ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከቡ ኤርትራውያንን ተጋሩን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ይሓቱ

"በጃኹም ሓጉዝና፡ ርድኡና፡ ኣብ ዝተወሰነ ሰዓት እንተዘይተረዲእና፡ ኣንሕና ክንመውት ኢና ፍሉጥ'ዩ" ክብል ይስማዕ ሓደ ካብኦም ኣብቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮ።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ንዝወደቑ ስደተኛታት ኣብ ምድሓን ዝተዋፈረ ሓደ ማሕበር ግብረሰናይ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ሓደ ካብኦም ድሮ ሞይቱ ከምዘሎን እቶም ንስክላ ካብ ሞት ዝደሓኑ'ውን ብኽቱር ጥምየትን ቀዝሒን ተሰኒፎም ከምዘለዉ ይጠቅስ።

"ሓደ ካብኦም ድሮ ሞይቱ'ሎ፡ ዝበዝሑ ድማ ሓሚሞም ኣለዉ፡ ማይ ይኹን መግቢ የብሎምን፡ ንህቦብላ ባሕሪ ዝተቓልዑ'ዮም። ተወሳኺ ግዜ ከነጥፍእ የብልናን" ክብል ሰብመዚ ኣውሮጳ ህጹጽ ደገፍ ብምግባር ንምደሓኖም ክጓየዩ ጸዊዑ።

ሰራዊት ቱኒዝያ ንከምዚኦም ዝመሰሉ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ስደተኛታት ህጹጽ ሓገዝ ከምዘይገብር ዝነቐፈ እቲ 'መዲተራንያ ምድሓን ሰባት' ዝተባህለ ማሕበር፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ቱኒዝያ ከይጥረዙ ተማሕጺኑ'ሎ።

"በጃኹም ሓጉዝና፡ ብጥምየትን ብቑርን ንመውት ኣለና፡ ረአዩዋ፡ ኣሕዋትና ብጥምየት ሞይቶም፡ ብቑሪ ሞይቶም፡ መዓት ሰብ. . ." ይብል እቲ ናይ ርድኡና መልእኽቲ።

እቲ ብዓቢ ትካል ነዳዲን ጋዝን ብሪጣንያ (ብሪቲሽ ፐትሮልዮም) ዝውነን 'ሚስካር ኦይል ፕላትፎርም' (Miskar Oil Platform) ተባሂሉ ዝጽዋዕ መደበር፡ ኣብ ማእከላይ መዲተራንያን፡ ኣብ መንጎ ቲኒዝያን ኢጣልያዊት ደሴት ላምፐዱዛን ዝርከብ'ዩ።

"ካብ ሊብያ ዝሃደሙ ቆልዑ፡ ደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ኣብ ሚስካር መደበር ነዳዲ ምስበጽሑ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ኣጋጢምዎም ንኣርባዕተ መዓልታት" ሓዲግ ከምዝተረፉ እቲ ማሕበር ይጠቅስ።

መሸፈኒ ዘይብሉ ብምዃኑ ድማ እቶም ስደተኛታት ንንፋስ፡ ቁሪ፡ ዝናብን ጸሓይን ዝተቓልዑ'ዮም።

ብሰንበትን ትማሊ ሰኑይን ሓንቲ ሲቪላዊት ነፋሪት ኣብ ልዕሊኦም እናዘንበየት ትከታተሎም ምንባራ ካልእ ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ዝተዋፈረ 'ሲ ዎች ኢንተርናሽናል' ዝተባህለ ማሕበር ሓቢሩ።

እቲ ዘለውዎ ቦታ ደገፍ ዝረኽብሉ ብዘይምዃኑ፡ ሰብመዚ ኣውሮጳ ህጹጽ ደገፍ ክገብርሎም ጸዊዑ።

ስደተኛታት

ኣብቲ ቪድዮ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደ ጸቢብ ናይ ሬተ ባይታ ተጸቓቒጦም ደቂሶም፡ ገሊኦም ብድኻም ዝተሰነፉ ይመስሉ፡ ገለ ድማ ኮፊ ኢሎም ይራኣዩ። ማዕበል ባሕርን ንፋስን ከወናጨፍ'ውን ይስማዕ።

"ካብ ሊብያ ካብ ንብገስ ሓሙሽተ መዓልቲ ጌርና ኣለና፡ ኣብ ባሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ጌርና ኣለና። ሕጂ ጎማ ነፊሱና ተገምጢልና ኣብቲ ኣብ መንጎ ቱኒዝያን ኢጣሊያን ዝርከብ ናይ ጋዝ ፋብሪካ ኢና ዘለና" ይብል እቲ ኣብቲ ቪድዮ ክዛረብ ዝስማዕ መንእሰይ።

"ደቂኣንስትዮ ኣሓትና'ውን እኔአዋ፡ ብሕማም ብሰዓል እኔአዋ. . .ሓደራ ሓደራ ንእሽቶይ ዕድል'ዩ ዘለና፡ በጃኹም ሓግዙና"።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠሞም ሓደጋ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

እቶም ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ሃገራቶም ዘሎ ግጭት፡ ውግእ፡ ኲናት፡ ግዱድ ውትህድርናን ምግሃስ መሰላትን ሃዲሞም'ዮም ውሑስ ዑቕባ ንምርካብ ናብ ኣውሮጳ ክውሕዙ ዝራኣዩ።

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ,Mediterranea Saving Humans

ካብ ኣፍ ሞት ናብ ኣፍ ሞት ዝተሰጋገሩ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ,Mediterranea Saving Humans

መግለጺ ስእሊ,ካብ ኣፍ ሞት ናብ ኣፍ ሞት ዝተሰጋገሩ ስደተኛታት