ኣገልግሎት ፕረስ ኣዘርባዣን ዝተባህለ ካልእ መርበብ ዜና ብወገኑ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ዝኾኑ ኣባላት እተን መራኽብ ከምዝተፈትሑ ይገልጽ።
"ድሕሪ ነዊሕ ልዝብ፡ ካብ 7 ሕዳር 2024 ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝጸንሑ 18 ዜጋታት ኣዘርባዣን ተለቒቖም ኣለዉ"።
ፕረዚደንት እታ ሃገር ፕረዚደንት ኢለሃም ኣሊየቭ "ብዝሃቦ መምርሒ" ከምዝተፈትሑ'ውን እቶም ማዕከናት ዜና ጠቒሶም።
እቶም ጸብጻባት ብዛዕባ ኩነታት እተን መራኽብ ይኹን እቶም ዝተረፉ ካልእ ዜግነት ዘለዎም ኣባላተን ግን ዝሃብዎም ዝኾነ ሓበሬታ የለን።
ቱርኪ ኣብ ምፍታሕ እቶም ባሕረኛታት ግደ ከምዝነበራ'ውን ንሰብመዚ ኣዘርባዣን ብምጥቃስ ገሊጾም።
"ኤምባሲ ቱርኪ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ንዝገበሮ ቀጥታዊ ደገፍ ዘለና ዓሚቚ ምስጋና ንገልጽ" ይብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባዣን።
ወናኒ እተን መራኽብ ከምዝብሎ፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር'የን "ብሰንኪ ዘጋጠመን ሕማቕ ኵነታት ኣየር ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ" ድሕሪ ምእታወን ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ተታሒዘን።
እተን ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢለን ናብ ኢማራት ዓረብ የምርሓ ነይረን ዝተባህላ መራኽብ ብዘይተነጸረ ኵነታት ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ ምእታወን ይዅን ንኽንድ'ዚ ዝኣክል ግዜ ኣብ ቀይዲ ምጽንሐን ብዙሕ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ኣሎ።
ኣዘርባዣን ነተን መራኽብ ንምፍታሕ ንልዕሊ ኣርባዕተ ወርሒ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከተካይድ ጸኒሓ'ያ።
ምስ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝርከበአን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ይዅን ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለዋ ወተሃደራውን ጸጥታውን ርክብ ኣብ ግምት ብምእታው ኩነታት ናይተን መራኽብ ዝተፈላለየ ጥርጣረታት ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እንተኾነ ግን ብወገን ኤርትራ፡ ብዛዕባ እተን መራኽብ ዝተዋህበ ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ስድራቤት እቶም ዜግነት ኣዘርባዣን ዘለዎም ባሕረኛታት ብዛዕባ ሃለዋቶም ንምፍላጥን ንምፍትሖምን ጻውዒታትን ተቓውሞታትን ከካይዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።