ኤርትራ፣ ቆልዑት ስድርኦም ኣመንቲ ክርስትና ጥራይ ስለ ዝኾኑ፣ ምስ ወለዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም..........

ብዙሓት ካብኣቶም ደቂንስትዮን ህጻናትን እዮም።ኣብ ኤርትራ ኣደ ቆልዑ ዝኾና ኣመንቲ ኣዴታት ኣብ ዝቕይዳሉ እዋን፣ ሓላፍነት ናይ ቆልዑ ዝወስድ ኣቦ እንተዘይሃልዩ ክሳብ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻውንቲ ዝርከብዎም ቆልዑ ከይተረፈ ሓቢሮም ምስ ኣዴታቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዳጎኑ ይፍለጥ።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፣ ኣብዚ እዋን ክሳብ 400 ዝግመቱ ክርስትያናት ብሰንኪ እምነቶም ንዘይተወሰነ እዋን፣ ብዘይ ፍርዲ ይኹን ክሲ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኤርትራ ብዘይካ ወለዶም ኣመንቲ ምኹኣኖም እንተዘይኮይኑ ምንም በደልን ኣፍልጦን ዘይብሎም ህጻናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብምእታው ግዳያት ኣካላውን ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ክኾኑ ዝፍረዱላ እንኮ ሃገር ክትከውን ኣለዋ ክብሉ ዜጋታታ ይገልጹዋ።

ኣብ ኤርትራ፣ መሰል እምነት ክሳብ ዘይተኸብረ ንነዊሕ ዓመታት ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ኣመንቲ ክርስትና ጴንጠቆስጣል፣ ዳግማይ ከም ዝእሰሩ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንዓሰርተታት ዓመታት በብእዋኑ ዝኣሰሮም ኣማኢት ኣመንቲ ክርስትና፣ እስልምና፣ መሰኻክር ጂሆቫን ካልኦት ሃይማኖታትን ኣለዉ።

ኤርትራ፣ ሓንቲ ካብተን መሰረታዊ መሰላት እምነት ደቂሰብ ዘይክበረለን ሃገራት ዓለም ተባሂላ፣ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ትርከብ።