‘ኤርትራ፣ ዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ንዝሓዘቶ መርገጺ፣ ኣድናቖትና ንገልጽ’ ፕረዚደንት ኢራን

እስራኤል ኣብ ቓዛ ኵናት ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን፣ ኤርትራ ንዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ፣ ኢራን ኣድናቖታ ከምእትገልጽ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር መስዑድ ፐዘሽኪያን ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብ ኢራን ዑደት ዘካይድ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ብረቡዕ 31 ሓምለ፣ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝሓዘ ደብዳቤ፣ ናብ ፕረዚደንት ፐዘሽክያን ኣብ ዘረከበሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ነቲ መልእኽቲ ድሕሪ ምቕባሉ፣ ኣብ መንጎ ኢራንን ኤርትራን ዘሎ ዝተቐራረበ ፖለቲካዊ መርገጺታት ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት፣ ሃገሩ ዘለዋ ጸጋታትን ዓቕሚን ንኤርትራ ከተካፍላ ቅርብቲ ምዃና ኣስሚርሉ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣንጻር እቲ ብኢራን ከምዝድገፍ ዝግለጽ ሑቲ ናይ የመን መርገጺ ከምዘለዎ፣ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝተመርሓ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝመስረትኦ ልፍንቲ፣ ካብ 2015 ኣትሒዘን ኣብ የመን ኣብ ዘካይድኦ ኵናት ኣነጺሩ’ዩ።

እንተኾነ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ግና፣ ኤርትራ ንእስራኤል ዝድግፍ ኮነ ዝቓወም ንጹር መግለጺ ከየውጽአት ‘ያ ጸኒሓ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት መስዑድ ፐዘሽኪያን ኣብ ዘረከበሉ ኣጋጣሚ፣ እስራኣኤል ብ31 ሓምለ፣ ኣብ ከተማ ቴህራን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፣ ንፖለቲካዊ መራሕ ሓማስ፣ እስማዒል ሓኒያ ምቕንጻላ ከምዝኾነነቶ ኣገልግሎት ዜና ኢራን ሓቢሩ።

ኤርትራ፣ ምስ ኢራን ዝምድናኣ ከተስፍሕ ከምእትደሊ’ውን እቲ ሚኒስተር፣ ኣብቲ ብምኽንያት ስነ-ስርዓት ቃለ መሓላ ሓድሽ ፕረዚደንት ኢራን ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚ ጠቒሱ።