ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ንዕድል ኤርትራ ዝቐየረ ኣካል

ብሓጺሩ፡ ምንቅስቓሳት ንናጽነት ወይ ከኣ ቍርቍስ ኤርትራ ብ1941'ምበር ከምቲ ብተደጋጊሙ ዝዝንቶ ብግዜ ገድሊ (ኣብ 1960'ታት) ኣይኰነነ ጀሚሩ። እቲ ናይ ሽዑ ምንቅስቓስ እንክጅመር ብወረጃታትን ጽቡቕ መንፈስን ዝነበሮምን ብምዕቡል ኣገባብን'ዩ ዝጀመረ።

"በቲ ዘመን'ቲ፡ ብዛዕባ ዝመጽእ ፖለቲካዊ መልክዕ ኤርትራ ካብ ኤርትራውያን ዝነቅል ጥሙር ሓሳብ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን፡" ይብል ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ኣብታ 'ኣይንፈላለ' ዘርእስታ ኣዝያ ኣገዳሲት መጽሓፉ።

ይዅን'ምበር፡ ኣለምሰገድ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተመዝማዚ ባህርያት ከም ዝነበሮ ኣስሚሩ ኣይጠቅስን። ኤርትራውያን ፍልልያት ከም ዝነበሮም - ብቐቢላታት፡ እንዳታት፡ ብቛንቋን - ጽቡቕ ገይሩ'ኳ እንተ ገለጾ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ወገናዊ ባእታ ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ጕዳይ ኣይኰነን ይበል። እቶም ንማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዘበገሱ ሰባት ካብ ሓደ ናይ ሓባር መረዳእታዊ ጽፍሒ ከም ዘይተበገሱ ይረቍሖ'ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ምንቅስቓስ ወገንነታዊ ባእታ ሓቚፉ እዩ ተበጊሱ።

ደቪድ ክራክነል ዝተባህለ - ናይ ፖሊስ ኣማሓዳሪ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ፡ ጸኒሑ ብተድላ ዕቝቢት ዝተተክአ እንግሊዛዊ መኰነን፡ ምስ ጸሓፊ ናይዚ ሓተታ'ዚ ብዝገበሮ ምይይጥ፡ "ኤርትራውያን ንዕድሎም ባዕላቶም'ዮም ኣባኺኖሞ - ኣብ ሓድሕዶም ስምምዕ ኣይነበሮምን፡" ክብል ይዝከሮ።

እዚ ስምምዕ-ኣልቦነት'ዚ ኣብ ኣባላት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዝተኸሰተ ሓቂ'ዩ።

ምስ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዝተኣሳሰሩ ዛንታታት እንክዝከሩ መብዝሕትኡ እዋን እቶም መስረትቲ ማሕበር'ዮም ዝዝከሩ። ኣብ ፈለማ ምምስራት ማሕበር ብዓል ገበረመስቀል ወልዱ፡ ዓብዱልቃድር ከቢረ፡ ኣብርሃ ተሰማ፡ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ወልድኣብ ወልደማርያም ዘኣመሰሉ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት፡ ኵሎም ነናቶም ዛንታ ዝነበሮም ምርኡያትን ወረጃታትን ዜጋታት ኤርትራ ነበሩ። እቲ ማሕበር ብተስፋን ጽቡቕ ድልየትን፣ ብመሪሕነት ሽድሽተ ኣስላምን ሽድሽተ ክርስትያንን'ዩ ተመስሪቱ።

ብተወሳኺ፡ ድሒሮም ኣብቲ ማሕበር ቀንዲ ተራ ዝነበሮም ሰባት'ውን ይዝከሩ'ዮም። ከም ብዓል ተድላ ባይሩ፡ በየነ በራኺ፡ ኣቡነ ማርቆስ፡ ቀሺ ዲመጥሮስ ገብረማርያም፡ ሓረጎት ኣባይ ዘኣመሰሉ ሰባት።

መብዝሕትኦም ኣባላት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ተመኵሮኦምን ትምህርቶምን ምስ መግዛእቲ ጣልያን ዝተኣሰሳር ኰይኑ፡ ኣብ ምምሕዳር፡ ዳንነት፡ ምትርጓም (ትርጁማንነት)፡ ምምህርና ኰነ ስርሓት-ንግድን ዝዋፈሩ ዝነበሩ፡ ኣስላምን ክርስትያንን ዝርከቡዎም ሰባት ነበሩ።

ብሓጺሩ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኣብ መጻኢት ኤርትራ ዓቢይ ተራ ከም ዝነበሮ ብምጥቃስ ናብ ኣበጋግስኡ ንኽንምለስ ናብ ቃለ-መሕተት ኣቦይ ወልድኣብ ወልደማርያም ነላግስ።

01 መጋቢት 1952፡ ወግዒ ምፍራም ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ,Keystone-France/Gamma-Keystone via Getty Images

መግለጺ ስእሊ,01 መጋቢት 1952፡ ወግዒ ምፍራም ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ

ኣበጋግሳ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር

እዚ ዚስዕብ ሓተታ ኣቦይ ወልድኣብ ወልደማርያም፡ ሓደ ካብ'ቶም ቀንዲ መስረትቲ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ብ 1982 ኣብ ሮማ ዝነበርሉ እዋን ኣብ ቃለ-መሕትቶም ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝሃብዎ መልሲ'ዩ። እቲ ቃለ-መሕትት ኣብ ጋዜጣ 'ሓዳስ ኤርትራ' 25 ግንበት 2015 ተሓቲሙ ነበረ።

መስመር

ዘመነ መግዛእቲ ጣልያን ብወትሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ተተክአ ሽዑ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ ዝበለ ኵነታት ምግማቱ ኣሸጋሪ ኣይኰነነ። ይዅን እምበር፡ እቲ ሓድሽ ኵነታት ከምቲ ትጽቢትና ኣይነበረን።

ንሕና ኤርትራውያን ከምቲ እንግሊዛውያን ባዕሎም ካብ ነፈርቶም ኣብ ፈቐድኡ ዝዘርእዎ ዝነበሩ ብትግርኛን ጣልያንን ዝተጻሕፉ መብጽዓታት ዝሓዘሉ ወረቓቕቲ፡ ብዘይ ወዓል ሕደር ለውጢ ክንርኢ ኢና ኢልና ትጽቢት ገይርና ነይርና።

ሓደው መሬትና ክመልሱልና እዮም፣ ወይ ድማ ክሳብ ኵነታት ዝረጋጋእ ምሳና ተላዚቦም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቶም ከጽንሑና ይመስለና ነበረ፣ ከምኡ ግን ኣይነበረን።

እንግሊዝ ምስ ኣተዉ እቲ ምምሕዳር ኣብ ኢድ እቶም ባዕሎም ዝንዕቕዎም ዝነበሩ ፋሽሽታውያን ጣልያን ክጸንሕ ፈቐዱ። ንሕና ድማ ከምዚ ዓይነት ጕዳይ ከጋጥም'ዩ ኢልና ጥርጣረ ፈጺሙ ኣይነበረናን።

ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ እንግሊዛውያን ብፍላጥ'ዮም ንኤርትራውያን ኣብቲ ኵነታት'ቲ ዝሸመምዎ። እቲ ዝፈጠርዎ ሓድሽ ኵነታት ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ጣልያናውያንን ዝያዳ ምትፍናን'ዩ ፈጢሩ። ስለዚ፡ ገበን እንግሊዝ ካብቲ ጣልያን ዝፈጸምዎ ንላዕሊ እዩ ምበልኩ።

እንግሊዝን ጣልያንን ኣብ መንጎኦም ሰላም ብምግባሮም ንሕና ኤርትራውያን በጃ ኴንና ተረፍና። እንግሊዛውያን በዚ ተግባር'ዚ ኣቢሎም መርገጺኦም ኣጣጥሑ። ኣብ መንጎኦም ድማ ምስ ናይ ሄሮድስን ጲላጦስን ዝመሳሰል ምሕዝነት ፈጠሩ ክበሃል ይከኣል።

ኤርትራ ንወተሃደራት እንግሊዝ መዛነይት ደሴት ኰነት ምባል ምግናን ኣይኰነን። ኣብቲ ዘመን'ቲ ጣልያን ንኤርትራ ኣማዕቢሎምዋ ከም ዝነበሩ ኣብ ግምት ምእታዉ የድሊ። ስለዚ እንግሊዝ ድሕሪ ክቱር ውግኣት ብሱዳን ኣቢሎም ኣብ መታሕት ተዋጊኦም ካብ በረኻ ንኤርትራ ክኣትዉ ጠሰስታ መለሰሎም።

ኤርትራ ኣብታ ህሞት ጭንቀታ መዐንደሪት እንግሊዝ ምዃና ዘሕዝን እዩ፤ ንዓና ኤርትራ ንመንእሰያት ወትሃደራት እንግሊዝ መዘናግዒት-ዓዲ ክትከውን ብዙሕ ኣይመሕሰበናን። ጽቡቕ ስለ ዘይፈደዩና ግን ኣዝዩ ኣሕሲቡና።

መስመር

ኣብ ትሕቲ ብርጋዴር ኬነዲ ኩክ ዝነበራ ቀዳሞት ክልተ ዓመታት ናይ ቃንዛን ስቓይን ዓመታት እየን ነይረን ክንብል ንኽእል። ኢጣልያውያን፡ ኣብቲ ናይ 50 ዓመት መግዛእቶም፡ ክንድኡ ጨኪኖምልና ኣይፈልጡን።

ኣብቲ ዝሰዓበ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ቍጠባዊ ጸገም፡ ሽቕለተ-ኣልቦነት፡ ሕሰምን ዘይርጉጽነትን ኤርትራውያን ኣብ ጽንኩርን ጸቢብን ቦታ ተሸኺሎም ተቐርቂሮምን ነበሩ።

ኣብ ሞንጎ እዚ ኵሉ ሽግር፡ ዋላ'ኳ ምትእኽኻብ ክልኩል እንተ ነበረ፡ ካብ ብስጭት ዝተላዕለ ግንቦት 1941 ኣብታ ናይ ኣቦይ ኣበራ (ኣስመራ) ዝነበረት እንዳ ሻሂ ኣኼባ ኣካየድና።

ድሕሪ ነዊሕን ሰፊሕን ክትዕ ኤርትራውያን ጸገሞም ንምቅላል ክወስድዎ ዝኽእሉ ግዝያዊ ስጕምትታት ከተግብሩ ተወሲኑ። እቲ ክግበር ዝግበኦ ነገር እንተ ሃልዩ፡ ነቶም ሓደሽቲ ኣመሓደርቲ ጸገማት ህዝቢ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክፈልጥዎ ምግባር ነበረ።

ኰይኑ ድማ 'ማሕበር ፍቕሪ ሃገር' ተመስረተ። ሽዑ 12 ሰባት ከማሓድሩ ተመሪጾም፡ ካብዚኦም እቶም ሽዱሽተ ክርስትያን እቶም ካልኦት ሽዱሽተ ድማ ኣስላም ነበሩ።

'ማሕበር ፍቕሪ ሃገር' ብ1941 ብፖለቲካዊ መጻኢ ኤርትራ ኣይተዛረበን፣ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ጉዳያት ምዝራብ ክልኩል ስለ ዝነበረ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ብኣንጻሩ፣ ኣብ ኤርትራ እግሩ ንምእታው፡ ተንኮል ንምእላም ድሕር ኣይብልን ከም ዝነበረ ንዓና ርዱእ'ዩ ነይሩ።

17 መስከረም 1952፡ ሃጸይ ሃይለስላሴ ውዕል ፈደረሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናፈረሙ

ምንጪ ስእሊ,Central Press/Hulton Archive/Getty Images

መግለጺ ስእሊ,17 መስከረም 1952፡ ሃጸይ ሃይለስላሴ ውዕል ፈደረሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናፈረሙ

ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ገለ ተደናገጽቲ ሰባት ነይሮምዋ - ምስ ሕልሚ ሃይለስላሴ ዝተወሃሃደ ሕልሚ ዝነበሮም ሰባት ማለት'ዩ። እንተ 'ማሕበር ፍቕሪ ሃገር' ግን [ደጊመ እደግሞ]፡ ፖለቲካዊ ጕጅለ ኣይነበረን። ኣብቲ ስሙ 'ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ' ዝብል ሓረግ ድሒሩ ኣብ 1944'ዩ ተወሲኹዎ።

ኣብ 1946 ዓ.ም 'ማሕበር ፍቕሪ ሃገር' ዝብል ስም ተቐየረ። ብድፍኢት ኢትዮጵያን ኣብቲ ማሕበር ዝነበሩ ሰዓብቶምን 'ማሕበር ፍቕሪ ሃገር – ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ – ሓንቲ ኢትዮጵያ' ናብ ዚብል ስም ተቐየረ።

ኣባላት 'ማሕበር ፍቕሪ ሃገር' ኣኼባ ኣብ ቤት-ጊዮርጊስ ምስ ኣካየዱ (ኣብቲ ብ'ኣኼባ ቤት ጊዮርግስ' ዝፍለጥ ጐነጻዊ ኣኼባ ማለት'ዩ) ባእሲ ተላዕለ። ኣቦይ ወልደኣብ ከም ዝበልዎ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብውዕል ክኸውን ከም ዝተሰማምዕሉ'ዮም ዝሕብሩ።

ኢትዮጵያ ግን ነቲ 'ብውዕል' ዝብል ሓረግ ኣጥቢቓ ትነጽጎ ነበረት፣ ኣብ ውሽጢ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዝነበሩ ሰዓብታ'ውን ከምኡ።

ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ክጅመር ከሎ፡ ዋላ'ኳ ንዕላማ ባዕለ-ውሳነ ይበገስ፡ ኣብ መጠረስትኡ ብፍቕሪ ኢትዮጵያ'ዩ ጕዕዞኡ ዛዚሙ።

ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ካብ ዝምስረትጀሚሩ ብብርክት ዝበሉ መድረኻትን መሰናኽላትን ብምሕላፍ፡ ኣብ መወዳእታ 1946 ህላወኡ ኣብቅዐ፣ ክሳብ ሽዑ ግን ዝተፈላለዩ ሰባት፡ ብብዝሒ ድሌት ባህጊ ናጽነት ዝነበሮም ክዀኑ፡ ቀስ ኢሉ ግን እቲ ማሕበር ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ባህጊ ብዝነበሮም ተዋሳእቲ እናተዓብለለ ከደ።

መስመር

ኣባላት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተደጊፎም'ዮም፡ ብጐነጻት ጕጅለ ኣንድነት ተሰናቢዶም'ዮም፣ ብመራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ከኣ ጸቕጢ ተገይሩሎም'ዩ ክበሃል ይከኣል። እዞም ኵሎም ጐስጓሳት ንመጻኢ ዕጫ ኤርትራ ጸልዮሞ'ዮም።

ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሓት ነገራት ኣብ ኤርትራ ይኽሰቱ ነይሮም'ዮም። ገለ ካብኦም ንምጥቃስ፤ ኤርትራውያን፡ ዋላ'ኳ ብመጠኑ ብእንግሊዝ ይመወል፡ 'ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ' ዝበሃል ብኣቦና ወልድኣብ ወልደማርያም ዝዳሎ ናይ ባዕሎም ጋዜጣ ነይሩዎም'ዩ።

እቲ ጋዜጣ ከም ነጸብራቕ ድልየት ህዝቢ ኰይኑ ሓደ ፖለቲካዊ ስእሊ ሕብረተሰብና (ምስሕሓብ ደለይቲ ናጽነትን ደለይቲ ሕብረትን) ከቕርብ በቒዑ'ዩ።

1942–1944 ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካን እንግሊዝን ክዕንብባ ክኢለን'የን። ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኢጣልያውያን ንዕዳጋታት ኲናት ዝኸውን ኢንዱስትሪን ሕርሻን የማዕብሉ ነበሩ።

ብ1945 ምጅማር ቍጠባዊ ቅልውላው ዝተራእየሉ ዘመን ኰይኑ ሽፍትነት - ኣውራ ጸረ ጥልያንን - ዝተኣታተወሉ ዘመን ነበረ።

እንግሊዛውያን ወተሃደራውን መጓዓዝያውን ትሕተ ቅርጺ ኣፍሪሶም ካብ ኤርትራ ከውጽእሉ ዝጀመርሉ እዋን ነበረ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ከም መድረኽ ንዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ባህግታት ኤርትራ የጸንባርቕ ነበረ፣ እዚ ከኣ ክሳዕ እቲ ኣብ ሕዳር 1946 ዝተኻየደ ኣኼባ ዋዕላ ቤት ጊዮርግስ ምዃኑ'ዩ።

ብድኽመታት ደለይቲ ናጽነት ተታባቢዖም ሕብረታውያን ብተድላ ባይሩ ተመሪሖም ንጐስጓሶም ናህሪ ወሰኽሉ። እቲ ናይ ቀደም መሪሕነታ (ክንፊ ደጋፊ ናጽነት) ብተድላ ዝምራሕ ደጋፊ ኢትዮጵያ (ኣኽራሪ ዝባህሪኡ ጕጅለ) ተደፊኡ ከም ዝግለለ ተገብረ፣ ተድላ ድማ 'ቅንዕና' ብዝጐደሎ ኣገባብ፡ 'ጕጅለና መቐጸልታ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር እኮ'ዩ' እናበሉ ይሕጭጩ ነበሩ።

ብድሕሪ ውዲት ደለይቲ ሕብረት ሃጸይ ሃይለስላሴ ነበሩ። ንዕጫ ኤርትራ ውዲት እንግሊዝን ኣመሪካን ሕቡራት መንግስታት-ዓለምን ምስ ተጸንበሮ ከኣ ኤርትራ ካብ ፈደረሽን ንጽንበራ ሰገረት።