በሃር ስነ ጥበባዊ ነጋሽ ብሰላም ዕረፍ
ምስ ብጾቱ ኣብ ቅድሚት ዝስለፍ
ታሪኽ ኣለካ ብሸለልታ ዘይሕለፍ፣
ዓሪፍካ ዶ ወደቦይ ተኪኤ
ደኺመ ከይበልካ ጸሚኤ
ታሪኽ ኣለካ ኣብ ተሐኤ፣
ህቡብ ኤርትርዊ በዓል ሐቦ
ዜማታትካ ሰሚዕካ ዘይትጸግቦ
ጸረ መግዛእቲ ዝመከትካ ብዓንቶቦ
ዜማኻ ንመንእሰይ ኤርትራ ዝስለቦ፣
ብበሃር ነጋሽ ወይዞሮ ፋና
ወዮ ትባና ሃባና ደንጒኽናና
እንዳበለ ኣባራቢርዎ ንህዝብና
ብቅልጽምና ተዓዊትና ከነስና
ነጻነትና ብህግደፍ ተመንዚዕና፣
ነጋሽ ሰነ ጥበባዊ ኣብ ፕሊስ ኤርትራ
ድንብርጽ ከይበለካ ናይ ደርጊ ፈኸራ
መኪትካ እወ ሃገርና ክትከውን ሐራ፣
ነጋሽ ኩሉ ዜታትካ ሃገራዊ
ክብለካ ዶ ህቡብ ስነ ጥበባዊ
ቃሉ ዘይዓጸፈ ተባዕ ኤርትራዊ፣
መምህር ስነ ጥበብ ዶ ክብለካ
ዑስማን ዶ እዮባይ እዩ ጸዊዑኳ
ኣሰር ሁቡባት ብጾትካ ዝሰዓብካ
ወየ ወየ ወየ በዛ ናዓካ
ዘይትበቅዕ ግጥመይ ክፈነወካ፣
ወየ ካብ ኣፍቀርትኻ ኤርትራዊያን
ነጋሽ ኣፋኑውኒ ካብ ካነስ ደሐንኩን
ኣምላኻ ኣብ ገነቱ ይቀበልካ ኣሜን፣
ንመዋቲ ነጋሽ ወደቦይ ተኪኤ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፣ንሙሉኣት ስድራቤት ጽንዓት ይሃብኩም፣ጠሊ ይግደፈልኩም፣በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን።