ኤርትራ ን33 ዓመታት ብኸመይ ብዘይ ቅዋም ትመሓደር ኣላ?

ድሕሪ ክልተ ዓመት ከኣ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ብዝተዓዘቦ ህዝበ ውሳነ 99.85% እወ ንናጽነት ብዝብል ድምጺ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ኰይና።

ይዅን እምበር ኤርትራ፡ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም እኳ እንተለዋ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ጽምብል ናጽነት 2014 “ምስ ኵነታትና ዝኸይድ ቅዋም ምንዳፍ ክጅመር’ዩ” ክብል ብወግዒ ሓቢሩ ነይሩ።

ይዅን እምበር ክሳብ ሕጂ ብዛዕባቲ ክንደፍ እዩ ዝተባህለ ሓድሽ ቅዋም እውን ዝተሰምዐ ነገር የለን።

ኣብቲ ብዙሓት ትጽቢት ዝበሩሉ ናይ ትማሊ መዓልቲ ናጽነት መደረ’ውን ብዛዕባ ቅዋም ዝተዛረቦ የለን።

ኤርትራ ደኣ ብምንታይ እያ ትመሓደር ዘላ?

ስለምንታይ እዩ ሃገራዊ ቅዋም ተወንዚፉ?

ህዝቢ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተመዘዘ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ቅዋም (1994 – 1997) ነበር ዶክተር በረኸት ሃብተስላሰ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ህላወ ቅዋም ንምዕባለን ልምዓትን ኤርትራ ዓንዲ ማእከል ምዃኑ ይጣበቕ ከም ዘይነበረ ይገልጽ።

እቲ ቅዋም ድሕሪ ምጽዳቑ ንኸይትግበር ዝዓንቀፈሉ ቀንዲ ምኽንያት ብዘይ ዝዀነ ይዅን ናይ ስልጣን ገደብ ብምልኪ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ምዃኑ የረድእ።

ዶክተር በረኸት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ብሃገራዊ ባይቶ ዝቘመን ዝጸደቐን ሃገራዊ ቅዋም ከደስክል ሕጋዊ ሓላፍነትን ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ “ቅዋም 1997 ሞይቱ’ዩ” ክብል ንዝሃቦ መግለጺ ብምቅዋም፡ “ሰብ እምበር ቅዋም ኣይመውትን እዩ” ክብል ይምጕት።

ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ኮሚሽን ቅዋም ነበር ኣቶ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ ብወገኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ስልጣን ብሒቱ ብዘይ ተሓታትነት ክገዝእ ስለ ዝደለየ ነቲ መብጽዓታት ሃገራዊ ቃልሲ ዘንጸባርቕ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝጠልብ፡ ግቡእን መሰልን ዘመዓራሪ ሃገራዊ ቅዋም ንኸይትግበር ከም ዝዓንቀፎ የረድእ።

“እቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብዝነብር ሱታፌ ህዝቢ ኤርትራ ዝረቐቐ፡ ክቡር ግዜን ጸዓትን ዝፈሰሶ ኣብ ግንቦት 1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ ዘሕዝን እዩ” ይብል።

እቲ ኣብ ግንቦት 1991 ግዝያዊ መንግስቲ መስሪቱ ክሳብ ሕጂ ብዘይ ቅዋም ዝመርሕ ዘሎ ህዝባዊ ግንባር ካብ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ ሕግን ስርዓትን ዘኽብር፡ ሓድነትን ሰላምን ዝሕሉ፡ ኵሉ ኤርትራዊ ካብ ፍርሕን ጭቆናን ሓራ ኰይኑ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ተሓልይሉ፡ ህይወቱ፡ ብቕሳነትን ሓጐስን ንምቕጻልን ንምምሕያሽን ዘኽእል፡ ናጽነትን ጸጥታን ሃገር ዝሕሉ ሃገራዊ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ከም ዝሃንጽ ይመባጻዕ ነይሩ።

ውሳኔ ተጋባእቲ ኣብ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ 1994

ቅዋም ኤርትራ

ኣብ ለካቲት 1994 ኣብ ናቕፋ ዝተኻየደ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ተጋባእቲ ምእንቲ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ሱታፌ ክረጋገጽ ህዝባዊ ግንባር ናብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (PFDJ) ክቕየር ድምጺ ብምሃብ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ባብ ደሞክራሲ ዘርሑ ሕገ-መንግስቲ ከዳሉ ሓላፍነት ኣሰኪሙዎ።

ብኡ ንብኡ ከኣ ነቲ ዝምድረሉ ዝነበረ መብጽዓ ዘንጸባርቕ ሃገራዊ ቅዋም እተርቅቕ 50 ዝኣባላታ ኮሚሽን ቅዋም መዚዙ ነቲ ስራሕ ከምዝፈለሞ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ይገልጽ።

እቲ ኮሚሽን ኵለንትናዊ ጸጋታት ኣዋዲዱ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ናይ ዘተን ክትዕን ህዝባዊ ኣኼባታት ወዲቡ፡ ብራድዮ፡ ጋዜጣን ተሌቪዥንን ንቅዋምን ኣገዳስነቱን ዘረድእ ዝተፈላለዩ ጽሑፋትን መደባትን ኣቕሪቡ፤ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ጻዕሪ ነታ ቅዋም ዛዚሙዋ።

ሃገራዊ ቅዋማዊ ባይቶ ኤርትራ ከኣ ብ23 ግንቦት 1997 ብወግዒ ኣጽዲቑዎ።

ንጽባሒቱ 24 ግንቦት ከኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ መጻኢ ጕዕዞ ኤርትራ ዝቕልስ ሃገራዊ ቅዋም ከም ዝጸደቐ ንህዝቢ ብወግዒ ኣበሲሩዎ።

ኣብቲ እዋን “ቅዋምና ዝተለገሰልና ወይ ቀዲሕና ወይ ንሓንቲ ሃገር ክነሐጉስ ምእንቲ ተቐሲብና ንቕበሎ ዘይኰነስ፡ ኣብ ውርሻና ዝቘመ፡ ተረዲኡናን ረጊእናን ዘማዕብልናዮ ሰነድ፡ ልዑል ሕጊ ዘይኰነስ ምልክት ክብርን ሓጐስን እዩ። ብኡ መጠን ክኣ ክኽበርን ክጸንዕን ግቡእ እዩ’’ ክብል ተዛሪቡ።

ትጽቢት ዜጋታት ካብ ቅዋም

ኣዴታት ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

እቲ ቅዋም ኣብ ሓጺር ግዜ ክትግበር ትጽቢት እናተገብረ፡ ኣብ (1998 – 2000) ምስ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ኣሽሓት ህይወት ዝቐዘፈን ዘሰንከለን ከቢድ ውግእ ዶባት ተሰናኺሉ።

እቲ ኲናት ብስምምዕ ኣልጀርስ ምስ ዓረፈ ከኣ እቲ ተወንዚፉ ዝጸንሐ ቅዋም ክትግበር ትጽቢት ነይሩ።

ሓያሎ ላዕለዎት መንግስትን ካድራትን፡ ‘ደጊም ዝሓለፈ ጕዕዞና ብኣኼባ ገምጊምና፡ ብኲናት ዝተወንዘፈ ሃገራዊ ቅዋምና ነተግብር’ ዝብል ሕቶ ብምቕራብ ንኣካይዳ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ስለ ዝተቓወሙ ተኣሲሮም፤ እቲ ቅዋም ከኣ ንሓዋሩ ደስኪሉ ይብል ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ።

“ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ በብቕሩብ እናተማህረን እናተመኰረን ቅዋማዊ መንግስቲ ክምስርት እዩ ዝብል ትጽቢት ዝነበረና ብዙሓት ዜጋታት በቲ ተግባር ሰምቢድና። እቲ በብቕሩብ ዝረአ ዝነበረ ምልካዊ ኣካይዳ ከኣ ካብ መስከረም 2001 ጋህዲ ስለዝዀነ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ኤርትራ ልዕልናን ግዝኣተ ሕጊን ቀቢጽናየን ኢና” ይብል ፕሮፌሰር ጋይም።

ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ ብወገኑ፡ ሃገራዊ ቅዋም ምስ ጸደቐ፡ ኵሉ ነገር ብሕጊ ክካየድ ስለ ዝዀነ እቲ ኣብ ምሕደራ ዝረአ ዝነበረ ጕድለታት ክዕረን፡ ዜጋታት እቲ ቅዋም ብዘፍቅደሎም መሰል ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገሮም ክሳተፉን ልዑል ትጽቢት ከም ዝነበሮ ይሕብር።

እንተዀነ ድሕሪ’ቲ ኣብ መስከረም 2001 ዘጋጠመ ማእሰርትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ሕቶ ዲሞክራስን ትግባረ ቅዋምን ከም ዘይከውን ይዛረብ።

ጠለብ ትግባረ ቅዋም ብዜጋታትን ኣህጉራዊ ሕብረተሰብን

ብሰንኪ ግዱድ ዕስክርናን ገደብ ኣልቦ ኣገልግሎትን ዘይፍትሓዊ ምሕደራን ዝተማረሩ መንእሰያት ብጃምላ ካብታ ሃገር ተሰዲዶም'ዮም።

ኣብ ዲያስፖራ ዝነጣጠፉ ፖለቲካውያን ውድባት ይዅኑ ስርዓታት ምዕራብ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እምነታትን መንእሰያትን ዝፍጸም ግፍዒታት ደው ክብልን መንግስቲ ነቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ብምትግባር ሓቛፍን ኣሳታፍን ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክምስርት ጠለባት ክቐርብ ከም ዝጀመረ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ የረድእ።

ኣብቲ እዋን እቲ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ኣኼባታት ዘካይዱ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብመንፈስ ሃገራዊ ቅዋም 1997 ከም ዝምራሕን ንጉዳይ ሃገራዊ ምርጫ ብዝምልከት ከኣ ሕንገዳ ስርዓት ኢትዮጵያ ንትግባረ ብይን ኮሚሽን ዶባት ምስ ኣብቀዐ ከም ዝፍጸም ይገልጹ ነይሮም።

ኣብ 2013 ንኣብነት ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣብ ናይ ህዝቢ ኣኼባ፡ ዜጋታት ንሃገራዊ ቅዋም 1997 ብዝግባእ ክፈልጡዎን ከጽንዑዎን ከም ዘለዎም ዝሃቦ መብርሂ ነይሩ።

ብዲሞክራሲ ኣብ ዝመሓደራ ስርዓታት ሕገ መንግስቲ ናይ ዜጋታት መባእታዊ መሰልን ልዕልና ሕጊን የረጋግጽ።

ዜጋታት ብስእነት ፍትሒ ከይብደሉ፡ ካብን ናብን ብነጻነት ክንቀሳቐሱ፡ ሓሳቦም ብናጽነት ክገልጹ፡ ንመንግስቲ ብጽሑፍን ዘረባን ክድግፉን ክነቕፉን፡ ኣብ ቃሕ ዝበሎም ሃይማኖት ክኣምኑን ከምልኹን፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ናይ ደገፍን ተቓውሞን ሰልፍታት ከካይዱ፡ ኣብ ፖለቲካ ሃገሮም ክሳተፉ ርእይቶኦም ከቕርቡ፡ ክመርጹን ክምረጹን መሰል ይህቦም።

ይዅን እምበር ኣብ ዝበዝሓ ብምልኪ ዝመሓደራ ሃገራት እዚ መሰል እዚ ከምዝድረት ዝገልጽ ፕሮፌሰር ጋይም ኣብ ኤርትራ ግን ዳርጋ ኵሉ እቲ መባእታዊ መሰላት ከም ዝበዀረ የረድእ።

“ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ 23 ዓመታት ብፖለቲካዊ ርእይቶኦም ጥራይ ተኣሲሮም ዝተሰወሩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ሓደ መርኣያ ናይቲ ግህሰት እዩ። እዞም ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ዝስደዱ ዘለው መንእሰያት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝርከብ ኣማኢት ኣብያተ ማእሰርቲ ከቢድ ግፍዒ ከምዝወረዶም ብቓልዕ እዮም ዝዛረቡ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ እቲ ዅሉ ንናጽነት ዝኸፈሎ መስዋእቲ ከምዚ ዓይነት ምሕደራ ከጋጥሞ ኣይተጸበየን - ኣይተጸቤናን” ይብል።

መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ትግባረ ቅዋምን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝምልከት ነቐፌታን ወቐሳን ክቐርቦ እንከሎ፡ ንስርዓታት ምዕራብን መጋበሪያታቶም ዝብሎም ተቓወምቲ ውድባትን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን እዩ ዝወቅስ።

ይዅን እምበር ሕጂ እውን እንተዀነ ሓደ መዓልቲ ኤርትራ ብቕዋም ከምእትመሓደር ዝኣምኑን ዝጽበዩን ብዙሓት ምዃኖም ኣቶ ሰንጋል ይገልጽ።

ሓፈሻዊ ሓቅታት ብዛዕባ ፖለቲካዊ ምሕደራ ስርዓት ኤርትራ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ምንጪ ስእሊ,SHABAIT

ሃገራዊ ባይቶ ድሕሪ 2002 ክሳብ ሕጂ ኣይተኣከበን።

ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብ 1994 ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ድሕሪ ምክያዱ ክሳብ ሕጂ ን30 ዓመታት መመላእታ ጉባኤኡ ኣየካየደን።

ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ ካብ 2018 ንደሓር ኣይተኣከበን።

ክሳብ ሕጂ እምበኣር ኤርትራ ብውሳነ ናይ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ንዕኡ ዝለኣኹዎ ውሑዳት ሰባትን ከምኡ’ውን ብኣዋጃትን በይናዊ ውሳነታት እቲ ፕረዚደንትን ንሱ ብዝፈጠሮም ወተሃደራዊ ግንባራትን ጥራይ ከምእትመሓደር ፕሮፌሰር ጋይም የረድእ።