ስዊዘርላንድ፡ ብሰንኪ'ቲ ምስ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሓተትቲ ዕቝባ ስደተኛታት ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ነታ ሃገር እትገብሮ ዝነበረት 'ልምዓታዊ ሓገዝ' ክቋረጽ ከም ዝወሰነት ኣፍሊጣ።
ስዊዘርላንድ፡ እቶም ብዝተፈላለየ መገዲ ናብታ ሃገር ብምእታው ሕቶ ዕቝባ ኣቕሪቦም ዝተነጽጕ ኤርትራውያን፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱን ኤርትራ ክትቅበሎም ፍቓደኛ ብዘይምዃናን እያ ናብዚ ውሳነ ከም ዝበጽሐት ገሊጻ ዘላ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 2024፡ ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ ንምዝርራብ በዓል ስልጣን ርክባት ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ ምንባራ ይዝከር።
እቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝለኣኽ በዓልስልጣን ብዛዕባ ጉዳይ ሕቶ ዕቝባኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክዘራረብ ምዃኑ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ስደተኛታት ክርስቲን ሽራነር በርገነር ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ንምዝርራብ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክትልእኽ ምዃና ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢራ ምንባራ ኣይርሳዕን።
እታ ጸሓፊት፡ ኤርትራ ንዜጋታት ንምቕባል ድልውነት እንተኣርእያ ጥራይ'ዩ እቲ ዝርርብ ክጅመር ዝኽእል ኢላ እውን ነይራ።