ካልጋሪ፣ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተመስረተ ክሲ ተላዒሉ፣ ክሲ ኣባላት ብርጌድ ንሓምዱ ግና ይቕጽል

ኣብ ካናዳ፣ ከተማ ካልጋሪ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ወርሒ መስከረም፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ብብርጌድ ንሓመዱ ዝተወደቡ ደለይቲ ለውጢን ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ክሲ ተመስሪትሎም፣ ኣብ ምጽራይ’ዩ ጸኒሑ።

ካልጋሪ ሄራልድ፣ ብ30 ሓምለ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ካብ ጉጅለ ናይቲ ብ’ጻዕዳ ማልያ’ ዝተለለዩ 8 ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ክሶም ክልዓለ እንከሎ፣ ናይቶም ብ’ሰማያዊ ማልያ’ ዝተለለዩ ኣባላት ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ግና ይቕጽል ምህላዉ ኣረጋጊጻ።

ናዕቢ ብምጉህሃር፣ ብምዕናው ንብረት፣ ህዝባዊ ርግኣት ብምዝራግን ካልእን ተኸሲሶም ዘለዉ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ፣ ጉዳዮም ኣብ ዝመጽእ ዓመተ 2025፣ ወርሓት ጥሪ፣ ለካቲትን ሚያዝያን ተኸፋፊሉ ክርአ ምዃኑ’ውን እታ ማዕከን ዜና ሓቢራ።

ኣኽባር ሕጊ ኣልበርታ፣ ንኽሲ ናይቶም ሸሞንተ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ከልዕሎ ዝወሰነ፣ ኣብ ዘካይዶ መርመራን ምጽራይን፣ ዝኾነ ዘኽስሶም ጭብጢ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ’ዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ 02 መስከረም ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን ክልተ ጉጅለታት ኤርትራውያን፣ ብጠቕላላ 28 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን፣ ድሒሩ’ውን ክሲ ከምዝተመስረተሎምን’ዩ ተገሊጹ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት