ኤርትራ፡ ቀንዲ ፍጻመታት ዓመተ 2024

ከምኡ'ውን፡ ሞት ዓበይቲ ሓለፍቲ መንግስትን ሰራዊትን ካልኦት ክስተታትን ዝተራእየላ ዓመት'ያ ነይራ።

ኣብዛ ትዛዘም ዘላ ዓመት ካብ ዝተራእዩ ፍጻመታት፡ ኣገደስቲ ንዝበልናዮም [ንስፖርት ንበይኑ ኣብ ካልእ ዓንቀጽ ፈሊና] ብኸምዚ ዝስዕብ ኣወሃሂድናዮ ኣለና።

ጥሪ

ስደተኛታት ኣብታ ሓዳስ ሃገሮም ንኽሰፍሩ ዝሕግዝ ጐስጓስ ዘካይድ ትውልደ ኤርትራዊ ዶክተር ጠዓመ መብራህቱ፡ ኣብ ዝርዝር ክብሪ ሓድሽ ዓመት 'ኦርደር ኦፍ ዘ ብሪትሽ ኢምፓየር' (OBE) ኰይኑ ተመዚዙ።

ዶክተር ጠዓመ ንትምህርቲ፡ ስደተኛታትን ማሕበረሰብ ብሪስቶልን ብዝገበሮ ኣገልግሎት'ዩ ኣፍልጦ ረኺቡ።

'ኦርደር ኦፍ ዘ ብሪትሽ ኢምፓየር'፡ ነቶም ኣብ ውግእ ዘይብሉ ኵነት ዘገልገሉ ንምኽባር ብ1917 ብንጉስ ጆርጅ ሓምሻይ ዝተመስረተ እዩ።

ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ጥሪ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዋዕላ ሩስያ- ኣፍሪቃ ቃል ብዝኣተዎ መሰረት፡ ኤርትራ፡ ካብ ሩስያ ዝተላእከ 25 ሽሕ ቶን እኽሊ ከም ዝበጽሓን ነቲ ኣኽሊ ዝጸዓነት መርከብ ብ4 ጥሪ ወደብ ባጽዕ ከምዝኣተወትን ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኤርትራ ኢጎር ሞዝጎ ንማዕከን ዜና ስፑትኒክ ኣፍሪቃ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሸኽ ሓሰን ማሕሙድ፡ ብ8 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ናብ ኣስመራ ኣትዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ምብጻሕ ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ከምኡ'ውን ዞባዊን ዓለምለኻዊን ጉዳያት ኣመልኪቶም ተዘራሪቦም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ብዛዕባ "ኵነታት ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን" ንምዝርራብ 11 ጥሪ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ሳምሕ ሹክሪ፡ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ፡ ብዛዕባ ዞባዊ ምዕባለታት ከም ዝተዘራረበ ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

ብ14 ጥሪ ኣብ ካምፓላ - ዩጋንዳ 45 ጽምዲ ኤርትራውያን መርዓውቲ ቃልኪዳን ኣሲሮም

ኣብዚ እዋን ናብ ዩጋንዳ ዝኣቱ ዘሎ ብዝሒ ኤርትራዊ ስደተኛ ስለዘሎ፡ ብኡ መንጽር፡ እቲ ኣብ ዩጋንዳ ዝካየድ መርዓታትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ውራያትን ኤርትራውያን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበዝሐን እናሰፍሐን ይመጽእ ከምዘሎ ነበርቲ ካምፓላ ጠቒሶም።

ስዑዳዊ መገዲ ኣየር ፍላይናስ ካብን ናብን ጅዳ ኣስመራ ቀጥታዊ በረራ ምጅማሩ ተገሊጹ።

ብ17 ጥሪ ነፋሪት ፍላይናስ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሐትሉ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ኣምባሳደር ስዑዲ ኣብ ኤርትራ ሳቒር ቢን ሱሌማን ኣልቁራሽ፡ ምኒስተር መጕዓዝያን መራኸቢታትን ሃብተስላሰ ብርሃነ፡ ፕረዚደንት ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ጳውሎስ ካሕሳይን ካልኦት ሰብመዝን ተረኺቦም ምንባሮም እቲ ኤምባሲ ብትዊተር ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን

ምንጪ ስእሊ,Yemane Gebermseke

መግለጺ ስእሊ,ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይቲ ምኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን

ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ 28ን 29ን ጥሪ'ዩ ኣብ ከተማ ሮማ ተኻይዱ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዳህሳስ ማዕድናት ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ዳህሳስ ኣልፋ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ንኡስ ዞባ ጎኘ፡ ኣቡርና ኣብ ዝበሃል ቦታ፡ ኣብ 33 ጐዳጉዲ ብዘካየዶ ዳህሳስ ጽቡቕ ውጽኢት ወርቂ ከምዝረኸበ ገሊጹ።

እቲ ትካል ኣብ ከርካሻ፡ ኣብ 771 ትርብዒት ኪሎሜተር ዳህሳስ ንኸካይድ'ዩ ውዕል ኣትዩ።

ሓደ ካብ ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝዀነ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ፡ ብ30 ጥሪ 2014 ኣብ መበል 78 ዕድመኡ ብሕማም ከም ዝዓረፈ፡ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ኣምባሳደር ኣሕመድ፡ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ኣባል ናይቲ ካብ 2002 ንደሓር ፈሪሱ ዝርከብ ሃገራዊ ባይቶ ዝነበረ እዩ።

 ኣምባሳደር ተጋዳላይ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ

ምንጪ ስእሊ,Yemane G. Meskel @hawelti

መግለጺ ስእሊ,ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ

ለካቲት

17 ለካቲት ኣብ ነዘርላንድስ ከተማ ሄግ፡ ኣብ መንጐ ክልተ ተቐናቐንቲ ኤርትራውያን ጉጅለታት ናዕቢ ከም ዝተላዕለ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ። ፖሊስ፡ ነቲ ናዕቢ ንምህዳእ ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተጠቐሙ ተገሊጹ። እንተዀነ፡ እቶም ናዕበኛታት መካይን ፖሊስን ኣውቶቡሳትን ከም ዘቃጸሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ክኢላታትን ዝሳተፍዎ "ዋዕላ ልምዓት ጸባን ውጽኢቱን" ብ21 ለካቲት ተኻይዱ።

ኣብቲ ኣብ ርእሰ-ከተማ ኣስመራ ዝተኸፈተ ዋዕላ፡ ንጸባን ውጽኢቱን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ምዃኑ ምኒስተር ሕርሻ ኤርትራ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ24 ለካቲት ናብ ግብጺ ገይሹ። እቲ ፕረዚደንት፡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ'ዩ ኣብታ ሃገር ናይ ሰለስተ መዓልቲ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲስን

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲስን

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ኣሎ ዝብል ክስታት፡ "ንኤርትራ ግዳይ ንምግባር" ብገለ ወገናት ዝተኣልመ'ዩ ክብል ከሲሱ።

መጋቢት

ሓደ ካብ ቀዳሞት ተጋደልቲ ቃልሲ ንናጽናት ኤርትራ ዝነበረ ጀነራል ካሪካረ፡ ኣብ 1969 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምዃኑ ይፍለጥ።

ጂኤፍዜድ ዝተብሃለ ጀርመናዊ ትካል፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ብ14 መጋቢት 4.9 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ።

መራሕቲ ኤርትራን ሶማልያን ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ጸጥታዊ ምትሕግጋዝ ተዘራሪቦም።

ዓባይ መርከብ ውግእ ሩስያ፡ ብ28 መጋቢት ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ከም ዝኣተወት ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ'ውን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ ዘትዩ።

ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ

ምንጪ ስእሊ,@hawelti

መግለጺ ስእሊ,ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ

ሚያዝያ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዡ ቢንግ፡ ብ7 ሚያዝያ ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ኣብ ኣስመራ ኣዘራሪብዎ።

ነቲ ዘይርጕእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምክትታልን ቻይና ኣብ ምርግጋኡ ግደኣ ክትጻወትን ተባሂሉ ብፍሉይ ብመንግስቲ ቻይና ኣብ ለካቲት 2022 መዝነት ዝተዋህቦ ዲፕሎማት ዡ ቢንግ፡ ኣርባዕተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ እዩ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ኤርትራ በጺሑ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝተዘራረበ።

ግንቦት

ኤርትራ መበል 33 ዓመት በዓል ነጻነት ኣብ ዘኽበረትሉን ፕረዚደንት ኢሳይያስ መደረ ኣብ ዘስምዓሉን፡ ንሩስያን ቻይናን ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ፡ ንሕብረት ኣውሮጳን ምዕራባውያን ሃገራትን ዘለዎ ተሪር ነቐፌታ'ውን ኣቕሪቡ።

እቶም "ዓብልል ገብት" ብምባል ብንጹር ዘይጠቐሶም ሓይልታት፡ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ "ተጻብኦታት" ከካይዱ ጸኒሖም ክብል'ውን ከሲሱ።

26 ግንቦት ኣብ ኤርትራ "ሓያል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ" ከም ዝተፈጸመ መንግስቲ ኤርትራ ገሊጹ።

እቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ መዓልቲ ናጽነት 24 ግንቦት 2024 ልክዕ ሰዓት 12፡32 ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ መርበብ ኢንተርነታት ከም ዝተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

ኣብ ኤርትራ 'ሓያል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ' ተፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ኣብ ኤርትራ 'ሓያል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ' ተፈጺሙ

ሰነ

1 ሰነ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያን ኣፍሪቃን ንፍስታፍ ናብ ደቡብ ኮርያ ገይሹ። ምስቲ ፕረዚደንት ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ተጓዒዙ ነይሩ።

ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ሰነ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ልዕሊ ትካል ጸጥታ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ንሰለስተ ዓመት ከም ዘናወሖ ምንጪ ሕብረት ኣውሮጳ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ።

ኤርትራን ኢጣልያን ኣብ ቀረባ እዋን ቀጥታዊ በረራታት ክጅምራ ምዃነን ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ጸብጺበን። እንተኰነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንምጅማር ቀጥታዊ በረራ ዝምልከት ዝዀነ ብወግዒ ዝተነገረ ምዕባል የለን።

ኣብ መወዳእታ ሰነ፡ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ ላዕለዋይ ምኒስተር ንግድን ሃገራዊ ፍርያት ኢጣልያን ኣዶልፍ ኡርሶ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ካልኦት 10 ምኒስተራትን ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ቍጠባዊ ዝምድና ተመያይጡ።

ሓምለ

ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ዑደት ንምፍጻም ብ8 ሓምለ ናብ ኣስመራ ኣትዩ።

እቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣቀባብላ ዝተገብረሉ መራሒ ሶማልያ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት፡ ከምኡ'ውን "ንረብሓ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዝተፈላለዩ ጉዳያት" ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘትዩ።

ብዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኣስመራ ከካይዶ ዝጸንሐ በረራታት፡ ካብ 30 መስከረም 2024 ጀሚሩ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ በረራታት ከቋርጽ ከም ዝወሰነ ገሊጹ፡

ነሓሰ

ምኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ

ምንጪ ስእሊ,UN

መግለጺ ስእሊ,ምኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ

ወዲ 79 ዓመት ኣቶ ብርሃነ፡ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተቐይዱ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ምኒስተር ብርሃነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኰይኑ፡ ንፖሊሲታት መንግስቲ ኤርትራ ብቕሉዕ ዝነቕፋ "ሃገረይ ኤርትራ" ዝብላ ክልተ መጻሕፍቲ ኣብ ወጻኢ ድሕሪ ምሕታሙ'ዩ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተቐይዱ።

ኣብ እስራኤል፡ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ተልኣቪቭ፡ ብ24 ነሓሰ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን "ደገፍቲ መንግስቲን ተቓወምቲን" ኣብ ጎደናታት ብዝተፈጥረ ከቢድ ዕግርግር፡ ክልተ ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ብኸቢድ ከም ዝተሃርሙ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

መስከረም

ፕረዚደንት ኤርትራን ቻይናን ኣብ በይጂንግ ኣብ ዝተራኸብሉ

ምንጪ ስእሊ,Yemane G. Meskel

መግለጺ ስእሊ,ፕረዚደንት ኤርትራን ቻይናን ኣብ በይጂንግ ኣብ ዝተራኸብሉ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን ብዘቕረበሉ ዕድመ፡ ኣብ 9ይ መድረኽ ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪቃን ንምስታፍ ብ1 መስከረም ናብ ቻይና ገይሹ

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራ ካብ 3 መስከረም 2024 ከም ዘቋረጸ ኣፍሊጡ።

እቲ መንገዲ ኣየር፡ "ኣብ ኤርትራ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ኣሸጋሪ ዕንቅፋታት ስራሕ ካብ ክጸሮ ዝኽእል ንላዕሊ ምዃኑ፡" ብምጥቃስ'ዩ በረራ ደው ከም ዘበለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀዳማይ ሰሙን መስከረም ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተነብረ ትእዛዝ ፕረዚደንታዊ እገዳ፡ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ።

ኣብ 1948 ኣብ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ ዑስማን፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ - ኣብ ፈለማ 1960ታት ኣትሒዙ ኣብ ሙዚቃ ዓለም ዝኣተወን ካብቶም ኣብ 1960ታት ዝተቐልቀሉ ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ትግርኛ ኤርትራ ዓቢ ኣሰር ዝገደፉ ብሉጻት ስነጥበበኛታት'ዩ።

ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም

ምንጪ ስእሊ,Social Media

መግለጺ ስእሊ,ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ዓብዱልዓጢ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሪፓብሊክ ግብጺ፡ ኣብ ኣስመራ ብ14 መስከረም ተቐቢሉ ኣዘራሪብዎ።

ሓላፊ መደባት ስፖርት ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ፡ ንምኒስተሪ ዜና ኤርትራ ወኪሉ፡ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ 2024 ናብቲ ኣብ ፓሪስ ዝተኣንገደ ኦሎምፒክስ ድሕሪ ምኻዱ፡ ኣብ መፋርቕ መስከረም ኣብ ኖርወይ ዕቑባ ሓቲቱ።

ጥቅምቲ

ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዘይደቀሰ ዶባዊ ምስሕሓብ፡ ብዘተ ክፍታሕ ከም ዘለዎ ቀዋሚ ወኪል ጅቡቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብጥቅምቲ 2024 ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸክ ማሕሙድ "ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ" ንምክያድ ብ9 ጥቅምቲ ኣስመራ ኣትዩ።

መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ብ10 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየድዎ ስሉሳዊ ዋዕላ፡ ብዛዕባ ሶማልያ፡ ሱዳንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ብሰፊሕ ተዘራሪቦም።

ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ሃገር ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ግብጻዊ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣ'ሲሲ፡ ሶማላዊ መዘናኡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ንኽልቲኦም ዘአንገደ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ዞባዊ ምርግጋእ ንምስፋን ዘካይድዎ ጻዕርታት ንምውህሃድ" ተሰማሚዖም"።

መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም

ምንጪ ስእሊ,@hawelti

መግለጺ ስእሊ,መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም

ሕዳር

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብዘይ ፍርዲን ንዅነታቱ ዝገልጽ ሓበሬታን፡ ንልዕሊ 23 ዓመታት ተሓይሩ ዝርከብ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፡ ንናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ብዝገበሮ ተወፋይነት፡ ሽልማት ሰብኣዊ መሰላት ሽወደን - "ኤደልስታም" ከም ዝተዋህቦ ሽማግለታት እቲ 'ፋውንዴሽን' ብ11 ሕዳር ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ ሰሙን ሕዳር፡ ኣቦ መንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ ተዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብ30 ሕዳር ምስ ማዕከናት ዜና ኤርትራ፡ ልዕሊ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ፡ ኣብ "ልምዓታዊ መደባት" እታ ሃገር፡ ጉዳይ ጐረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ኣመልኪቱ ቃለመጠይቕ ኣካይዱ።

ታሕሳስ

ሊቀ ጳጳስ ብጹእ ኣቡነ ባስልዮስ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ምርጫ ሲኖዶስ'ዮም ዝለዓለ ድምጺ ብምርካብ፡ ነቲ ከይተተክአ ዝጸንሐ መንበረ ፓትሪያርክ ክርከቡ ተሓርዮም።

መበል ሓሙሻይ ፓትሪያርክ ዝነበሩ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ፡ ኣብ ፈለማ ታሕሳስ 2022 ኣብ መበል 96 ዓመቶም ከም ዝዓረፉ ይዝከር።

ጉዳይ ፓትሪያርክ፡ ኣብታ ቤተክርስትያን ንዓመታት ጠንቂ ውሽጣዊን ደጋዊን ምስሕሓብ ኰይኑ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣቡነ ባስልዮስ መበል ሻዱሻይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምዃን ተመሪጾም

ምንጪ ስእሊ,LSAN TEWAHDO

መግለጺ ስእሊ,ኣቡነ ባስልዮስ መበል ሻዱሻይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምዃን ተመሪጾም

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ ንሕቶታት ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ምስጓጒ ኤርትራውያን "ኣፍልጦ" ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ክምለሱ ዘይግቦም ስደተኛታት ዝርከብዎም ከይኰኑ ዘለዎ ስግኣት ኣነጺሩ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ብ25 ታሕሳስ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምሕያል፡ "ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባዊ ጉዳያትን ኣህጉራዊ ምዕባለታትን" ከም ዝተዛተዩ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።