ብኸፊል እገዳ ዝተነብረለን ካልኦት ሸውዓተ ሃገራት'ውን ኣለዋ።
ዶናልድ ትራምፕ ነዘን 12 ሃገራት ምሉእ እገዳ ዝገበረለን፡ ምስ ሓደጋታት ሃገራዊ ድሕነት ብምትእስሳር እዩ።
ዋይትሃውስ ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ፡ ኤርትራ ኣብዚ ሓድሽ እገዳ መገሻ ዝኣተወትሉ ክልተ ዓበይቲ ምኽንያት ኣስፊሩ ኣሎ።
እቲ ቀዳማይ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ሰነድን ምትሕብባር ዝተሓሓዝ'ዩ።
ኣመሪካ፡ መንግስቲ ኤርትራ ፓስፖርትን ስቪላዊ ሰነዳትን ብግቡእ መንገዲ ከም ዝህብ እምነት የብላን። እዚ ድማ ናይ ሰባት መንነት ኣብ ምርግጋጽ ስክፍታታት ዘለዓዕል እዩ ይብል።
ብዘይካ'ዚ፡ መዝገብ ገበን ኤርትራውያን ዜጋታት ንኣመሪካ ክፉት ስለ ዘይኰነ፡ ጸጥታዊ ስክፍታታት ዝፈጥር እዩ። ኤርትራ [ምስ ኣመሪካ] ናይ ዘይምትሕብባር ድሕረ-ባይታ ኣለዋ፣ ብሕልፊ፡ ዝተሰጐጉ (ዝተኣልዩ ውልቀሰባት) ምቕባል ከም እትኣቢ ይገልጽ።
እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ብዛዕባ ካብ ገደብ ግዜ ቪዛኻ ምሕላፍ ኰይኑ፡ ኤርትራውያን ኣብዚ መዳይ'ዚ ልዑል መጠን ከም ዘመዝግቡ ብኣሃዛት ኣሰንዩ የቕርብ።
ካብ'ቶም ብዋኒን ወይ ዓዲ ክርእዩ ዝኣተዉ ኤርትራውያን 20.09 ሚእታዊት ከይተመልሱ ክተርፉ ከለዉ፡ ብትምህርቲ ወይ ብምልውዋጥ በጻሒ ካብ ዝኣተዉ ከኣ እቶም 55.43 ሚእታዊት ናብ ሃገሮም ከም ዘይተመልሱ የመልክት።
ከም ውጽኢት ናይዞም ዝተጠቕሱ ጉዳያት ድማ ምእታው ኤርትራውያን ዜጋታት ናብ ኣመሪካ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቛረጸ ይገልጽ። እዚ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ኸኣ ንኢሚግራንት (Immigrant) ከምኡ'ውን ናንኢሚግራንት (nonimmigrant) ቪዛ ከም ዝጸሉዎ እዩ ዝሕብር።
'ኢምግራንት ቪዛ' ዝበሃል፡ ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት (ብመርዓ፡ ሕጸ፡ ምጥርናፍ ስድራቤት ኰነ ብስራሕ) ናብ ኣመሪካ መጺኦም፡ ቀወምቲ ነበረትን ዜጋታትን ንኽዀኑ ዝጥቀምሉ መስርሕ እዩ። እዚ ቪዛ'ዚ፡ መብዛሕትኡ ብቆንስላዊ መስርሕ ዝሓልፍ ኰይኑ፡ እቲ ሰብ ኢምግራንት ቪዛ ዝበሃል ተዋሂቡዎ እዩ ናብ ኣመሪካ ዝገይሽ።
ናንኢምግራንት ቪዛ ዝበሃል ከኣ፡ ንሓጺር ግዜ ኣመሪካ በጺሕካ እትምለሰሉ ዓይነት ቪዛ እዩ። ደቁን ስድራኡን ወይ ሃገር ክርኢ ንዝኸይድ ገያሻይ፣ ከምኡ'ውን ንትምህርቲ፡ ሕክምና፡ ንግዲ ወዘተ ናብታ ሃገር ክኣቱ ዝወሃቦ ቪዛ እዩ።
ኣብ ድያስፖራ ይዅን ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ እዚ ሓድሽ እገዳ ኣመሪካ ብኸመይ ከም ዝጸልዎም ስለ ዘይፈለጡ ኣብ ምድንጋር ከም ዝርከቡ ገለ ቢቢሲ ትግርኛ ዘዘራረቦም ሰባት ገሊጾም።
ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ ምስ ዝርከቡ ኣባላት ስራቤቶም ንምጽንባር ሕቶ ቪዛ ኣቕሪቦም ኣብ ምጽባይ ይርከቡ።
ኣብ ካምፓላ - ኡጓንዳ እትቕመጥ ሰላም ዘርኡ ካብ ኤርትራ ካብ እትወጽእ ሽዱሽተ ዓመት ገይራ ኣላ። ምስቲ ቀዲሙዋ ናብ ኣመሪካ ዝኣተወ ዓርካ ንኽትምርዖ እያ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣእትያን ብዙሕ ገንዘብ ከፊላን ካብ ሃገራ ወጺኣ።
ብኢትዮጵያ-ኬንያ ኣቢላ ኣብ ኡጓንዳ ምስ ኣተወት ድማ ድሕሪ ክልተ ዓመት ቃልኪዳን ኣሲሮም፣ ሓደ ቈልዓ እውን ወሊዶም።
ብዓልቤታ ትምርህቲ ወዲኡ ናብ ኤርትራ ክምለስ ውሕስነት ስለ ዘይስምዖ፡ ዕቝባ ክሓትት እሞ ኣብ ኣመሪካ ናብራኦም ክቕጽሉ መደብ ከም ዝነበሮም እያ ትገልጽ።
ሰላም በይና ወዳ እናኣዕበየት ኣብ ትጽቢት እያ ጸኒሓ።
"ነዚ ዜና ምስ ሰማዕኩዎ ክኣምን ኣይከኣልኩን፣ ኣብቲ መግለጺ ን'ናንኢሚግራትስ' ቪዛ ዝምልከት ምዃኑ እኳ እንተ ኣንበብኩ ግና ክቕበሎ ኣይመረጽኩን። ምኽንያቱ፡ ምሉእ ብምሉእ ዕጹው እንተዀይኑ ብድሕሪኡ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ስእሊ የብለይን። በቃ ብትጽቢት ረብሪበ እየ፡" ትብል።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይመረጸ ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጥ ኤርትራዊ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ስድራኡ ቪዛ ምእንቲ ክሓቱ ካብ ኤርትራ ናብ ኬንያ ክመጽኡ ከም ዝገበረ ይገልጽ።
በዚ ሓድሽ እገዳ ድማ ስንባደን ተስፋ ምቝራጽን ከም ዝተሰምዖ ብምግላጽ፡ ዓመታት ገጽ-ንገጽ ዘይተረኣኣዩ ሓያሎ ኤርትራውያን ስድራቤታት ክራኸቡ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ኣመሪካ ትምህርቶም ክከታተሉ ዝነበሮም ተስፋ ከም ሃፋ በኒኑ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
"ንሕና ኤርትራውያን፡ ድሮ በቲ ኣብ ውሽጢ ዓድና ዘሎ ስርዓት ዝኣክል ስቓይ ጸጊብና ኢና። ሕጂ ድማ ኣብ ትሕቲ ፖሊሲታት ኢምግረሽን ትራምፕ ተመሳሳሊ ጸገም የጋጥመና ኣሎ። ካብ መንግስታት ብዙሕ ኣደራዕ ይወርደና ኣሎ፡" ኢሉ።
ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ንዓመታት ምስ ዘይርኣዩዎም ዝናፍቑዎም ሰባት ዳግማይ ንምርኻብ ናይ ስደተኛታት ቪዛ ከም ዝሓቱ የብርህ።
እቶም ድሮ ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ፡ ብሰሪ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዝወስዱዎ ኣማራጺ ኣይኰነን። ብተወሳኺ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ ንኤርትራውያን ከም ስግኣት ጸጥታ ይርእዩዎም ምህላዎም ስክፍታኡ ይገልጽ።
እዚ እገዳ ብፍሉይ ዘይምልከቶም ኣየኖት እዮም?
ዜጋታት ናይዘን እገዳ ዝተነብረለን ሃገራት፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት እቱዋት እንተዀይኖም እቲ እገዳ ኣይምልከቶምን፤
- ሕጋዊ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም (ግሪን ካርድ ዘለዎም)፣
- ድሮ ቪዛ ተዋሂቦም ዘለዉ፣
- ናይ ወጻኢ ሃገራት ዲፕሎማሰኛታት - ኣብ ዝተወሰነ ናንኢሚግራት ቪዛ ዝጠቓለሉ፣
- ተወለድቲ ናይዘን ብጠቕላላ እገዳ ተነቢሩለን ዘሎ 19 ሃገራት ኰይኖም፡ ድርብ ዜግነት ዘለዎም ምስ ዝዀኑ፡ ብፓስፖርት ናይታ እገዳ ዘይተነብረላ ሃገር ክኣትዉ ይኽእሉ፣
- ኣትለታት ወይ ኣባላት ጋንታ ኣትለቲክስ፤ ከም ኣሰልጠንቲ፡ ግደ ናይ ደገፍቲ ዘለዎም፡ ቀረባ ዘመድ፣ ከምኡ'ውን ከም ዋንጫ ዓለም ወይ ኦሎምፒክስ ንዝኣመሰለ ስፖርታዊ ውድድራት ዝገሹ፣
- ናይ ቀረባ ስድራቤት ስደተኛታት ቪዛ (IR-1/CR-1, IR-2/CR-2, IR-5)፣ "ንጹርን ዘእምንን መርትዖ መንነትን ስድራቤታዊ ዝምድናን (ንኣብነት DNA) ዘለዎ፣"
- ብሕጊ ከም ውሉድ ዝርአ (Adoptees)፣
- ፍሉይ ናይ ስደተኛታት ቪዛ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣመሪካ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ኣብ 2017፡ 2018 ከምኡ'ውን 2020 ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዜጋታት ገደብ መገሻ ብምንባሩ ብዙሓት ስድራቤታት ተጐዲአን እየን።
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብ2 ለካቲት 2020 ብኣመሪካ ዝተወስደ ገደብ መገሻ፡ ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።
እቲ ውሳነ፡ "ብዘይ ዝዀነ ሰበብ ንኤርትራ ብፍሉይ ኣነጻጺሩ ኣሉታዊ መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝዓለመ'ዩ፡" ክብል ወቒሱ። እቲ ውሳነ ነቲ ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ንዝሓለፈ ጌጋታት ንምእራም ዝኽተሎ ናይ ሃናጺ ጽምዶ እዉጅ ፖሊሲኡ ስለ ዝጻረር እምብዛ ከም ዘርሞሞ ገሊጹ ነይሩ።
ብኻልእ ወገን፡ ማሕበረሰብ ኤርትራውያንን ኣመሪካውያንን ዝተባህለ ጕጅለ፡ ኤርትራ ካብቲ ሽዑ ዝተኣወጀ እገዳ መገሻ ክትወጽእ ዝጠልብ ጥርዓን ብምዝርጋሕ ክታማት ከም ዝኣከበ ይዝከር።
ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበረ ጆ ባይደን ስልጣን ዋይትሃውስ ምስ ሓዘ፡ ንኽልቲኡ ኣዋጃት ትራምፕ ብምፍራስ፡ ዜጋታት ናይተን ሃገራት ቪዛ ክሓቱ ከም ዝኽእሉ ኣዊጁ።
ጆ ባይደን ብ20 ጥሪ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ፡ "ዘለና ክብሪ፡ በቲ ዘይርትዓዊ ናብ ኣመሪካ ዝግበር ናይ መገሻ እገዳታት ክንትክኦ ኣይንደልን ኢና፡" ኢሉ ምንባሩ ይፍለጥ።
እዚ ተኣዊጁ ዘሎ ሓድሽ እገዳ ካብ 9 ሰነ ቅድሚ-ቐትሪ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።