ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቤልጂም ሓድሽ ክብረወሰን ብምምዝጋብ ተዓዊቱ

እዚ ውጽኢት እዚ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ውድድር ብዝኾነ ኣፍሪቃዊ ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ውጽኢት'ዩ።

ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ውድድር ፈረንሳዊ ተቀዳዳማይ ጋንታ ኮፊሰድ ኣክሰል ዚንገል ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ ስዊዘርላንዳዊ ተቀዳዳማይ ዩኤኢ ማርክ ሳልሳይ ወጺኡ።

እቲ 190.6 ኪሎሜተር ዝሽፍን ውድድር ሰርኵት ፍራንኮ በልገ ሓደ ካብቶም ኣብ ቤልጂም ነዊሕ ዓመታት ዘቚጸሩ ውድድራት ኮይኑ ሎሚ ዓመት ንመበል 83 ግዜ’ዩ ተኻይዱ።

ቢንያም ኣብዚ ውድድር ንሳልሳይ ግዚኡ’ዩ ዝሳተፍ ዘሎ። ኣብ 2022 ነቲ ውድድር ከቋርጾ እንከሎ ኣብ 2023 መበል 16 ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ነይሩ።

እዚ ሎሚ ዘመዝገቦ ናይ ቀዳማይ ውጽኢት ከኣ ቅድሚ ሕጂ ብዝኾነ ኣፍሪቃዊ ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ውጽኢት’ዩ።

ኣብ 2018 ደቡብ ኣፍሪቓዊ ጀንስ ቫን ሬንስበርግ ሻውዓይ ኮይኑ ኣትዩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ እዚ ውጽኢት ብኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ተመዝጊቡ ዝነበረ ዝበለጸ ውጽኢት’ዩ ነይሩ።

ቢንያም ግርማይ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምቁራጹ ኣብ ዘካየዶም ሓሙሸተ ዝተፈላለዩ ነናይ ሓደ መዓልቲ ውድድራት ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝገብ ተራእዩ’ዩ፡ ኣብ 26 ግንቦት ኣብ ጀርመን ውድድር ሩንድ ኡም ኮለን ካልኣይ ወጺኡ ምንባሩ’ውን ዝዝከር’ዩ።

ቢንያም ግርማይ ዘመዝገቦም ብሉጻት ውጽኢታት

ቢንያም ግርማይ ኣብ ዓመተ 2024 ኣብ 18 ውድድራት ን31 መዓልታት ብምውድዳር 5180 ኪሎሜተር ብምዝዋር ንዕኡ ንሃገሩን ንጋንትኡን 884 ነጥቢ ኣመዝጊቡ ኣሎ።

ቢንያም ግርማይ ንሃገሩን ንጋንትኡን ብምውካል ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ቅድሚ ሕጂ ብኣፍሪቃውያን ዘይተመዝገበ ዓወታት ክጎናጸፍ ክኢሉ'ዩ።

ንገለ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዘመዝገቦም ስቡሓት ውጽኢታት ምስ ንርኢ ከኣ እዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ምጥቃስ ይከኣል።

  • 29 ግንቦት 2024 ኣብ ቡልጂም ኣብቲ ንመበል 83 ግኢኡ ዝተኻየደ ሰርኵት ፍራንኮ በልገ ቀዳማይ
  • 25 ጥሪ 2024 ኣብ ኣውስትራልያ ውድድር ሰርፍ ኮስት ክላሲክ ቀዳማይ
  • 27 ጥሪ 2022 ኣብቲ ኣብ ስጳኛ ንመበል 15 ግዚኡ ዝተኻየደ ትሮፍዮ ኣልኩድያ ቀዳማይ
  • 27 መጋቢት 2022 ኣብቲ ኣብ ቤልጂም ንመበል 84 ግዚኡ ዝተኻየደ ገንት ወቨልገን ቀዳማይ
  • 17 ግንቦት 2022 ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጅሮ ዲ ኢታሊ ቀዳማይ
  • 3 መስከረም 2021 ኣብ ፈረንሳ ክላሲክ ግራንድ ቤሳንኮን ቀዳማይ
  • ዙር ጋቦን፡ ኣብ 2020 ከምኡ ከኣ 2023 ሰለስተ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ