ኤርትራዊት ስደተኛ ብዝፈጸመቶ ገበን ተፈሪዳ

ነታ ግዳይ ሃንደበት ኣብ ቅልጽማን ርእሳን ደጋጊማ ወጊኣ እያ ኣጥቂዓታ።

እቲ ፍጻመ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ፍዮሪ ትሕቲ ዕድመ ምዃና ስለ ዝገለጸት፡ ኣብ ትሕቲ ክንክን ናይቲ 14+ ዝዕድመኦም ዝናበዩሉ ትካል ማሕበራዊ ድሕነት ‘ሳውዘርን ሀልዝ’ ከምዝነበረት መዝገብ ቤት ፍርዲ የመልክት።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ 2022 ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ፊዮሪ ካብቲ መዓስከር ንመዓልታት ጠፊኣ ድሕሪ ምንባራ፡ ፖሊስ ኣናድዩ ብኣባል ማሕበራዊ ድሕነት ተዓጂባ ናብ መንበሪኣ ኣብ ዝመለሰሉ እዋን እዩ ኣጋጢሙ።

ኣፈጻጽማ እቲ መጥቃዕቲ

ኣስቤዛ ናብ ክሽነ ኣብ ዝራገፈሉ ዝነበረ እዋነ፡ እታ ሰራሕተኛ “ኵሉ ትፈትውዎ ነገራት ኣምጺአልኩም ኣለኹ" ኢላ ብገርሃ ባኮታት እናኽፍተት እንከላ፡ ፍዮሪ ናብቲ ክሽነ ብምእታው ሃንደበት ኣብ ቅልጽማን ርእሳን ደጋጊማ ወጋጊኣ ኣቝሲላታ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ፖሊስ፡ ንፍዮሪ ተቐላጢፎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮማ። ሓካይም ድማ ነታ ግዳይ ሓገዝ ገይሮምላ፤ ንህጹጽ መጥባሕቲ'ውን ብኡ ንብኡ ናብ ሆስፒታል ተላኢኻ።

ኣብ እዋን እቲ ፍጻመ ብፖሊስ ዝተሓተተት ፍዮሪ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ’ኳ እንተኣመነት፡ ብዛዕባ ምኽንያት ተግባራ ግን ዝዀነ መብርሂ ኣይሃበትን።

ፍዮሪ በዚ ገበን ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዳ’ኳ እንተነበረት “ከም ሓደገኛ ስለዝተቘጽረት” ግን፡ እቲ ዳኛ ነቲ ፍቓድ ምፍታሕ ብኽልተ ዓመት ኣናዊሑዎ’ሎ።

እቲ ዳኛ ኣብ እዋን ፍርዲ፡ “ነዊሕ ዝጸንሕን ነባሪን ሳዕቤን ዘለዎ ዘስካሕክሕ ተግባር” ክብል ነቲ መጥቃዕቲ ገሊጽዎ።

ንሱ፡ ፍዮሪ “ውሱን ምልክት ጣዕሳ” ከምዘርኣየትን፡ ነታ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ድሕነትን ፖሊስን ንዝፈጠሩላ ቍጥዐ ከምዝወቐሰትን ኣመልኪቱ።

ኵነታታ እንታይ ነይሩ?

ካብ ኤርትራ ዝመጸት ፍዮሪ ከሰተ፡ ኣብቲ ዝተኣሰረትሉ እዋን መንነታ ብንጹር ከምዘይተረጋገጸን፣ ሓሙሽተ ዝተፈላለየ ዕለታት ልደትን ሽዱሽተ ዝተፈላለየ ዕድመን ኣብ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ከምዝተመዝገበ መዝገብ ቤት ፍርዲ ኣመልኪቱ።

ሓደ ዝተገብረ ዳህሳስ ፍዮሪ ቅኑዕ ዕለት ልደታ ብምርግጋጽ ካብቲ ዝነበረቶ መናበዪ ትሕቲ ዕድመ ናብ ቤት ማእሰርቲ ደቂ ኣንስትዮ ሃይድባንክ ከምዘሰጋገራ የመልክት።

እቲ ዳኛ ነቲ ናብ ሰሜን ኣየርላንድ ብኣሰጋገርቲ ‘ተሸይጣ’ እያ ዝብል ጉዳይ ነጺጕ፡ እንተዀነ “ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ከምዝኣትወት” ኣመልኪቱ።

ኣብ ማእሰርቲ ዝነበራ ባህሪ ኣመልኪቱ’ውን ቀጻሊ ባእሲን ግጭትን ዝመኦ ምንባሩ ገሊጹ።

ፍዮሪ ኣብ መወዳእታ ፍርዳ ክትስጐግ እውን ለበዋ ኣቕሪቡ’ሎ።

ኣገልግሎት ፖሊስ ሰሜን ኣየርላንድ፡ እቲ ፍርዲ “ነታ ግዳይ ፍትሒ ከምዝተዋህበን ገለ ምጽንናዕ ክፈጥረላን” ተስፋ ከምዝገብር ገሊጹ።