ቢቢሲ ን2024 ካብ መላእ ዓለም ዝተሓረያ 100 ኣነቓቓሕትን ጸለውትን ደቂ ኣንስትዮ ዝሓዘ ዝርዝሩ ወግዓዊ ገይሩ'ሎ። ካብ መንጎአን ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ሰላም ናድያ ሙራድ፡ ግዳይ ዓመጽ ጎስጓሲትን ጂዘል ፔሊኮት፡ ተዋሳኢት ሻሮን ስቶን፡ ኦሎምፒካውያን ኣትሌታት ሬቤካ ኣንድራድን ኣሊሰን ፌሊክስን፡ ደራፊት ራየ፡ ስእላዊ ስነጥበባዊት ትሬሲ ኤሚን፡ ተቓላሲት ክሊማ ኣደኒከ ኦላዶሱን ጸሓፊት ክሪስቲና ሪቨራ ጋርዛን ይርከብአን።
ኣብ ቓዛ፡ ሊባኖስ፡ ዩክሬንን ሱዳንን ንዘለዉ ቀተልቲ ግጭታትን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ካብ ምግጣም ክሳብ ኣብ መላእ ዓለም ንዝተኻየዱ መረጻታት ስዒቡ ኣብ ሕብረተሰባት ዝተራእዩ ጫፋት ዝረገጹ ኣፈላላያት ዝረኣያ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣዕሚቐን ክለፍዓን ሓድሽ ደረጃታት ጽንዓት ክረኽባን ተገዲደን እየን።
ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብዚ ዓመት ነተን ዓለም ኣብ ዙርየአን እናተቐየረት ኣብ እትኸደትሉ ኵነታት – ብጽንዓተን – ንለውጢ ዝተግሃ ዘለዋ ብምጽምባል ኣፍልጡ ሂቡ ኣሎ። እቲ ዝርዝር ንጽልዋ ህጹጽ ኩነታት ክሊማ ዝዳህሰሰ ኰይኑ፡ ማሕበረሰበን ንጽልዋኡ ክምክትን ምስኡ ንኽላመድን ኣብ ምሕጋዝ ንዝሰርሓ ተጣበቕቲ ክሊማ ዘጉልሕ እዩ።
ኣስማት ብዝዀነ ይኹን ፍሉይ መዐቀኒ ብቕደም ሰዓብ ኣይተሰርዑን
ዚና ሞዳረስ ጎርጂ, ኢራን
ተጣባቒት መሰላት ደቂኣንስትዮ
ኩርዳዊት ጋዜጠኛን ተጣባቒትን ዚና ሞዳረስ ጎርጂ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ንምምካት ከም ትምህርቲ፡ ተቓውሞን ደገፍን ዝበሉ መገድታት ዝጥቀም ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ 'ዚቫኖ' ምስ ካልኦት ብሓባር ኣብ 2019 መስሪታ።
ምንቅስቓስ ጓል ኣንስተይቲ፡ ህይወት፡ ናጽነት ኢራን ካብ ዝጅምር ንደሓር ክልተ ግዜ ዝተኣስረት ሞዳረስ ጎርጂ፡ ኣብ መጀመርታ “ኣንጻር እቲ ስርዓት ፕሮፖጋንዳ” ብምዝርጋሕ ዝብል ሓዊሱ ብዝቐረበ ክሲ ን21 ዓመታት ክትእሰር ተፈሪድዋ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ዝተቐነሰ ማእሰርቲ ትፍፅም ኣላ።
ሞዳረስ ጎርጂ ኣባል ናይቲ ኣብ ኢራን ንዝግበር ጽገና ሕጊ ህዝባዊ ደገፍ ንምእካብ ዝተኻየደ ወፍሪ ሓደ ሚልዮን ፌርማታት ኮይና፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣድልዎ ዝገብሩ ሕግታት ምምሕያሽ ዝምልከት እዩ።
ንሳ ኣብ ጉጅለ ሰብሞያ ስእሊ ኩርዳውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ፖድካስት ደቂ ኣንስትዮን ኣነቓቓሕቲ ደቂ ኣንስትዮ ኩርዳውያን ዝሓዘት መጽሓፍ ህጻናትን ተሳትፎ ኣለዋ።
ሃርብያ ኣል ሂምያሪ, የመን
መሃንድስ ዕቃበ ቅርሲ
ኣብ የመን ድሕሪ ናይ ዓመታት ኲናት ብዙሓት ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ህንጻታት ኣብ ዝዓነዉሉ እዋን፡ መሃንድስ ሃርብያ ኣል ሂሚያሪ ሓድሽ ህይወት ንምሃብ ተልእኾ ሒዛ ተበጊሳ።
ምስ ካልኦት ትካላት - ከም ትካል ባህሊን ትምህርትን ሕቡራት ሃገራት ዩኔስኮ ብምትሕብባር፡ ኣብ ጥንታዊት ሰንዓን ኣብ መላእ ሃገርን ዝርከቡ ዓሰርተታት መንበሪን ቅርስታትን ዳግማይ ኣሐዲሳቶ ኣላ። ዩኔስኮ ኣብ ልዕሊ 16 ሽሕ ቦታታት ንዝበጽሐ ጉድኣት ዳህሳስ ኣካይዱ።
ኣብ ዓውዲ ዕቃበ ቅርስታት ዝሰርሓቶ ስራሕ ታሪኻዊ ቦታታት ምዕቃብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህይወት ብዙሓት ኣመሓይሹ እዩ።
ኣል ሂሚያሪ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ብባህላዊ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ህንጻ ኣሰልጢናን ንመንእሰያት ኣዋልድ ናብቲ ኢንዱስትሪ ንኽኣትዋ ኣነቓቒሓን እያ።
ሮዛ ቫስኴዝ ኤስፒኖዛ, ፔሩ
ኬሚካል ባዮሎጂስት
ዓባያ ከም ፈዋሲት ብዝነበራ ጥበብ ዝተነቓቕሐት ሳይንቲስት ሮዛ ቫስኩዝ ኤስፒኖዛ፡ ምዕቡል ሳይንስን ባህላዊ ፍልጠትን ብምውህሃድ ሞያኣ ኣብ ፔሩ ኣማዞን ብዙሕነት ህይወት ንምሕላው ኣሕሊፋ።
መስራቲት ኣማዞን ሪሰርች ኢንተርናሽናል ኰይና፡ ምስ ደቀባት ማሕበረሰባት ብምትሕብባር፡ ነቲ ዘይተኣደነ ብዙሕነት ህይወት ናይቲ ጫካ ንምድህሳስ ትሰርሕ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ርሑቕ ናብ ዝርከቡ ስርዓታት ስነ-ህይወት እትጓዓዝ ኤስፒኖዛ፡ ስራሕታ ኣብ ፈለግ ቦይሊንግ ኣማዞን ሓደስቲ ባክተርያ ምርካብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ፔሩ ንፈለማ እዋን ኬሚካላዊ ትንተና ናይ ዘይናኸሱ ኣናህብን መድሃኒታዊ መዓርን ምምራሕን የጠቓልል።
ካብዚ ብተወሳኺ ኤስፒኖዛ፡ ዓለምለኻዊት ኣምባሳደር ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ካብ ዘለዉ ዓበይቲ ጉጅለታት ደቀባት ሓደ ዝዀነ ህዝቢ ኣሻኒንካ እያ።
ካታሊን ካሪኮ, ሃንጋሪ
ባዮኬሚስትን ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤልን
ሃንጋርያዊት ባዮኬሚስት ካታሊን ካሪኮ ኣብ “modified messenger RNA (mRNA)” ብገበረቶ ናእዳ ዝረኸበ መጽናዕቲ፡ mRNA ብመገዲ BioNTech/Pfizer ከምኡ’ውን Moderna፡ ክታበት Covid-19 ንምፍጣር ተጠቂማትሉ።
ኣብቲ “ጥዕና ደቂ-ሰብ ኣብ ዝዓበየ ሓደጋ ወዲቑ፡ ህጹጽ ምምዕባል ክታበት” ዘድልየሉ ዝነበረ ግዜ፡ ምስ መሳርሕታ ድሩ ዋይስማን ብምዃን ብዝገበረቶ ኣበርክቶ፡ ስልማት ኖቤል ክትዓትር ክኢላ እያ።
እቲ ንዲኤንኤና ናብ ፕሮቲን ናይ ምትርጓም ሓላፍነት ዘሎዎ DNA፡ ኣዝዩ ተነቃፍን ብኡ ኣቢልካ ንምስራሕ ኣጸጋምን እኳ እንተዀነ፡ ካሪኩ ግን ኣብ መድሃኒት ዓቢ ግደ ክጻወት ይኽእል እዩ ኢላ ኣመነት።
ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19 ምኽሳቱ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ፈተነ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ግና፡ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ብምልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ይወሃብ ኣሎ።
ኣብቲ ካልኦት ክገብርዎ ዝግባእ ዘይኰነ፡ ኣብቲ ንስኻ ክትገብሮ እትኽእል ኵሉ ሳዕ ኣበርቲዕካ ዕየ። እንተ ወዲቕካ ካብኡ ተመሃር፣ ሓመድካ ነጊፍካ ከኣ ብተመሳሳሊ ንያት ንቕድሚት ሰጕም።
ካታሊን ካሪኮ
ረቤካ ኣንድራደ, ብራዚል
ጂምናስት
ጂምናስት ረበካ ኣንድራደ ብድምር ሽዱሽተ መዳልያታት ብምምዝጋባ፡ ኣብ ብራዚል ዝያዳ ዝተሰለመት ኦሎምፒካዊት ትገብራ (ትሽዓተ ዋንጫ ዓለም’ውን ኣለዋ)።
ኣብ ፓሪስ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምድሪቤት ምውስዋስ ኣካላት፡ ነቲ ኣብ ዓለምና ኣዝዩ ዝተሰለመ ጂምናስቲክ ሲሞን ባይልስ ብምስዓር ወርቂ ተዓዊታ። ኣብ እዋን ስነ-ስርዓት መዳልያ፡ ቢልስን ብጻዩ ኣመሪካዊ ጂምናስቲክ ጆርዳን ቺለስን ነዚ ብራዚላዊ ሰገዶም፡ እዚ ምልክት’ዚ ቫይረስ ኮይኑ ኣርማ ናይ’ዚ ዓመት ኦሎምፒክ ኮይኑ።
ሓንቲ ካብ ሸሞንተ ቆልዑ፡ ክሳብ 10 ዓመት እትዕድሚኣ ኣንድራድ ካብ ሳኦ ፓውሎ ወጻኢ ካብ ዝነበረት ፋቬላ ንልምምድ ብእግራ ክትከይድ ከላ፡ ንጽል ኣዲኣ ድማ ንስልጠናኣ ንምኽፋል ገዛውቲ ትጽርይ ነይራ።
ምልዓላ ንብዙሕ ከቢድ መጉዳእቲ ክትስዕር ርእያ፡ ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ቀዳምነት ምሃብ ድማ ብግልጺ ተዛሪባ።
ጽኑዕ ምዃን ምስቲ ንዘጋጥመና ነገራት ብኸመይ እንሕዘሉ መገዲ ከምኡ'ውን ነገራት ጽቡቕ ኣብ ዘይኰኑሉ እዋን ደቂ ጋንታይ ነቲ ጽቡቕ ሸነኽ ንኽርእዩ ምስ ምሕጋዝ ዝተኣሳሰር እዩ።
ረቤካ ኣንድራደ
ክሎዊ ዣው , ዓባይ ብሪጣንያ
ኣላይት ፊልም
ክሎዊ ዣው ሽልማት ኦስካር ዝተዓዋተት ኣላይትን ጸሓፊትን ፊልም እያ። ንሳ እታ ናይ መጀመርታ ዘይጻዓዳ ጓል ኣንስተይቲ ጥራይ ዘይኰንትስ እታ ሓንቲ ካብ’ተን ኣብ ታሪኽ ብሉጽ ሽልማት ዳይረክተር ናይ ኣካዳሚ ዝዓተራ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኢያ።
እዛ ኣብ ቤጂንግ (ቻይና) ዝተወልደት ሰብ፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያን ጸኒሓ ኸኣ ናብ ኣሜሪካን ገዓዘት። ንነብሳ ከም ዘላን’ያ ትገልጻ - እዚ ቴማ’ዚ ድማ እያ ኣብ’ታ ሽልማት ዝረኸበት ፊልምኣ ‘ኖማድላንድ’ (2020) እትጽንብሎ።
ኣብ’ተን ቀዳሞት ፊልምታታ ንደቀባት ማሕበረሰባት ዝጽንብሉ ክዀኑ ከለዉ፡ ካብኡ ስዒባ ድማ ኣብ ‘ማርቨል ዩኒቨርስ’ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝመጹ ተዋሳእቲ ብምቕራብ’ያ ትልለ። ዣው ንዓና ከም ደቂ ሰባት መጠን ብኸመይ ኣገባብ ከም እንትኣሳሰር ዉዕዉዕ ናይ ምፍታሽ ስምዒት ኣለዋ።
ሎሚ ዓመት ኣብ መድርኽ ኮይና፡ ካብ’ታ ኣብ ዘመነ ሸክስፒር ዝነበረት ናእዳ ዝረኸበት ልብ-ወለድ ሃምነት ማጊ ኦ’ፋረል ክትመርሕ ጸኒሓ ኣላ፡ ኣብ 2025 ክትዝርጋሕ እያ።
ኣቃውማ ናይቲ እንሰርሓሉ ኢንዱስትሪ እንተ ድኣ ዘይቀይርናዮ፡ ተፋላጥነት ክንረክብ ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ ክንከውን ኣለና ጥራይ ኢና ንብል ዘለና። ብርታዐና ኣብኡ ዘሎ ግን ኣይመስለንን።
ክሎዊ ዣው
ጊሰለ ፐሊኮት, ፈረንሳ
ግዳይ ጾታዊ ዓመጽን ተቃላሲት ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽን
ጂዘል ፔሊኮት ስማ ናይ ምግላጽ መሰላ ብምሕዳግን ታሪኻ ናብ ዓለም ክበጽሕ ብምፍቃድን፡ ምልክት ትብዓትን ጽንዓትን ኮይና ኣላ።
በዓል ቤታ ነበር፡ ኣብ ሓዳር ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ሓሽሽ ከም ዝወሰደላን ከም ዝዓመጸላንን፡ ካልኦት ዓሰርተታት ደቂ ተባዕትዮ እውን ከም ዝዓምጽዋን ከም ዝመልመላን ተኣሚኑ። መብዛሕትኡ እቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ብፊልም ዝተቐድሐ እዩ።
ብሕጊ፡ ፔሊኮት ስማ ክትግለጽ መሰል ነይርዋ፡ ኣብ ክንድኡ ግን እቲ ፍርዲ ክፉት ክኸውንን እቶም ቪድዮታት ክረኣዩን ሓቲታ፡ እዚ ድማ ነቲ "ሕፍረት" ናብ ተኸሰስቲ ንምምላስ እዩ። ገለ ካብቶም ኣብቲ ጉዳይ ዝተሳተፉ ካልኦት 50 ደቂ ተባዕትዮ፡ ዓመጽ ከምዝፈጸሙ እኳ እንተኣመኑ፡ እቶም ዝበዝሑ ግን ኣብ ጾታዊ ተግባራት ጥራይ ከምዝተሳተፉ ይዛረቡ።
እቲ ፍርዲ ኣብ መወዳእታ ደረጅኡ ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ በታ ጉዳያ ንሕግን ኣብ ዙርያ ዓመጽን ፍቓድን ዘሎ ኣተሓሳስባ ፈረንሳ ክቕይር ተስፋ ዘለዋ ፈረንሳዊት ዓባየይ ተደሪኸን እየን።
ኣደኒከ ቲቲሎፐ ኦላዶሱ, ናይጀርያ
ተጣባቒት ፍትሒ ክሊማ
ናይጀርያዊት ኢኮፌሚኒስት ኣዴኒከ ቲቲሎፐ ኦላዶሱ፡ ናይቲ ንለውጢ ክሊማ ንምምካት ብደቀንስትዮን መንእሰያትን ዝካየድ፡ “ኣነ ንስለ ክሊማ ዝውሰድ ተግባር እመርሕ፡” ዝብል ተበግሶ መስራቲት እያ።
ብዛዕባ እቲ ንቐላይ ጫድ - ኣብ መራኽቦ ናይጀርያ፡ ኒጀር፡ ጫድን ካሜሩንን - ዝጸሉ ዘሎ ቅልውላው ከባቢ፡ ንቕሓት ንምዕባይ ሰሪሓ።
ዕማም ኦላዶሱ ንኸባብያውን ማሕበራውን ጉዳያት ዝምልከት ኰይኑ፡ ብፍላይ ንደቀንስትዮ ኣፍሪቃ ዝጸሉ ስለ ዝዀነ፡ ምድረበዳነት ንውሕስነት መግቢ ብቐጥታ ኣብ ዝጸልወሉ ከባቢታት፡ ሕርሻኦም ከየባተኹ ከካይዱ ዘኽእሎም ክእለት ተዕጥቖም።
ካብ 2019 ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ዋዕላታት ለውጢ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት ብምስታፍ፡ ሓንጸጽቲ ፖሊሲታት ኣብ ኣፍሪቃ ንመጽናዕቲ ክሊማ ቀዳምነት ክህቡ ኣተሓሳሲባ።
ቅልውላው ክሊማ ካብ ምዕዋት ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ዘይገድፈልና ናይ ተጻዋርነት ጉዳይ እዩ። ካብዚ ቅልውላው ንምድሓን ድማ ኣብ ቴክኖሎጅን ምህዞን ወሳኒ ወፍሪ የድልየና።
ኣደኒከ ቲቲሎፐ ኦላዶሱ
ሻሮን ክላይንባም, ኣመሪካ
መምህር ኣይሁድ
ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኒውዮርክ ፈላሚት ዝኾነት ረቢ ሳሮን ክላይንባም፡ ኣብ መሰላትን ሃይማኖትን ኤልጂቢቲኪዩ+ ለውጢ ንምልዕዓል ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣሕሊፋ እያ።
ኣብ 1992 መጀመርታ: ረቢ ናይታ ከተማ ጉባኤ ሲምቻት ኦሪት ኮይና ዝተመዘዘት ኰይና፡ ንዝቐጸላ 32 ዓመታት ክትመርሕ ኣሕሊፋቶ፤ ኣብ 90ታት ዝነበረ ቅልውላው ኤይድስ እውን ከምኡ።
ንሳ ኣብ ጉባኤ ለውጠ-ጾታን ብዕቱብ ዝሰርሐት፡ ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ ምሕዝነት ሕደ-ጾታውነት ኣወሃሂዳ።
ኣብዚ ዓመት ጥሮታታ ዝወጸ ክላይንባም፡ ንፕሮጀክትታት ማሕበራዊ ፍትሒ መሪሕ ተራ ተጻዊታ፤ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ኮሚሽን ኣህጉራዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣመሪካ ተመዚዛ።
ሓጐስ፡ ውጽኢት መንፈሳውን ፖለቲካውን ተቓውሞ እዩ።
ፈንግ ዩኣን, ቻይና
ጎስጓሲት መሰላት ደቂኣንስትዮ
ኣብ ቻይና ንነዊሕ እዋን ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነት ፈንግ ዩዋን፡ መስራቲት ዳይረክተር ማዕርነት ቤጂንግ’ያ። እቲ ኣብ 2014 ዝተመስረተ ትካል፡ ኣብ ምምሕያሽ ሕግታት፣ ምህናጽ ዓቕሚን ምቅላስ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ይሰርሕ።
ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት፡ ነቶም ካብ ጐስጓስ 'ሚ ቱ' (Me Too) ዝደሓኑ ቻይናውያን ክትድግፍን ንኣስራሕቲ ኣብ ስራሕ ቦታ ጾታዊ ትንኰያ ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ ስልጠና ክትህብን ጸኒሓ።
ፈንግ ካብ 1986 ክሳብ 2006 ኣብ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ኣተኲራ ከም ጋዜጠኛ ሰሪሓ።
ካብ መፋርቕ 1990ታት ጀሚራ ኣብ ዙርያ ደቂ ኣንስትዮን ሚድያን፣ ኤችኣይቪ/ኤይድስ፣ ኣመራርሓን ምሕያል መንእሰያትን ዝተፈላለዩ ዘይመንግስታዊ ተበግሶታት ንምቛም ሓጊዛ። ኣብ ቻይናን ኪኖኡን ከኣ ጽሑፋት ጽሒፋን ኣርቲዓን እያ።
ሮክሲ ሙረይ, ዓባይ ብሪጣንያ
ተጣባቒ መሰል ኣካለ-ስንኩላን
ሮክሲ ሙረይ ጾታ ከይፈለየት ምስ ዝዀነ ተምሳጥ ከም ዝሓድራ (pansexual)፣ ከምኡ’ውን፡ ምስ “Multiple Sclerosis” ዝተባህለ ሕማም ከም እትነብር ብልጺ ትዛረብ። በቲ ዘለዋ መድረኽ ተጠቒማ ድማ ሕዱር ሕማም ንዘለዎም ሰባት ተበራትዕ፣ ጽላታት ሕክምና፡ ኣካላት ግብረ-ሰናይን ካልኦት ትካላትን ንዘርእይኦ ምግላል ድማ ትብድህ።
ሙረይ ንድሕረ-ባይትኣ ኣብ ፋሽን ተጠቒማ፡ ሰባት ናብ ንጥፈት ክሰጋገሩን ካብ ውሑዳት ህዝብን ዝተፈላለያ ብሄራትን ንዝመጽኡ ኣካለ-ስንኩላን ኣቓልቦ ክረኽቡ ትገብር።
ብተወሳኺ፡ መስራቲት ናይቲ “The Sick and Sickening” ዝብል ፖድካስት ኰይና፡ ብዛዕባ ምስ ሕማምን ስንክልናን ምንባር፡ ካብ ምሕደራ ቃንዛ ክሳዕ ጾታዊ ጥዕና፡ ኣካላትን ጾታዊ እወታውነትን ብዘይሕብእብእ ዛንታታት ይንገር።
“ከም ጊንጢ፡ ቡናዊ ዝሕብረይን ኣካለ-ስንክልትን ጓለንስተይቲ መጠን፡ ጽንዓት ኣዝዩ ውልቃውን ኣዝዩ ሓባራውን እዩ። ከማይ ንዝኣመሰሉ ተነጽሎ ዘጓነፎም ሰባት፡ ንስርዓታት ንምብዳህ ዘድሊ ሓይሊ እዩ።”
ሮክሲ ሙረይ
ካሻ ጃክሊን ናባገሰራ, ኡጋንዳ
ተጣባቒት ብዙሕነትን ጸረ-ምግላልን
ኣብ ኡጋንዳ ሕደ-ጾታዊ ተግባራት ዘይሕጋዊ ኰይኑ፡ ብማእሰርቲ እዩ ዘቕጽዕ። ተጣባቒት LGBTQ+ ካሻ ናባገሰራ ድማ ነዞም ዓፋኒ ሕግታት’ዚኣቶም ንምቕያር ትቃለስ።
እዛ ብግልጺ ሕደ-ጾታዊት ጓለንስተይቲ ምዃና እትገልጽ ካሻ ጃክሊን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ጸረ LGBTQ+ ጐስጓሳት ልዑል ጽልዋ ኣሕዲራ ኣላ።
ካሻ ጃክሊን ንጋዜጣታትን መንግስቲ ኡጓንዳን “ጸረ LGBTQ+” ብምባል ብዓውታ ከሲሳ። ንጸረ ሕደ-ጾታዊ ሕጊ ኡጓንዳ ድማ ክልተ ሳዕ ኣብ ቤት-ፍርዲ መጒታ፣ ነቲ ኣብ 2023 ዝመጽአ ሕጊ’ውን ትብድሆ ኣላ።
ኣካዳምያዊ ጕዕዞኣ፡ ናይ ንግዲ ዲግሪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ንኩምባ - ኡጓንዳ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ፎሎውሺብ ካብ ዩኒቨርሲቲ ስትንፎርድ፣ ከምኡ’ውን፡ ከም ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ባይቶ ኤውሮጳን ኮምሽን ኣፍሪቃን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መድረኻት ንብዙሕነትን ዘይምግላልን ዝጣበቕ ተበግሶታት ወሲዳ።
ማዲሰን ተቭሊን, ካናዳ
ተዋሳኢት፡ መራሒ ቶክ-ሾው ቲቪን ሞዴልን
ኣብ ወፍሪ 'ኣስዩም ዛት ኣይ ካን' (“Assume That I Can”) ምልላይን ምውዕዋዕን ዝተዋስአት ማዲሰን ተቭሊን፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ግጉይ መረዳእታ፡ ፍርድን ጽልእን ኣብ ልዕሊ ዳውን ሲንድሮም ዘለዎም ሰባት ንምግጣም ዝዘርግሓቶ ተንቀሳቓሲ ቪድዮ፡ ንዓለም ከም ህቦብላ ከነቓንቕ ክኢሉ ኣሎ።
እቲ ናይ ንቕሓት ወፍሪ፡ ልዕሊ 150 ሚልዮን ርእይቶታት ብምእካብ፡ ኣብ ውሩይ ፈስቲቫል “ላዮን ካን” ብእወታዊ ጽልዋኡ ናይ ወርቃዊ ኣንበሳ ሽልማት ተዓዊቱ።
ተዋሳኢትን ሞዴልን ቴቭሊን ብ“ቅነ ፋሽን ኒውዮርክ” ዝፍለጥ መደብ ተሳቲፋ፡ ኣብ “ክሊንተን ግሎባል ኢኖቨሽን”፡ ዳዊን ሲንድሮም ዘሎዎም ሰባት ክጽንበሩ ከም ዘለዎም መደረ ሂባን ፍሉይ ሽልማት “ተጣባቒነት ኲንሲ ጆንስ” ተቐቢላን።
ንሳ “Who Do You Think I Am” ዘርእስቱ ቶክ-ሾውን “21 Questions” ዝብል ፖድካስትን ተዳሉ
“ጽንዓት ማለት፡ ኣብ ዕሽሽ ዝተበሃልካሉ፡ ግጉይ ፍርዲን ምቅላልን ዝወረደካ እዋን፡ ኣብ ገዛእ-ርእስኻን ሕብረተሰብካን ተስፋ ዘይምቝራጽን ንዝኣመንካሉ ደው ምባልን እዩ፡” ትብል።
ማዲሰን ተቭሊን
ኣኒ ሲናንዱኩ ምዋንገ, ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ
ክኢላ ዕደና
ኣኒ ሲናንዱኩ ምዋንገ ኣብ ንግዲ ዕደና ኮንጎ፡ ኣብቲ ኢንዱስትሪ ዘጋጥም ዘይማዕርነታዊ ጾታዊ ግፍዒ ደቀንስትዮ ንምምካት ዝካየድ ምንቅስቓስ ትመርሕ። ፍርቂ ካብቶም ኣብዚ ስርሓት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ደቀንስትዮ ኰይነን፡ ኣብቲ ኢንዱስትሪ ዘይማዕርነትን ጾታዊ ጸቕጥን ንምምካት፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዝካየድ ምንቅስቓስ ትመርሕ።
ንሳ መራሒት ሃገራዊ መርበብ ዕደና ደቀንስትዮ ኰይና፡ ንነብሳ ከም ሓላፊት ወይ ብዓልቲ ስልጣን ኣደ ምዃና እያ ትገልጽ። ደቀንስትዮ ኣብ ዕደናዊ ቦታታት ጽፍሒ ምሓዝ፡ ካብቶም ደቂ-ተባዕትዮ መሳርሕተን ክወርደን ካብ ዝኽእል ዓመጽ ንምክልኻል ከም ዝሕግዝ ብምእማን ጸቒጣ ትሰርሓሉ።
ብተወሳኺ፡ መነባብሮ ደቀንስትዮ ብምምሕያሽ፡ ኣብዚ ዓለማዊ ጠለብ ኮባልትን ካልኦት ንናይ ኤለክትሪክ መካይን ዘድልዩ ማዕድናት እናወሰኸ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብዝሒ ናብ ስራሕ ዝወፍሩ ቈልዑ ክጐድል ብምሉእ ተስፋ ትሰርሓሉ።
ሪክታ ኣክተር ባኑ, ባንግላድሽ
ነርስን መስራቲት ቤት ትምህርትን
ነርስ ሪክታ ኣክተር ባኑ ኣብ ርሑቕ ከባቢ ሰሜናዊ ባንግላድሽ’ያ ትነብር። ኣብዚ ከባቢ፡ ኦቲስቲክ ዝዀነ ወይ ጉድለት ኣካል ዘለዎ ቆልዓ ምውላድ ከም መርገም’ዩ ዝርአ።
ኣክተር ባኑ፡ ኦቲስቲክ ዝዀነትን ሴረብራል ፓልሲ ዘለዋን ጓል ኣለታ። ጓላ፡ ኣብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ንምምዝጋብ ምስ ተኸልከለት፡ መሬታ ሸይጣ ኣብ ክንድኡ ናይ ገዛእ ርእሳ ቤት ትምህርቲ ሃኒጻ።
ቤት ትምህርቲ ኣካለ-ጉዱኣት ሪክታ ኣክተር ባኑ፡ ሕጂ 300 ተማሃሮ ዝመዝገበ ኰይኑ፡ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ዙርያ ጉድኣት ኣካል እወታዊ ኣረኣእያ እናሕደረ ይርከብ’ሎ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ መጀመርታ ንኦቲስቲክ ወይ ናይ ትምህርቲ ጸገም ንዘለዎም ህጻናት ዝተሃንጸ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ዝተፈላለየ ናይ ኣእምሮን ኣካላውን ጉድኣት ዘለዎም መንእሰያት ተማሃሮ የገልግል ኣሎ።
ኦልጋ ሩድኒየቫ, ዩክረይን
መስራቲት ማእከል ልዕለ-ሰብ
ሩስያ ንዩክሬን ድሕሪ ምውራራ፡ ኦልጋ ሩድኒየቫ ነቶም ኣብቲ ግጭት ዝቘሰሉ ንምሕጋዝ፡ ገለ ክትገብር ከም ዘለዋ ተሰሚዕዋ።
ኣብ ዓውደ ውግእ ኣካላቶም ዝሰኣኑ ሰባት ብብዙሓት ከም ግዳያት ይረኣዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንሩድኒየቫ ግን ኵሉ ክትህቦ እትኽእል ሓገዝ ዝግብኦም ‘ልዕለ-ሰብ’ እዮም ትብል።
ኣብ ልቪቭ ዝርከብ ማእከል-ቀውሲ ሱፐርሁማንስ ምስ ሓደ ጉጅለ ክኢላታት ብምዃን መስሪታቶ። ከም ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኰይና ድማ ትመርሖ። እቲ ማእከል ንሕሙማት ኣካላዊ መሓውር ዝህብ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ማእከል ተሃድሶ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ዓመታት ስርሖም፡ ልዕሊ 1000 ሰባት ተጠቀምቲ ኣገልግሎቶም ኰይኖም ኣለዉ።
“ጽንዓት ማለት ነፍሲ-ወከፍ ንግሆ ተንሲእካ መልእኽቲ ጻውዒት ምሃብን ንሃገርካ ምቅላስን እዩ። እቲ ‘ንምንታይ፧’ ዝብል ኣንነትካ ዳግማይ ምርካብ፣ ኣብ ክንዲ ‘ስለምንታይ ንዓይ፧’ ምባል፡ ውሑድ እንከለካ ዝያዳ ክትገብር ወይ ከተበርክት እትኽእለሉ መንገዲ ምድላይ’ዩ።”
ኦልጋ ሩድኒየቫ
ሩት ሎፐስ, ኤል ሳልቫዶር
ጠበቓ
ብዛዕባ ሕግን ፍትሕን ወናም ዝዀነት ሩት ሎፐዝ፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ኣመሪካ ደሞክራሲ ንምዕባይ ናይ ዝሰርሕ ክሪስቶሳል ዝተባህለ ትካል ላዕለወይቲ ተጸዋዒት እያ።
ኣብ ጸረ-ብልሽውና፡ ሕጊ ምርጫን ምሕላው ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኤል ሳልቫዶር ኣተኲራ እያ ክትሰርሕ ጸኒሓ።
እዛ ፍልጥቲ ነቓፊት መንግስቲ ናይታ ሃገርን ትካላትን ዝዀነት ሩት፡ ፖለቲካዊ ግሉጽነት ክነግስን ዜጋታት ባዕሎም ተቘጻጸርቲ ክዀኑን ሰፊሕ ዘመተ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተካይድ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ፕረዚደንት ናይብ ቡከለ ንኻልኣይ ግዜኡ ኣብ ዝተመርጸሉ ድማ ስርሓታ ደሚቑ ክርአ ክኢሉ እዩ። ኣንጻር ገበን ዘካየዶ ወፍሪ ተፈታውነቱ ክዓቢ ዘኽኣሎ ቡከለ፡ ንነብሱ "ምቕሉል ውልቀ መላኺ ዓለም" ክብል ይገልጽ።
ሂንዳ ዓብዲ መሓሙድ, ሶማልያ
ጋዜጠኛ
ሂንዳ ዓብዲ መሓሙድ፡ ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ንፍዕቲ ጸሓፊት እያ። ካብታ እትነብረላ ኣብ ሶማልያ እትርከብ ከተማ ሃርጌሳ ዛንታታት ናይቶም ካብ ዓመጽ ዝሃደሙ ሰባት ዝገልጽ መዓልታዊ መዘኻኸሪ ትጽሕፍ ነይራ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ዋና ኣሰናዳኢት ናይታ ኣብታ ሃገር ናይ መጀመርታን እንኮን ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝሓቖፈት ጉጅለ ሚድያ ‘ቢላን’ ኰይና ኣላ።
እዛ ጉጅለ፡ ነቲ ኣብ ስራሕ ቦታ ደቂ ኣንስትዮ ሶማልያ ዘጋጥመን ልዑል መጠን ጾታዊ ምፍልላይን ምግፋዕን ንምምካት ዝተመስረተት'ያ። እዞም ጸገማት ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍልጦ ዝረኸቡ ብድሆታት'ዮም።
ቢላን፡ ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ኣዝየን ሓደገኛታት ሃገራት ዓለም ንጋዜጠኛታት ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ብርሃን ንምብራህ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ከም ሶማላውያን ምስ ኤችኣይቪ ተሓቢኦም ዝነብሩ፡ ዝተበደሉ ዘኽታማት፡ ከምኡ’ውን ብማሕበረሰቦም ዝፍንፈኑ ኣልቢኖ ዝኣመሰሉ ዛንታታት ዝሽፍን እዩ።
ኣማንዳ ዙራውስኪ, ኣመሪካ
ተጣባቒ መሰል ምፍራይ
ኣብ ነሓሰ 2022፡ ኣማንዳ ዙራውስኪ ሓካይም ዕሸላ ብህይወት ከምዘይነብር ሓቢሮምዋ።
ዙራውስኪ ኣብ ቴክሳስ ትነብር፡ ምንጻል ጥንሲ ድማ ተኸልኪሉ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ንጉዳይ ሮይ ኣንጻር ዋይድ ድሕሪ ምግልባጡ፡ እቲ ግዝኣት ብዘይካ ህይወት እቲ ሕሙም ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ ጉዳያት ነቲ ኣገባብ ኣጊድዎ ነይሩ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ሴፕቲክ ሾክ ኣተወት፤ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ምስ ኣተወት ድማ ኣብ መወዳእታ ምንጻል ጥንሲ ተፈቕደላ።
ኣብ መጋቢት 2023፡ ዙራውስኪን ካልኦት ተመሳሳሊ ዛንታ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ልዕሊ እቲ ግዝኣት ክሲ ኣቕሪበን - ድሕሪ ምግልባጥ ሮይ ኣንጻር ዋይድ ምንጻል ጥንሲ ዝነጽግ ደቂ ኣንስትዮ ዘቕረብኦ ናይ መጀመርታ ጉዳይ እዩ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቴክሳስ ነቲ ናይ ምንጻል ጥንሲ እገዳ ብድሆ ነጺግዎ።
ሕጂ ድማ "ኣብታ ሃገር መሰል ምፍራይ ንምምላስን ንምሕላውን" ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክትቅጽሎ ቃል ኣትያ ኣላ።
ስነሃ ረቫኑር, ኣመሪካ
ክኢላ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ
ስኔሃ ረቫኑር፡ ገና ኣብ መበል 20 ዓመታ ኣብዚ ጽፍሒ ዕውትቲ እያ። ንሳ፡ መስራቲት ኢንኮድ ጀስቲስ ኰይና፡ እዚ ትካል ኣብ መላእ 30 ሃገራት ልዕሊ 1300 ኣባላት ዘለዎ ንውሑስን ፍትሓውን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝቃለስ ዓለማዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት እዩ።
ረቫኑር፡ እቲ ዝቕልቀል ዘሎ ቴክኖሎጂ ዘስዕቦም ሓደጋታት ንምምካት መንእሰያት ኣብ ወሳኒ ዕላል ክጽንበሩ ኣብ ምግባር ዓሊማ ትነጥፍ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ተማሃሪትን ኣብ ማእከል ሰብ-ሰርሖ ብልሒን ዲጂታል ፖሊሲን ናይ ክረምቲ ተሳታፊት (summer fellow) እያ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መጽሔት ታይም ኣብ መጀመርያ ዝርዝር 100 ኣብ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ጽልዋ ዘለዎም ድምጽታት እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ውልቀሰብ ኰይና ተሰይማ።
ቅድሚ ነቲ ሰውራዊ ዓቕሙ ምኽሳቡ፡ ካብ ሓደጋታት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ቀዲምና ክንስጉም ዕድል ኣለና። እዚ ንዓይ ጽንዓት እዩ: ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ተላዒልና ንመጻኢ ዳግማይ ምሕሳብ።
ስነሃ ረቫኑር
ሁዋንግ ጄ, ታይዋን
ፖለቲከኛ
ጾታዊ ማዕርነት ብምድጋፍ እትፍለጥ ሁዋንግ ጄ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ ታሪኽ ሰሪሓ ኣላ። ኣብ ባይቶ መንበር ብምዕዋት፡ ብግልጺ ኤልጂቢቲኪው+ ዝዀነት ፈላመይቲ ሓጋጊ ኣካል ታይዋን ኰይና።
ኣብ ፖለቲካ ኣብ ዝነበራ ተሳትፎ፡ መጻምድቲ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮን ሕደጾታውያን መጻምድትን ሕክምና ፍርያምነት ንኽረኽባ መሰለን ክሕሎ ከምኡ’ውን መንግስቲ ንትሑት እቶት ዘለወንን ጉዱኣት-ኣካልን ደቂ ኣንስትዮ ንመናጽሂ ጽግያት ድጎማ ክገብረለን ምግባር ዝርከብዎም ዓበይቲ ምምሕያሻት ኣተኣታትያ።
ኣብ 2023 ኤልጂቢቲኪው+ ምዃና ብግልጺ ምስ ኣፍለጠት፡ ብዛዕባ ዘጋጠማ ግህሰት ብግልጺ ተዛሪባ እያ። ኣብ ዝተሰንዑ ፖርኖግራፊ ግዳይ ከም ምዃና መጠን፡ ዲጂታላዊ ጾታዊ ዓመጽ ንምምካት ዝሕግዙ ዝጸንሑ ሕግታት ክሕይሉ ትጣበቕ።
ሓቀኛ ጽንዓት ኣብ ምሕቋፍ ብዙሕነት’ዩ ዝርከብ። ብዙሓት ድምጽታት፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ሓደ እዋን ድኹማት ተባሂሎም ዝቑጸሩ፡ ደቂ ኣንስትዮን ኤልጂቢቲኪው+፡ ብዝሓወስና መጠን፡ ዝያዳ ሓያላት ንኸውን።
ሁዋንግ ጄ
ሳሚያ, ሶርያ
ኣማኻሪት ስነ-ልቦና
ክኢላ ስነ-ልቦና ሳሚያ – ቢቢሲ ውልቃዊ ድሕነታ ንምሕላው መንነታ ስማ ኣይገለጸን– ንዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ዘስዕቦ ስንባደ ዘጋጥሞም ሶርያውያን ክትድግፍ ጸኒሓ’ያ።
እቲ ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝቐተለ ኰይኑ፡ ብዙሓት ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት ክነብሩን ምስ ከም ጭንቀትን ጸቕጢን ዝኣመሰሉ ኵነታት ጥዕና ኣእምሮ ክነብሩ ተገዲዶም ኣለዉ።
ብዓለምለኻዊ ኮሚተ ህይወት ኣድሕን ኣብ ዝምራሕ ክሊኒክ ጥዕና ኣእምሮ እትሰርሕ ሳሚያ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ንዝተመዛበሉን ስድራቤታቶምን መደባት ምኽሪ ተካይድ።
ዋላ’ኳ ውሑድ ጸጋታት እንተሃለወ፡ ጥዕና ኣእምሮ ሕሙማታ ንምምሕያሽ ውፍይቲ ኰይና ትቕጽል ኣላ፤ ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሉ ኵነታት ንቕሓት ንምዕባይ ቃል ኣትያ ኣላ።
ኦሊቭያ ማክቨይ, ዓባይ ብሪጣንያ
ሜክኣፕ ኣርቲስት
ኦሊቭያ ማክቨይ ሕማም ምርጓፍ ጸጕሪ ርእሲ ምስ ኣጓነፋ፡ ንዓለም ሰብ-ሰርሖ ጸጕሪ (ዊግ) ክትድህስሶ ጀመረት። ሓደስቲ ቅድታት ብምፍታንን ኣማራጺ ጸጕሪ ብምፍታንን፡ ምጕዳል ጸጕሪ ዘጋጥመን ደቀንስትዮ ንምትብባዕን ንምሕያልን ዝሕግዝ ናይ ኦንላይን መድረኽ ሃኒጻ።
ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለውዋ ኦሊቭያ፡ ምርጋፍ ጸጕሪ ዘጓነፈን ኰነ ምስ ጥዕና ጸጕረን ዘሎዋ ደቀንስትዮ፡ ሰብ-ሰርሖ ጸጕሪ ክገብራ ልሙድ ክኸውን ንቕሓት ከም ዝዓቢ ገይራ።
ካብ ሰሜን ኣየርላንድ ዝመጽአት ክኢላ ሜክኣፕን ጸላዊትንን ማክቨይ፡ ኣብ ዕድመ ንእስነታ ጸጕራ ክትስእን ጀመረት።
ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን ብዛዕባ ሰብ-ሰርሖ ጸጕሪ (ዊግ) ዓውደ-መጽናዕትታት ትገብርን ዳግማይ ርእሰ-ተኣማንነት ዝረኽባሉ ተመኵሮ ተካፍልን። በዚ ድማ እተን ሕማም ምርጋፍ ጸጕሪ ዘለወን ደቀንስትዮ፡ ተኣኪበን ከም ንቡር ርእየን ከዕልላሉ ውሑስ ኵነታት ይፈጥር።
ተጻዋርነት ወይ ጽንዓት ደቀንስትዮ ኣብ ርእሰን ዝደፍአኦ ኣኽሊል እዩ። እቲ ዘለናዮ ኵነታት ብዘየገድስ፡ ንኽውንነት ክንላመዶ፡ ክንቅየርን ክንብልጽግ ክንመሃርን ወትሩ ንኽእል ኢና።
ኦሊቭያ ማክቨይ
ገርሊን ኤም ጆዘፍ, ሃይቲ
ተጣባቒት መሰል ኢሚግሬሽን
ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ መላግቦ ፖለቲካን ዓሌትን እትሰርሕ ገርሊን ኤም ጆዘፍ ንመሰላት ስደተኛታት ዝጣበቕ ጐስጓሳት ተካይድ።
ንሳ መስራቲት ናይቲ ኣፍሪቃዊ መበቈል ንዘለዎም ሰባት ኣተኲሩ ዝዓዪ፡ ብደቀንስትዮ ዝምራሕ ኪዳን ድንድል ሃይቲ ዝተባህለ ትካል እያ።
እቲ ትካል፡ ብመሪሕነት ገርሊን ኤም ጆዘፍ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ገበናዊ ክሲ ኣቕሪቡ። ትራምፕ፡ ኣብ ስፕሪንግፊልድ ኦሃዮ ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ፕረዚደንታዊ ጐስጓስ፡ ስደተኛታት ሃይቲ “እንስሳ ዘቤት ይበልዑ፡” ክብል መሰረት ኣልቦ መደረ ኣስሚዑ ነይሩ።
ጆዘፍ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ምስጓግ ደቂ ሃይቲ ብግልጺ ክትነቅፍ ጸኒሓ እያ። ትካላ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ምምሕዳር ባይደን ነቶም ካብ ዓዶም ካብ ዓመጽ ጕጅለታት ሃዲሞም ናብ ኣመሪካ ዝመጽኡ ሓተቲ ዑቕባ ምምላስ ደው ከብሎ ኣተሓሳሲቡ።
ኣናት ሆፍማን, እስራኤል
ሃይማኖታዊ ጎስጓስ ተካይድ
ኣናት ሆፍማን ኣብ ውሽጢ ኣይሁድነት ጾታዊ ማዕርነትን ሃይማኖታዊ ብዙሕነትን ኣብ ምጉስጓስ ዓሰርተታት ዓመተት ኣሕሊፋ።
ንሳ ናይቲ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ምዕራባዊ መንደቕ ንኣይሁዳውያን ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ መሰል ጸሎት ከረጋግጽ ዝጽዕር ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ መስራቲት ኣባል እያ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣንጻር እቲ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ጸሎት ሻውል ከይገብራን ኣብ ሓበራዊ ንባብ መጽሓፍ ኦሪት ከይሳተፋን ዝኽልክል ሕግታት ተቓሊሳ እያ።
ሆፍማን ብተወሳኺ ን20 ዓመታት ፈጻሚት ዳይረክተር ናይቲ ማዕርነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ንምድንፋዕ ዝሰርሕ ሕጋውን ተጣባቒን ቅልጽም ምንቅስቓስ ተሃድሶ ዝኾነ ማእከል ሃይማኖታዊ ተግባር እስራኤል ብምዃን ኣገልጊላ
ቅድሚኡ ኣብ ባይቶ ከተማ ኢየሩሳሌም መንበር ሒዛ ነይራ፤ ኣብኡ ድማ ንኣዝዩ ኦርቶዶክሳዊ ፖሊሲታት ትሙጕት ነይራ።
ሲልቫና ሳንቶስ, ብራዚል
ተመራማሪት ስነ-ህይወት
ተመራማሪት ስነ-ህይወት ሲልቫና ሳንቶስ፡ እቲ ኣብ ዓውዲ ጀነቲክስ ዝረኸበቶ ፈዋናይ ርኽበት፡ ኣብቲ እትነብረሉ ዝነበረት ጐደና፡ ዘይተፈልጠ ሕማም ምስ ዝሓመመት ስድራ ምስ ተራኸበት ዝሰዓበ ዘይተሓስበ ርኽበት ምዃኑ ትገልጽ።
ካብዚ ብምንቃል ድማ ነቲ መልመስቲ ዘስዕብ ሳሕቲ ዝርአ ‘ጀነቲካዊ ኒውሮዲጀነረቲቭ ሕማም (SPOAN syndrome) ከተላልዮ ከኣለት። እዚ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ብራዚል እናወሰኸ ዝኸይድ መልመስቲ ዘስዕብ ሕማም እዩ።
ነዚ መጽናዕታ ኣብ ከተማ ሰሪንሃ ዶስ ፒንቶስ እያ ኣካዪዳቶ። ኣብዚ መጽናዕቲ ካብ እትጅምር ዝሓለፈ 20 ዓመታት ድማ በዚ ሕማም ንዝተጠቕዑ ተቐማጦ፡ ግቡእን ወሳንን መርመራ ንኽረኽቡ ሓጊዛቶም እያ።
ንሳ፡ ሳሕቲ ዝርኣዩ ጀነቲካዊ ሕማማት ምስ ብቐረባ ዝዛመዱ ሰብ ሓዳር ዘሎዎ ዝምድና እያ እተጽንዕ። እቶም መጽናዕታ ዘተኵረሎም ከባቢታት ድማ ድኻታት ዝሰፍርሉ ገጠራት ብራዚል እዩ።
ናይ ምጽዋር ዓቕምና ብኸመይ ነተግብሮ፧ ህይወት ዑደት ምዃና ክንግንዘብ ይግባእ። ብርቱዕ ደርቂ ክወቕዓና እንከሎ፡ ንኡ በዲህና ህላወና ነረጋግጽ፣ ኣብቲ ማይ ዝዘንበሉ ወቕቲ ድማ ነጕላዕልዕን ንፈርን።
ሲልቫና ሳንቶስ
ዩሚ ሱዙኪ, ጃፓን
ተቓላሲት ግዱድ መስርሕ ምምካን
ሕማም ‘ሴረብራል ፓልሲ’ ሒዛ ዝተወልደት ዩሚ ሱዙኪ፡ ካብ ንእስነታ ጀሚራ ኣድልዎን ተነጽሎን ይጐንፋ ነበረ። ጓል 12 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ማሕጸና ብመብጣሕቲ ንምእላይ ናይ ‘ህይስተረክቶሚ’ መስርሕ ምቝራጽ ማሕጸን ተገይሩላ።
ኣብ ጃፓን፡ ካብ 1950ታት ክሳብ 1990ታት ከም ሱዙኪ ዝኣመሰላ ስንኩላን ብሰንኪ እቲ ኣብ 1996 ዝተሰረዘ ሕጊ ዩጂኒክስ ግዱድ መስርሕ ምምካን ተፈጺምወን።
ሱዙኪ ትርከቦም 38 ግዳያት ንመንግስቲ ብምኽሳስ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ንነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ምጽንሑ ተዓዊተን። ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጃፓን፡ እቲ ተግባር ዘይሕገ-መንግስታዊ ምዃኑን መንግስቲ ነቶም ግዳያት ካሕሳ ክኸፍልን ኣዚዙ።
እቶም ሰብ-መዚ 16,500 ግዱድ መስርሕ ምምካን ብዘይ ፍቓድ ግዳያት ከም ዝተፈጸመ’ውን ኣሚኖም።
ኑር ኤማም, ግብጺ
ፌም-ቴክ በዓል ሃብቲ
መምህር ጾታዊ ጥዕና ኑር ኢማም፡ ጽሬት ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት፡ ጥዕና ስርዓተ መፍረን ጾታዊ ንቕሓትን ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ኣተኵሮ ሂባ ትሰርሓሉ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ንደቀንስትዮ ከም ክልኩል ዝቝጸሩ ትምህርትታት እዮም።
ኤማም ሓባራዊት መስራቲትን ዋና ኣካያዲት ስራሕን ኩባንያ ማዘርቢንግ ፌም-ቴክ (ደቀንስትዮ ቴክኖሎጂ) ኰይና፡ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ክሊኒክን ብድጂታላዊ መድረኽ ኣቢሉ ድቀ-ባህርያዊ ኣገልግሎት ብምሃብ፡ ደቀንስትዮ ብቴክኖሎጂ ኣቢለን ክንክን ጥዕናአን ንኸማሓይሻ ዓሊመን ዝመስረትኦ እዩ።
ንሳ ደቂ ኣንስትዮ ንምሕያል፡ ብዛዕባ ኣካላተን ብጭብጢ ዝተሰነየ ፍልጠት ንኽህልወን፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ዘተኣማምን ሓበሬታ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ንምርካብን ተኣፈፍቲ ጉዳያት ብዘይ ስክፍታን ፍርሕን ክፈትሓ ምሕጋዝን ዕላማ ዝገበረቶ እዩ።
ሽሪን ዓበድ, ግዝኣታት ፍልስጤም
ሓኪም ህጻናት
መጥቃዕቲታት ነፈርቲ እስራኤልን ከቢድ ሕጽረት ጸጋታትን ንሽሪን ዓበድ ኣብ ቓዛ ሓደስቲ ንዝተወልዱ ህጻናት ካብ ምሕጋዝ ኣይዓገታን።
ድሕሪ ምጅማር ኲናት እስራኤልን ቓዛን ኣብ 2023 ገዛኣ ስለዝዓነወ እንተተመዛበለት'ኳ እታ ክኢላ ሕክምና ህጻናት ግን ኣብ ጥቓኣ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ህጻናት ምሕብሓብ ቀጺላትሉ።
ኣብ ቀንዲ ሆስፒታላት ቓዛ ኣብ ኣሃዱታት ህጻናት ዝረኸበቶ ናይ ዓመታት ተመኵሮ ብምጥቃም፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣል-ሺፋ ሕክምና ዳይረክተር ማእከል ወሊድ ኰይና፤ ሓካይም ብኣዝዩ ውሱን ጸጋታት ህይወት ዘድሕን ሕክምና ንኽህቡ ዘኽእሎም ህጹጽ ፕሮቶኮላት መስሪታ፡ ንኻልኦት ሓካይም ድማ ኣሰልጢና። .
ኵነታት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ምስ ክልተ ኣዋልዳ ካብ ቓዛ ክትወጽእ ኣገዲድዋ'ኳ እንተነበረ፡ ኣቤድ ግን ኣብ ባይታ ንዝርከቡ ሓካይም ብርሑቕ ምሕጋዝ ትቕጽል ኣላ።
ናኦሚ ቻንዳ, ዛምብያ
ሓረስታይን ኣሰልጣኒትን
ናኦሚ ቻንዳ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ሕርሻ ከም መራሒት ሕርሻ መጠን፡ መሬት ዘኽብርን ዝዕቅብን ሜላታት ተጠቒማ ማሕበረሰባ ንኽሰርሕ ኣብ ተልእኾ ትርከብ።
ኣብ ‘ክሊማ-ስማርት’ ክእለት - ከም ውሑድ ማይ ዝጥቀም ንጣብ መስኖ፡ ወይ ሓጺር ዑደት ዝራእቲ - ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕመረት መፍትሒታት ለውጢ ክሊማ ከምዝኣትዋ ገይራ።
ቻንዳ ብናይ ኣዋልድ ትምህርቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ካምፌድ፡ ንኣስታት 150 መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ድርቅን ድራማዊ ወቕታዊ ለውጥን ኣዕናዊ ጽልዋ ዘሕደረሉ ርሑቕ ሰሜናዊ ምብራቕ ዛምብያ፡ ኣብ ኵነታት ቅልውላው ክሊማ፡ ሜላታት ሕርሻ ብኸመይ ከም ዝመዓራረዩን ተጻዋርነት ከም ዝህልወንን ንምምሃር ትሕግዝ ምዃና ይፍለጥ።
ሄለን ሞሊኖክስ, ዓባይ ብሪጣንያ
መስራቲት (ምስ ካልኣይታ)፡ ሞኑመንታል ዌልሳውያን ደቀንስትዮ
ቅድሚ 2021 ኣብ ዌልስ፡ ብስም ዌልሳዊት ጓለንስተይቲ ዝቘመ ሓወልቲ ኣይነበረን።
ከም ግብረ-መልሲ ናይዚ ድማ ጠበቓ ሄለን ሞሊኖክስ፡ ህዝባዊ ውክልና ደቀንስትዮ ዌልስ ንምምሕያሽን ኣበርክቶአንን ዓወታተንን ንምጽንባልን ዝዓለመ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል “ሞኑመንታል ዌልሳውያን ደቀንስትዮ” ብሓባር መስሪታ።
ሞሊኖክስን ጉጅለኣን ካብ ህዝቢ ብዝቐረበለን ሓሳባት መሰረት፡ ዛንታታተን ከይርሳዕ፡ ሓሙሽተ ሓወልትታት ደቀንስትዮ ንምትካል መደብ ኣውጺአን።
እዛ ጉጅለ ክሳዕ ሕጂ ኣርባዕተ ሓወልቲ ተኺላ ኣላ። እታ ቀዳመይቲ፡ ናይታ ቀዳመይቲ ጸላም ርእሰ-መምህር ኣብ ዌልስ ዝዀነት ቤቲ ካምበል ኣብ ካርዲፍ ተተኺላ። ስዒባ ድማ ናይ ኢሌን ሞርጋን ኣብ ማውንተይን ኣሽ፡ ክራኖግወን ኣብ ላንግራኖግ፣ ከምኡ’ውን፡ ሌዲ ሮንዳ ኣብ ኒውፖርት።
ጆኣና ባሃሞን, ኮሎምቢያ
ማሕበራዊ ተቓላሲት
ተዋሳኢት ዮሃና፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ኮሎምብያ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት-ማእሰርቲ በጽሐት። እቲ ተመኵሮ’ቲ ድማ ንህይወታ ፍጹም ለወጦ። ምእንቲ እቶም ኣብ ህይወቶም “ካልኣይ ዕድል” ዝጽበዩ ሰባት ንኽትሰርሕ ዓቢ ድፍኢት ፈጠረላ።
ኣብ 2012 ካብ ሞያ ተዋስኦ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ጽገና ክገብር ምጥባቕ ቀየረት። ኣብ ኮሎምብያ ንዝርከቡ እሱራትን ዝተፈትሑን ንምሕጋዝ፡ “Acción Interna” ዝተባህለ ዘይመኽሰባዊ ትካል ድማ ኣቘመት።
እቲ ትካል፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንልዕሊ 150,000 ሰባትን 132 መዳጐኒ ማእከላትን ከም ዝበጽሐ ይግለጽ።
እታ ማሕበራዊ ተቓላሲት፡ ናይቲ ኣብ 2022 “ሕጊ ካልኣይ ዕድላት” ዝተባህለ ብእማመ ዮሃና ባሃማን ዝፍለጥ፡ ቀንዲ ጐስጓሲት ነይራ።
ተጻዋራይ ምዃን፡ ድሕሪ እቲ ናይ ጸበባ እዋንካ ምትንሳእን ንቕድሚት ምምራሽን ክንዮኡ ዝኸይድ እዩ። ነቲ ኵነት ከም ዕድል ናብ ናይ ግላዊ ዕብየትካ ንምቕያር ውሳነ ምውሳድ እዩ።
ጆኣና ባሃሞን
ነጅላ ኢሲክ, ቱርኪ
ሹመኛ ዓድን ጎስጓሲት ኣገዳስነት ጫካታትን
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይታ ኣብ ምዕራብ ቱርኪ ትርከብ ኢኪዚኪ ዝተብሃልት ዓዲ ሹሞኛ ኮይና ተሓረያ። ነጅላ ኢሲክ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣግራብ ንኸይይበርስ ኣብ ቃልሲ’ያ ኣሕሊፋቶ።
ኣብ ከባቢኣ ዝርከብ ጫካ ኣክበለን ብሰንኪ እማመ ዕደና ከሰል ኣብ ሓደጋ ምስ ኣተወ፡ ኢሺክን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ እቲ ከባቢን፡ ነቲ ንፕሮጀክትታት ዕደና ዝኸውን መሬት ዝጸርግ ምቑራጽ ኣግራብ ደው ንምባል ብኽስን ተቓውሞን መኪተን።
ሓድሓደ ግዜ እቲ ከባብያዊ ወፍረን ምስ ፖሊስን ኣብ ሓለዋ እቲ ጫካ ምስዝተዋፈሩን ናብ ብርቱዕ ግጭት እኳ እንተእተወን፡ ኢሺክን ካልኦት ደቂ ዓድን ግን ብዘይ ፍቓድ ናብ ጫካ ብምእታወን ዝስዕብ መቕጻዕቲ ሓዊሱ ዝበጽሕ ብድሆታትን ስግኣታትን ተጻዊረን ብጽንዓት ደው ክብላ ቃል ኣትየን (እቲ መቕጻዕቲ ድሒሩ ተሰሪዙ)
ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛ፡ ኣብ ሜዳ፡ ኣብ ጎደና፡ ኣብ ቃልሲ... ንሳተን እየን ንዓለም ዘወቅባ፡ ብዘይጥርጥር ድማ፡ ከድሕናኣ እየን።
ነጅላ ኢሲክ
ናድያ ሙራድ, ዒራቕ
ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ሰላም
ሕጂ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ እትርከብ ተጣባቒት ጾታዊ ዓመጽ፡ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት፡ ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ሰላም ናድያ ሙራድ፡ ነቲ ብ2014 ኣብ ዒራቕ ብእስላማዊ መንግስቲ (ኣይሲስ) ዝጽዋዕ ዝነበረ ጉጅለ ዝተኻየደ ምጽናት ዓሌት ያዚዲ ተጻዊራ ክትሰግሮ ከኣለት ።
ንሳ ብዕጡቓት ኣይሲስ ተታሒዛ፡ ናብ ባርነት ተገዲዳ ብምእታው፡ ኣብ ልዕሊኣ ዓመጽን ግህሰትን ዝተፈጸማ ሰብ’ያ። ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ኣሰርታ ከተምልጥ ከኣለት። ብዛዕባ’ቲ ዘጓነፋ ጾታዊ ዓመጽ - ምስ ውግእን ግጭትን ዝተኣሳሰሩ ዓመጻት - ኣብ ዓለምና ንቕሓት ክብ ምእንቲ ክብል ብትብዓት ዛንታኣ ዝነገረት ሰብ’ያ። ።
ምስ ኣማል ክሉኒ - ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት - ብምትሕብባር ንኣይሲስ ብዝፈጸምዎ ገበን ተሓተትቲ ብምግባር፡ ማሕበረሰባት ናይ ዝተወጽዓ ደቂ’ንስትዮ ዳግማይ ንምህናጽን ንዝደሓናን ድማ ካሕሳ ዝረኽባሉ ኣገባብ ንምጉስጓስን ‘ተበግሶ-ናድያ’ ዝስሙ ትካል ኣበጊሳ።
ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ቅትለት ደቂ’ንስትዮ ያዚዲ፡ ሙራድ ዓለም-ለኻዊት ኣርማ ጽንዓት ኰይና ትቕጽል ኣላ።
‘ንማዕርነትን ፍትሕን ንምቅላስ፡ ነቲ ኣነ ‘ኣጽዋር መንፈስና’ ዝብሎ ንማዕርነትን ፍትሕን ክንጥቀመሉ ኣሎና - እዚ ማለት ሓቂ፡ ተስፋን ርህራሀን ምእንቲ ክዓስል’።
ናድያ ሙራድ
ሮዝማሪ ዊድለር-ዋልቲ, ስዊዘርላንድ
መምህርን ተጣባቒት ክሊማን
ሮዝማሪ ዊድለር-ዋልቲ ከም ፕረዚደንት (co-president) - ብልጽቲ ጓለንስተይቲ ንሓለዋ ክሊማ - ንትሽዓተ ዓመታት ዝጸንሐ ቃልሲ መሪሓን ኣንጻር መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣብ ቤት-ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ጉዳይ ክሊማ ተዓዊታን።
እዛ መምህር ኣጸደ-ህጻናትን ኣማኻሪትን ዝዀነት ዊድለር-ዋልቲ ምስ ካልኦት 2000 ደቀንስትዮ ብምዃን፡ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ምስ ምውሳኽ ምቘት ዓለም ብዝተኣሳሰር ብዛዕባ ‘ማዕበል-ምቘት’ ዝሃቦ ምላሽ፡ ንመሰል ጥዕናኦም ዝግህስ ምዃኑ፡ ብመዳይ ዕድመን ጾታን ድማ ተቓላዕትን ግዳያትን ናይዚ ኵነታት ከም ዝገብሮም ተማጒታ።
ኣብ ሚያዝያ፡ ቤት-ፍርዲ፡ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ናብ ክሊማ ዝንጸግ ንምንካይ ዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ነቲ ዝተቐመጠ ዒላማ ንምህራም እኹል ኣይነበረን ኢሉ ወሲኑ።
ዋላ’ኳ ባይቶ ስዊዘርላን ነቲ ውሳነ ድሒሩ እንተ ነጸጎ፡ ኣብ ዛዕባ ክሊማ ዝግበር ክርክር ክስማዕ ሓድሽ መድረኽ ፈጢሩ እዩ።
ትሬሲ ኦቶ, ኣመሪካ
ጨማቲት
ኣብ 2019 ብኣፍቃሪኣ ነበር ኣብ ገዛ ዝተሃርመት ትሬሲ ኦቶ፡ ካብ ኣፍልባ ንታሕቲ ለሚሳን ጸጋመይቲ ዓይና ስኢናን። ሞዴል ብቕዓት ኣካላት ክትከውን ትብህግ ስለ ዝነበረት፡ ናብ ስሩዕ ንጥፈታት ብቕዓት ኣካላት ክትምለስ ተበጊሳ ነይራ።
ኣብ መጋቢት 2021፡ ኦቶ ቅድሚ ሕጂ ፈቲናቶ ዘይትፈልጥ ስፖርት፡ ቀስታ ስሒባ ፍለጻኣ ብምውርዋር ዒላማኣ ወቒዓ ክትሸኽሎ ክኢላ።
ኣብዚ ዓመት ድማ በዚ ዓይነት ስፖርት ንፈለማ እዋን ኣብ ውድድር ፓራኦሎምፒክ ፓሪስ ተሳቲፋ። ኦቶ ብሰንኪ ስንክልናኣ ኣፋ ተጠቒማ እያ ፍላጻታት ትውርውር።
ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ድማ፡ ኦቶ ተመኵሮኣ ተጠቒማ ካብ ዘቤታዊ ዓመጽ ንዝደሓኑ ሰባት ትጣበቕ።
ዳኒኤል ካንተለ, ግዝኣታት እስራኤል/ፍልስጤም
ተቓላሲት ባህሊ
ከም ሓባራዊት መስራቲት ናይቲ ኣብ እዋን ለበዳ ዝጀመረ መሰረታዊ ፕሮጀክት ባህሊ ምትሕግጋዝ ዝዀነት ዳኒኤለ ካንቶር፡ ኣብ ተልኣቪቭን ግዝኣታት ፍልስጤምን ንዝርከቡ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ማሕበረሰባት ኣብ ምሕጋዝ ሰሪሓ።
ምስ ሓባራዊት መስራቲት ኣልማ ቤክ ብምዃን ነቲ ኣብ እስራኤልን ግዝኣታት ፍልስጤምን ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ክትዕን ባህላውን ትምህርታውን ንጥፈታትን ዝካየደሉ ኣማራጺ ዝኾነ ማእከል ምትሕግጋዝ ትመርሕ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ እስራኤልን ግዝኣታት ፍልስጤምን ንዝርከቡ ማሕበረሰባት መንነታዊ ፖለቲካ ንምምርማር ባህሊ መግቢ ዝጥቀም መጽሓፍ ስነ-ጥበባዊ ስፕሬድስ ጽሒፋን እያ።
ካንቶር ምስ ካልኦት ኣባላት ሓባራዊ ወንበር ሰላም ደቂ ኣንስትዮ ኰይና ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብቕልጡፍ ተዅሲ ደው ምባልን ነባሪ ስምምዕ ሰላምን ንምጽዋዕ ኣብ ዝካየዱ ሰልፍታት ክትሳተፍ ጸኒሓ እያ።
ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ባህርያዊ ርህራሀአን ክጥቀማሉ ከለዋ፡ ብሓቂ ስርዓታት በደል ኣለሊና ንቕድሚት ዝኸይድ መንገድና ዳግማይ ክንሓስቦ ንኽእል።
ዳኒኤል ካንተለ
ናኦሚ ዋታናቤ, ጃፓን
ተዋዛይት/ኮሜድያን
ናኦሚ ዋታናቤ ሓንቲ ካብ’ተን ኣብ ጃፓን ፍሉጣትን ተሰማዕነት ዘሎዎምን ሰብ ብምዃና፡ ኣብ ሃገራ ንሓደሽቲ ወለዶ ተዋዘይቲ ደቂ ኣንስትዮ መንገዲ ጸሪጋ እያ።
ኣብቲ ብደቂ ተባዕትዮ ዝዕብለል ዝነበረ ናይ ዋዛ ክልላት ጃፓን ከተፍርሶ ብምኽኣላ፡ ከም ቀንዲ ገጸ ባህሪ ጓል ኣንስተይቲ ኰይና ተዋሲኣን ውጽኢታዊ ናይ ዋዛ ምርኢታት ክትፈጥር በቒዓ።
ዋታናቤ ኣብ ጃፓን ኣብ ቅርጺ ኣካል ሰብ ዘሎ ዕሙት ኣረኣእያ (stereotype) ንምቕያር - እዚ ድማ ብቋንቋ ጃፓን ‘ብፖቻካዋይ’ ዝፍለጥ (ጓዕፋርን ምጭውን) - ንኣካላት ብዝምልከት ኣወንታዊ ምንቅስቓስ ትመርሕ ኣላ። ንሳ፡ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ፕላስ-ሳይዝ - ክዳውንቲ ንረጐድቲ ሰባት - ዘቕርቡ ትካላት ጃፓን ኣበጊሳ።
ኣብ ጃፓናዊ ቲቪን ፊልምን ዓቢ ዓወት ድሕሪ ምምዝጋባ፡ ሕጂ ናብ ኣመሪካ ብምኻድ ናብ ዓለማዊ መድረኽ ኮሜዲ ክትሰግር ስርሓ ጀሚራ ኣላ።
‘ከመይ ጌርካ ኢኻ ንተጻዋርነት እተኻዕብቶ? ኩሉ ግዜ ‘ኣይትፈትወኒን ኢኻ፡ ጸገም የብሉን’ ኢለ’የ ዝሓስብ። በጃኻ ሓደ ዓመት’ሞ ሃበኒ ምናልባት ኣተሓሳስብኻ ክቕይሮ’የ’። እዚ ኩሉ ግዜ ዘለኒ ኣእምሮኣዊ-ኣቋም’ዩ።
ናኦሚ ዋታናቤ
ሱቢን ፓርክ, ደቡብ ኮርያ
መስራቲት ‘ስቴር ክራሸር ክለብ’
ተጠቃሚት መንበር ዓረብያ (ዊልቸይር) ዝዀነት ሱቢን ፓርክ፡ ኣብ ሴኡል ናብ ክትርእዮም እትደልዮም ብዙሓት ቦታታት ከምዘይብጻሕ ምስ ተረድአት፡ ከም ኣካያዲት ፕሮጀክት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ነበር ዝነበራ ክእለት ተጠቒማ ነቲ ጉዳይ ክተጉልሕ ጀሚራ።
ሱቢን ፓርክ፡ ሓባራዊ መስረቲ ናይቲ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ‘ስቴር ክራሸር ክለብ’ ዝተበሃለ ፕሮጀክት እያ። እዚ ፕሮጀክት፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ብዛዕባ ንመንበር ዓረብያ ዘይምቹእ መስመራትን ካብ ደረጃ ነጻ ዝዀነ መእተዊ ዘይብሎም ቦታታትን ሓበሬታ ይእክብ።
እቲ ፕሮጀክት ንተጠቀምቲ ናይ ተበጻሕነት ካርታ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ።
ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ 2000 ዜጋታት ብስቴር ክራሸር ክለብ ብዝተወደቡ ፍጻመታት ኣቢሎም ኣብ መሰረት ሓበሬታኦም (ዳታቤዝ) ኣበርክቶ ዝገበሩ ኰይኖም፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ 14 ሽሕ ቦታታት ዘሎ ተበጻሕነት ክፍተሽ ገይሮም ኣለዉ።
ሳራ በረኺ , ዩከይ /ኤርትራ
ዲዛይነር ናይ 'ዲኣይዋይ' ሳይንስ ኪት
ሳራ መበቖላ ካብ ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ሱዳን’ያ ተወሊዳ፡ ካብ ኣባላት ስድራኣ እታ ናይ መጀመርታ ናብ ዩኒቨርስቲ ክትኣቱ ዝኸኣለት ኮይና፡ ኣእምሮኣዊ ምዕባለ ህጻናት’ያ ኣጽኒዓ።
እዛ ‘ኣምበሳ ፕላይ’ ዝብል ኣብ ኣእምሮኣዊ ምዕባል ህጻናት ዘተኮረ ዝመስረትት ሳራ፡ ህጻናት ንዝኾነ ባዕሎም ክፍትንዎ ዝሕግዝ ንጥፈታት ተዳሉ።
ስርሓት ሳራ በራኺ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ተዘርጊሑ ህጻናት እናተጻወቱ ኣእምሮኦም ከስፈሑን ክፈልጡን ይሕግዞም ኣሎ። ሳራ ኣብ 2019 ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይዳ ዝተፈናቐሉ ህጻናት ምስ ረኣየት ካብኡ ተበጊሳ’ያ እዚ ሓሳብ መጺኡላ።
እቲ ንሳ ዘበርከተቶ መሃዝነት፡ ኣብ ዓውፊ ማሕበራዊ ጽልዋ ዝፈጠረ ተባሂሉ ብፎርብስ 30 ኣንደር 30 ከይተረፈ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ’ዩ።
ጽንዓት ብተግባር ተስፋ እዩ - ንዝሓሸ መጻኢ ኣብ ፍቅሪ ዝተሰረተ ጽኑዕ ተወፋይነት የድሊ።
ሳራ በረኺ
ኣይናቭ ዛንጋውከር, እስራኤል
ጎስጓስ ምፍታሕ ጅሆ
ወዳ ንጎስጓሲትን ኣደን ኣይናቭ ዛንጋውከር ዝዀነ 24 ዓመት ዝዕድሚኡ ማታን፡ ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ብሓማስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጅሆ ተታሒዙ። መጻምድቲ ወዳ ዝኾነት ኢላና ንበይና ተጨውያ ኣብ መወዳእታ ድማ ብናይ እሱራት ምልውዋጥ ተመሊሳ።
ካብ ሽዑ ጀሚራ ድማ ብጽንዓት ኣቓልቦ ናብ ቅልውላው ጅሆ ብምስሓብ መራሕቲ ስጕምቲ ክወስዱ ጸዊዓን ህዝቢ ሰሙን ሰሙን ሰልፊ ከካይድ ትእክብ።
ዛንጋውከር ቅድሚ ሕጂ ንገዛኢ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣድሚጻ እኳ እንተነበረት፡ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ናብ ገዛኦም ዘምጽኣሉ መንገዲ ስለዘይረኸበት ብግልጺ ነቓፊት መንግስቲ እስራኤል ኰይና ኣላ።
እቶም ዝተረፉ ጅሆታት ንምፍታሕ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ትሓትት ኣላ።
ጆርጂና ሎንግ, ኣውስትራልያ
ክኢላ ሕክምና መንሽሮ
ጆርጂና ሎንግ ብመንገዲ ፍሉይ መስርሕ ፍወሳታትን ኢሚኖ-ኦንኮሎጂን፡ ሞት መንሽሮ ዘይብሉ ዓለም ክትርእይ ትብህግ።
ሎንግ ከም ሓበራዊ ዳይረክተር (co-director) ኢንስቲትዩት ሜላኖማ ኣውስትራልያ መጠን፡ ኣብ 2024 ንመሳርሕታን ምሓዝኣን ርቻርድ ስኮሊየር፡ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ዝዀነ ፍሉይ መስርሕ ፍወሳ ብምንዳፍ፡ ካብ ብርቱዕ ናይ ሓንጎል ካንሰር ናጻ ክኸውን ምስ ኣኽኣለቶ፡ ልዑል ዝና ረኺባ።
ሎንግን ጕጅለኣን - ንባዕሉ እቲ ሕሙም’ውን ሓዊስካ - ቅድሚ መብጣሕቲ፡ ፈለማ ነቲ ሕበጥ ንምእላይ ውህደት ዝተፈላለየ መድሃኒታት ብምጥቃም፡ ኢሚዩኖቴራፒ ዝሓሸ ውጽኢት ከም ዝርከቦ ከረጋግጹ ክኢሎም።
እቲ ዝረኸብዎ ምዕቡል ውጽኢት፡ ካብቲ ንዓመታት ኣብ ሜላኖማ ክገብሩዎ ዝጸንሑ መጽናዕትታት ዝተረኽበ ኰይኑ፡ ህይወት ናይ ኣሽሓት ሕሙማት መንሽሮ ቈርበት ከም ዘድሓነ ይግለጽ።
እቶም ኣብ መጻኢ ዝመርሑ ኣካላት፡ ርሕራሐ ብምስናቕን ብሰብኣውነት ብምምልላስን፡ ሰባት ንድሑር ኣገባባት ፍወሳ ክብድሁን ብልሓታዊ ሜላ ኣፈታትሓ ጸገማት ክምህዙን ከበራትዑ ይግባእ።
ጆርጂና ሎንግ
ጋቢ ሞሬኖ, ጓቲማላ
ሙዚቀኛ
ኣብ ናይ ላቲን ሙዚቃ ፍልጥቲ ደራፊትን ጸሓፊት-ደርፍን ጓቲማላዊት ጋቢ ሞሬኖ፡ ስርሓታ ኣብ 2024 “ብልጽቲ ናይ ላቲን ፖፕ ኣልበም” ተባሂላ ኣብ ግራሚ ብምዕውታ ንቐጥታዊ ፈነወታት ዓብሊላቶ እያ።
እታ ብኽልተ ቋንቋታት ዝተዳለወት፡ ካብ ጽልዋታት ኣመሪካና፡ ሶውልን ናይ ላቲን ባህላዊ ሙዚቃን ብምውሳድ፡ ምስ ናታ ሙዚቃን ስምዒታዊ ድምጻን ብምውሳብ ንሃብታም ባህላዊ ውርሻኣ ዘንጸባረቐት እያ።
ጋቢ ሞሬኖ፡ ንመሰላት ህጻናትን ቈልዑን ንምጥባቕ፡ ናይ መጀመርታ ወለንታዊት ኣምባሳደር ኣብ ዩኒሴፍ ካብ ጓቲማላ ክትከውን በቒዓ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብታ 2.7 ሚልዮን ኣወዳትን ኣዋልድን ካብ ስርዓተ ቤት-ትምህርቲ ወጻኢ ከም ዘለዉ ዝግመት ሃገር፡ ብቕዓት ዘለዎም ናውቲ ትምህርቲ ንኽረኽቡ ወፍሪ ጀሚራ ኣላ።
ካትሪን ማርቲነዝ, ቬንዙዌላ
ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት
ብዙሓት ካብቶም ኣብ ካራካስ - ቬንዙዌላ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ህጻናት ጆሴ ማኑኤል ደ ሎስ ሪዮስ ዝርከቡ መንእሰያት ሕሙማት፡ ካብ ትሑት ኣታውን ሓደ ወላዲ ዘለዎምን ስድራቤታት ዝመጽኡ እዮም።
ብካትሪን ማርቲነዝ ዝተመስረተ ዘይመንግስታዊ ትካል ፕረፓራ ፋሚልያ፡ ኣገደስቲ ነገራት - ክዳውንቲ፡ ሕክምናዊ ናውትን መግብን፣ ከምኡ'ውን፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ ይህብ።
ማርቲነዝ ከም ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት መጠን፡ ግዳያት ካሕሳ ክሓቱ ንምፍቃድ፡ ንሳን ጕጅለኣን ኣብ ልዕሊ ኣለይቲ ህጻናትን ደቀንስትዮን ከም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝረኣይዎ መዝገብ ትሕዝ።
ኣብ ቬንዙዌላ ልዑል መጠን ሕጽረት መግቢ ኣብ ዘጋጠማ ፕሪፓራ ፋሚልያ፡ ንህጻናትን ነፍሰ-ጾራትን መመላእታታት መግብን ቪታሚናትን ብናጻ ዝህብ ማእከል እውን ከፊታ።
ካውና ማልግዊ, ናይጀርያ
መራሒት ማሕበር
ካውና ማልግዊ ኣብ ኢንዱስትሪ ቴክን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን (AI) ንመሰላት ሰራሕተኛታት እትቃለስ እያ። እታ ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ክኢላ ኣብ ናይጀርያ ንዝርከብ ማሕበር ኣካየድቲ ትሕዝቶ ትመርሕ፤ ኣብ ጉዳይ ስልጠናን ስርዓታት AI ንቕሓት ተዕቢን።
ማልግዊ ኣብቲ ንፌስቡክ ከም ሞደሬተር ዝነበራ ተራ፡ ንዓመጽ፡ ነብሰ ቅትለትን ግህሰት ህጻናትን ዝገልጽ ቪድዮታት ከምዝተቓልዐትን፤ እዚ ድማ ናብ ድቃስ ምስኣንን ፓራኖያን ከምዘቃልዓ ትዛረብ።
ንሳ ሓንቲ ካብቶም 185 ኣካየድቲ ስራሕ ነበር ኰይና፡ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኩባንያ ፌስቡክ ሜታ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምቍራጽ ስራሕ ከሲሱዋ።
ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ንመሰላት ኣካየድቲ ትሕዝቶ ተጣቢቓ እያ።
ደቂ ኣንስትዮ ንኽልቲኡ ቴክኖሎጂያዊ ምዕባለን ኣእምሮኣዊ ጽቡቕ ሂወትን ዋጋ ዝህብ ኵለንተናዊ ኣረኣእያ ብምምጻእ፡ ነቲ ክውንነት ናይታ ዝተበታተነት ዓለምና ክፈታተናኦን ክቕይራን ይኽእላ እየን።
ካውና ማልግዊ
ፊርዳ ማርስያ ኩርንያ, ኢንዶነዥያ
ሙዚቀኛ ባንድ ‘ሄቪ ሜታል’
ፊርዳ ማርስያ ኩርንያ፡ ስርዓታት ጾታን ሃይማኖትን ምብዳህ ዘሐጉሳ ንጥፈት እዩ። ንሳ፡ ኣብታ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝሓቖፈትን ሂጃብ እትለብስን ‘ቮይስ ኦፍ ባሰፕሮት’ ዝተበሃለት ባንድ፡ መሪሕ ድምጻዊትን ጊታሪስትን እያ።
ብእንግሊዝኛን ብሳንዳኒዝ (ሓደ ካብቶም ኣብ ኢንዶነዥያ ብሰፊሑ ዝዝረቡ ቋንቋታት) ትደርፍ ኰይና፡ ግጥምታት እተን ስሉስ ኣባላታ፡ ኣብቲ ብተባዕትዯ ዝተዓብለለ ስርዓት ዘለወን ብስጭት ዝገልጽ’ዩ።
ኣባላታ ኣብ ሄቪ ሜታል ክወፍሩ እንከለዉ፡ ካብ ዝያዳ ዓቃባውያን ኣስላም ጽቡቕ ምላሽ ኣይረኸባን።
እታ ባንድ ግን፡ ቅድሚ 10 ዓመት ኣብታ ኣብ ምዕራብ ጃቫ ከተማ ጋሩት እትርከብ ቤት ትምህርቲ ዓዶም ካብ እትጣየሽ ኣትሒዙ ነዊሕ ርሕቐት ተጓዒዛ እያ። ሎሚ ዓመት ኣብ ፌስቲቫል ሙዚቃ ግላስቶንበሪ ምርኢት ኣቕሪባ፡ ኣብ ን54 ዓመታት ዝጸንሐ ታሪኽ እቲ ፈስቲቫል ምርኢት ዘቕረበት ፈላመይቲ ኢንዶነዥያዊት ባንድ ድማ ኰይና።
ኦልጋ ኦለፊረንኮ, ዩክረይን
ሓረስታይ
ኣብ 2015 ኣቦኣ ምስ ሞተ፡ ኦልጋ ኦለፊረንኮ ሕርሻ ንምቛም ዝነበሮ ሕልሚ ክትፍጽሞ ደለየት። ጥሪት ድሕሪ ምግዛእ ስራሕ ጀመረት፤ ግን ነዊሕ ከይጸንሐት ብሕጽረት ገንዘብ ንዅሎም እንስሳታት ክትሸጦም ግድን ነበረ።
ንሳ ግን ባህጊ ኣቦኣ ክትገድፎ ኣይደለየትን፤ እቲ ኣብ ዶንባስ ኣብ ቅድመ ግንባር ኣዛዚ ፍሉይ ዕላማ ሓይሊ ባሕሪ ኰይኑ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ዝተቐትለ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ማዕከን ገዳይም ተጋደልቲ ዩክረይን ምወላ ንምርካብ ጨረታ ክትገብር ትልሚ ንግዲ ኣዳልያ ዕውትቲ ኰይና።
ኦለፊረንኮ ሕርሻኣ መሊሳ ከተካይድ ጀሚራ፡ ዘመናዊ ኣብ ምግባር፡ ኣጠቓቕማ ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት ሕርሻን ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ስራሕ ምፍጣርን ትዅረት ብምግባር፡ ኣብኡ ድማ ከም መነቓቕሒ ተበግሶኣን ኣመራርሓን ትርአ።
ኢድያና ደል ርዮ, ኩባ
ክኢላ ቅዲ ክዳን
ኣብ ኩባ ክላዲስቲና እቲ ቀዳማይ ኣብ ‘በራንድ’ ቅዲ ክዳን ኮይኑ፡ እቲ ትካል ፍርያቱ ኣብ መላእ ዓለም ይሸይጥ። ሓንቲ ካብ መስረትትቲ እዚ ትካልን ክኢላ ቅዲ ክዳንን እዚ ትካልን ከኣ ኢድያና ደል ርዮ እያ።
እቲ ትካል ፕረዚደንት ፊደል ካስትቶ ኣብ ውልቀ ትካላት ዝገብሮ ዝነበረ ምቁጽጻር ምስ ኣላሕለሖ’ያ ተመስሪታ።
እቲ ትካል መብዛሕትን ደቂ ኣንስትዮ ብዝኾና ክኢላታት ቀዲ ክዳን ኣብ ሃቫና’ያ ተመስቲታ። እቲ ንባህሊ ኲባ መሰረት ገይሩ ዝተነደፈ ክዳውንቲ ብብዙሓት ክፍቶ ክኢሉ’ዩ።
ኢድያና ደል ርዮ ቅድሚ ናብዚ ስራሕ ምእታዋ ካብ ካብ ኢንስትትዩት ቅዲ ክዳን ሃቫን ምስ ተመረቐት ንትያትር ዝኸውን ፖስተራት’ያ ተዳሉ ነይራ።
ኣንጀላ ሬይነር, ዓባይ ብሪጣንያ
ምክትል ቀዳመይቲ ሚኒስተር
ኣብ ፖለቲካ ዓባይ ብሪጣንያ ሓንቲ ካብቶም ዝለዓሉ ጽፍሕታት ዝሓዘት ኣንጀላ ሬይነር፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ምክትል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኰይና ክትምረጽ በቒዓ።
ኣብ ስቶክፖርት ተወሊዳ ዝዓበየት ሬይነር ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ኣላዪት ኣዲኣ ነበረት፤ ኣብ 16 ዓመት ዕድሚኣ ከኣ ነፍሰጾር ኰይና ካብ ቤት ትምህርቲ ተኣልየት። ኣብቲ ዝነበረቶ ከባቢ ቤት ምኽሪ ኣብ ማሕበራዊ ክንክን ተቘጺራ ትሰርሕ ነበረት። ብእኡ ኣቢላ ድማ ብመሳልል ስራሕ ብምድያብ ወኪል ማሕበር ሰራሕተኛታት ንምዃን ከኣለት።
ሬይነር ኣብ 2015 ንፈለማ ጊዜ ኣባል ባይቶ ሰልፊ-ዕዮ ኰይና ኣብ ‘ኣሽተን-ኣንደር-ላይን’ ናብ ባይቶ ተመርጸት- እታ ቀዳመይቲ ጓል ነቲ ዞባ ዝወከለት ጓል ኣንስተይቲ ነበረት፣ ጸኒሓ ድማ ካብ’ቶም ብርክት ዝበሉ ዝተሰከመቶም ሓላፍነታት፡ ናይ ተቓዋሚ ኣካል ሚኒስተር ደቂ ኣንስትዮን ማዕርነትን ኰይና ኣገልጊላ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ጸሓፊት ጉዳያት ኣባይቲ፣ ማሕበረሰባትን ከባብያዊ ምምሕዳርን ኰይና ትሰርሕ ኣላ።
ፋውዝያ ኣል-ኦታይቢ, ስዑዲ ዓረብ/ዓባይ ብሪጣንያ
ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ
ድምጻ ንምስማዕ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምውጻእ፡ ፋውዝያ ኣል-ኦታይቢ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ስርዓት ሞግዚትነት ደቂ ተባዕትዮ ንኸብቅዕ ካብ ነዊሕ እዋን ጐስጓስ ትገብር ነይራ።
ብሰበስልጣን ንመርመራ ድሕሪ ምጽዋዓ ግን ካብታ ሃገር ክትሃድም ወሰነት።
ሓፍታ መናህል ኣል-ኦታይቢ – ንሳ’ውን ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ’ያ – ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት’ዚ ምስ ምርጫ ክዳውንታን ምስቲ ብኢንተርነት ዝገለጸቶ ኣረኣእያን ዝተኣሳሰር ክሲ ድሕሪ ምፍራዳ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወትን ን11 ዓመታት ክትእሰር ከምዝተፈርደትን ጕጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሮም።
ኣል-ኦታይቢ ሓፍታ ንኽትፍታሕ ብዘይዕረፍቲ ጐስጓስ ኣካይዳ እያ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ተቓውሞታት ዝተወስደ ስጕምቲ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብዙሓት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት ተኣሲሮም ኣለዉ።
ክሪስቲና ሪቨራ ጋርዛ, ሜክሲኮ/ኣሜሪካ
ጸሓፊት
ዕወትቲ ደራሲት ክሪስቲና ሪቨራ ጋርዛ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብብዙሕ ሽልማታት ኣፍልጦ ረኺባ እያ፤ ንኣብነት ንጉዳይ ቅትለት ደቂ ኣንስትዮ ብርሃን ዘጉልሕ ‘ሊሊያና’ስ ኢንቪንሲብል ሳመር’ ዘርእስታ መጽሓፋ ኣብ 2024 ኣብ ምድብ ተዘክሮታት ሽልማት ፑሊትዘር ተዓዊታ እያ።
እታ መጽሓፍ ኣብ ዛንታ ሊሊያን ዝተበሃለት ሓፍታ ዝተመርኰሰት እያ፤ ሓፍታ ሊሊያና ኣብ 1990ታት ኣብ ሜክሲኮ ብኣፍቃሪኣ ነበር ዝተቐተለት ኰይና፡ ኣብቲ እዋን ንሱ ብምህዳሙ ናብ ፍርዲ ከይቀረቡ ተሪፉ’ዩ። ሪቨራ ጋርዛ በዚ ዛንታ ሓፍታ ኣቢላ፡ ምስ እትፈትዎ ሰብ ምስኣን ዘስዕቦ ስንባደ ምግጣምን ከምኡ’ውን ኣብታ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝለዓለ መጠን ቅትለት ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸመለን ሃገራት ድማ ፍትሒ ንርካብ ዝግበር ጉዕዞን ተመልክት።
ብተወሳኺ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሂዩስተን ብፈጠራዊ ጽሑፍ ቋንቋ ስጳኛ ናይ ዝወሃብ ፕሮግራም ፒኤችዲ (ሳልሳይ ዲግሪ) መስራቲትን ኣደ መንበርን እውን እያ።
ቋንቋ፡ ኣብ መወዳእታ ብወገን ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ዛንታ ክገልጽን ንዝዀነ ዓይነት ጽንዓት መሰረት ከንብርን ምእንቲ፡ ብቐጻልን ብዕምቆትን ምስ ቋንቋ ምትሕውዋስ ኣገዳሲ እዩ።
ክሪስቲና ሪቨራ ጋርዛ
ጋብሪኤላ ሳላስ ካብሬራ, ሜክሲኮ
ፕሮግራመርን ዳታ ሳይንቲስትን
ቋንቋ ኣደኣ ዝዀነ ናሁዋትል፡ ጋብሪኤላ ሳላስ ካብሬራ ክሳዕ ኢዳ እትሕውስ ኣብቲ ናይ ጉጉል ናይ ትርጕም መድረኻት ኣይነበረን።
እዛ መሃንድስ፡ ምስ ዓበይቲ ናይ ስነቛንቋ ፕሮጀክትታት ዘካይዱ ትካላት ቴክኖሎጂ ብምትሕብባር፡ ቋንቋ ኣደኣን ካልኦት ቋንቋታት ሜክሲኮን ናብ ጉጉል መተግበሪ ትርጕም ከም ዝጽንበር ገይራ። ናይ ቋንቋ ናሁዋትል መተግበሪ ትርጕም ድሮ ኣብ ምጅማር ናይዚ ዓመት’ዚ፡ ህዝቢ ከም ዝጥቀመሉ ተገይሩ ኣሎ።
ናይ ሳላስ ዕዮታት፡ ናይ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ሓይሊ ተጠቒሙ፡ ትሑት ውክልና ዘለዎም ቋንቋታት ንምዕባይን ህላወ ደቀባት ደቀንስትዮ ኣብ ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂ ንምዕባይን እዩ።
ንሳ ኣብ ማድሪድ - ስጳኛ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ፖሊቴክኒካ ብፍሉይ ኣብ ነገራት ዘድሃበ ፕሮግራሚን፡ ሰብ-ሰርሖ ብልሕን ዳታ ሳይንስን ተጽንዕ ኣላ።
ጽንዓት ወይ ተጻዋርነት ደቀንስትዮ ፈጺሙ ዘይቅህም ሃልሃልታ ኰይኑ፡ ንቓንዛ ናብ ዕላማ ቀዪሩ ነቶም ዝስዕብዎ መንገዲ የብርህ።
ጋብሪኤላ ሳላስ ካብሬራ
ክሪስቲና ኣሲ, ሊባኖስ
ፎቶ ጋዜጠኛ
ሰኣሊት ጋዜጠኛ ክርስቲና ኣሲ ኣብ 1990ታት ሊባኖስ ዓብያ - ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ቀጻሊ ዘይምርግጋእ ዝረኣየሉ እዋን - እዚ ድማ ነቲ ግጭት ንምስናድን ነቲ ዘይተነግረ ዛንታታት ኲናት ንምሽፋንን ንድሌታ ነዳዲ ወሲኽሉ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ንዝበጽሓ ከቢድ መጉዳእቲ ስዒቡ ህይወታ ናብ ዘሕዝንል ኩነታት ተቐይሩ።
እቲ ፍንጀራ ንመሳርሕታ ጋዜጠኛ ኢሳም ዓብደላ ክቐትል እንከሎ፡ ካልኦት ሓሙሽተ መሳርሕታ ቆሲሎም፡ ክሪስቲና ኣሲ ድማ ብቲ ፍንጀራ ብዘጋጠማ መጊዳእቲ እግራ ክትቁረጽ ከኢላ።
እቲ ኣጋጣሚ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ክትጣበቕ ምኽንያት ኮይኑዋ፡ ኣብ 2024 ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኦሎምፒክ ሽግ ብምሓዝ ድማ ንኹሎም ኣብ ስራሕ ዝሞቱ ጋዜጠኛታት መዘከርታ ክኸውን ተላብያ።
ማርጋሪታ ባሪየንቶስ, ኣርጀንቲና
መስራቲት ሱፕ ኪችን
ባርየንቶስ፡ ን15 ሰባት ዝኸውን ናይ ክሽነ መረቕ ብምኽሻን ዝጀመረቶ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንልዕሊ 5,000 ሰባት ትምግብ ኣላ። ኣንጻር ጥምየት ብእትገብሮ ተወፋይነት ዝመልኦ ቃልሲ ድማ ትፍለጥ - ኣብ ኣርጀንቲና። ካብ 46 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ናይታ ሃገር፡ እቶም 53% ኣብ ድኽነት ዝነብሩ እዮም።
ኣብ ሓንቲ ካብ ዝደኸያ ዞባታት ናይታ ሃገር ዝተወልደት ባርየንቶስ፡ ካብ ንኡሳ ኣትሒዛ እያ ምስ መከራ ተጋጢማ። ነዚ ትካላ ኣብ 1996 ካብ እትምስርቶ፡ በብግዜኡ እናዓበየ ማእከል መውዓሊ ህጻናት፡ ማእከል ጥዕና፡ ቤት-ዕዮ ማእለማን ቤት-ንባብን ሓቚፉ ይርከብ።
እቲ ኮማዊ ማእከላ፡ ካብ ብዙሓት ሰብ ዋኒንን ፍሉጣት ሰባትን ብዙሕ ሓገዝ ተቐቢሉ እዩ፣ ተጻዋታይ ኩዕሶ-እግሪ ልዮነን መሲ እኳ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝፈረመሉ ማልያ ንኽትሸጦ ኣበርኪቱላ።
ሳሻ ሉቺዮኒ, ካናዳ
ናይ ኮምፕዩተር ስነፍልጠተኛ
ኣብዛ ምስ’ዚ ቅልጡፍ ምዕባል ሰብ-ሰርሖ ብልሒ (AI) እናተላመደት ትኸይድ ዘላ ዓለም፡ ናይዚ ኢንዳስትሪ ነጽጊ ካርቦን ዕሽሽ ክበሃል ይኽእል እዩ።
ስምይቲ ናይ ሰብ-ሰርሒ ብልሒ ስነፍልጠተኛ ሳሻ ሉቺዮኒ፡ ኣማዕበልቲ ኮምፒዩተራት ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ኮድ ከውርዱ እንከለዉ፡ ንጽገት ካርቦን ክንደይ ምዃኑ ክዕቅኑ ዘኽእሎም መሳርሒ ንምፍጣር ሓጊዛ እያ።
ብተወሳኺ፡ ሉቺዮኒ ናይቲ ምስ ሰብ-ሰርሖ ሞዴላት ዝሰርሕ ጀማሪ ትካል ሃጊንግ ፌስ ኣብ መዳይ ክሊማ መሪሕ ተራ ትጻወት።
ዕላማኣ፡ ቀጻልነት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ ምምሕያሽን ዝጅምሩ ናይ ሰብ-ሰርሖ ስርሓት ኣብ ክሊማ ዝህልዎም ጽልዋ ምንጽጻርን እዩ።
ሊንዳ ድሮፍን ጉናርስዶትር, ኣይስላንድ
ኣካያዲት መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ
ሊንዳ ድሮፍን ጉናርስዶቲር ኣካያዲት መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ኣይስላንድ እያ፤ ብዚ ትካል ኣቢላ፡ ብሰንኪ ዘቤታዊ ዓመጽ ካብ ገዝአን ክወጻ ዝግደዳ ደቂ ኣንስትዮ ትሕግዝ።
ኣይስላንድ፡ መብዛሕትኡ ግዜ “ንጓል ኣንስተይቲ ዝበለጸት ቦታ” ተባሂላ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር እያ። እንተዀነ ግን መጠን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ብተደጋጋሚ ልዑል ኰይኑ እናቐጸለ ይርከብ።
ዋና ኣካያዲት ናይቲ መዕቆቢ ከም ምዃና መጠን፡ እቲ ፕሮጀክት ሓድሽ ቦታ ንኸቁም ትመርሕ፡ እዚ ድማ ንፈለማ እዋን ነዚ ዕላማ ዝተሃንጸ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ኣይስላንድ ክኸውን’ዩ።
ድሮፍን ጉናርስዶትር ከምእትብሎ፡ ቅድሚ 20 ዓመታት 64 ሚእታዊት ካብተን ኣብቲ መዕቆቢ ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ መወዳእታ ናብቶም ዝበደልወን እየን ተመሊሰን። ሕጂ ግን ብሰንኪ ዝተመሓየሸ ደገፍን ኣገልግሎታትን እቲ ኣሃዝ ናብ 11 ሚእታዊት ከምዝወረደ ትዛረብ።
ሱኒታ ዊልያምስ, ኣመሪካ
ጠፈርተኛ
ጠፈርተኛ ናሳ ዝዀነት ሱኒታ ዊልያምስ፡ ብ5 ሰነ ኣብታ ቦይንግ ስታርላይነር እትበሃል መንኰርኮር ጠፈር ክትሳፈር እንከላ፡ ትጽቢታ እቲ ኣብ ዓለምለኻዊ መደበር ህዋ (ISS) ዘካይድዎ ተልእኾ ንሸሞንተ መዓልታት ከምዝጸንሕ’ዩ ነይሩ።
ኣብታ መንኰርኮር ዘጋጠሙ ተኸታታሊ ቴክኒካዊ ጸገማት ስዒቡ ግን፡ ዊልያምስን መሳርሕታ ባሪ ዊልሞርን ክሳብ ለካቲት 2025 ናብ ምድሪ ክምለሱ ከምዘይኽእሉ ተሓቢርዎም።
ጥሮታ ዝወጸት ፓይለት ሄሊኮፕተር ሓይሊ ባሕሪን ብጓል ኣንስተይቲ ዝበዝሐ ናይ ህዋ ጉዕዞ ብምግባር ክብረወሰን ዝሓዘትን ዊልያምስ፡ ኣብ 2007 ኣብ ጠፈር ማራቶን ዝጎየየት ፈላመይቲ ሰብ ኰይና።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ኣዕሩኽታን ስድራቤታን 400 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ጠፈር’ኳ እንተሃለወት፡ ነቲ ዝተናውሐ ተልእኾ ግን ብጽንዓትን ብተስፋ ዝመልኦ ኣተሓሳስባን ተቐቢላቶ ኣላ፤ ነታ መንኰርኮር ድማ "እተሐጉስ ቦታ" ክትብል ትገልጻ።
ሃና-ራዊቲ ማይፒ-ክላርክ, ኒውዚላንድ
ፖለቲከኛ
ሃና-ራዊቲ ማይፒ-ክላርክ ገና ጓል 22 ዓመት እንከላ፡ ኣብ ባይቶ ኒውዚላንድ ዝተመርጸት ዝነኣሰት ጓል ኣንስተይቲ ማኦሪ (ደቀባት ፖሊነዥያውያን ህዝቢ ኒውዚላንድ) ኰይና።
ኣብ ናይ መጀመርታ መደረኣ፡ ‘ሃካ’ ዝበሃል ናይ ማኦሪ ስነ-ስርዓት ሳዕስዒት ብምቕራብ ፍልጥቲ ኰይና፡ ውክልና ደቀባት ክውስኽ ድማ ጸዊዓ። ኣብዚ ቀረባ እዋን እውን ካልእ ‘ሃካ’ ብምምራሕ፡ ኣብ ባይቶ ዝቐረበ ሓደ ኣካታዒ እማመ ብምቅዋም ደው ክብል ገይራ።
ማይፒ-ክላርክ ንመሰላት ማኦሪ፡ ዕቃበ ባህልን ንጉዳያት ከባቢን ብውዕዉዕ ስምዒት እያ ትጣበቕ። ጓል 17 ዓመት ከላ፡ ብዛዕባ ኣቆጻጽራ ወርሒ ማኦሪ እትገልጽ ናይ መጀመርታ መጽሓፋ ኣሕቲማ’ያ።
ሎሚ ዓመት ድማ ኣብ ፖለቲካ ድምጽታት ደቀባት መንእሰያት ንምብራኽ ብዝገበረቶ ጻዕሪ፡ ብሉጽ ሽልማት ‘ዋን ያንግ ዎርልድ ፖሊቲሻን’ ተዓዊታ።
ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካ ብከባብያዊ፡ ሃገራዊ ወይ ዓለማዊ ደረጃ፡ ማዕጾታት ናይቶም ከም ዘይተዓደማሉ ዝፈልጥኦም ቦታታት ክኵሕኵሓ ኣለወን።
ሃና-ራዊቲ ማይፒ-ክላርክ
ሳፋ ዓሊ , ሱዳን
ሓኪም ምውላድ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሱዳን ኣብ ጥቓ እትሰርሓሉ ሆስፒታል ከቢድ ውግእ ምስተላዕለ፡ ዋላ’ኳ ቀጻሊ ደብዳብ እንተነበረ፡ ዶክተር ሳፋ ዓሊ ግን ምስ መሳርሕታ ምህዳም ኣይመረጸትን።
እዛ ኣማኻሪት ሕክምና ምውላድን ጥዕና ደቂንስትዮን (ጋይናኮሎጂ)፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ኣብ ዝነበረ ዓመጽ ዝመልኦ ግጭት፡ ወለንተኛታት ሰራሕተኛታትን ነፍሰጾራትን ናብ ውሑስ ቦታ ንኽወጹ ሓጊዛ’ያ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሆስፒታል ወሊድ ኣል ስዑዲ፡ እታ ሓኪም ትምህርተ-ምውላድ ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ግጭት ዘስዕቦ ብድሆታት ኰይና፡ መጥባሕቲ እናካየደትን ንጉዳያት ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ እናሓከመትን ትርከብ።
ብተወሳኺ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ሕክምና ንምቅላል ዝሕግዛ ኣስታት 20 ሓደስቲ ዝተመረቓ ደቂ ኣንስትዮ ሓካይም ብትምህርተ-ምውላድ ምስልጣን ትቕጽል ኣላ።
ብሓይሊ ተቓውሞ ደቂ ኣንስትዮ ኣቢልና ፈውስ፡ ፍትሕን ድሕሪ ደጊም ብፍርሒ ዘይንነብረሉ መጻእን ንኽመጽእ ተስፋ ከምዘሎ እኣምን። ሕጂ’ውን ገና ተስፋ ከምዘሎ ዘዘኻኽረኒ፡ ዋላ ኣብ ተስፋ ዘቑርጹ ህሞታት ኰይነን ዘርእይኦ ሓይሊ እዩ።
ሳፋ ዓሊ
ኬሚ ባዴኖክ, ዓባይ ብሪጣንያ
መራሒት ዓቃባዊ ሰልፊ
ኣብ ሕዳር መራሒት ዓቃባዊ ሰልፊ ዝተመርጸት ኬሚ ባዴኖክ፡ ንሓደ ዓቢ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመርሐት ፈላመይቲ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ እያ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣባል ባይቶ ሰሜናዊ ምዕራብ ኤሰክስ ኰይና፡ ቅድሚ ሕጂ ድማ ጸሓፊት ንግዲን ሚኒስተር ደቂ ኣንስትዮን ማዕርነትን እያ ነይራ።
ባዴኖክ ካብ ናይጀርያውያን ወለዲ ኣብ ለንደን ተወሊዳ፡ ኣብ ሌጎስ፡ ናይጀርያን ኣብ ኣመሪካን ዓብያ። ኣብ ናይጀርያ ብዝገደደ ፖለቲካውን ቍጠባውን ኵነታት ኣብ 16 ዓመት ዕድመኣ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተመሊሳ፡ ብኮምፒዩተር ኢንጂነሪንን ሕጊን ዲግሪ ወሲዳ።
ቅድሚ ፖለቲካዊ ሞያኣ፡ ተሓጋጋዚት ዳይረክተር ናይ ብሕቲ ባንክ ካውትስን ዳይሬክተር ዲጂታዊ መጽሔት ዘ ስፔክተተርን እያ ነይራ።
ሉርድስ ባሬቶ, ብራዚል
ጐስጓሲት መሰል ፋይቶት
ድሕረ-መጋረጃ ናይ ብዙሕ ጐስጓሳት ኰይና መሪሕ ሓይሊ ዝወነነት ሉርድስ ባሬቶ፡ ኣብ ብራዚል ዝርከባ ፋይቶት ዝሓሸ መሰላት ክረኽባ ኣብ ምጕስጓስ ዕድሚኣ ኣሕሊፋቶ።
ኣብ ዞባ ኣማዞን-ቤለምዶ ፓራ ንጥፈታታ ዝጀመረት ሉርድስ ባሬቶ፡ ኣብ 1980ታት መርበብ ፋይቶት ብራዚል ምስ ካልኣይታ ብምዃን መስረተት። እዚ ዝተወደበ ምንቅስቓስ’ዚ፡ ኣብ ደቡብ-ኣመሪካ ናይ መጀመርታ ናይ ኣመንዝራታት ውዳበ እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ 80ታት ዕድሚኣ እትርከብ ባሬቶ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊኣ ብዝወረደ ጽልኢ ክትፈታተን ጸኒሓ እያ።
ኣብታ ሃገር ፖሊሲታት ምክልኻል ኤች.ኣይ.ቪ ኣብ ምትካል ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረት ኰይና፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዕደና ወርቂ ዝርግሐ ኤች.ኣይ.ቪ ንምክልኻል’ውን ጐስጓስ ኣካይዳ። ኣብ 2023 ድማ ታሪኽ ህይወታ እትገልጽ መጽሓፍ ኣሕቲማ።
ዛንታታትና ክብሪ ክረክብ እምበር ከይተሰምዐ ክተርፍ ኣይግባእን። ግደ ደቀንስትዮ ኣብ ዓለም ምሕላም፡ ምዕዋት፡ ምሕሳብን ሕብረተሰብ ምቕያርን ዓቕመን ዘይተኣደነ እዩ።
ሉርድስ ባሬቶ
ኣሊሰን ፌሊክስ, ኣመሪካ
ኣትሌት መስመርን-ሜዳን (ትራክን ፊልድን)
ክብረወሰን ብዝሓዘ 20 መዳልያታት ሻምፕዮን ውድድራት-ዓለምን 11 መዳልያታት ኦሎምፒክን ዝረኸበት ኣሊሰን ፌሊክስ ኣብ ታሪኽ እታ ዝበዝሐ ሽልማት ትራክን ፊልድን ዝሰዓረት ኣትሌት’ያ።
ኣብ ጊዜ ጥንሲ ብዘጋጠማ ብዝሒ ደምን ንጓላ ቅድሚ ግዜኣ ብምውላዳን፡ ንመሰል ጥዕና ኣዴታት ኣበርቲዓ ክትጣበቕ ጀመረት። ሕጂ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ንዝርከባ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ክንክን ጥዕና ኣዴታት ንምጕስጓስ ካብ ሜሊንዳ ጌትስ ናይ 20 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ ኣላ።
እዛ ጡረተኛ ኣትሌት፡ ኣብ ምምራቕ ናይ መጀመርታ መዋእለ ህጻናት ኦሎምፒክ ቪለጅ፡ ኣብ ጸወታታት ፓሪስ 2024 ዓቢ ኣበርክቶ ገይራ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ’ውን ኣብ ኮሚሽን ኣትሌታት ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ክትጽንበር ተመሪጻ፡ ኣብ ስፖርት ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘተኮረ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ስፖርት ምሕደራ ኩባንያ’ውን ኣበጊሳ ኣላ።
‘ጽንዓት ማለት ንከበድቲ ኩነታት ክትገጥሞ ዘኽእል ሓይልን ጽባቐን ምርካብ ማለት’ዩ። ከምኡ’ውን ነፍሲ ወከፍ ምዕንቃፍ ከም ነዳዲ ተጠቒምና ንቕድሚት ምስጓም ማለት እዩ’።
ኣሊሰን ፌሊክስ
ኪም የጂ, ደቡብ ኮርያ
ኦሎምፒካዊት ክኢላ ጨመተ ቶኲሲ
ስፖርታዊ ዓወታት ንኪም የጂ ኣብዚ ዓመት ናብ ዓለማዊ ኣቓልቦ ኣምጺእዋ።
እታ ተኳሲት ሽጉጥ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ፈላማይ ኦሎምፒክ ኣብ ውድድር 10 ሜትሮ ሽጉጥ ደቂ ኣንስትዮ ብሩር ተዓዊታ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ’ውን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክብረወሰን ዓለም 25 ሜትሮ ሽጉጥ ኣመዝጊባ ነይራ።
ኪም የጂ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝዘርገሓቶ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ፡ ዘዘረራረበ ግን ናይ ምጭማት ክክእለታ ጥራይ ኣይነበረን እቲ ኣዝዩ ርጉእ ባህርያታ’ውን እዩ።
ኪም የጂ ምስ ኣደነት ዝመጽእ ሓላፍነት ብኸመይ ከም እትርእዮ ብግልጺ ተዛሪባ ኣላ። ካብቲ ስፖርት ዕረፍቲ ወሲዳ ምስ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ጓላ ግዜ ከተሕልፍ ኣላ።
ብስፖርት ኣቢልና፡ ሰፊሕ ማሕበረሰባዊ ለውጢ ንምንቕቓሕ ብናተይ ኣራኣእያ ከም ጽንዓት፡ ሓቢርካ ምስራሕን ቆራጽነትን ዝበሉ ክብርታት ካብ ሜዳ ጸወታ ወጻኢ ክነባጽሖም ኣለና።
ኪም የጂ
ሃላ ኣልካሪብ, ሱዳን
ጎስጓሲት ጸረ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ እዋን ኵናት
ሃላ ዳይረክተር ናይቲ SIHA ተባሂሉ ዝጽወዕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዘተባብዕ ዞባዊ ትካል’ያ። ሃላ ጸሓፊት’ውን እያ ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ኣንጻር ናይቲ ኣብ እዋን ኵናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም ጾታዊ ዓመት ትጉስጉስ።
ኣብ ሱዳን ኣብ 2023 ኵናት ካብ ዝልዓል ትላል SIHA ንኹሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጽም ዘሎ ጾታዊ ዓመጻት ይስንዲ ኣሎ፡ ንኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ምሕጋዝ ከኣ ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ።
ኣብ ጥቅምቲ 2024 ሕቡራት ሃገራት ሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ኣብ ሱዳን ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ናብ ዝኸፈአ ደረጃ የዕርጎ ከምዘሎ ከሲሱ።
እቲ ጸብጻብ ብውሕዱ 400 ካብ ምስ ኵናት ዝተኣሳሰር ጾታዊ ዓመጻት ዘድሓና ደቂ ኣንስትዮ ተወኪሱ ነቲ ጸብጻብ ከምዘዳለዎ ብምሕባር እቲ ጸብጻብ ‘ጫፍ ናይ ዓቢ በረድ’ ዘርኢ ጥራይ መዃኑ ገሊጹ።
ማህራንግ ባሎች, ፓኪስታን
ሓኪምን ናይ ፖለቲካ ነጣፊትን
ኣብ ፓኪስታን ኣብ ግዝኣት ባሎቺስታን ንስለ እቶም ብግዴታ ዝስወሩ ሰባት ኣብ ዝካየድ ሰልፍታት፡ ካብ’ተን ኣማኢት ደቀንስትዮ ማህራንግ ባሎች ኣብ መንጎአን ትርከብ።
ኣብ ጐድኒ ፍትሒ ቈይማ ድምጻ ከተስምዕ ዝጀመረት፡ ኣቦኣ ኣብ 2009 ብሓይልታት ጸጥታ ተጨውዩ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ምስ በሰላታት ስቅያቱ መይቱ ድሕሪ ምርካቡ እዩ።
ኣብ ካልኣይ ክፍላ 2023፡ ባሎጅ፡ ኣማኢት ደቀንስትዮ መሪሓ ናብ ርእሰ-ከተማ ኢስላምባድ ንኣስታት 1,600 ኪሎሜተር ተጓዒዛ። ዕላማ ናይቲ ሰልፊ፡ ስድራቤታት ናይ ዝጠፍኡወን መቕርበን ሃለዋት ክንገረን ዝጽውዕ እዩ። ኣብቲ ጕዕዞ ድማ ክልተ ሳዕ ኣብ ትሕቲ ቀዪዲ ኣትያ።
እቶም ካብታ ንነዊሕ ግዜ ናዕቢ ዝካየደላ ግዝኣት ባሎቺስታን ዝመጽኡ ሰልፈኛታት፡ እቶም ፍቑራቶም፡ ካብቲ ሰልፍታት ብጸረ-ናዕቢ ሓይልታት ፓኪስታን ተጨውዮም ከም ዝቕተሉ ይዛረቡ። ሰበስልጣን ኢስላምባድ ግን ነዚ ክስታት ይኽሕድዎ።
እታ ሓኪም፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዛ፡ “ባሎች ያክጀህቲ (ሓድነት)” ኣብ ትሕቲ ዝብል ናይ ገዛእ-ርእሳ ጕጅለ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዕልልቲ ተጣባቒት ክትከውን ክኢላ። በቲ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝዓመመቶ ስርሓት ድማ ኣብ መጽሔት ‘ታይም’፡ 100 ዝቕልቀሉ ዘለዉ መራሕቲ ስማ ተረቚሑ።
ዛክያ ኹዳዳዲ, ኣፍጋኒስታን
ቴኳንዶ ፓራኦሎምፒክ
ፈላመይቲ ኣባል ጋንታ ፓራኦሎምፒክ ስደተኛታት ብምዃን መዳልያ ዝረኸበት ዛክያ ኹዳዳዲ፡ ኣብ ውድድር ፓሪስ 2024 ታሪኽ ሰሪሓ።
እዛ ብዘይ ሓንቲ ቅልጽማ ዝተወልደት ኣትለት፡ ኣብ ምዕራባዊ ኣፍጋኒስታን ኣብ እትርከብ ሄራት ዝተባህለት ዓዳ ኣብ ዝተደኰነ ስቱር ጂምናዝየም፡ ጓል 11 ዓመት ምስ ኰነት ብሕቡእ ልምምድ ቴኳንዶ ክትገብር ጀሚራ።
ድሕሪ 2021 ጣሊባን ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምላሱ ከኣ ኣብቲ ንፈለማ ኣብ ቶክዮ ዝተኻየደ ፓራኦሎምፒክ ከይትሳተፍ ተኸልኪላ።
እቲ ጉዳይ ኣህጉራዊ ኮሚተ ፓራኦሎምፒክ ኢድ ምስ ኣእተወሉ፡ ብደገፍ ፈረንሳ ካብ ኣፍጋኒስታን ብሰላም ክትለቅቕ ክኢላ። ድሕሪ ምውዳቕ ጣሊባን ድማ ኣብ ኣህጉራዊ ስፖርታዊ ውድድር ናይ ፈለማ ዝተሳተፈት ኣፍጋኒስታዊት ስፖርተኛ ኰይና።
“ንመዳልያ ኦሎምፒክ ዝሓለፍክዎ ጕዕዞ ንሓይሊ ጽንዓት ደቀንስትዮ ኣፍጋኒስታን፡ ስደተኛታት ደቀንስትዮን ንነፍሲ-ወከፍ ጓል ኣንስተይትን ዘንጸባርቕ እዩ። ጓል ኣንስተይቲ ክትገብሮ ዘይትኽእል ነገር ከም ዘየሎ፡ ተስፋ ከይቈረጽና ከነርኢ ክኢልና ኣለና።”
ዛክያ ኹዳዳዲ
ዥዋን ፉንግ, ቬትናም
ኣላይት ፊልም፣ ጸሓፊትን ወናኒት ጋለሪን
መበል 95 ዓመት ልደታ ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን፡ ጸሓፊትን ዳይረክተርን ዙኣን ፊንግ ግን ኣዝዩ ምሉእ ህይወት ትነብር ኣላ።
ኣብ ቬትናም ክልተ ኲናት ሪኣ። ጓል 16 ዓመት ከላ ድማ ንናጽነት እታ ሃገር ኣንጻር ፈረንሳ ተቓሊሳ።
ዶክተር ኮይና ዝተመረቐት ዥዋን፡ ሓላፊት ክሊኒክ ከምኡ'ውን ጋዜጠኛ ኲናትን ዳይረክተር ፊልምን ተለቪዥን ቬትናም ኮይና ሰሪሓ። ከም ውድቀት ሳይጎን ዝኣመሰሉ ታሪኻዊ ህሞታት እውን ክትርእይ በቒዓ።
ኣብ መበል 62 ዓመት ዕድሚኣ፡ ኣብ ክንዲ ጡረታ እትወጽእ፡ ስነ-ጥበብ ቬትናም ናብ ዓለም ንምምጻእ ብምድላይ፡ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ናይ ብሕቲ ጋለሪታት ዝኾነ ሎተስ ጋለሪ ኣብ ከተማ ሆቺሚን ከ። ቀጺላ ድማ ንናይ ውሽጢ ዓዲ ስነጥበባውያን ዝና ናብ ዝረኽቡሉ ደረጃ ክተብቅዕ ጽዒራ።
ላቲሻ ማክክሩደን, ኣየርላንድ
ተጣባቒት ምንቅስቓስ ተጓዓዝቲ ኣየርላንድ
ላቲሻ ማክክሩደን ገና ኣብ 20 ዓመት ዕድሚኣ፡ ድሮ ብርትዕቲ ተጣባቒት ማሕበረሰብ ተጓዓዝቲ ኣየርላንድ ገይራ ንነብሳ መስሪታ ኣላ።
ከም ኣባል ምንቅስቓስ ተጓዓዝቲ ኣየርላንድ፡ ኣብ ከባቢ ውሑዳን ብሄራት ኣየርላንድ ዝተኸልከሉ ነገራት ክትምክትን፡ ከም ግዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ ድማ ድምጻ ተጠቒማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍጸም ዓመጽ ክትቃለስን ትደሊ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጋልዌይ ተማሃሪት ሕጊ ዝዀነት ማክክሩድ፡ ከም ኣባል ሃገራዊ መድረኽ መንእሰያት ምንቅስቓስ ተጓዓዝቲ ኣየርላንድ፡ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣየርላንድን ሚንስየርስ ዋይደንን ዝተበሃለ ጉጅለ ደገፍ ተጓዓዝቲን ኰይና እናገልገለት ትርከብ።
ኣብ ዝቕጽል ከባብያዊ መረጻ 2029 ክትወዳደርን ንመጻኢ ኣየርላንድ ለውጢ ከተምጽእን ድማ ትትስፈ።
ሺን ዴው, ሚያንማር
በዓልቲ ሞያ ፊልም
ዕውትቲ ተሸላሚት ዓያዪት ሰነዳዊ ፊልም ሺን ዴው ኣብ ቦርሳኣ ድሮን ሒዛ ብምርካባ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ ከኣ ኣብታ ብወተሃደራዊ ስርዓት እትምራሕ ዘላ ሚያንማር፡ ንሕጊ ጸረ-ግብረሽበራ ጥሒሳ ብዝብል ክሲ ናብ ፍርዲ ቀሪባ። ኣብቲ ዕጹው ቤት-ፍርዲ ሕጋዊ ውክልናኣ ተጣሒሱ ንምሉእ ዕድመኣ ክትእሰር ተፈሪዳ።
እዛ ዓያዪት ፊልም’ዚኣ፡ ካብ 1988 ኣትሒዛ ኣንጻር ወተሃደራዊ ስርዓት ክትቃለስ ስለ ዝጸንሐት፡ ንዓኣ ማእሰርቲ ሓድሽ ኣይኰነን።
ሺን ዴው ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ዝረኸባ ልዕሊ ዓሰርተ ሓጸርቲ ሰነዳውያን ፊልምታት ዝኣለየት እያ። እታ ነቶም ንደሞክራሲ ዝጠልብ ተቓውሞኦም ዘስምዑ፡ ኣሽሓት ሰዓብቲ ቡድሃ ፈለስቲ’ውን ዝተሳተፉዎ፡ ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር’ቲ ወተሃደራዊ ስርዓት እትገልጽ ኣብ 2007 ዝሰርሓታ ፊልም’ውን ሓንቲ ካብአን እያ።
ስቨትላና ኣኖኪና, ሩስያ
ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት
ስቨትላና ኣኖኪና፡ ካብቲ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳን ኤስያን ዝርከብ ዝበዝሑ ኣስላም ዝነብሩሉ ዞባ ሰሜን ካውካሰስ ሩስያ፡ ንዓመታት ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ንኽሃድሙ ክትሕግዝ ጸኒሓ’ያ።
ኣብ 2020 ምስ ካልኦት ወለንተኛታት ኰይና ፕሮጀክት ማረም መስሪታ። እዚ ተበግሶ ካብ ዳጌስታን፡ ቼችንያን ካልኦት ሪፓብሊካት ሰሜን ካውካሰስን ኣብ ሓደጋ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ምውጻእን ግዝያዊ መንበሪ ንክረኽባ ብምውዳብ ይሕግዝ፤ ከምኡ’ውን ሕጋውን ስነ-ኣእምሮኣውን ደገፍ ይህብ።
ኣብ 2021፡ ሓይልታት ጸጥታ ቼቸንን ዳጌስታንን ኣብቲ ተመሓድሮ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ዘመተ ድሕሪ ምክያዶም፡ ኣኖኪና ንባዕላ ኣብ 2021 ካብ ሩስያ ክትወጽእ ወሲና።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሰበስልጣን ኣብ ልዕሊ ዕጡቕ ሓይልታት ሩስያ ጸለመ ኣካይዳ ብዝብል ክሲ ኣብ ልዕሊኣ ገበናዊ መርመራ ከፊቶም።
ፕለስቲያ ኣላቃድ, ግዝኣታት ፍልስጤም
ጋዜጠኛን ገጣሚትን
ጓል 22 ዓመት ፕለስቲያ ኣላቃድ ኲናት ቓዛ ምስጀመረ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቓ። ኣብ መጀመርታ መዓልታት ናይቲ ኲናት፡ ኣብ ገዝኣ ኰይና ጽዑቕ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል እናተፈጸመ ቪድዮ ጠቂዓ።
ሽዑ ብብዙሓት ተራእዩ፤ ብድሕሪኡ ሓድሽ ሓበሬታታት ቓዛ፡ ግጥምታትን ዳያሪ ጽሑፋትን እናፈነወት ኣብ ኢንስታግራም ኣርባዕተ ሚልዮን ተኸታተልቲ ኣፍሪያ። ካብዞም ጸብጻባት ዝተመርኮሰ ተዘክሮኣ “ዓይኒ ቓዛ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክትሕተም'ዩ።
ኣላቃድ 'መንእሰይ ጋዜጠኛ ዓለም' ናይ ዓመተ 2024 እያ። ብተወሳኺ ኣብ ከም ዋዕላ መንግስታት ዓለም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መድረኻት ንፍልስጤማውያን ተጣቢቓ እያ።
ኣላቃድ ኣብ ሕዳር 2023 ካብ ቓዛ ወጺኣ። ኣብ በይሩት ብመጽናዕቲ ሚድያ ማስተርስ ዲግሪ ክትስርሕ ስላርሺፕ ረኺባ ኣላ።
ማህደር ሃይለስላሰ, ኢትዮጵያ
ሰኣሊት
ማህደር ሃይለስለሳ ቅርጺ መሬት፡ ዝነቐጹ ሩባታትን ዝጋጎጉ ዘራእትን’ያ ትስእል፡ እዚ ከኣ ጥምየት ንክንደይ ስድራ ቤታት ካብ ቤት ንብረተን ከምዘፈናቕልን ስድራቤታት ብደቆም ብህጻንነተን ንኸመርዕወን ምኽንያት ይኸውን ከምዘሎ ንኸተርኢ ትጥቀመሉ። በዚ ስርሓ ብደረጃ ኣፍሪቃ ኣብ 2023 ሽልማት ክትረክብ ክኢላ’ያ።
ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሰንኪ ደርቅን ክሊማዊ ለውጥን መርዓ ትሕቲ ዕድመ ኣብ 2050 ብሰለስተ ዕጽፊ ክውስኽ ከምዝኽእል ግምቶም ይህቡ።
ማህደር፡ ነቲ ስርሓታ ካብ ተመክሮኣ፡ ካብ ሰብ ብዝሰመዓቶም ተደሪኻ’ያ ኣዕሚቓ ክትሕዞ ተደሪኻ።
ኣሳእላ ኸኣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታታንን ሃገራትን ንምርኢት ኣቕሪባቶ ኣላ።
ኣን ቹማፖርን (ዋዳኦ), ታይላንድ
ተጣበቒት መሰላት LGBTQ+
ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ታይላንድ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ካብ ዝርከባ ሃገራት ብቐዳምነት ንእማመ ማዕርነት ሓዳር ብምፍራም ንመርዓ ሕደ-ጾታ ኣፍልጦ ኣብ ዝሃበትሉ፡ ኣን ቹማፖርን ዝጸንበለቶ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን።
እቲ እማመ ብባይቶ ክጸድቕ፡ ኣብ ወከልቲ ህዝብን ቤት-ምኽርን ኮምሽነር ሕጊ ብምዃን ኣብ ቅድሚት ኰይና መሪሓ።
“ባንኮክ ፕራይድ” ንዝተባህለት ትካል ምስ ካልኣይታ ብምምስራት፡ ኣብ ገጠራት ደቡባዊ ታይላንድ ንሰብኣዊ መሰላትን ስድራቤታዊ መሰላት LGBTQ+ን ንዓሰርተ ዓመት ተቓሊሳ።
ኣብ 2020 ኣብ ታይላንድ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መንእሰያት ተቓውሞ፡ መራሒት ናይቲ ግንባር ሓርነት ኣንታስይነት ዝተባህለ ኰይና ወጺኣ። ብሰንኪ እቲ ዝነጠፈቶ ድማ ሸሞንተ ፖለቲካዊ ክስታት ቀሪቡላ።
ብሪጂት ባፕቲስት, ኮሎምብያ
ምህርቲ ስነ-ህይወት
ከም ትራንስዉማን ሊቅ ባዮሎጂ መጠን፡ ኣብ መንጎ ብዙሕነት ህይወትን ጾታዊ መንነትን ዘሎ ሓባራዊ እልመት ትድህስስ።
ንሳ፡ ንኢኮሲስተም ብዝበለጸ ንምሕላው፡ ነቲ ‘ተፈጥሮ’ ዝብል ኣምር ንምስፋሕ፡ ንመልክዓ ምድርን ዓሌታትን ንምትንታን፡ ‘ኲየር ሌንስ’ ትጥቀም። ኣብ 2018 ኣብ TEDx ዘቕረበቶ መደረ፡ ነቲ ሃገራዊ ገረብ ኮሎምብያ ዝዀነ Quindío wax palm ከም ኣብነት ናይ ሓደ ኣብ ምሉእ ዕድሚኡ ጾታኡ ካብ ተባዕታይ ናብ ኣንስተይቲ ከም ዝቕይር ፍጡር ክትጥቀመሉ ተራእያ።
ፍልጥቲ ምህርቲ ባፕቲስት ን10 ዓመታት ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ኣሌክሳንደር ፎን ሁምቦልት ኰይና ኣገልጊላ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብቲ ኣብ ውሕስ ቀጻልነት ናይ ኢንተርፕሪነርሽፕ ዘተኵር ኣብ ቦጎታ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኢኤኤን ተገልግል ኣላ።
ብተወሳኺ፡ LGTBQ+ ሰባት ብዝያዳ ናብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ንኽኣትዉ ዝሓሸ ምወላ ንምርካብ ጐስጓስ ኣካይዳ እያ።
ኣሩና ሮይ, ህንዲ
ማሕበራዊ ነጣፊት
ኣብ ህንዲ ንመሰል ድኻታት እትቃለስ ኣሩና ሮይ፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሞያ ገዲፉ ምስ ገጠራዊ ማሕበረሰባት ብዝያዳ ብቐጥታ ክትዋሳእ ክኢላ።
ኣብ ግሉጽነትን ፍትሓዊ ደሞዝን ዘተኮረ ናይ መሰረታዊ ትካል ማዝዶር ኪሳን ሻክቲ ሳንጋታን (MKSS) ሓባራዊት መስረትቲ ኮይና፡ ዜጋታት ተሓታትነት መንግስቲ ክጠልቡ ዘኽእሎም ኣብ 2005 ፍሉይ ዝኾነ ሕጊ ኣብ ምሕንጻጽ ዓቢ ኣበርክቶ ነይርዋ።
ንልዕሊ ኣርባዕተ ዕቁድ፡ ሮይ ብህዝቢ ዝምራሕ ተበግሶታት ኮይና ኣብ ቅድሚት ኮይና ብምምራሕ ተቃሊሳ’ያ ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ‘ሽልማት ኖቤል ኤስያ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ራሞን ማግሳይሳይ ሓዊሱ ብዙሕ ሽልማታት ረኺባ።
ሮይ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሃገራዎ ማሕበር ህንዲ’ያ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን’ውን ንውልቃዊ መዘክራ እተዘንቱ መጽሓፍ ኣሕቲማ።
በቲ ዓቢ ምስሊ ተዋሒጥና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣብ ጎረቤትና ዘሎ ሕልሚ ከነለልዮ ኣይንኽእልን ኢና።
ኣሩና ሮይ
ሊልያ ቻኒሸቫ, ሩስያ
ፖለቲከኛን እስርቲ ነበርን
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይዚ ዓመት ከም ኣካል ናይቲ ዓቢ ኣህጉራዊ ምልውዋጥ እሱራት ካብ ዝተፈትሑ 26 እሱራት ሓንቲ ዝኾነት ፖለቲካዊት ተቓላሲት ሊልያ ቻኒሸቫ ናጽነታ ምስ ረኸበት ካብ ሩስያ ወጺኣ።
ሊልያ ቻኒሸቫ ኣብ ዞባ ባሽኮርቶስታን ሩስያ ቤት ጽሕፈት ነፍስሄር ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ኣሌክሲ ናቫልኒ ትመርሕ ነይራ። ስርሓ ኸኣ ብልሽውና ምጽራይን ፍትሓዊ ምርጫን ክካይድን ብናጽነት ሓሳብካ ንመግላጽ ዘኽእል ባይታ ንኽህሉን ምጉስጓስ’ዩ።
ብፈይናንስ ዕውትቲ ኰይና፡ ቅድሚ ምስ ናቫልኒ ምስራሕ ምጅማራ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከባ ዓለምለኻውያን ትካላት ናይ ግብሪ ኣማኻሪት ኰይና’ያ ትሰርሕ ነይራ።
ኣብ 2021 ብኽሲ ሕሉፍነት [ኣኽራርነት] ተኣሲራ ን9 ዓመትን መንፈቕን ክትእሰር ተፈሪዳ። ቅድሚ ምፍታሓ ከኣ ንኽልተ ዓመትን ትሽዓተ ወርሕን ኣብቲ ተኣሲራትሉ ዝነበረት ቤት ማእሰርቲ ኣገልጊላ።
ዲሎሮም ዩልዶሸቫ, ኡዝቤኪስታን
ሰፋዪትን ነጋዲትን
ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ዲሎሮም ዩልዶሸቫ ኣብ እዋን እቶት ቀውዒ ክልቲኡ እግራ እኳ እንተ ሰኣነት፡ ዓቢ ሕልሚ ካብ ምሕላም ግን ኣይዓገታን።
ንመንእሰያት ደቀንስትዮ ኡዝቤካውያን ንመነባብሮአን ክትሕግዘን እንከላ፡ ሓድሽ ክእለት ክትመሃር ስለ ዝደለየት፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ስፌት ንግዲ ክትምስርት ወሰነት።
መሰረታዊ ትምህርቲ ኢንተርፕሪነርሺፕን ምሕደራ ገንዘብን ተማሂራ ንልዕሊ 40 ልምዳውያን ኣሰልጢና። ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ፡ ትካላ ብዓቢ ዓብዩ፣ ናጻ ዓውደ መጽናዕትታት ብምክያድ፣ ንሰራሕተኛታትን ቤት-ትምህርትን ዝኸውን ዩኒፎርም ንምፍራይ ውዕል ረኺባ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ንግዳ፡ ንዓኣን ንኻልኦት ዓሰርተታት ደቀንስትዮን ምንጪ ኣታዊ ኰይኑ ኣሎ።
ለስሊ ለኮ, ጋና/ዓዲ-እንግሊዝ
ክኢላ ስነህንጻ (ኣርክቴክት)
ለስሊ ሎኮ በቲ “ንስነህንጻ ደሞክራስያዊ ንምግባር” ዘካየደቶ ስርሓት፡ ካብ ንጉሳዊ ኢንስቲቱዩት ብሪጣንያውያን ኣርክቴከራት ኣብ 2024 ወርቂ መዳልያ ተሰሊማ። እቲ ስልማት ኣብቲ ትነጥፈሉ ዓውዲ፡ ዝዓበየ ስልማት ኰይኑ፡ እቲ ትካል ብ1848 ካብ ዝጅምር ንጸላም ጓለንስተይቲ ክስልም ፈለማዩ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት፡ ንብዙሓት ሰባት ካብቲ ውክልና ዘይረክብ ድሕረ-ባይታኦም ናብቲ ኢንዳስትሪ ኣብ ምምጻእ ተዓዊታ እያ።
እዛ ጋናዊት-ስኮትላንዳዊት ምህርቲ፡ ኣብ ቴማታት ‘ዲካርቦናይዘሽን’ ከምኡ’ውን ‘ዲኮሎናይዘሽን’ ዘተኰረትሉ ናይ ቬኒስ ቢናለ ናይ ስነህንጻ ዝመርሐት ፈላሚት ኣፍሪቃዊ መበቈል ዘሎዋ ጓላንስተይቲ ክትከውን በቒዓ።
ብተወሳኺ፡ መስራቲት ናይቲ ንዝምድና ስነህንጻ፡ መንነትን ዓሌትን ዝድህስስ፡ “ኢንስቲቱዩት መጻኢ ኣፍሪቃ” ዝተባህለ ኣብ ጋና ዝተመስረተ ትካል እያ።
ጽንዓት ማለት ንነዊሕ ጕዕዞ ኣብቲ መስመርካ ናይ ምጽናሕ ብቕዓት እዩ - ዋላ ኣብ ቅድሚ ሸለል እትበሃሎ ወይ ግዳሰ ዘይትረኽበሉ ኵነታት። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ካብ ተቓውሞ ንላዕሊ ክትጻወሮ ዝኸበደ እዩ።
ለስሊ ለኮ
ጆኣን ቸሊሞ ሜሊ, ኬንያ/ሮማንያ
ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጐያዪት
ኣብ ኬንያ ዝተወልደት ሮማንያዊት ኦሎምፒያዊት ጆኣን ቸሊሞ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ተዓዋቲት ብሩር መዳልያ ብምዃን ናብ ፖድዮም ደዪባ።
ካብ ስፖርታዊ ህይወታ ወጻኢ፡ ጾታ ትዅረት ካብ ዝገበረ ዓመጽ ዝደሓነትን ካብ ተመኵሮኣ ነቒላ ኣትለታት ዘጋጥመን ሓደጋታት ኣቓልቦ ክረክብን ትጽዕር።
ንሳ ምስ ካልኣይታ ብምዃን፡ “Tirop’s Angels” ዝብል ኣንጻር ኣብ ጾታ ዘተኰረ ዓመጽ ዝጣበቕ ትካል ኣብ 2021 መስረታ። እዚ ናይ ኬንያውያን ኣትለታት ትካል’ዚ፡ መወዳድርተን ዝነበረት ኦሎምፕያዊት ኣግነስ ቲሮፕ ድሕሪ ምቕታላ ዝተመስረተ እዩ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ኦሎፕያዊት ኣትለት ረበካ ቸፕቴጌይ ብመጻምድታ ነበረ ድሕሪ ምቕታላ ድማ፡ ኣብ ኬንያ ኣንጻር ቅትለት ደቀንስትዮ ስጕምቲ ክውሰድ ዝቐረበ ጻውዒት ዳግማይ ተበራቢሩ።
“ሓቀኛ ለውጢ ዝጅምር፡ ቃንዛና መወዳእታ ናይ ዛንታና ዘይኰነስ መጀመርታ ናይ ካልእ ዝዓበየ ምዃኑ ምስ ንውስን እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ።”
ጆኣን ቸሊሞ ሜሊ
ኢናስ ኣልጎል, ግዝኣታት ፍልስጤም
መሃንድስ ሕርሻ
ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ቓዛ ማይ ምስ ሰኣነት፡ ኤናስ ኣልጎል ፍታሕ ክትረክብ ከም ዘለዋ ተሰሚዕዋ።
እታ መሃንድስ ሕርሻ፡ ከም ዕንጨይቲ፡ ብርጭቆን ተርፖሊንን ዝኣመሰሉ ዳግማይ ዝተጠቕሙ ንብረታት ተጠቒማ፡ ንማይ ባሕሪ ናብ ዝስተ ማይ ክቕይር ዝኽእል ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ መጽረዪ ጨው ፈጢራ።
ካብ ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ትካላት ማይን ጽሬትን ብመጥቃዕቲ ሰራዊት እስራኤል ስለዝተሃስየ ወይ ስለዝዓነወ፡ እዚ መሳርሒ ንብዙሓት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቓዛ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ካን ዩኒስ ኣብ ቴንዳታት ንዝነብሩ ኣብ ህይወቶም ሓጋዚ ኮይኑ ኣሎ።
ክእለታ ተጠቒማ ንዝተመዛበሉ ፍልስጤማውያን ክትሕግዝ ዝቘረጸት ኣል-ጎል፡ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ መብሰሊ መግቢ እውን ፈጢራ፡ ከም ፍራሽን ቦርሳን ዝኣመሰሉ ንብረታት ዳግማይ ምጥቃም ተማሂራ።
ማርያ ተረዛ ሆርታ, ፖርቹጋል
ገጣሚት
ጸሓፊትን ጋዜጠኛን ማርያ ተረዛ፡ ኣብ ፖርቱጋል፡ ሓንቲ ካብ ፍሉጣት ደጋፊት መሰል ደቀንስትዮን ደራሲት ናይ ብዙሓት መጻሕፍትን እያ። ብዝያዳ ድማ በታ ምስ ካልኣይታ ኰይና ዝደረሰታ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸበት “Novas Cartas Portuguesas” (ሓድሽ ደብዳበታት ፖርቱጋል) ዝተሰምየት መጽሓፋ ትፍለጥ።
እቲ ናይ ልብ-ወለድ፡ ግጥምን ኤሮሳውን እኩብ ስርሓታ፡ ኣብ 1972፡ በቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ፖርቱካል ምልካዊ መንግስቲ ብቕልጡፍ ከም ዝእገድ ኰነ። ሆርታን መሳርሕታን ድማ ብጽያፍን “ንናጽነት ፕረስ ብግቡእ ብዘይምጥቃም” ዝብልን ኣብ ፍርዲ ቀረባ።
እቲ፡ “ጉዳይ ሰለስተ ማርያታት” ተባሂሉ ዝፍለጥ ዛዕባ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣርእስተ-ዜና ናይ ሓያሎ መራኸቢ ብዙሓን ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ተቓውሞታት ኣስዒቡ።
መስርሕ ፍርዳ፡ ሰውራ ካርነሽን ነቲ ስርዓት ድሕሪ ምዕላዉ እዩ ብ1972 ተዛዚሙ። ሎሚ ዓመት ድማ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ዘካየደቶ ታሪኻዊ ፍጻመ እዩ።
ሺልሺላ ኣቻርያ, ኔፓል
ፈጣሪት ስራሕ
ሺልሺያ ኣቻርያ ኣብ ኔፖል ንሓደ ካብ ዝዓበዩ ፕላስቲክ ዝምስርሑ ትካል ኣካያዲት እያ። እቲ ኣቭኒ ቨንቸርስ ዝበሃል ናይ ጎሓፍ ምሕደራ ትካላ፡ ካብ ዝተገለሉ ማሕበረሰባት ዝመጽኡ ሰራሕተኛታት ዝቘጽር ኰይኑ፡ ኣብቲ ሓምላይ ጽላት ዝያዳ ደቀንስትዮ ክሳተፋ ይገብር።
ኣቻርያ ኣብቲ ኣብ 2014 ዝተኻየደ፡ “ኣይፋልካን የቐንየለይ፣ ሳንጣይ ባዕለይ እየ ዝጸሮ፡” ዝተሰምየ ወፍሪ፡ መሪሕ ግደ ተጻዊታ፣ ናይ ፕላስቲክ ሳንጣታት ድማ ካብ ዕዳጋ ከም ዝእገድ ኰይኑ።
እዛ ናይ ኵነታት-ኣየርን ጎሓፍን መምህር፡ ብድሕሪ እቲ ዓመታዊ ኣብ ሂማልያ በጻሖ ዝገደፉዎ ጎሓፍ ናይ ምእካብ ንጥፈታት ኣላ። ካብ 2019 ኣትሒዙ 119 ቶን ጎሓፍ ተኣኪቡ።
ብመንገዲ ትካላ ድማ ገለ ካብቲ ጎሓፍ’ቲ፡ ብደቀባት ኢደ-ጥበበኛታት ደቀንስትዮ ዳግማይ ተመስሪሑ ሳንጣ፡ መንጸፍን ስልማታትን ብምስራሕ ንመነባብሮአን ደገፍ ኰይኑወን እዩ።
ሱዛን ኮሊንስ, ኣመሪካ
ሰናተር
ኣብዚ እዋን’ዚ ንሓምሻይ ግዜኣ ንክፍለ ግዝኣት ሜይን ወኪላ እትሰርሕ ዘላ ሱዛን ኮሊንስ፡ ኣብ ሰኔት ኣመሪካ ዝነውሐ ግዜ ዝጸንሐት ሪፓብሊካዊት ጓል ኣንስተይቲ እያ።
ፍሉይ ዝኾነ ሕጊ ንምትእትታው ብቐጻሊ ሰሪሓ። ንሳ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ምስ ምቁራጽ-ጽግያን ጥዕና ደቂኣንስትዮን ብዝተሓሓዝ ንመጽናዕቲ ጽግያት፡ ሕክምናን ንቕሓት ህዝብን 275 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ዝገብር ሕጊ ንምትእትታው ካብ መንጎ ዝጸዓሩ ሽዱሽተ ሰነተራት ሓንቲ እያ።
ኮሊንስ፡ ንሕማም ኣልዛይመር ንምክልኻልን ንምፍዋስን ዝሕግዝ ሃገራዊ ውጥን ዘወሃህድ ሃገራዊ ፕሮጀክት ኣልዛይመር’ውን ጽሒፋ። ክሳብ 2035 ነዚ ፕሮጀክት ዝኸውን ምወላ ንምርግጋጽ'ውን ጽዒራ። እዚ ምወላ 'ዳውን ሲንድሮም' ንዘለዎም ውልቀሰባት ሓዊሱ ትሑት ኣገልግሎት ዝረኽቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ገይራ።
ሻህርኑሽ ፓርሲፑር, ኢራን/ኣሜሪካ
ጸሓፊትን ተርጓሚትን
ሓንቲ ካብተን ፍሉጣት ጸሓፍቲ ልብ-ወለድ ኢራን ዝዀነት ሻህርኑሽ ፓርሲፑር ኣብ ስርሓ ከም ጾታዊ ጭቆና ደቂ ኣንስትዮን ናዕብን ኣብ ኣባታዊ ሕብረተሰብ ዝኣመሰሉ ክልኩላት ጉዳያት ኣልዒላ’ያ።
ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥንን ሬድዮን ኢራን ከም ጸሓፊት ልቢ ወለድን ኣፍራዪትን ኰይና እያ ጀሚራ፤ ቅድሚ ሰውራ 1979 ክልተ ደለይቲ ፍትሒ ገጠምቲ ብምቕታሎም ግን ካብ ስልጣና ወሪዳ። እዚ ድማ ንፈለማ እዋን ማእሰርቲ ኣስዒቡላ።
ድሕሪ ሰውራ ስርሓ ኣብ ኢራን ብሰፊሑ ተኣጊዱ፤ ፓርሲፑር ድማ ኣብታ ደቂ ኣንስትዮ ዘይብለን ደቂ ተባዕትዮ እትብል ልብ-ወለዳ ኣብ ዙርያ ድንግልና ንዝርከቡ ጉዳያት ብግልጺ ብምጥቃስ መሊሳ ተኣሲራ። እዚ ድሒሩ ካብ ኢራን ወጻኢ ናብ ፊቸር ፊልም ተቐይሩ።
ፓርሲፑር ኣብ ጽሑፋታ ናይ ማእሰርቲ ተመኩሮኣ ኣዘንትያ፤ ካብ 1994 ጀሚራ ድማ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ስደት ትነብር ኣላ።
ዚይንግ (ታንያ) ዘንግ, ቺለ
ተጻዋቲት ሰደቓ ቴኒስ (ቴብል ቴኒስ)
ቻይናዊት-ቺሊያዊት ተጻዋቲት ቴኒስ ጠረቤዛ ዚይንግ ዘንግ (ታንያ) ኣብ 58 ዓመት ዕድሚኣ ንፈለማ እዋን ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ጸወታታት ፓሪስ ኣብ ኦሎምፒክ ተሳቲፋ።
እዚ ከምዝኸውን ነዊሕ ግዜ ትጽቢት ነይሩ: ኣዲኣ ከም ኣሰልጣኒታ ኰይና ገና ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ (ጓል 12 ዓመት እንከላ) እያ ፕሮፌሽናል ኰይና። ናብ ሃገራዊት ጋንታ ቻይና ክትጽንበር ሓሊፋ ነይራ፡ ድሒራ ግን ናብ ቺሊ ግዒዛ። ኣብኡ ድማ ን30 ዓመታት ነቲ ስፖርት ገዲፋ ኣብ ንግዲ ከተተኩር ጀሚራ።
ለበዳ ኮቪድ-19 ምስ ጀመረ ታንያ ዘንግ ናብ ቴኒስ ጠረቤዛ ተመሊሳ።
ኣብ 2023 ኣብ ቺሊ ኣብዚ ስፖርት ዝለዓለ ደረጃ ዝሓዘት ጓል ኣንስተይቲ ኰይና። ንሃገራ ወኪላ ኣብ ሻምፕዮን ደቡብ ኣመሪካን ጸወታታት ፓን ኣመሪካን ተሳቲፋ። ብድሕሪኡ ድማ መጻረዪ ኦሎምፒክ ብምምላእ “ናይ ዕድመ ምሉእ ሕልማ” ኣግሂዳ።
ዩጂንያ ቦነቲ, ኢጣልያ
መነኮስ
ሲስተር ዩጀንያ ቦኔቲ ልዕሊ 100 መዕቆቢታት ኣብ ምምሕዳር ትነጥፍ። ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ምዝመዛን ደቂ ሰባት ዝኾና ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ንምድጋፍ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ መርበብ መነኮሳት ብምምስራት ሓጊዛ።
ኣብ ሮማ ኣብ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ተዋፊረን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ክትሕግዝ ብዙሕ ለይትታት ብጻዕሪ ኣሕሊፋ። ፕረዚደንት ናይቲ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንቕሓት ዘዕቢ ትካል 'ባሮት ኖ ሞር' እውን ኮይና።
ቦኔቲ ንልዕሊ 24 ዓመታት ኣብ ኬንያ ሚስዮናዊ ኮይና ሰሪሓ፤ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝርከቡ ሰበስልጣን ከኣ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ስልጠናታት ኣብ ምሃብ ሓጊዛ።
ቅድሚ ጡረታ ምውጽኣ ድማ ካቶሊካውያን ወሳኒ ዓመታዊ በዓል ዓርቢ ስቕለት ኣብ ኮሎስየም [ሮም ዝርከብ መአከቢ - ኣምፊ ትያትር] ዘኽብሩሉ ስርዓት - 'መገዲ መስቀል 2019' - ክትጽሕፍ ብጳጳስ ፍራንሲስ ተሓቲታ።
ኤላሃ ሶሩር, ኣፍጋኒስታን
ደራፊትን ኣወሃሃዲት ሙዚቃን
ኣብቲ ድምጺ ደቀንስትዮ ኣፍጋናውያን ኣብ ህዝቢ ከይስማዕ ተዓፊንሉ ዝነበረ እዋን፡ ድምጻዊት ኤላሃ፡ ነቲ መጽቀጥቲ ንምግጣም “እንጌራ፡ ስራሕ፡ ሓርነት” ዝብል መዝሙር ብምጽሓፍ፡ ናይ ኣጆና መልእኽቲ ሰዲዳ።
እቲ መዚቃ፡ ኣብቲ ኣብ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ብዓይነቱ ፍሉይ፡ ናይ መላእ ደቀንስትዮ ኣፍጋናውያን ዋዕላ ንመጀመርታ ግዜኡ ተደሪፉ።
እዛ ኣብ ዕዮ ፊልም፡ ትያትርን ሙዚቃን እትነጥፍ፡ ዝተፈላለዩ ስልማታት ዝተጐናጸፈት ስነጥበበኛ፡ ኵሉ መድረኻታ መሰል ደቀንስትዮ ንምጥባቕ እያ እትጥቀመሉ።
ካብ ብሄር ሃዛራ ዝዀነት ኤላሃ ሶሩር፡ ኣብ 2009 ኣብ ዝተኻየደ፡ “ኮዀብ ኣፍጋን” ዝተሰምየ ህቡብ ናይ ተውህቦ ውድድር እያ ተቐልቂላ። እንተዀነ፡ ብዓውዲ ሙዚቃ ብምምጽኣ ዓማጺ ግብረ-መልሲ ብምርካባ፡ ኣብ 2010 ናብ ስደት ኣምሪሓ።
ቪነሽ ፎጋት, ህንዲ
ተቓላሲት
ቪነሽ ፎጋት፡ ሰለስተ ግዜ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ዝተሳተፈት ኰይና ሓንቲ ካብቶም ኣብ ህንዲ ኣዝዮም ዕውታት ተቓለስቲ እያ። ኣብ ሻምፕዮን ዓለም፡ ኮመንዌልዝን ጸወታታት ኤስያን መዳልያታት ረኺባ። ኣብ ስፖርት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ንዝበጽሕ ጾታዊ መድልዎታት ክትነቅፍ ጸኒሓ’ያ።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ህንዲ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ተቓላሲት ኰይና ናብ ፍጻመ ኦሎምፒክ በጺሓ’ኳ እንተነበረት፡ ሚዛን ብዘይ ምምላኣ ግን ካብቲ ውድድር ተኣልያ። ድሒራ ካብ ስፖርት ጡረታ ወጺኣ ናብ ፖለቲካ ተጸንቢራ።
ፎጋት፡ ብዛዕባ ጾታዊ ጽልዋታት ብግልጺ እያ ትዛረብ። ኣንጻር እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ስፖርተኛታት ጾታዊ ትንኮሳ ፈጺሙ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ሓላፊ ፈደረሽን ብሪጅ ቡሻን ሲንግ ህንዳውያን ተቓለስቲ ንኣዋርሕ ዘካየድዎ ተቓውሞ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ - ብሪጅ ቡሻን ሲንግ ግን ነዚ ክሲ እዚ ነጺግዎ’ዩ።
ፖሊስ ኣብ እዋን ሰልፊ ንፎጋትን ካልኦትን ኣብ ቀይዲ ምስ ኣእተወ፡ እቲ ተቓውሞ ኣርእስታት ዜና ኰይኑ ነይሩ።
ጽንዓት ማለት ድሕሪ ኣብ ስራሕ ዘጋጥም ሕማቕ ተጓንፎ፡ ንነብስኻ ክተነቓቕሕን ክብሪ ክትህብን ምኽኣል እዩ።
ቪነሽ ፎጋት
ሓሚዳ ኣማን, ኣፍጋኒስታን
ናይ ሜድያን ትምህርትን ፈጣሪት ስራሕ
ሓሚዳ፡ ኣብቲ ደቀንስትዮ ኣፍጋኒስታን ካልኣይ ደረጃ ከይመሃራ ብጣሊባን ተኣጊደናሉ ዝነበራ እዋን፡ “በጉም ኣካዳሚ” ዝተሰምየ ብኢንተርነት ስልጠናታት ዝህብ ‘ማልቲመድያ’ ብምኽፋት፡ ነተን ትምህርቲ ተሓሪመን ዝነበራ ደቀንስትዮ ብናጻ ከም ዝመሃራ ገይራ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ “በጉም ኣካዳሚ” ኣብ ዳሪን ፓሽቶን፡ ካብ ሻውዓይ ክሳብ 12 ክፍሊ ንዘሎ ክፍልታት ዝሽፍን ልዕሊ 8,500 ቪድዮታት ሰሪሑ።
ኣብ መጋቢት ድማ በጉም ቲቪ ንፈነወ ብምብቃዕ፡ ብመገዲ ሳትላይት ትምህርቲ ክህብ ጀሚሩ።
ጣሊባን ኣብ 2021 ስልጣን ምስ ሓዘ ድማ ብደቀንስትዮ ንደቀንስትዮ ዝዀነ መደበር ራድዮ ስዒቡ።
ራየ, ዓባይ ብሪጣንያ
ደራፊት
ደራፊትን ደራሲትን ሬይ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ብሪት ታሪኽ ሰሪሓ፡ ካብቶም ዝተሓጽየቶም 7 ሽልማታት ሽዱሽተ ብምዕዋት፡ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ብሉጽቲ ደራሲት ደርፊ ናይዚ ዓመት ኰይና።
ኣብ 2021፡ ራይ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣልቡም ንምዝርጋሕ ምስ ትካል ፖሊዶር ን7 ዓመታት ኣብ ቁርቍስ ከምዝነበረት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣካፊላ ነይራ።
ኣብ 2023 ከም ናጻ ስነጥበባዊት ናይ መጀመርታ ናይ ስቱድዮ ኣልበማ ማይ 21 ክፍለ ዘመን ብሉዝ ኣቕሪባ፤ ዓወት ኣመዝጊባ።
ኣብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ይዅን ኣብ ደገ ዘጋጠማ ቃልሲ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ምጥቃም ሓሽሽን ዲስሞርፊያ ኣካላትን ብግልጺ ተዛሪባ፡ ንደረፍቲ ድማ ርትዓዊ ክፍሊት ክወሃቦም ጸዊዓ።
ዛኒይሰያዛት ቱርጋንቤቫ, ኪርጊስታን
ኣካያዲት ስራሕ ሃገራዊ ቤተ መዘክር
ምዕቃብን ምሕዳስን ባህላዊ ቅርስታት ኪርጊስታን ንዛኒልሲንዛት ቱርጋንባኤቫ ቀዳምነት ዝወሃቦ ስራሕ’ዩ።
ኣብ ቢሽከክ ፍሉይ ሃገራዊ ቅርስታት ዝሓዘን ብብዝሒ በጻሕቲ ዝስሕብን ቤተ መዘክር ኤትኖሎጂ ትመርሕ።
ሓደ ክፋል ናይቲ ገባሪ ሰናይ ስራሓ ምዕቃብ ስነ-ጽሑፍ ኪርጊዝያን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ እታ ዛንታ ናይ ሓደ ን40 ቀቢላታት ዞባ ኪርጊዝያን ከም ዘጠቓለለ ዝንገረላ ተዋጋኢ እትነግር ቅኔ ማናስ ዝሓወሰ’ዩ።
ሓደ ቅዳሕ ናይቲ ኣብ ዩኔስኮ ዝተዘርዘረ ሓወልታዊ ግጥሚ ኣስታት 500,000 መስመራት ጥቕስታት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ቅኔ ተባሂሉ ይግለጽ (ካብ ናይ ሆመር ዘ ኦዲሲ ብዕስራ ዕጽፊ ዝነውሐ)። ስራሕ ቱርጋንባኤቫ ነዚ ናይ ኪርጊዝ ክላሲክ ዝነግሩ ኣዘናጋዕቲ ‘ማናስቺ’ ዕድላትን ጸጋታትን ይፈጥር።
ሱ ሚን, ቻይና
ብመኪና ተጓዓዚትን ጸላዊትን
ሱ ሚን ኣብ 50 ዓመት ዕድሚኣን ካብ ግህሰት ዝመልኦ ሓዳር ዘምለጠትን ኰይና፡ መኪናኣ፡ ቴንዳኣን ጥሮታኣን ጥራሕ ሒዛ እያ ኣብ ዙርያ ቻይና ንበይና ንናይ ጽርግያ ጕዕዞ ዝተበገሰት።
ኣብ 2020 መኪና ምዝዋር ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ኣብ ልዕሊ 20 ኣውራጃታት ኣብ ዝርከባ ልዕሊ 100 ከተማታት በጺሓ።
ንዅሉ ጕዕዞኣ ሰኒዳቶ ኣላ፣ ታሪኻ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ውዕዉዕ ዘተ ቀስቂሱ ይርከብ። ምኽንያቱ፡ ንኻልኦት ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከባ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ሕብረተሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ‘ኣንቲ’ ተባሂለን ዝጽውዓ፡ ኣንጻር እቲ ዝነበረ ኵነታት ክኸዳ ብምትብባዕ ኣነቓቒሓ።
ሕጂ ኣብ መላእ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሽዱሽተ ሚልዮን ተኸታተልቲ ኣለዉዋ። ህይወታ ብፊልም ተሰሪሑ ድማ ኣብዚ ዓመት ናብ ተዓዘብቲ ተዘርጊሑ።
ያስሚን ምጃሊ, ግዝኣታት ፍልስጤም
በዓልቲ ሞያ ንድፊ
ፋሽን ዲዛይነር ያስሚን ምጃሊ ዝሰርሖ ፍጥረት ካብ ህይወትን ልምድን ፍልስጤማውያን ዝተበገሰ’ዩ።
ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ድሕሪ ምዕባያ፡ ኣብቲ ዝተወረረ ዌስትባንክ ናብ እትርከብ ራማላ ብምግዓዝ፡ ኣብ 2020 'ኖል ኮሌክቲቭ' ብዝብል ምልክት ንግዲ ዝፍለጥ ትካል ጀሚራ።
ፋሽን ትካላ ምስ ብስድራቤት ዝመሓደሩ ትካላት ስፌት፡ ተፈጥሮኣዊ ቀለም ዝህቡ ድኳናት ቀመማት ውሽጢ ዓዲ፡ ከምኡ’ውን ብሓባር ክዳውንቲ ንምፍራይ ዝሕግዙ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ ይሰርሕ። እቶም ሰፈይቲ፡ ጥልፊን ቀረጽን ባህላዊ ሜላታት ይጥቀሙ፡ ፍልስጤማውያን ጨርቂ ምፍጣር ዝብል ሞያ ክብሪ ይህቡ።
ምጃሊ ክዳውንታ ተጠቒማ ብዛዕባ ፍልስጤማውያን ዛንታታት ክትነግር ጸኒሓ እያ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ብደረጃ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ኣብ ጎደናታት ዝፍጸም ምግፋዕ፡ ኣብ ጃኬትን ቲሸርትን (ህጻንካ ኣይኮነን) ዝብል ሓረግ ቀቢኣቶ እያ።
ሄንዲ ሳብሪ, ቱኒዝያ
ተዋሳኢት
ተዋሳኢት ሄንድ ሳብሪ ኣብ ሲነማ ዓረብ ካብ ዘለዋ ፍሉጣት ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ እያ። ኣብታ ፌሚኒስት ፊልም ዘ ሳይለንስ ኦፍ ዘ ፓላስ (1994) ዝነበራ ታራ፡ ኣብ ቱኒዝያ ንደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ጾታዊን ማሕበራውን ምዝመዛ ዳህሲሳ።
ኣብ 2019 ቬኒስ ፈስቲቫል ፊልም እታ ቀዳመይቲ ተወላዲት ዓረብ ከም ዳኛ ኮይና ኣብቲ ፌስቲቫል ዝሰርሓት ክትከውን ክኢላ።
ኣብ 2024 ከኣ በታ ‘ኦልፋ ደውተርስ’ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ሄንድ ዝተዋስኣትላ ፊልም ኣብ ኦስካር ክትሕጸ ክኢላ፡ እታ ፊልም’ውን ዝበለጸት ዶኮመንታሪ ኣብ ዝብል ዓወዲ ኦስካር ክትሽለም ክኢላ።
ኣብ ጥቅምቲ ሄንዲ ብገዛእ ፍቃዳ ተቃውሞኣ ንምርኣይ ካብ ናይ ክብሪ ኣምባሳደርነት ሕቡራት ሃገራት ወሪዳ፡ እቲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ቃዛ ጥምየት ከም መሳርሒ ኵናት ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ ብዝብል’ያ።
ብዛዕባ ብህይወት ምንባር ጥራይ ኣይኮነን፤ ብቓልሲ ኣቢልካ ዳግማይ ምህናጽን ዕላማ ምርካብን’ዩ... ቃንዛ ናብ ተግባር ምቕያር።
ሄንዲ ሳብሪ
ሻሮን ስቶን, ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
ተዋሳኢት
ኮኾብ ሆሊዉድ ሻሮን ስቶን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስክሪን ይኹን ካብ ስክሪን ወጻኢ ምልክት ጌራ እያ።
እታ ተዋሳኢት ኣብ መጀመርታ 1990ታት ብፍሉጥ ፊልም ቤሲክ ኢንስቲንክት ዝና ረኺባ፡ ኣብ ከም ቶታል ሪኮልን ካዚኖን ዝኣመሰላ ብሉጻት ፊልምታት ተዋሲኣ፡ በዚ ድማ ወርቃዊ ሽልማት ተዓዊታ ንሽልማት ኦስካር ተሓጽያ።
ስቶን ጎኒ ጎኒ እቲ ፍርያም ናይ ተዋስኦ ሞያኣ ንብዙሕ ዕላማታት ዝድግፍ ናይ ግብረ ሰናይ ስራሕ ኣካይዳ እያ፡ ንኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ንምድጋፍ ብዝገበረቶ ንጥፈታት ድማ ብተዓወቲ ኖቤል ብሽልማት ዋዕላ ሰላም ኣፍልጦ ረኺባ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ዓወታታ ብዝያዳ ብናይ መጀመርታ ሽልማት ዓለምለኻዊ ምልክት ወርቃዊት ምድሪ ተጸንቢሩ።
ቃንዛ ክንመርጽ ንኽእል ኢና ወይ ድማ ሓጎስ ክንመርጽ ንኽእል። ሓጎስ ምምራጽ ጥራይ ክንቕጽል ዘለና ይመስለኒ... ብመስኮት ክተማዕዱን ናብቲ ሰማይ ክትጥምትን ክትመርጽ ኣለካ።
ሻሮን ስቶን
ትሬሲ ኤሚን, ዓባይ ብሪጣንያ
ኣርቲስት
ትሬሲ ኤሚን ኣብ 1990ታት ሰባት ብዛዕባ ጾታዊ ተመኩሮታቶም ከስተንትኑ ዝዕድም ከም ‘ማይ ቤድ’ (ዓራተይ) ‘ዘ ቴንት’ (እቲ ቴንዳ) ዝኣመሰሉ ቀስቀስቲ ስራሓት ብምቕራባ ተፈላጥነት ክትረክብ ከኣለት።
ካብ ሽዑ ጀሚራ ኣብ ዓለም ስነ-ጥበብ ብቕጽበት ክትፍለጥ ከኣለት፣ እዚ ኸኣ ብቅዲ ኑዛዜኣን ናይ ባዕላ ታሪኽ ብምቕራባን'ዩ።
‘ማይ ቤድ’ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ለንደን ንምርኢት ካብ እትቐርብ ድሮ 25 ዓመት ኰይኑ’ሎ። ሽዑ ኣብ ሚድያ እቲ ዛዕባ ሓያል ክትዕ ከም ዘልዓለ ዝዝከር’ዩ። ኣብ ሓደ እዋን ከም መበላሻዊት ስነ-ጥበብ ዉላድ ዓባይ ብሪጣንያ ዘጸውዓ ስም ኤሚን ሎሚ ዓመት ኣብ ስእላዊ ስነ-ጥበብ ብዝገበረቶ ኣበርክቶ ብንጉስ ቻርለስ ‘ዴም’ (dame) ዝብል መዓርግ ተዋሂቡዋ ትርከብ።
እዛ ስነ-ጥበባዊት’ዚኣ፡ ትሬሲ ኤሚን ፋውንዴሽን ዝበሃል ንመጻኢ ወለዶ ዝሕብሕብ ትካል፡ ኣብ ማርጌት (ዓባይ ብሪጣንያ) ተኺላ ትርከብ።
‘ኣብዚ ሕጂ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ብምዃንና፡ ብዝተኻእለና መጠን ጽንዓት ዘድልየና ይመስለኒ ... ሕጂ ዝሓየለ ሓድነትን ዝሓየለ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮን ክህሉ ዘለዎ እዋን ይመስለኒ።
ትሬሲ ኤሚን
ሓዲቃ ኪያኒ, ፓኪስታን
ደራፊትን ደራሲት ደርፍን
ሓንቲ ካብተን ፍሉጣት ሙዚቀኛታትን ኣርኣያን ፓኪስታን ዝዀነት ሓዲቃ ኪያኒ፡ በቲ ተቐያያሪ ድምጻን ንሰብኣዊ ዕላማታት ዝገበረቶ ኣበርክቶን ትፍለጥ።
ኣብ 1990ታት ዝና ክትረክብ ከላ፡ ኣብ መድረኽ ምርኢት ፖፕ ሙዚቃ ደቀንስትዮ ደቡብ እስያ ዓቢ ሓይሊ ነበራ፣ ከምኡ’ውን፡ ኣምባሳደር ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ክትከውን በቒዓ።
ኪያኒ ነቲ ኣብ 2022 ኣብ ፓኪስታን ዘጋጠመ ኣዕናዊ ውሕጅ እጃማ ከተበርክት ብምብጋስ፡ ኣብ ዞባታት ባሎቺስታንን ደቡብ ፑንጃብን ንዝርከቡ ግዳያት ንምሕጋዝ ዝዓለመ ፕሮጀክት ቫሲላ-ኢ-ራህ ጀሚራ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ህዝቢ ንዝተመዛበሉ ስድራቤታት ክሕግዝ ብምምሕጻን፡ እቲ ፕሮጀክት ከባቢ 370 ኣባይትን ካልኦት መሳለጥያታትን ንዝተጐድኡ ከም ዝሃነጸ ኣፍሊጡ።
ፑጃ ሻርማ, ህንዲ
ኣካያዲት ስርዓተ-ቐብሪ
ፑጃ ሻርማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ ዝሓተሎም ንዝሰኣኑ መዋትያን፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ዝግበር ስርዓተ-ቐብሪ ከተካዪደሎም ጸኒሓ እያ።
ከምዚ ክትገብር ድርኺት ዝፈጠረላ፡ ሓዋ ድሕሪ ምቕታሉ ስርዓተ-ቐብሩ ክፍጽመሉ ዝኽእል ሰብ ብዘይምምጽኡ ዝጀመረቶ እዩ።
ኣብ ባህሊ ህንዲ፡ ስርዓተ-ቐብሪ ንደቂ-ተባዕትዮ ዝወሃብ ዕማም ብምዃኑ፡ ንሻርማ ካብ ካህናትን መላእ ማሕበረሰብን ተቓውሞ ኣጋጢምዋ።
ሻርማ ዋላ እኳ ሓያል ተጻራሪ መልሰ-ግብሪ እንተ ሰዓባ፡ ካብ ዝተፈላለየ እምነታትን ሃይማኖታትን ንዝመጽኡ ልዕሊ 4000 ሸባት ስነ-ስርዓት ቀብሪ ፈጺማ። ነቲ መስርሕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምክፋል ድማ ዝዀነ ሰብ ድሕሪ ሕልፈቱ ክረኽቦ ዝግብእ ክብሪ ንምሃብ ትቃለስ ኣላ።
ንዮላ ዊያላ ንዋዲ, ጋና
ሙዚቀኛ ኣፍሮ-ፖፕ
ድምጻዊትን ሓዳሚትን ንዮላ ዊያላ ንዋዲ ብናይ መድረኽ ስማ ዊያላ’ያ ትፍለጥ ኮይና፡ ዊያላ ከኣ ብቋንቋ ሲሳላ ትርጉሙ ድማ ‘ፈጻሚት ወይ ተግባሪት’ ማለት እዩ።
ብፋሽንን ፍሉይ ቅዲን ተፈላጥነት ዘለዋ እዛ ስነጥበባዊት፡ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ጋና እትርከብ ዞባኣ፡ ንልምድታት ናይቲ ትነብረላ ዞባ ንምግላጽ፡ ናይ መድረኽ ክዳውንታ ባዕላ’ያ ትነድፍ።
ብዙሓት ግጥምታታ ኣብ ምዝመዛ ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ ብርሃን ዝህቡ እዮም። ዊያላ ንመውስቦ ህጻናት ንምምካት ምስ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ሰበስልጣን ጋናን ብቐረባ ሰሪሓ እያ።
ብተወሳኺ ኣብ ዓዳ ፉንሲ ስራሕን ፈጠራን ንምድንፋዕ ማእከል ስነጥበብ፣ መደበር ሬድዮ ማሕበረሰብን ቤት መግብን ሃኒጻ ኣላ።
ኢና ማጃ, ማሊ
ስነጥበባዊትን ተጣባቂት ክሊማዊ ለውጥን
ተጣባቒት ፍትሒ ክሊማ፡ ሙዚቀኛን ኣፍራዪት ፊልምን ኢና ሞጃ ብዙሕ ብድሆታት እትወስድ ጓል ኣንስተይቲ እያ - ካብ ኣንጻር ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ጎስጓስ ጀሚራ ክሳብ ምኽንሻብ ጠቅሊሉ ደው ዝብል ክትቃለስ ምዃና ኸኣ ትገልጽ።
ኣብታ ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ኣብ 12 ሃገራት ዝዝርጋሕ ብቐጥታ ካብ በረኻ ሰሃራ ንደቡብ ዝርከብ ከባቢ ሳሕል፡ ምስፍሕፋሕ ምድረበሳነት ንምቁጽጻርን ዝባደመ መሬታት ዳግማይ ሓምላይ ኣብ ምግባርን ኣፍሪቃ እትገብሮ ዘላ ዓቢ ሓምላይ ጻዕርታት ዘጉልሕ ዶክመንታሪ ፊልም 'ዘ ግሬት ግሪን ወል' ኣፍሪያን ተዋሲኣን።
ሞጃ ከም ኣምባሳደር ሰናይ ድሌት ናይ ሕቡራት ሃገራት ውዕል ምምካት ምድረበዳነት መጠን፡ ድምጺ ናይቶም ብለውጢ ክሊማ ዝተጸልዉ ማሕበረሰባት ተጉልሕ።
ብተወሳኺ፡ ሓባራዊት መስራቲት ናይቲ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ኮድ ግሪን ኮይና፡ ፈጠራዊ ቴክኖሎጅን ጸወታን ብምውህሃድ ኣወንታዊ ስጉምቲ ዘነቓቕሕ እያ።
ጽንዓት ማለት ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ለውጢ ዘምጽእ ፍታሕ ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ምዕባይ እዩ።
ኢና ማጃ
100 ደቂ ኣንስትዮ እንታይ እዩ?
ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ በብዓመቱ ኣብ መላእ ዓለም 100 ጸለውትን ኣነቓቓሕትን ደቂ ኣንስትዮ ይሮቍሕ። ኣብ ኩሉ መድረኻት ቢቢሲ ዝሕተሙን ዝፍነዉን ንደቂኣንስትዮ ዘማእኽሉ ሰነዳዊ ፊልምታት፡ ጽሑፋት፡ ዜናታትን ቃለ መሕትታትን ከኣ ነዳሉ።
ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኢንስታግራምን ፌስቡክን ተኸታተሉ። #BBC100Women ተጠቂምኩም ኣብቲ መድረኽ ተጸንበሩ።
100 ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ተሓርየን?
ጉጅለ ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ፡ ብመጽናዕቲ ንዝተኣከበ ከምኡ'ውን ብመርበብ ቢቢሲ ዓለማዊ ኣገልግሎት 41 ቋንቋታትን ቢቢሲ ሚድያ ኣክሽንን ንዝቐረበ ጥቆማ መሰረት ብምግባር ዝርዝር ኣዳልዩ።
ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ቀልቢ ማዕከናት ዜና ዝሰሓባ ወይ ብኣገደስቲ ዛንታታት ዝጸለዋ፡ ከምኡ’ውን ዘነቓቕሑ ዛንታታት ዘለወን ወይ ድማ ትርጉም ዘለዎ ነገር ዘዐወታ፤ ግድን ቀልቢ ማዕከናት ዜና እኳ እንተዘይሰሓባ ግን ብዝዀነ መንገዲ ንማሕበረሰብ ዝጸለዋ ሕጹያት ኢና ክንሓርይ ፈቲንና።
ኵሉ ዝርዝር ኣስማት ምስቲ ጽንዓት ዝብል ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ ተገምጊሙ'ሎ። ሎሚ ዓመት ዝተኻየደ ሕርያ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዘለዋ ደቂኣንስትዮ ነተን – ብጽንዓተን – ንለውጥን ብደረጃ ማሕበረሰብ ወይ ዓለማዊ ህይወት ንምምሕያሽን ዝተግሃ ዘለዋ ብምምራጽ ኣፍልጦ ክንህበን ወሲንና። ብተወሳኺ ኣስማት ናይተን ኣብ ዓውዲ ለውጢ ክሊማ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ገምጊምና፣ ካብዚአን ድማ ጉጅለ ቀንዲ ተቓለስቲ ክሊማን ካልኦት ተጣበቕቲ ከባብን ተሓርየን።
ካብ ኵሉ ፖለቲካዊ ጽላትን ካብ ኩሉ መዳያት ሕብረተሰብን ዝመጽኡ ድምጽታት ወኪልና ኢና፤ ከምኡ'ውን ኣብ ዛዕባታት ኣካታዕቲ ዝዀኑ ኣስማት'ውን ዳህሲስና።
እቲ ዝርዝር፡ ቅድሚ ምሕራይ ናይ መወዳእታ ኣስማት ብዞባዊ ውክልናን ግቡእ ዘይሻራዊነትን እውን ተለኪዑ እዩ። ኩለን ደቂ ኣንስትዮ'ውን ኣብቲ ዝርዝር ንኽኣትዋ ፍቓደን ሂበን ኣለዋ።