እቲ ቤት ትምህርቲ ዕድሚኦም ካብ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኖም ስደተኛታት፡ ቋንቋን ሞያን ዝምሃርሉ'ዩ።
ካብ ሞንጎ እቶም በቲ መጥቓዕቲ ዝተቐተሉ ከኣ ጓል 32 ዓመት ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ኤርትራዊት ከምእትርከቦም ፖሊስ ድሒሩ ሓቢሩ ኣሎ።
ካብ 2003 ክሳብ 2010 ኣብታ ከተማ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስርዓተ ትምህርቲ ከተማ ኦረቡሮ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ጠበቓ ሙሴ ኤፍሬም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ካብቶም ግዳያት ሓንቲ ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ዝዀነት ኤርትራዊ ዝመበቆላ ከምዘላ ብወግዒ ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣብ ጋዜጣታት'ውን ወጺኡ ኣሎ፤ ንኹልና እዞም ኣብዚ ዘለና ኤርትራውያን'ውን ነቶም ስድራ ጽንዓት ይሃብኩም ንኽንብሎም ብወግዒ ተሓቲትና ኣለና" ኢሉ።
ሙሴ ብምስዓብ "ክሳብ ሕጂ ጠንቂ እቲ መጥቃዕቲ ኣይተፈለጠን ዘሎ፡ ፖሊስ የጻርዮ ከምዘሎ'ዩ ዝሕብር ዘሎ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ 250 ሰባት መርመራ ኣካይዱ፡ ገና'ውን ይቅጽል ኣሎ" ክብል ኣረዲኡ።
ብዘዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቤት ትምህርቲ ክገልጽ እንከሎ ከኣ "ኣብ ትሕቲ ሓላፍነተይ'ውን ስለዝነበረ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ'ዩ ነይሩ። እቲ ቤት ትምህርቲ 1700 ትርብዒት ሜትሮ'ዩ ስፍሓቱ፤ እቲ ዝበዝሕ ኣብ ናተይ ዕድመ ዝርከብ ተቐማጣይ ናይታ ከተማ ኣብኡ ዝተማሃረ'ዩ። ብድሕሪኡ ግን ናብ ቤት ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ ተቀይሩ ንዝተወሰነ ዓመታት ኣገልጊሉ" ክብል ገሊጹ።
"ንዝሓለፈ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመት ከኣ ናይ ውልቂ ቤት ትምህርቲ ተኻርዮሞ ናይ ሞያን ቋንቋን ቤት ትምህርቲ ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ። ኣቶም ግዳያት ገሊኦም ናይ ቋንቋ ገሊኦም ከኣ ኣለይቲ ሕሙማት ኮይኖም ንኽሰርሑ ዝስልጥኑ ዝነበሩ'ዮም" ኢሉ።
መንቀሊ'ቲ መጥቃዕቲ እንታይ ይኸውን?
ፖሊስ ክሳብ ሕጂ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ ሰብ እንታይ ከምዝደፋፈኦ ኣብ ምጽራይ'ኳ እንተሎ፡ ብዙሕ ሰብ ግን ሕቶታት ኣብ ምልዓል ይርከብ።
"ኩሎም እቶም ዝተቐተሉ መበቖሎም ካብ ካልኦት ሃገራት ስለዝዀነ ብኣጋጣሚ ድዩ ዋላ ደይ መደይ ኢልካ ዝተገበረ'ዩ ንዝብል ክሕተተሉ ዘለዎ ሕቶ ኮይኑ ይስምዓኒ" ይብል ሙሴ።
ብምስዓብ "ኣነ ነታ ከተማ ኣብ 2010'የ ገዲፈያ። ኣብ ስቶኮልም'የ ዝነብር ዘለኹ። እንተኾነ እታ ከተማ ዝዓበኹላ ስለዝዀነት ኣዝዩ ሕማቕ ይስማዓካ። እቲ ካልእ ዝስምዓካ ኸኣ ነቲ ስደተኛ ከም ጠንቂ ኩሉ ዓይነት ጸገማት ገይርካ ምርኣይ ስለዝርአ፡ ነቲ ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ስምዒታት ከእትዎ ግድን'ዩ" ኢሉ።
እታ ኤርትራዊት ጓል 32 ዓመት ኤልሳ ተኽላይ ከም እትብሃልን፡ ነቲ ኣብ ዓዲ ጣልያን ዝነብር ስምረት ተኪኤ ዝተብሃል ብዓል ቤታ ናብ ስዊድን ንምምጻእ ብዓል መዚ ኤምግረሽን ዝጠልቦ ፋይናንሳዊ ኣታዊታት ንምምላእ ኣብ ክልተ ቦታታት ትሰርሕ ምንባራ ኣብታ ሃገር ዓቢ ዝርገሐ ዘለዋ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ምስ ብዓል ቤታ ቃለ መሕተት ብምግባር ኣቓሊሓ።
ኤልሳ ምስ ጥዕናን ክንክንን ኣብ ዝተሓሓዙ ስራሕ እናሰርሐት፡ ነቲ ብተመክሮ ዘጥረየቶ ሞያ፡ ብኽልስ ሓሳብ ተማሂራ፡ ወረቐት ዘለዋ ተሓጋግዚት ሓኪም ኰይና ንኽትሰርሕ ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ቤት ትምህርቲ ትምሃር ምንባራ'ውን ኣብታ ጋዜጣ ሰፊሩ ኣሎ።
ኣብ ሽወደን ኣብ ቤት ትምህርቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም ሳሕቲ ዘጋጠም ኰይኑ፡ ክሳብ ክንድዚ ሰብ ዝሞትሉ ከጋጥም ግን እዚ ናይ ፈለማ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ,Getty Images
ድሕሪ እዚ መጥቃዕቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኡሉፍ ክሪስተርሰን "ኣብ ታሪኽ ስዊድን እቲ ዝኸፈአ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝተፈጸመ ኣልማማዊ መጥቃዕቲ" ኢሉ ምግላጹ'ውን እቲ መጥቃዕቲ ኣብታ ሃገር ክሳብ ክንደይ ሰንባደ ከምዝፈጠረ ዘርእይ'ዩ።
ካብ ህዝቢ ስዊድን ትሕቲ ሓሙሽተ ሚኢታዊት'ዩ ሕጋዊ ብረት ዝውንን፤ እቲ ፍቓድ ዋንነት ብረት ዝወሃብ'ውን መብዛሕትኡ ምስ ሃድን ዝተሓሐዝ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ስቶኮልም ወዲ 15 ዓመት ቆልዓ ብረት ብምትኳስ ንመማህርቱ ከምዘቁሰሎ ይዝከር።
ኣብ 2022'ውን ኣብ ማልሞ ዝተባሃለት ከተማ ሽወደን ሓደ ተማሃራይ ንክልተ መምሃራኑ ብኻራን ብፋስን መጥቓዕቲ ብምፍጻም ከምዝቐተለን ይዝከር።
ኣብ 2015 ከኣ ኣብ ደቡብ ስዊድን ሓደ ሴፍ ዓጢቑ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኣተወ ውልቀ ሰብ ብዓሌታዊ ስምዒታት ተደፋፊኡ ንሓንቲ መምህርን ተማሃራይን ከምዝቐተለ ሰነዳት ይሕብሩ።