ርክብ ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን መንእሰያት -- ንስራሕን ሌላን

ሓሙስ 25 ሓምለ 2024 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ኣስታት 400 መብዛሕትኦም ሞያውያን ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን መንእሰያት ዝተኣኻኸቡሉ ናይ ምልላይን ርክባትን መደብ ተኣንጊዱ ኣምስዩ። እቲ ኣጋጣሚ ኪንዮ ፖለቲካዊ ማሕበራዊን ፍልልያት ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ንዘለዉ ኣብ ኣመሪካ ተወሊዶም ዝዓበዩ ወይ ድማ ድሒሮም ዝመጽኡ ኤርትራውያን ዝጥርንፍ ኣጋጣሚ’ዩ ነይሩ።

ሓደ ካብቶም ኣወሃሃድቲ እቲ ምትእኽኻብ ኣብ መወዳእታ 2011 ዝተመስረተ መርበብ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ (Eritrean Diaspora Network)’ዩ። እዚ ምትእኽኻብ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝርአ ፖለቲካዊ ፍልልያት ነቶም ኣብ ደገ ተወሊዶም ዝዓበዩ’ውን ማዕረኡ ስለ ዝጸልዎም ካብኡ ወጻኢ ኣብ ምሕያል ማሕበረኮማት ዝስርሕ መርበብ ንምምስራት’ዩ። እዚ ኪንዮ ፖለቲካዊ ሃይማኖታዊን ካልእ ፍልልያትን ንሓባራዊ ኮማዊ ዕብየትን ማሕበረሰብን ዓሊሙ ዝንቀሳቐስ ምትእኽኻብ፡ ዓመታዊ’ውን ፍሉይ ጽልዋ ንዘለዎም ተመሃሮ ኮለጅን ዩኒቨርስታትን ኣወዳዲሩ ናይ ገንዘብ ማህደረ-ትምህርቲ ዝህብ’ዩ።

ኣብ 2022 ኣብ ኣመሪካ ብግዱሳት ዝቖመ፡ ማሕበር ኤርትራውያን ጠበቓታት ኣብ ኣመሪካ (Eritrean American Bar Assocaition)’ውን ሓደ ካብቶም ኣሰናዳእቲ እቲ ምሸት’ዩ ነይሩ። ኣብ ምውዳብ እቲ ኣጋጣሚ ካብ ዝተረኸቡ ሓንቲ፡ ራሄል ክፍለ፤ “እዚ ማሕበር ጠበቓታት ኣብ ሞያ ሕጊ ዝነጥፉን ገና ኣብ ትምህርቲ ሕጊ ዝከታተሉ ዘለዉን የጠቓልል። እዚ ኣብ ኣመሪካ ብዘለዉን ንዘለዉን ዝተመረተ ማሕበር ንሓድሕድና ሞያዊ ምኽሪን ምድግጋፍን ምሃብ፡ንማሕበረሰብን ሕጋዊ ምኽሪ ምልጋስነቶም ኣብ ምጅምርን ትምህርቲን ዘለዉ ድማ ኣንፈት ኣብ ምትሓዝ ዓሊሙ ዝተበገሰ’ዩ። እዚ ማሕበር ንዅሉ ወገናት ኣመሪካ ኣብ ሞያ ሕጊ ንዝጠፉ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ዝሓቍፍ’ዩ። ገና ኣብ ፈላሚ ብርኪ ስለ ዘሎና፡ ካብ 50 60 ዝበጽሑ ግዱሳት ኣባላት ኣብዚ መርበብ ኣለዉን። ብሕጂ ግን ክንሰርፍሕ ተስፋ ንግብር፡” ትብል።

ኣብቲ ምሸት ናብ መድረኽ ደዪቦም ቃል ዝህቡን ኣብ መንጎ’ቲ እኩብ ዘዘራረብናዮም ተሳተፍቲን፡ደጋጊሞም ዝጠቕሱዎ ዝነበሩ ካብ ፖለቲካ ዘማእከለ ጥርናፈን መተኣኻኸቢ መድረኻት ወጻኢ ኣመና ስሕዩ ስለ ዘሎ ንምድንፋዑ ንምስራሕ’ዩ። ኣብ ስድራቤት ዝርአ ፖለቲካዊ ፍልልያት ናብ ገዛን ናብቶም ውሉዳትን ስለ ዝሰገር’ውን ካብኡ ወጻኢ ንሓድሕዶም ክፋለጡን ክራኸቡን’ውን ከም ዝደልዩን እቲ ባይታ ግን ዳርጋ ከም ዘየሎ ድማ ይነግሩ። ከምኡ ዝመስል ናይ ሞያውያን ምትእኽኻባት ድማ ነቲ ዝበኾረ መድረኻት ኣብ ምምላእን ንሕይወትን ድንፋዐን ማሕበረኮማት ኣብ ምዕባይን ተራኡ ዓቢ ምዃኑ ኣይስሓትን።

ኣስታት 400 ሞያውንን መብዛሕትኦም መንሰያት ዝተረኽቡሉ ናይ ዋሺንግተን ዲሲ ናይ ሌላን ምርኻብን ምሸት፡ ኣብ ኣመሪካ ዝነጥፋ ብሓሙሽተ ማሕበራት ማለት መርበብ ኤርትራያውያን ኣብ ወጻኢ፡ መርበብ ኤርትራውያን ሰብ-ሞያን ዋኒንን፡ ኤርትራያውን ኣብ ቴክኖሎጂ፡ ፕሮግራም ምኽሪ ንዕብየት ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ከምኡ’ውን ማሕበር ጠበቓታት ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ ዝተሰናድአ’ዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ትካላቶምን ዘለዎም ናይ ስራሕን ዕድላትን ቦታታት ዘላላዩ ተወከልቲ ነፍሲ-ወከፍ ማሕበር፡ ንተሳትፎን ኣበርክቶን ካልኦት ግዱሳት’ውን ይጽውዑ ነይሮም። ደቆም ከብጽሑ ዝመጽኡ ውሑዳት ስድራ’ውን ንተመሳሳሊ ትስፉው ምትእኽኻባት ዘለዎም ተስፋን ትምኒት ይገልጽ።