ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ፕረዚደንት ዢንፒን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ተገሊጹ

ብተወሳኺ፡ ቻይና ኣብ ኵሉ ደረጃታት ተመኵሮኣ ክትለዋወጥን ከተሐይልን፡ ኣብ ምሕደራ ተመኵሮኣ ምስ ኤርትራ ከትካፈል ምዃና’ውን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዕድመ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን፡ ኣብቲ ኣብ በይጂን ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ 9ይ መድረኽ ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪቃን ንምስታፍ፡ ብሰንበት ኣብታ ሃገር ከምዝኣተወ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ቻይና ዘለዋ ልዑል ተራ ኣብ ምድንፋዕ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ንረብሓ ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ረብሓ ክውዕል ተስፋ ከምዘለዎ ምግላጹ፡ ብሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ቻይና፡ ሓባራዊ ጥቕሚ ዘለዎ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕን ብመንገዲ፡ ከም ቻይናዊ ተበግሶ ’በልት ኤንድ ሮድ’ [Belt and Road]፡ ቻይና-ኣፍሪቃ ዝኣመሰሉ ተበግሶታትን ከምትጥቀመሉን፡ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምትሰርሕን ኣፍሊጣ።

ምስ ኤርትራ ኣብ ጸዓት፡ ትሕተ-ቅርጽን ሕርሻን ዝኣመሰሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ምትሕብባራ ከተዕሙቕ፡ ከምኡ’ውን ኢንዱስትርያዊ ምዕባለን ሕርሻን ኤርትራ ከተመቻችእ ድልውቲ ከምዘላ እቲ ፕረዚደንት ቻይና ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ኤርትራን ቻይናን፡ ኣብ ዕደና፡ ህንጻ፡ ትሕተ-ቅርጺን ካልእ ጽላታትን ክተሓጋገዙ ተሰማሚዖም ምንባራሮም ይፍለጥ።

እዚ እናዀነ ግን ቍጠባዊ ኵነታት እታ ሃገር ንመነባብሮ እቲ ህዝቢ ከመሓይሽ ኣይከኣለን ዘሎ።

ቻይና ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቍጠባዊን ጸጥታዊን ምትእስሳራት እናዓበየ ክመጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኤርትራ ምስ ዴሳዊት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ጽቡቅ ዝምድና ከምዘለዋ ይንገር።

ታሽዓይ መድረኽ ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪቃን፡ ካብ 4 ክሳብ 8 መስከረም ዝካየድ ኰይኑ፡ እዚ መድረኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት፡ ኣብ መንጐ ቻይናን ኣፍሪቃን እናተቐያየረ ከምዝእከብ ይፍለጥ።