ስዊዘርላንድ፡ ኤርትራ ንዝተነጽጕ ዜጋታታ ምቕባል ብምእባያ ሓገዝ ከተቋርጽ ወሲና

ስዊዘርላንድ፡ ብሰንኪ'ቲ ምስ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሓተትቲ ዕቝባ ስደተኛታት ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ነታ ሃገር እትገብሮ ዝነበረት 'ልምዓታዊ ሓገዝ' ክቋረጽ ከም ዝወሰነት ኣፍሊጣ።

ስዊዘርላንድ፡ እቶም ብዝተፈላለየ መገዲ ናብታ ሃገር ብምእታው ሕቶ ዕቝባ ኣቕሪቦም ዝተነጽጕ ኤርትራውያን፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱን ኤርትራ ክትቅበሎም ፍቓደኛ ብዘይምዃናን እያ ናብዚ ውሳነ ከም ዝበጽሐት ገሊጻ ዘላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 2024፡ ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ ንምዝርራብ በዓል ስልጣን ርክባት ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ ምንባራ ይዝከር።

እቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝለኣኽ በዓልስልጣን ብዛዕባ ጉዳይ ሕቶ ዕቝባኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክዘራረብ ምዃኑ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ስደተኛታት ክርስቲን ሽራነር በርገነር ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ንምዝርራብ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክትልእኽ ምዃና ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢራ ምንባራ ኣይርሳዕን።

እታ ጸሓፊት፡ ኤርትራ ንዜጋታት ንምቕባል ድልውነት እንተኣርእያ ጥራይ'ዩ እቲ ዝርርብ ክጅመር ዝኽእል ኢላ እውን ነይራ።

ስዊዘርላንድ

ኤርትራ ሕቶ ዕቝባኦም ዝተነጽገ ዜጋታታ ካብ ዝዀነት ሃገር ኣይትቕበልን እያ።

ይዅን እምበር ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብግዴታ ዝተጠረዙ ስደተኛታት ክትቅበል ጸኒሓ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ማልታ፡ ግብጺ፡ ሊብያን ኢትዮጵያን ብግዴታ ክምለሱ ከም ዝተገብረ ተሰኒዱ ይርከብ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ስዊዘርላንድ ልዕሊ 260 ኤርትራውያን ሕቶ ዕቝባኦም ተነጺጉ ኣሎ። ብመሰረት ሕጊ ስዊዘርላንድ ድማ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣለዎም።

ኮሚቴ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስዊዘርላንድ ኣብ ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሕቶኦም ንዝተነጽገ ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቝባ ብሳልሰይቲ ሃገር ኣቢልካ ናብ ኣፍሪቃ ንምምላስ ዝዓለመ ውጥን ከም ዘጽደቐ ይፍለጥ።

ባንዴራ ኤርትራ ዝተሰቕሎ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ

ምንጪ ስእሊ,SWI

እዚ ይዅን እምበር ሕቶኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብ ካልእ ሃገር ብምስጋር ካልእ ሕቶ ከቕርቡ እምበር፡ ክሳብ ክስጐጕ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ስቕ ኢሎም ከምዘይቅመጡ እዩ ዝፍለጥ።

ነዚ ናይ ሕጂ ውሳነ ኣመልኪቱ፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዊዘርላንድ ማይክል ስታይነር ንፈነወ ራድዮ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኣዝዩ ንእሽቶ ምዕባለ ከም ዝተራእየ ብምግላጽ፡ እንተዀነ ብሓፈሻ ዝምድና ስዊዘርላንድን ኤርትራን ተመሓይሹ እዩ ግን ኢሉ።

ሞያዊ ስልጠና ምሕያል ተኻኢሉ እዩ፤ ይዅን እምበር "ኣብ መዳይ ስደት ዝጥቀስ ዓቢይ ምዕባለ ኣይተራእየን፡" ክብል ኣስሚሩሉ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ስዊዘርላንድ ነቶም ሕቶ ዕቝባኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዓዶም ንምምላስ ምእንቲ ክከኣል ትሰርሕ እያ ዘላ፤ እንተዀነ ኤርትራ ንኽትቅበሎም ድልውቲ ኣይኰነት።

በዚ ዘይዓገበት ስዊዘርላንድ ድማ እቲ ንኤርትራ ትገብሮ ዝነበረት ሓገዝ ካብ መወዳእታ ዝመጽእ ግንቦት ደው ከተብሎ እያ።

እዚ ድማ በይነ-ውሳነ መንግስቲ ፈደራል ስዊዘርላንድ ምዃኑ፡ እታ ራድዮ ወሲኻ ገሊጻ።

ነዚ ዝምልከት ብወገን ኤርትራ ዝተሰምዐ ምላሽ ዛጊት የለን።