ግብጺ ምስጓግ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደው ከተብል ጻውዒት ቀሪቡ

እቲ ትካል ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቅድሚ ሕጂ ልዕሊ 140 ኤርትራውያን ብሓይሊ ካብ ግብጺ ናብ ኤርትራ ከምዝተሰጎጉ ብምግላጽ፡ ሰብመዚ ግብጺ ካብ ትካላት ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክቀርበሎም ንዝጸንሐ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ዕሽሽ ምባሎም ነቒፉ።

ሓደ ኣብ ግብጺ ዝነብር፡ ንኹነታት ኤርትራውያን ብደቂቕ ዝከታተል ውለቀሰብ'ውን፡ እቲ ጸብጻብ ሓቂ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ መደበር ፖሊስ ዓጉዛ፡ መደበር ፖሊስ ዱኢ፡ መደበር ፖሊስ ቡላእ ፥ ሲታ ኦክቶበርን ካልኦት ቦታታን ተኣሲሮም ከምዘለዎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

'ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ' (HRCE)፡ ሰብመዚ ግብጺ ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ግብጺ ብምስጢር ተሓባቢሮም ነዚ ናይ ኤርትራውያን ምእሳርን ምስጓግን የካይድዎ ከምዘለዉ'ዩ ኣብቲ ዘውጽኦ ጸብጻብ ዝጠቅስ።

ግብጺ ፈራሚት ናይቲ ንስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ምስጓግ ዝኽልክል፡ ኣብ 1951 ኣብ ጀኔቫ ዝተበጽሐ ዓለምለኻዊ ውዕል ስደተኛታት፡ ከምኡ'ውን ነቲ ኣብ 1967 ኣብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ንስደተኛታት ዝምልከት ዝተበጽሐ ፕሮቶኮልን ከም ምዃና መጠን ነቲ ተግባር ክትፍጽም ከምዘይግብኣ ድማ የመልክት።

ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተገሰጎጉን ገለ ካብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ናይ ምስጓግ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ዘሎን ኤርትራውያን ኣብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር) ብግቡእ ተመዝጊቦም ሰነዳት ናይ ስደተኛታት ዘለዎም ምዃኖም'ውን ሁማን ራይትስ ኮንሰርን ኤርትራ ይሕብር።

ኣብ 2016 ናብ ግብጺ ዝኣተወ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ግብጺ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ብዘይድሌቱ ናብ ኤርትራ ከምዝተሰጎገን፡ ካልእ ሓንቲ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቆልዓ ኣብ ገዛ ገዲፋ ባኒ ክትገዝእ ኢላ ምስ ወጽአት ተኣሲራ፡ ውላዳ ሓዲጋ ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ከምዝተሰጎገት እቲ ትካል ይጠቅስ ።

ብዘይካ'ዚ፡ ሓደ ወዲ 24 ዓመት፡ ኣብ 2017 ናብ ግብጺ ኣትዩ፡ ኣብ ታሕሳስ 2024 ተገፊፉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣጉዛ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ከምዝሞተን ስድርኡ ብ16 ለካቲት 2025 ከምዝተረድኡን ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ።

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ግብጺ ስደተኛታት ብሓይሊ ምስጓግ ብቕጽበት ደው ከተብሎ፡ ዝፈረመቶ ውዕላት ከተኽብርን ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብህጹጽ ክትፈትሖምን ጸዊዑ ኣሎ።