ኣብ ፈለማ 2000፡ ኣብ ኤርትራ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲን ኣባላት ባይቶን ድሕሪ ዝጀመርዎ ብጕጅለ-15 ዝፍለጥ ምንቅስቓስ፡ ጋዜጣታት ብሕቲ እታ ሃገር’ውን ነቲ ኵነታት ፍሉይ ኣቓልቦ ብምሃብ ዝተፈላለየ ሓሳባትን ርእይቶታትን ከአንግዳን መድረኽ ዘተን ክዀና ብምጅማረንን መንግስቲ ስጕምቲ ከምዝወሰደለን ኣይርሳዕን።
በዚ ድማ ኣብ መስከረም 2001፡ እቶም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ካልኦት ነጻ ሓሳቦም ዘስምዑ ውልቀሰባትን ከምዝተኣስሩን፡ ኵለን እተን ጋዜጣታት’ውን ክዕጸዋ ከምዝተገብረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ዳዊት ኢሳቕ’ውን ኣብቲ እዋን እዩ ተኣሲሩ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እዞም እሱራትን ሃለዋቶምን ዝምልከት ዝዀነ ሓበሬታ ሂቡ ኣይፈልጥን፤ ኵነታቶም ንኽምርመር ብዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ትካላትን መንግስታትን ንዝቐረበሉ ጻውዒት እውን ዕሽሽ ኢልዎ እዩ።
እንተዀነ ዝተፈላለዩ ልሒዀም ዝወጽኡ ሓበሬታታት ከምዘመልክትዎ፡ እቶም ብጕጅለ-15 ዝፍለጡ ፖለቲከኛታት፡ ንሓሳቦም ብምድጋፍ ንለውጢ ዝጸውዑ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባትን ጋዜጠኛታታትን ‘ዒራዒሮ’ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሰሜናዊ ባሕሪ ኣመና ሕማቕ ብዝዀነ ኣተሓሕዛ ከምዝተሓየሩ ይስማዕ።
በዚ ድማ ኣብቲ ዘስካሕክሕ ቤት ማእሰርቲ ሓያለ ካብኣቶም ከምዝሞቱ ወይ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ጥዕና ከምዝርከቡን ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ክወጽእ ጸኒሑ እዩ።
እዚ “ኤደልስታም” ዝተሰምየ ሰብኣዊ መሰላት ንምሕላው ንዝተራእየ “ፍሉይ ትብዓት” ዝወሃብ ሽልማት፡ ኣብ ዝመጽእ 19 ሕዳር ኣብ ስቶክሆልም ክወሃብ እዩ።
ቤተልሄም ዳዊት ኢሳቕ ድማ፡ ነቲ ገና ኣብ ማእሰርቲ ዘሎ ኣቦኣ ወኪላ ነቲ ሽልማት ክትቅበል ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ዳዊት ኢሳቕ ዝተፈላለየ ሓጸርቲ ዛንታታትን ድራማታትን ዝደረሰ ኰይኑ፡ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ኣገደስቲ ስርሓት ከምዘበርከተ እውን ይንገረሉ።
እዚ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ነቐፌታን ጻውዒት ንዲሞክራስያዊ ጽገናን ዝሓዙ ጽሑፋት ኣብ ምቕራብን ኰይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ ኣብ 2001 መንግስቲ ተቓውሞታት ንምጭፍላቕ ብዝወሰዶ ስጕምቲ ናብ ማእሰርቲ ኣምሪሑ።
ሕጂ ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ዓመታት ዝተኣስረ ጋዜጠኛ ምዃኑ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፡ ንልዕሊ ክልተ ዕቝድ ብዘይ ክሲ፡ ሕጋዊ መስርሕ ፍርዲን ኣብ ማእሰርቲ ኣሕሊፉ’ዩ።
ኣብቲ ብ 18 መስከረም 2001 ዝተወስደ ስጕምቲ ማዕረኡ ንልዕሊ 23 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ጽጌናይ ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ፡ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን ኣማኑኤል ኣስራት፡ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣድማስ ስዒድ ዓብደልቃድር፡ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ መቓልሕ ማቲዎስ ሃብተኣብ፡ ምኽትል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ መቓልሕ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ምኽትል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና መድሃኔ ሃይለ፡ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ጋዜጣ ቀስተ-ደመና ተመስገን ገብረየሱስ፡ ሰኣሊን ናይ ውልቂ ኣበርካቲን ስዩም ጸሃየ፡ በዓል ሞያ ሕጊን ናይ ውልቂ ኣበርካቲን ኣቶ ሳህለ ጸጋዝኣብ (ወዲ-ኢታይ)፡ ናይ ውልቂ ኣበርካትሪን ደራሲን እድሪስ ሰዒድ (ኣቡ-ዓረ) ምዃኖም ሰነዳት የመልክቱ።
ኣደ መንበር ፋውንደሽን ኤደልስታም ካሮሊን ኤደልስታም፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዳዊት ክፈትሕ፡ ዘለዎ ቦታን ኵነታትን ክሕብርን ሕጋዊ ውክልና ክፈቅድን ጸዊዓ።
እታ ኣደ መንበር “ክምህ ዘይህብል ትብዓት ዳዊት፡ ትእምርቲ መትከላት ሓሳብካ ምግላጽ ኰይኑ ክነብር እዩ” ኢላ።
ማሕበረሰብ ዓለም ንኤርትራ ንዳዊት ንኽትፈትሕን ጽገናታት ሰብኣዊ መሰላት ንከኽብር ጸቕጢ ክግበረላ ፋውንዴሽን ኤደልስታም ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ።
ሽልማት ኤደልስታም ንዝኽሪ ሽወደናዊ ዲፕሎማት ሃራልድ ኤደልስታም፡ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ፍሉይ ትብዓት ንዘርኣየ ውልቀሰባት ኣፍልጦ ይህብ።
ኤርትራ፡ ናጻ ብሕታዊ ማዕከን ሓበሬታ ዘይብላ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኰይና፡ ኣብ 2001 "ሃገራዊ ድሕነት" ብዝብል ምስምስ ንናጻ ፕረስ ዓጽያ ምሉእ ብምሉእ ዓጽያ እያ።
ኣብ 1987 ናብ ሽወደን ተሰዲዱ፡ ኣብታ ሃገር ዜግነት ዝረኸበ ዳዊት ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1993 ተመሊሱ ኣብኡ ይሰርሕ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ኣብ ኤርትራ ካብ ናጽነታ ኣትሒዛ ምርጫ ኣየካየደትን፤ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ ንልዕሊ 33 ዓመታት ስልጣን ሒዙ፤ እታ ሃገር ብዘይ ሃገራዊ ባይቶ፡ ንጡፍ ካቢነ ሚኒስተራት ነጻ ቤትፍርድን ነጻ ፕረስን ትቕጽል ኣላ።