ሓብቱ ንሓደ ካብቶም ኣብ ሱዳን ከም ምሩዃት ኵናት ተታሒዞም ዝሳቐትዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ መልእኽታ፣ ንሳቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝተበገሱ፣ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝነበሩ ተራ ስደተኛታት ምዃኖም ብምጥቃስ፣ ሓዋ ምስ ካልኦት፣ ብ07 ሚያዝያ ብዕጡቓት ተታሒዞም እናተገረፉ ካብ መኪና ክወርዱ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ሱዳን ተዘርጊሑ ከምዝርኣየቶ ኣረጋጊጻ።
መቕርቦም ምስ ሓዋ ተታሒዞም ዝርከቡ ካልኦት ስድራቤታት ‘ውን ኣብ ነርወይ፣ ካናዳን ኢትዮጵያ ከምዝርከቡ፣ ብምሕባር፣ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረ ሰበ ዓለምን ድምጺ ክኾኖምን ዝከኣሎ ክሕግዞምን ጸዊዓ።
እቶም ኤርትራውያን፣ ብሰራዊት ሱዳን ድዮም ወይስ ፈጣን ሓይልታት ዳዕምስ ሰሪዕ ተታሒዞም ዘለዉ ዛጊት ንጹር ሓበሬታ የለን።
ኣብዚ ጉዳይ እዚ ክተሓጋገዙ እትኽእሉ ወይ ተወሳኺ ሓበሬታ ዘለኩም ናብ