ኦሎምፒክ ፓሪስ፡ ዓይኒ ብዙሓት ስሒቦም ዘለዉ ሽዱሽተ ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት

ካብዞም ነንሃገሮም ወኪሎም ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዝሳተፉ ኣፍሪቃውያን ቅድሚ ሕጂ መዳልያ ናይ ኦሎምፒክ ወሲዶም ዝፈልጡ ይርከብዎም፡ ከም ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ዝኣመሰሉ ከኣ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኦሎምፒክ ዝሳተፉ ዘለዉ ኮይኖም ኣብ ናይ መጀመርታ ሱታፌኦም ታሪኽ ክሰርሑ ብዙሓት ኣዒንቲ ሃንቀው ኢለን ይጽበየኦም ኣለዋ።

ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪካ እቶም ኦሎምፒክ ፓሪስ ክደምቁ ይኽእሉ’ዮም ኢሉ ዝገመቶም ሽዱሽተ ኣትሌታት ሓርዩ ኣቐሪብዎም ኣሎ።

ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ፡ ተቐዳዳማይ ብሽክልታ]

ቢንያም ግርማይ ኣብ ዝኾነ ዘካይዶ ጸወታ፡ ባንድራ ሃገሮም ዝሓዙ ደገፍቱ ካብ እግሩ ተሪፎም ኣይፈልጡን’ዮም

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ,ቢንያም ግርማይ ኣብ ዝኾነ ዘካይዶ ጸወታ፡ ባንድራ ሃገሮም ዝሓዙ ደገፍቱ ካብ እግሩ ተሪፎም ኣይፈልጡን’ዮም

ቢንያም ግርማይ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዘመዝገቦ ዓወታት ምስ ፍሕቱኡ እንከሎ’ዩ ናብ ውድድር ኦሎምፒክ ዝኣቱ ዘሎ።

ቢንያም ግርማይ ኣብቲ 21 ሓመለ ዝተዛዘመ ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ፡ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ቀዳማይ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ጸሊም ኣፍሪቃዊ፡ ቀዳማይ ሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወታተት ከመዝግብ ዝኸኣለ ኣፍሪቃዊ፡ ቀዳማይ እታ ኣብ ሽኳ ንዝበለጹ እትውሃብ ቀጠልያ ማልያ ክለብስ ዝኸኣለ ኣፍሪቃዊ፡ ቀዳማይ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ ክኸውን ዝኸኣለ ኣፍሪቃ ኮይኑ’ዩ ዛዚምዎ።

ቢንያም ኣብ ሃገሩ ‘ጅግና’ ዘስመዮ ክብሪ’ዩ ረኺቡ ዘሎ።

ወዲ 24 ዓመት ቢንያም ኣብቲ ንመጀመርትኡ ዝሳተፎ ዘሎ ውድድራት ኦሎምፒክ ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድርን ኣብቲ ቀዳም ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድርን’ዩ ክሳተፍ።

ኤርትራ ኣብ ኦሎምፒክ ሓንቲ መዳልያ’ያ ዘላታ፡ ኣብ 2004 ብመንገዲ ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ዘመዝገባ ነሓስ መዳልያ፡ ቢንያም ግርማይ ከኣ ነቲ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዘመዝገቦ ዓወት ኣብ ግምት ብምእታው መዳልያ ከምጽእ ትጽቢት ዘይግበረሉ ኣይኮነን።

ፈይዝ ኪፕዮንጎ [ኬንያ፡ ጎያይት]

ፈይዝ ኣብ ዝሓለፈ 13 ኣዋርሕ ጥራይ ኣርባዕተ ሓደሽቲ ክብረ ወሰን ከተመዝግብ ዝኸኣለት ድንቂ ኣትሌት’ያ።

እዛ ጓል 30 ዓመት ኬንያዊት ጎያይት ኣብ 1500 ሜትሮ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኦሎምፒካት ወርቂ መዳልያ ክትረክብ ክኢላ’ያ ሕጂ ከኣ ኣብ ሰለስተ ተኸታተልቲ ውድድራት ኦሎምፒክ ወርቂ ንኽትዓትር’ዩ ሕልማ።

ፈይዝ ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ኣብ 1500 ሜትሮ ሓዲሽ ክብረ ወሰን ከተመዝገብ ክኢላ’ያ።

ብፈይዝ ብዘይካ ኣብ 1500 ሜትሮ ኣብ 5000 ሜትሮ’ውን ክትወዳደር’ያ።

ለትሲል ተቦጎ [ቦትስዋን፡ ጎያዪ]

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ለትሲል ኣብ ቻምፕዮና ዓለም እቲ ናይ ፈለማ ኣብ 100 ሜትሮ መዳለያ ክረክብ ዝኸኣለ ጎያያይ ክኸውን ክኢሉ’ዩ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ,ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ለትሲል ኣብ ቻምፕዮና ዓለም እቲ ናይ ፈለማ ኣብ 100 ሜትሮ መዳለያ ክረክብ ዝኸኣለ ጎያያይ ክኸውን ክኢሉ’ዩ

ለትሲለ እቲ እንኮ ን100 ሜትሮ ብትሕቲ 10 ካልኢት ክውድኣ ዝኸኣለ ቦትስዋናዊ ጎያያይ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮና ዓለም ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ ዝተወዳደረሉ ከኣ ክልተ ሜዳልያታት ክረክብ ክኢሉ።

ኣብ 100 ሜትሮ ብሩር ኣብ 200 ሜትሮ ከኣ ነሓስ መዳልያ ተዓዊቱ፡ እዚ ከኣ እቲ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ኣብ ሓጺር ርሕቐት ክልተ መዳልያታት ዝረኸበ ኣስምየዎ።

ወዲ 21 ዓመት ለትሲለ ተቦጎ ዋላ ድኣ ዝፈትዋ ኣዲኡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ትፈለዮ’ምበረ ንኹሉ ክኢሉ ዓመት ከመዝግብ ከምዝኽል ብዙሓት ትጽቢት ይገብርሉ።

ፍራንክሊን ፍረደሪክ ኣብ 1996 ኣብ ሓጺር ርሕቀት ኣብ ኦሎምፒክ ተዓዊቱ ነይሩ’ዩ፡ ብድሕሪኡ ግን ዝኾነ ኣፍሪቃዊ ኣብ ኦሎምፒክ ነዚ ዓወት እዚ ክበጽሖ ኣይክኣለን፡ ለትሲለ ነዚ ን28 ዓመታት ዘይተደፈረ ክብረ ወሰን ኣብ 100 ከምኡ ከኣ 200 ሜትሮ መዳልያ ብምውሳድ ክሰብሮ ይኽእል’ዩ።

ብለሲንግ ኦቦሩዱዱ [ናይጀርያ፡ ረስትሊንግ]

ብለሲንግ ኦቦሩዱዱ ኣብ ውድድር ረስትሊንግ ክንድኣ ዓወታትተ ዝተጎናጸፈ ኣፍሪቃዊ የለን።

14 ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ውድድራት ኮመንዌልዝ ከኣ ኣርባዕተ መዳልያታት ተዓዊታ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ቶክዮ ኣብ ናይ 68 ኪሎ ብሩር መዳልያ ክትዕወት ክኢላ’ያ።

እዛ ካብ 2009 ጀሚራ ኣብዚ ውድድር ተጸሚዳ ትርከብ ብለሲንግ፡ ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ደሚቖም ክውጽኡ ካብ ዝኽእሉ ኣፍሪቃውያን’ያ ትስራዕ።

ሁገስ ፋብሪስ ዛንጎ [ቡርኪና ፋሶ፡ ኣትሌት]

ሁገስ ፋብሪስ ዛንጎ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ወዲ 31 ዓመት ሁገር፡ ንቡርኪናፋሶ እቲ ናይ መጀመርረታ ነሓስ መዳልያ ከምጽኣላ ዝከኣለ ኣትሌት’ዩ።

ሁገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቡዳፔስት ሃንጋሪ ኣብ ዝተኻየደ ዝላ 17.64 ሜትሪ ብምዝላል ቻምፕዮና ዓለም ብምዃን ንሃገሩ ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ስማ ከምዝደምቕ ገይሩ’ዩ።

ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመለሰሉ ኣብ ርእሰ ከተማ ኦጓዱጉ ኣዝዩ ምዕሩግ ኣቐባብላ’ዩ ተገይርሉ።

እዚ ብትምህርቲ’ውን ሰናፍ ዘይኮነ ሁገር ብዓውዲ ምህንድስና ናይ ዶክተርይት ማዕረግ ኣለዎ፡ ኣብ ፓሪስ ዓወት ብምምዝጋብ ከኣ ሽሙን ሽም ሃገሩን ከጸውዕ ትጽቢት ኣሎ።

ፋቲማ ዛህራ ኢል ማሞኒ [ሞሮኮ፡ ሳዕሳዒት]

ፋቲማ ኣብ ዝሃለሀ ዓመት ወርሒ ግንቦት በቲ ብሬክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓይነት ሳዕስዒት ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቻምፕዮና ኣፍሪቃ ክትከውን ክኢላ ነይራ’ያ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ,ፋቲማ ኣብ ዝሃለሀ ዓመት ወርሒ ግንቦት በቲ ብሬክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓይነት ሳዕስዒት ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቻምፕዮና ኣፍሪቃ ክትከውን ክኢላ ነይራ’ያ

ፋቲማ ብዝያዳ ባሪ ቢ ገርለስ ኢል ማሚኒ ዝብል ስም’ያ ትፍለጥ፡ ንሳን ሃገራ ሞሮኮን ኣብ ኣፍሪቃ እተን ንመጀመርታ ብሳዕስዒት ‘ብሬክ’ ኣብ ኦሎምፒክ ክሳተፋ ዝኸኣላ ኮይነን ኣለዋ።

ሳዕስዒት ብሬክ ከም ስፖርት ንመጀርታ ግዜ’ዩ ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ዝኣቱ ዘሎ፡ ቅድሚ ሕጂ ከም ስፖርት ኮይኑ ንውድድር ኣይኣቱን’ዩ ነይሩ።

ጓል 24 ዓመት ፋቲማ ኣብ ጎደናታት ሞሮኮ፡ ራባት ምርኢት ከተርኢ እንከላ ብስደራኣ ብዙሕ ተቐባልነት ኣይነበራን። ምስ ግዜ ግን ንዕኡ በዲሃ፡ ተኣሚንላስ ንሃገራ ወኪላ ኣብ ኦሎምፒክ ክትወሳተፍ በቒዓ። መዳልያ ክትረክብ ከምእትኽል ከኣ ብዙሓት ግምት ሂቦመና ኣለዉ።