ትማሊ ሰሉስ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበትሉ ድማ፣ ነብሰይ ክከላኸል ደኣ‘ምበር ክቐትሎም ኢለ ኣይሓሰብኩን ወይ ኣይተበገስኩን ብምባል ብመንገዲ ጠበቓኣ ሞጊታ።
ኣኽባር ሕጊ ብወገኑ፣ ካራ ካብ ሳንጣኣ ምስ ኣውጽአት እቶም ኣቦ ንድሕሪት እኳ እንተሰሓቡ፣ ደድሕሪኦም ስዒባ ደጋጊማ ኣብ ኣፍ–ልቦም ደጋጊማ ክትወግኦም ዘርኢ፣ ናይ ሓለዋ ካሜራታት ‘ቲ መዓርፎ ባቡር ዝቐረጾ ቪድዮ ከም መርትዖ ብምቕራብ፣ እቲ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ካብ ርእሰ ምክልኻል ዝሓለፈ‘ዩ ክብል‘ዩ ተጣቢቑ።
እንተኾነ፣ ቀሪቡላ ዘሎ ክሲ ናይ ቅትለት ገበን ዘይኮነ፣ ዘይተሓስበ ሞት ዘስዓበ ጎነጽ‘ዩ ዝብል።
ንሳ፣ ነቶም ኣቦ ምስ ቀተለት፣ ተሰዊራ እኳ እንተነበረት፣ ድሒራ ኣብ ላንድስቱል ናብ ዝርከብ ፖሊስ ባዕላ ኢዳ ሂባ።
ዝቐረበላ ክሲ ‘ናይ ቅትለት ገበን‘ ኣይኮነን ዝብል ውሳኔ ስለዝተዋህቦ፣ ኣብዚ እዋን‘ዚ ካብ ማእሰርቲ ናጻ ተባሂላ፣ ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳያ ካብ ደገ ክትከታተል ተፈቒዱላ ኣሎ።