"ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ከም ዝጀመሩ ኣምሲልካ ምግዋሕ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእልን ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ተቐባልነት ዘይብሉ ጠቐነ እዩ" ይብል እቲ ካብ ህወሓት ዝወጸ መብርሂ።
እንተኾነ ግን "ምስ ኩሎም ናይ ጎረባብቲ ክልላትን ሃገራትን ህዝብታት ሰላምና ንምርግጋፅን ንምውሓስን ፃዕርና ክቕፅል እዩ" ክብል ህወሓት ገሊጹ'ሎ። "ከም ውድብ፤ ሕዚ 'ውን ንሰላም ዘለና መትከላዊ መርገፂ ብዝኾነ መልክዕ ኣይልወጥን"።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምምቕቓል ብምምዝማዝ ምስ ገሊኦም ኮይና ሓድሽ ኲናት ክትውልዕ ትሓስብ ኣላ ክብል ከሲሱ ምንባሩ ይዝከር።
ኣስመራ ብወገና "እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት [ኢትዮጵያ] ንምኽዋልን ንምምኽናይን ዝዓለመ'ዩ" ክትብል መልሲ ሂባትሉ ነይራ።
ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሚኒስተር መስኖን ቆላታትን ዝኾነ ዶ/ር ኣብራሃም በላይ ብረቡዕ ምስ መንግስታዊ ተለቪዥን ፋና ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት'ውን ፖለቲከኛታት ትግራይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ርክብ የካይዱ ከምዘለዉ ተዛሪቡ'ሎ።
"ምስ ካልእ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ዝግበር ምንቅስቓሳት ድሌቱ እንታይ እዩ፡ ብምንታይ መልክዕ ይራኸቡ'ለው፡ ንምታይ ይራኸቡ'ለዉ ዝብል ኩሉ ይፍለጥ'ዩ፧ እኒመን'ዮም ዝራኸበ ዘለዉ'ውን ይፍለጥ'ዩ"።
"እቲ ዝግበር ዘሎ ርክብ ኮነ እቲ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ንፈደራል [መንግስቲ] ዘስግእ ዓይነት" ከምዘይኮነ ዝምጉት እቲ ሚኒስተር "ብፍላይ እቶም ምስ ሻዕቢያ [መንግስቲ ኤርትራ] እናተራኸቡ መጣፍእቲ ዝእልሹ ዘለዉ ተጋሩ" ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ በደልን ግፍዕን ግምት ዘይህቡ'ዮም ከብል ተዛሪቡ።
"እቲ ሃብቲ ትግራይ ጓሕጒሑ ተሸኪሙ ዝወሰደ ሻዕቢያ. . . ጥዕና ዘይብሉ ርክብ ምግባር" ቅቡል ከምዘይኮነ'ዩ እቲ ከም ሚኒስተር ምክልኻል ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ኮይኑ ነቲ ኣንጻር ህወሓት ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ ዝመርሐ ዶ/ር ኣብርሃም ዝኸስስ።
ህወሓት ግን እቲ ጠቐነታት ነቲ ኲናት ትግራይ ደው ዘበለ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምዕንቃፍ ዝተማህዘ'ዩ ክብል'ዩ ዝኸስስ ዘሎ።
"ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምስላፍ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይራኸቡ ኣለዉ ዝብል መቋረፂ ዘይብሉ ጠቐነታት ብምግዋሕ ኣንፃር ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ቅሉዕ ምንቅስቓስ ክገብሩ ይርኣዩ ኣለዉ" ድማ ይብል።
ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ መስከረም 2024 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መንጐ ሰበስልጣን ክልል ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ርክባት ይግበር ምንባሩን ክቕጽል ምዃኑን ብወግዒ ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ሚኒስተር ኣብርሃም፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መሬት ትግራይ ከምዘሎን ክወጽእ ከምዘለዎን ይዛረብ። መራሕቲ ትግራይ'ውን፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ከምዘለዉ'ዮም ክገልጹ ዝስምዑ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ግን "ኤርትራ ወተሃደራታ ከምቲ ግቡእ ናብቲ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ልኡላዊ ዶባታ ኣውጺኣቶም እያ" ብምባል ኣብ ጥቓ ዶባት ኣብ ዝርከብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ከምዘለዉ ዝወሃብ መግለጺታት "ሓሶት" ምዃኑ ደጊሙ ገሊጹ ነይሩ።
ሰብመዚ ኢትዮጵያን ትግራይን ብዛዕባ ህለወ ሰራዊት ኤርትራ ዝህብዎ መግለጺታት ነቲ ብውሳነ ኮሚሽን ዶብ ንኤርትራ ዝተዋህበ ባድመ ዝርከቦም ከባቢታት ዘነጻጸረ ምዃኑ'ዩ እቲ ኤርትራዊ ሚኒስተር ዝምጉት።
ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ንሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ብምጽላው ክሳብ ጎነጻዊ ግጭት በጺሑ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ወገን ህወሓት ከም ዝድግፉ ዝገለጹ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ መንግስቲ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ብምዃኑን ኣገደስቲ ዕማማት ክፍጽም ብዘይምኽኣሉን ክውገድ ኣለዎ ብምባል ክጉስጉሱ ምጽንሐም ይፍለጥ።