ኣስመራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

ምብጻሕ ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ ንኤርትራ ትህቦ ዝነበረት ደገፍ ደው ከተብሎ ድሕሪ ምውሳና'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ስዊዘርላንድ፡ እቶም ብዝተፈላለየ መገዲ ናብታ ሃገር ብምእታው ሕቶ ዕቝባ ኣቕሪቦም ዝተነጽጕ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ኤርትራ ክትቅበሎም ፍቓደኛ ብዘይምዃናን እያ "ልምዓታዊ ሓገዝ" ከተቋርጽ ተገዲዳ ዘላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 2024፡ ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ ንምዝርራብ ሓደ ልኡኽ ናብቲ ዞባ ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ ምንባራ ይዝከር።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝበጽሐ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ምስቶም ሰበስልጣን ኣብ ዘካየዶ ርክብ ግን ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምዝርራቡ ኣይጠቐሰን።

"ብዛዕባ ዞባዊ ምዕባለታት ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ርእይቶታት ምልውዋጠይ ክብሪ ይስማዓኒ። ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓንዲ ምርግጋእ ኮይና ኣላ" ይብል እቲ ዲፕሎማት።

ብወገን ኤርትራ ግን ብዛዕባ ምብጻሕ ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ ይኹን ምስ ሰብመዚ እታ ሃገር ዝገበሮ ርክባት ዝተባህለ የለን።

ኣምባሳደር ኣስቴር ምስ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ከምዝተራኸበ'ውን ሓቢሩ'ሎ።

"እቲ ክፉትን ዓሚቚን ልዝብ፡ ብዛዕባ ዞባዊ ብድሆታት ሓሳብ ክንለዋወጥ ኣፍቂዱልና"።

"ብዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣን ናጻ ፖሊሲን፡ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይና ኣላ" ክብል ጽሒፉ።

ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክሓላልኾ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ 2024 ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ስደተኛታት ክርስቲን ሽራነር በርገነር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኤርትራ ንዝተነጽጉ ዜጋታታ ንምቕባል ድልውነት እንተኣርእያ ጥራይ'ዩ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝርርብ ክግበር ዝኽእል ኢላ ነይራ።

እቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝርከብ ስዊዘርላንዳዊ ዲፕሎማት ምስ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ገለ ወከልቲ ሃገራት ወጻኢ ከምዝተራኸበ'ውን ሓቢሩ'ሎ።

ሓደ ካብቲ ምስ ሰበስልጣን እቲ ዞባ ዝተዘራረበሉ ጉዳይ ግጭት ሱዳን ምዃኑ'ውን ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ጠቒሱ።