም እንተዘይኰኑ ኣብ ጃልባ ተሰቒሎም ናብ ባሕሪ ከምዝነቐሉ ካብ ኣፍ እቶም ግዳያት ኣይሰምዑን።

ቀንዲ ምንጪ ሓቀኛ ሓበሬታ ክዀኑ ዝኽእሉ እቶም ኣሰጋገርቲ’ዮም። ስለዚ ድማ’ዩ፡ ድሕሪ ሳልስቲ ሻቕሎትን ተርባጽን ዝሓደሮም ቤተሰብ ግዳያት፡ ናብቶም ገንዘብ ዝተኸፍሉ ኣሰጋገርቲ በብውልቆም ከካብ ዘለውዎ ቦታ ተሌፎን ክድውሉ ዝጀመሩ።

ፈለማ እቶም ኣሰጋገርቲን ተሓባበርቶምን፡ እታ ጃልባ ከምዝተበገሰትን ኣብ ውሽጢ መዓልታት ናብ ኢጣልያ ከምእትኣቱን’ዮም ቃል ኣትዮምሎም። መዓልታት እናነውሕ ምስ ከደ ግን እቶም ብፍርሂ ተዋሒጦም ዝነበሩ ስድራ ቤታት ብቐጻሊ ክድውሉ ጀሚሮም።

እቲ ነቶም በታ ጃልባ ክሰግሩ ዝተባህሉ ስደተኛታት ዝኽፈሎምን ሓላፍነት ዝወስደሎምን ‘ኢብራሂም’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰምሳሪ ግን ‘ናብ ካታንያ ኣትዮም ኣለዉ’ ዝብል ናይ ሓሶት ተስፋ’ዩ ክህቦም ጀሚሩ።

‘መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ’ ከምዝብሃል፡ ኢብራሂም ድሕሪ ሒደት መዓልታት ድማ ‘ኣብታ ጃልባ ሓሽሽ ስለዝተረኽበ ንዅሎም ኣሲሮሞም ኣለዉ’ ክብል ነቲ ዘይጭበጥ ተስፋ ክመጦ ፈቲኑ።

ነቲ ሓበሬታ ዝሰምዑ ተሓለቕቲ መሰላትን ቤተሰብን ካብ ሲሲልያ ገለ ዘህድእ ሓበሬታ ንምርካብ ንቐይሕ መስቀል ይዅን ፖሊስ ብምድዋል ላዕልን ታሕትን ክብሉ ጀሚሮም። ከም በዓል ሚኪኤል’ውን ነቲ ኵነታት ንምጥላል ክሳብ ብኣካል ናብ ካታንያ ከይዶም ኮለል ኢሎም ኣደዳ ክሳራ ኰይኖም ተመሊሶም።

ሓቅነት ዝነበሮ ሓበሬታ እንተዝነብር፡ ሰብመዚ ኢጣልያ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ነቶም ብገበን ዝጥርጥርዎም ናብ ቤት ፍርዲ መቕረብዎም እሞ ምተፈልጠ፤ ንዅሎም’ውን በቲ ዝተባህለ ጉዳይ ብኣልማማ ኣይምኸሰስዎምን።

ኣይተበገሱን ዝብል ካልእ ሓበሬታ’ውን ነቲ ኵነታት መሊሱ ሓላሊኽዎ’ዩ። እቶም ኣሰጋገርቲ ዘይመስል ሓበሬታ ምሃቦም ድማ ነዚ ተኽእሎ’ዚ እናራጎዶ ከይዱ። ከምኡ እንተዀይኑ ደኣ ኣበይ ኣትዮም ማለት’ዩ? መቚጸሪ ዘይተረኽቦ ካልእ ጫፍ’ዩ. . . ።

ኣብቲ እዋን፡ እቶም መርበብ ዘርጊሖም ዝነጥፉ ዝነበሩ ኣሰጋገርቲ ኣብ ንሓድሕዶም ብገንዘብ ክሰሓሓቡ እንከለዉ፡ ነቶም ስደተኛታት ገንሸል ብምግባር ይጨውይዎም ምንባሮም ብዙሓት ዝምስክርዎ’ዩ። ብዙሓት ስደተኛታት ንባሮት ዝሽየጥሉ እዋናት ብምንባሩ፡ እዚኦም’ውን ተመሳሳሊ ዕጫ ኣጋጢምዎም ክኸውን ከምዝኽእል’ዮም ገለ ስድራቤታት ዝጥርጥሩ።

ናብ ቱኒዝያ ከምዝተወስዱ ዝገልጽ ሓበሬታ ክወጽእ ምስጀመረ’ውን፡ ስድራቤታቶም ብውልቂን ብጕጅለን፡ ብኣካልን ተሌፎንን ዘካየድዎ ጻዕርታትን ዳህሳስን ዘፍረዮ ነገር ኣይነበረን።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ኣብ ክረምቲ 2016፡ ብህይወት ከምዘለዉ ዝገልጽ ኣብ ዘይተረጋገጸ ምንጪ ዝተመስረተ ሓበሬታ ‘ብራድዮ መድረኽ’ ወጺኡ’ኳ እንተነበረ፡ ሓቅነት ስለዘይነበሮ፡ ቅሂሙ ተሪፉ።

እቲ ንብዙሓት ስድራቤታት ክሳብ ሎሚ ዘቘጥዐ ፈነወ ናይታ ጸኒሓ ዝተዓጽወት መደበር ራድዮ፡ ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ምንባራ ዝገለጸት ሰብ ኣብ ገለ ቦታታት ሱዳን ተታሒዞም ኣለዉ ክትብል ዝሃበቶ ሓበሬታ’ዩ ነይሩ። በቲ ወረ ተስፋ ዝረኸቡ ስድራቤታት ድማ ነቲ ኵነታት ንምጥላል ላዕልን ታሕትን ኢሎም፤ እንተዀነ ማይ ሓቚኖም ተሪፎም።

ብፍላይ ኣቦኣ ንፍዮሪ ኣብቲ እዋን ኣብ ሱዳን ብምንባሩ፡ ተቐላጢፉ’ዩ ናብቲ በታ ሰብ ዝተጠቕሰ ቦታታት በጺሑ። ግና ኣሰር ኣይረኸበን።

ናብ የመን፡ ሶማልያ፡ ግብጺ ተወሲዶም ዝብል ዝዀነ መርትዖ ዘይብሉ ዝናፈስ ዝነበረ ወረታት’ውን ንስድራቤታት ኣናዊጹ’ዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ጃላቡ ስደተኛታት ናብ ባሕሪ ክብገሳ እንከለዋ፡ እቶም ኣሰጋገርቲ ምስአን ኣይስቀሉን’ዮም። ኣብ ክንድኦም፡ ካልኦት ንባዕሎም ክሰግሩ ዝደልዩ ሰባት ብምውካል ወይ ድማ ንሓደ ካብቶም ስደተኛታት ኣተሓሒዞ’ምዮም ዝሰድዎም።

ኣብቲ ሰለስተ መዓልታት ክወስድ ዝኽእል ጕዕዞ ሓደጋ ከጋጥም ከምዝኽእል ከም ርዱእ ስለዝውሰድ ግን፡ መብሕዛትኡ እዋን እቶም ኣሰጋገርቲ ነተን ልዕሊ ዓቕመን ዝጸዓና ዘይውሑሳት ጃላቡ ብሳተላይት ዝሰርሓ ተሌፎናት ከምዝማልኣ ይገብሩ። ኣብ እዋን ሓደጋ ድማ ኣበይ ከምዘለዉ ዝሕብር ጂኦግራፍያዊ ኮዳት (ኮኦርዲኔትስ) ናብ ኢጣልያ ዝርከቡ መቕርቦም ክሰዱ ዕድል ይህልዎም።

ሓደ ካብቲ ንብዙሓት ቤተሰብ ግዳያት ሕቶታት ዝፈጠረሎም ግን፡ እታ ሰራም ጃልባ ሳተላይት ከይሓዘት ከምዝተበገሰት እቲ ኣሰጋጋሪ ተዛሪቡ ምንባሩ’ዩ። ነይሩዋ እንተዀይኑ’ውን ስለምንታይ ርድኡና ዝብል መልእኸቲ ወይ ኣበይ ከምዝነበሩ ዝገልጽ ምልክት ዘይሰደደት?

እዚ ድማ ንገለ ስድራቤታት ግዳያት፡ ፈጺሞም ናብ ባሕሪ ከምዘይተበገሱ፡ እንተተበጊሶም’ውን ብጃልባ ናብ ካልእ ቦታ ከምዝተወስዱ ክጥርጥሩ ደሪኹዎም።

“ሕጂ እቲ ንሕና ንፈልጦ ኵላትና ተመሳሳሊ እዩ ብዝበሉና እቶም ደላሎን ካብኣቶም ገንዘብ ኣይከፈልኩምን ተባሂሎም ዝተረፉን’ዩ። ካብታ መዝርዓ ወጺኦም ኣብ መርከብ ተሰቒሎም ድዮም ኣይተሰቕሉን ግን ንዓና ኵሉ ግዜ ሕቶ እዩ” ይብል ሚኪኤል።

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየን ሃለዋቶም ንምፍላጥ ንዓመታት ዝጸዓረን ሓዉ ዝጠፍኦ ሰብ’ውን “ኣለዉ ኢልና ኢና ንኣምን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ብዛዕባ እዛ መርከብ ግን ዘይተባህለ የለን፤ ኵሉ ከኣ ብዘይካ ቁስልኻ ዝጐድእ እምበር ውጽኢት ዘለዎ ወረ ኣይሰማዕናን” ትብል ፍዮሪ ብወገና፡ “ኣብ ገለ ዘይንፈልጦ ቦታ ተሰዊሮም ኣለዉ ኢለ’የ ዝኣምን” ዝብል ተመሳሳሊ መደምደምታ ከምዝበጽሐት’ያ ትዛረብ።

“ሓንሳብ ሓንሳብ ዋላ እቲ ሓሶት ተስፋ’ዩ ዝዀነካ” ትብል፡ እታ ደሃይ ምንኣስ ምንኣሳ ሓዋ ብዘይምርካባ ኣብ ቃንዛ እትርከብ ፍዮሪ።

ከምተን ካልኦት ጥሒላ ክትከውን ትኽእል’ዶ?

ካብተን ኣስገርቲ ዝጥቐሙለን ዝጠሓለት ጀላቡ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ኤሪክ ሬዲ ዝተባህለ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ስደትን ብዘጋጥም ሰብኣዊ ጉዳያት ኣተኲሩ ዝጽሕፍ ጋዜጠኛ፡ ነቲ ዝተፈላለየ ዝነፍስ ዝነበረ ወረታት ኣጣሊሉ ነቶም ወትሩ ኣብ ንብዓት ዝነበሩ ኣሽሓት መቕርብን ፈተውትን መልሲ ንምርካብ ንሓደ ዓመት መመላእታ ሃሰው ኢሉ።

ኣብቲ ዘካየዶ ሰፊሕ ዳህሳስ፡ ናብ ኢጣልያ፡ ሱዳን፡ ቱኒዝያ በጺሑን፡ ሓያለ ስድራ ቤታት፡ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ጋዜጠኛታትን ክኢላታትን ኣዘራሪቡ ነይሩ። ኣሽሓት ሰባት’ውን ይጠቅም’ዩ ዝበልዎ ሓበሬታ የውሕዝሉ ነይሮም።

ብፍላይ እቶም ምስቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝነበረ ቅልውላው ስደተኛታት ቅርበት ዝነበሮም ክኢላታት፡ ኣማኢት ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ብዘይ ኣሰር ክትጠፍእ ‘ንቡር ኣይኰነን’ ዝብል መልሲ’ዮም ሂቦሞ።

እዚ ድማ ነቲ ጥሒሎም ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ግምት ገለ ሰባት’ውን ተኣማንነት ከሊእዎ።

እዚ ማለት ግን፡ ቍጽሪ ናይቶም ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ስደተኛታትን ዘሎ ናይ ሓበሬታ ጋግን ኣብ ግምት ብምእታው ኣየጋጥምን’ዩ ክበሃል ኣይክኣልንዩ።

ኣብቲ እዋናት ስደተኛታት ኣብ ምርዳእ ዓቢ ተራ ዝነበሮምን ንሽልማት ኖበል ሰላም ዝተሓጽዩን ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ካብቶም ኵነታት ናይታ ጃልባ ንምፍላጥ ብዝነበሮም መርበባት ተሓለቕትን ሰብ መዚ ኢጣልያን ላዕልን ታሕትን ዝበሉ’ዮም።

እቶም ብዙሕ ህልቂታት ስደተኛታት ዝረኣዩን ቃንዛን ሓዘንን ብዙሓት ዝተኻፈሉን ካህን ብዛዕባ’ቲ ዝናፈስ ወረታት ክገልጹ እንከለዉ “ልዕሊ 240 ዝዀኑ ሰባት ብዘይ ሰዳድ ወረ ክጠፍኡ ኣጸጋሚ’ዩ” ይብሉ።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ዕጡቓት ሊብያ ንገለ ስደተኛታት ካብ መዳጐኒታት ብምውሳድ ብረትን ካልእን ክስከምሎም ጨውዮም ወሲዶሞም ከምዝነበሩ ዝገልጹ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኢጣልያ ዝነበሩ ኣባ ሙሴ፡ ጸኒሖም ግን ሃለዋቶም ክፈልጡ ከምዝኸኣሉ ይዝክሩ። ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ ባሕሪ ዝተረኽቡ ስደተኛታት ምንባሮም’ውን ይዛረቡ።

ኣብ 2012 ሓንቲ 72 ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ፡ ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ከምዘጋጠማን፡ ድሕሪ 15 መዓልታት ከምዝተረኽበት ከም ኣብነት የቕርቡ። እቶም 63 ክሞቱ እንከለዉ 11 ጥራይ’ዮም ብህይወቶም ተረኺቦም፡ ክልተ ካብኦም’ውን ረዲኤት ምስረኸቡ ሞይቶም።

ናይዛ ጃልባ ፍሉይ ዝገብሮ ኣብቲ እዋን ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ተዋፊሮም ዝነበሩ ሓይልታት ባሕሪ ሕብረት ኣውሮጳ ረኺቦሞም እንከለዉ ከድሕንዎም ብዘይምኽኣሎም ወግዓዊ ክሲ ቀሪብሎም’ዩ።

ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ዝተገብረ መርመራ፡ ክልተ መራኽብ ኔቶ ኣብቲ ከባቢ ከምዝነበራ ኣረጋጊጹ’ዩ። እቶም ስደተኛታት’ውን ክንምለሰኩም ኢና ከምዝተባህሉ ተዛሪቦም ነይሮም። እቲ ጉዳይ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሕጋዊ መስርሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ምድላይን ምድሓንን ተዋፊረን ዝነበራ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣውሮጳ ጥርጣረታት ዘሕድር’ዩ።

ንኵነታት ዋሕዚ ስደት ዝከተታል ትካል ሕቡራት ሃገራት (IOM): “ብዙሓት ጀላቡ ኣብ ሓደ እዋን ክብገሳ ስለዝኽእላ፡ ንንጥፈታት ዳህሳስን ምድሓንን ኣዝዩ ይሓላልኾ’ዩ” ክብል የረድእ።

“ዝደሓነ ዘይብለን ‘ከይተራእያ’ ዝጠሓላ ጃላቡ ከምዘለዋ ዝገልጽ እሙን መርትዖ ኣሎ። ንኣብነት፡ ፕሮጀክት ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ስደተኛታት ዝመዝገቦ ምስተን ከምዝጠሓላ ዝተፈልጣ ጀላቡ ርክብ ዘይብሉ ኣካላት ዝሞቱ ሰባት ኣብ ገማግም ሊብያ ዝተረኽበ ኣሎ” ይብል።

ኣባ ሙሴ ከምዝብልዎ’ውን፡ ኣብ ሊብያ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ነቲ ዝተረኽበ ሬሳታት ብግቡእ ከይምርመር ዓቢ ዕንቅፋት’ዩ ፈጢሩ።

“በብዝረኸብዎ’ዮም ኣብቲ ሑጻ ዝቐብርዎም ነይሮም” ብምባል ከኣ ኣብ ቱኒዝያ’ውን፡ ብማዕበል ተገፊዑ ዝመጽኦም ሬሳ፡ ኣውጺእና ኣይንምርምርን ኢና ዝብል ምላሽ ከምዝሃብዎም ይዝክሩ።

እዚ ድማ ነቶም ኣብ ጓሂን ሰንፈላልን ዝነብሩ ስድራቤታት ሞት መቕርቦም ሰሚዖም ሓዘኖም ከይዓጽዉ ሓሪምዎም።

“ንስድራና ከህድእ ‘ሞይቱ’ ኢለ ከርድኦም ኢለ ዝተደናደንኩሉ እዋን ነይሩ፤ እንተዀ ነቲ መደምደምታ ክበጽሕ’ውን ዋላ ሓደ ካብ ሚእቲ ጭብጢ ኣይረኸብኩን” ብምባል ፍዮሪ ነቲ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ሕሱም መዋጥር ትገልጾ።

ተኽእሎ ምጥሓል ናይታ ጃልባ ወይ ብዝግበር መርመራ ሬሳታት ወይ ድማ ኣብ መዓሙቕ ማእከላይ ባሕሪ ብዝግበር ዳህሳስ ጥራይ’ዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። እንተዀነ ስፍሓት ናይቲ ክፍተሽ ዝኽእል ክሊ ማያት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንመዓልቲ ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር ብምኽፋል ክፍጸም ንስድራ ቤታት ይዅን ተሓለቕቲ ትካላት ዝከኣል ኣይኰነን- ዓቢ ገንዘባዊ ደገፍ እንተዘይተረኺቡ።

እቲ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ወሲዱ ልዑል ጻዕርታት ዝገበረ ጋዜጠኛ ኤሪክ “ድሕሪ መወዳእታ ዘይነበሮ ስራሕን ደገፍ ኣሽሓት ኣንበብቲን፡ ዝከኣለና ኵሉ ጌርና ዝረኸብናዮ ግን የለን” ክብል’ዩ ደምዲሙ።

እዚ ብዙሓት ተስፋ ዝገበርሉን ነዊሕ ዝወሰደን ዳህሳስን መርመራን ብዘይ ውጽኢት ምድምዳሙ ንግዳያት ቤተሰብ ንኸርድእ ኣዝዩ ከምዝኸበዶ ድማ ጽሒፉ።

“እንታይ ከምዝብሎም ኣብ ርእሰይ ብዙሕ ግዜ ደጋጊመ ሓሲበሉ፣ ገጽ ንገጽ ምስተራኸብኩ ግን ካብ ኣፈይ ቃላት ምውጻእ ኣብዮምኒ።”

“ቤተሰብካ ብህይወት ኣለዉ ድዮም የለዉን ከይፈለጥካ ብኸመይ ክትነብር ትኽእል?”

መልሲ ናይዚ ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ዘሎ ዓቢ ሕቶ ግን ምስ ፈጣሪን ምስቶም ክሳብ ሎሚ ሓቂ ዘይተዛረቡ ኣሰጋገርቲን ተሓባበርቶምን እዩ ዘሎ. . .።

ሰለም ዘየብላ ኣዒንቲ ስድራቤታትን ብቓንዛ ዝተጐብአ ትጽቢትን

ዕንባባ ኣብ ባሕሪ

እቲ ኵነታት ኣብ ልዕሊ እተን ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ሰንፈላል ተሪፈን ሃለዋት ደቀን ዘቋምታ ዘለዋ ስድራቤታት ክፉት ቍስሊ ኣስዒቡ ይርከብ። ብዛዕባ’ቲ ወሪድዎም ዘሎ ክዛረቡ ሓቦ ዝረኸቡ፡ ነቲ ዛንታ ብብኽያትን ንብዓትን ኣሰንዮም’ዮም ዘዘንትውዎ. . . ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብር ሚኪኤል፡ እቲ ናብራ ሰንፈላል ኣብ ልዕሊ ወለዱን ኣሕዋቱን ከቢድ ቃንዛን በሰላን ገዲፉ ከምዘሎ ይዛረብ።

“ኣደይ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ምስረኸብኩዋ፡ ከለልያ ኣይከኣልኩን፣ እታ ዝፈልጣ ወላዲተይሲ የላን። ብጓሂ ተደዊና፡ ጥዋዕዋዕ ኢላ፡ ስኒ የብላ ዓይኒ የብላ ተሪፋ። ምስረኣኹዋ ኣነ ንባዕለይ ሰንቢደ።”

“ኣንቲ ኣደ ከምዚ መሲልኪ ምስ በልኩዋ፡ ኣነ ደኣ ደሓን እንድየ ዘለኹ፡ ኣቦኻ እንተ ትርእዮም ደኣ እንታይ ምበልካ! ምስበለትኒ ሓዚነ።”

ንእሽቶ ሓዉ ተዋዛያይ ብምንባሩ፡ ዝተረፉ ኣባላት ብኣካል ይዅን ብተሌፎን ክእከቡ እንከለዉ በዚ ኾነ በቲ ይዝከር’ሞ፡ ኣብ ውሽጣ ዝተዓቚረ ጓሂ ከም ማዕበል ተገማጢሉ ይሃርማ - ዘየቋርጽ ዕንክሊል ስቓይ።

ኣብ ሰሙን ንስድራቤቱ ዝድውል ዝነበረ፡ ናብ ክልተ ወርሒ ሰለስተ ወርሒ ይሰጋገር፡ ምስ ደወለ’ውን እቲ ጉዳይ ከይልዓል ተጠንቂቑን ቃላት መሪጹን’ዩ ዘዕልል- ንሓጺር ግዜ።

ናይ ባዕሉ ጓሂ ጸይሩ፡ ንወለዱን ኣሕዋቱን ላዕልን ታሕትን ኢሉ ገለ ዝጭበጥ መልሲ ብዘይምርካቡ ተሸቝሪሩ’ዩ ዝነበር።

“ኣነ ዝኽእሎ’ዩ ዝመስለኒ ግን፡ ኣይክእሎን’የ። ክሪኦ እንከለኹ ክሳብ ክንደይ ከምዝሃሰየኒ፡ ብጣዕሚ ንድሕሪት ተመሊሰ ከምዘለኹ ምስፈለጥኩ’የ ዘስተውዕሎ።

“ዘሎ ዝመስለካ ሓጐስ ካብ ውሽጥኻ ሃዲሙ፡ ብዙሕ፡ ሰባት ጥራይ ዝዕዝብዎ ምልክታት ተጥሪ፡ እዚ ንዓይ ቀደም ዘይነበረ ባህሪ’ዩ። ኣነን ሓወይን ኣብ ገዛና ካብቶም ሕጕሳትን ሰሓቕትን እንበሃል ኢና።

እቲ ዝኸፍአ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንቡር ድቃስ ተሓሪሙ፡ ኣብተን ዝርካበን ቀም ዘብለለን እዋናት’ውን፡ ሓንሳብ ይብህርር፡ ሓንሳብ ከኣ ምስ ሓዉ ዘዕልል ዘሎ እናተሰምዖ “ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ይገብር፡ ምስ ዘየለ. . .ሰብ”

“መኪና ክሕዝ እንከለኹ በዓልቲ ቤተይ ከብዳ ሓቚፋ’ያ ትጽበየኒ ኣብዛ ገዛ” ዝብል ሚኪኤል፡ እቲ ከም መንደዓት ተሰኪምዎ ዝጓዓዝ ዘሎ ጾር፡ ኣብ በዓልቲቤቱን ውሉዱን ከይሓልፍ’ውን ተወሳኺ ስቅቕታ ኣለዎ።

“ምስ ካልኦት ኣሕዋተይ ሕጂ፡ ነናትና ኣብ ውሽጥና ገይርና፡ ነቲ ጉዳይ ኣይነልዕሎን ኢና። ኣብ ፈለማ ንመያየጥ ነይርና፡ ሎሚ ግን. . . ..[ከቢድ ስቕታ]።

ሚኪኤልን ኣሕዋቱን፡ ካብቲ መጻኢን ሕልምን መንእሰያት ኤርትራ ዘጸልመተ ግዱድን ገደብ ኣልቦን ሃገራዊት ኣገልግሎት’ዩ ንምህዳም’ዮም ዓዶም ገዲፎም ወጺኦም። ኣቦኦም ደቁ ከዕቢ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሃድም እናረኣይዎ’ዮም ዓብዮም።

“ሓደ መዓልቲ ኣደይ ሓራስ እንከላ፡ ሃንደበት [ነቦይ] ንግሆ ክወስደዎ ምስ መጹ፡ ሕራይ በሉ እሞ ነዛ ቡን ክሰትያ። ንስኹም’ውን ምሳና ቍረሱ ኢልዎም። ደሓር ንሶም ቀሲኖም ኮፍ ምስ በሉ፡ እምበኣር ንደቀይ ስራሕ ከተሓሕዝ ኢሉ ንደገ ብምውጻእ ሃዲሙ ተሰዊሩ።

“እቶም ዕጡቓት ድማ ሓሪቘም ነደይ ሒዞማ ከይዶም፡ ከይተጠመቐት ተኣሲራ። ናይ መዓልቲ እስርቲ ኰይና፡ ንግሆ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ትኸይድ ምሸት ድማ ናብ ደቃ ትምለስ ነይራ።” ይብል ሚኪኤል ኵነታት ናብራኦም እንክዝክር። እንተዀ ንበዓልቲ ቤቱ ካብ ማእሰርትን ምክልባትን ንምድሓን ኣማስያኡስ ባዕሉ ክኸዶም ተገዲዱ ንነዊሕ ዓመታት ኣገልጊሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ወዲ 77 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ወላዲኡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ውትህድርና ከምዝተጣየሰ ይገልጽ።

ሓንቲ ኣደ፡ ብዛዕባ ምስታ ጃልባ ጠፊኡ ዝበሃል ወዳ ዘለዋ ስምዒት ክትገልጽ እንከላ፡ “ንፈጣሪ’ኳ ሂበዮ እንተዀንኩ፡ ሃንደበት መጺኡ ኣብ ውሽጢ ከብደይ ከም ቀዝሒ ዝሑው ይብለኒ” ትብል።

ገሊኦም ወለዶ እቶም ግዳያት ምስ ጓሂኦም፡ ብሰንኩ’ውን ክኸውን ይኽእል፡ ደሃይ ደቆም ከይረኸቡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም። ብፍላይ ነተን ብሓንሳብ ብዙሓት ኣባላተን ምስታ ጃልባ ዝጠፍኡ ስድራቤታት ህልቂትን ጽንተትን’ዩ።

ብሰንኪ እቲ ኵነታት ገለ ቤተሰብ ግዳያት ናይ ጣዕሳ ስምዒታት ዝሓደሮም ኣይተሳእኑን። እንተዀነ ግን፡ ኣብ ምስዳድ ናይቶም ግዳያት ይዅን ዘጋጠሞም ሓደጋ ዋላ ሓደ ኢድ ኣይነበሮምን። ቀንዲ ተሓተትቲ እቶም ገንዘቦም በሊዖም ሓላፍነት ዝወሰዱ ኣሰጋገርቲ (ሰምሰርቲ) እዮም።

ቀዛፊ መስመር

ካብተን ሰራማት ጀላቡ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

እቲ ካብ ሊብያን ቱኒዝያን ናብ ማልታን ኢጣልያን ዝዝርጋሕ ብዙሓት ስደተኛታት ዝሰግርሉ ‘ማእከላይ’ መስመር ኣዝዩ ሓደገኛን ህይወት ብዙሓት ዝበልዐን’ዩ።

ጸብጻባት ኣይ-ኦ-ኤም (IOM) ከምዝሕብሮ፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ጥራይ ኣስታት 30,000 ንማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፈተኑ ሰባት ሃለዋቶም ኣይፍለጥን። እቶም ልዕሊ 17,000 ካብዚኦም በቲ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝሓልፍሉ ማእከላይ መስመር ሊብያ-ኢጣልያ ዝተበገሱ’ዮም።

ኣብቲ ቀዛፊ መስመር ናይ ዝጠፍኡ ልዕሊ 12,000 ስደተኛታት ሬሳ ዛጊት ኣይተረኽበን።

እታ ሰራም ጃልባ ኣብ ዝጠፍኣትሉ ሰሙን ንባዕሉ፡ ብ6 ሓምለ 2014 ብዙሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም 200 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ገማግም ሊብያ ጥሒላ’ያ። ብዘይካ 12 ሬሳታት ድማ ሃለዋት ናይቶም 188 ኣይፍለጥን።

ቅድሚ’ቲ ኣብ 2013 ዘጋጠመ ‘ህልቂት ላምፐዱሳ’፡ ኣብ 2011 ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ዝሞትሉ ከቢድ ሓደጋ ጃልባ ኣጋጢሙ ነይሩ’ዩ። ቅድሚኡን ድሕሪኡን በብእዋኑ ዝጠፍኡ ስደተኛታት’ውን ብዙሓት’ዮም።

ካብ ጥሪ 2014 ክሳብ ሚያዝያ 2016 ዝነበረ ሓደጋታት ዝበዝሐ ኣብ ገማግም ሊብያ ከምዘጋጠመ ‘ፎረንሲክ ኦሻኖግራፊ’ (Forensice Oceanography) ዝተባህለ ትካል ይሕብር።

‘ተስፋ ንገብር ወይ ካብ ሰምሰርቲ ወይ ካብ ፈጣሪ ንቓንዛ እዞም ስድራቤታት ዝድብስ ወይ መዕጸዊ ዝህብ መደምደምታ ቀልጢፉ ክርከብ’ ይብሉ ነቲ ዛንታ ዝተኸታተሉዎ መቕርብን ፈተውትን ኣሕዋት።

ኣብ መወዳእታ ግን “28 ሰነ 2014 ተበጊሰ ጸሎት ግበሩለይ ኢሉ ምስተፋነወና ክሳብ'ዛ ዕለት እዚኣ ወይ ደሃይ ወይ ቅባጸት ኣይተረኸበን” ክትብል ብምረት ትዛረብ።