ሓድሽ ዜና፡ ቀጠልያ ማልያ ዝዓቀበ ቢንያም ግርማይ ናብ 2ይ ደዪቡ፡ ፍሊፕሰን ተቐጺዑ

ኣብ ርእሲ'ዚ እቲ ኣብ መጀመርታ ራብዓይ ወጺኡ ዝተበሃለ ፍርናንዶ ጋቪርያ ካብ ጋንታ ሙቪስታር ሳልሳይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ፤ ጃስፐር ፈሊፕሰን ካብ ካልኣይ ደረጃ ናብ 107 ከምዝወረደ ኣዳለውቲ ብወግዒ ሓቢሮም።

ሻድሸይቲ መድረኽ ከምቲ ትጽቢት ዝተገበረላ ብቅጽበታዊ ውድድር’ያ ተዛዚማ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ ኪሎሜተራት፡ ጋንታታት ነቶም ናይ ቅጽበታዊ ተወዳደርተን ቦታ ንኸትሕዛ ኣብ ዝቃለሳሉ ዝነበራ፡ ኣሰልጣኒ ቢንያም ንጋንታኡ ናብ ቅድሚት ክወጽኡ ብራድዮ ክሕብሮም ይስማዕ ነይሩ።

እቶም ብቐጥታ ነቲ ጸወታ ዝትንትንዎ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት’ውን ብተደጋጋሚ ቢንያም ግርማይ ካብ ጋንታኡ ንእሽተይ ሓገዝ እንተረኺቡ ‘ተኣምር’ ከርእየና’ዩ ክብሉ ይስምዑ ነይሮም።

እንተዀነ፡ ንቢንያም ንቕድሚት ዝስሕቦ (ሊድ ኣውት ዝገብሮ) ወዲ ጋንታኡ ከይረኸበ ካብ ድሕሪት ተበጊሱ ካልኣይ [ድሕሪ መቕጻዕቲ ጃስፐር ፍሊፕሰን] ምውጽኡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ጥርዚ ብቕዓት በጺሑ ከምዘሎ ዘርኢ’ዩ።

ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሳልሳይ ወጺኡ ቀጠልያ ማልያ ኣውሒኡ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ቢንያም ሎሚ ኣብ መበል 31 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረት ኣብ ማእከል ነጥቢ ተውህብ ሕንጻጽ ንጃስፐር ፍሊፕሰን ተኸቲሉ ካልኣይ ኰይኑ ብምእታው ነቲ ክሳብ ትማሊ ኣዋህሊልዎ ዝነበረ 102 ነጥቢ 17 ወሲኽሉ ናብ 119 ክብ ኣቢሉ፤ ምስ መወዳድርቱ ናብቲ ኣብ መወዳእታ ነጥቢ ዘውህብ ሕንጻጽ ከቋምት ጀሚሩ።

ኣብ መወዳእታ ጃስፐር ፍሊፕሰን ተቐጺዑ ቢንያም ናብ ካልኣይ ደረጃ ክብ ምስ በለ፣ ኣብ ቀጠልያ ማልያ ኣቐዲሙ ዘዋህለሎ 119 ነጥቢ 30 ነጥቢ ወሲኽሉ መሪሕነቱ ከደልድል እንከሎ፡ ማድስ ፓደርሰን ብ111 ነጥቢ ካልኣይ ኰይኑ ይስዕቦ።

ታደይ ፖጋቻ ድማ ብ26 ሰዓታት 47 ደቂቕን 19 ካልኢትን ንብጫ ማልያ ዓቂብዋ ኣሎ።

ጆናስ ኣብርምሰን ብወገኑ፡ ሎሚ ሓንቲ ነጥቢ ወሲኹ ንማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ብ26 ነጥቢ ዓቒብዋ።

ቱር ዲ ፍራንስ 2024 ክሳብ ሕጂ ኣካይድዎ ኣብ ዘሎ ሽዱሽተ መድረኻት ሓያለ ክብረ ወሰናት ተመዝጊቦም ኣለዉ።

እቲ ሓደን ቀንድን ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብቲ 121 ዓመታት ዘቝጸረ ቱር ዲ ፍራንስ ቀዳማይ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ክኸውን ምኽኣሉ’ዩ።

ቢንያም ትማሊ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ብዘዋህለሎ ነጥቢ’ውን ኣብ ታሪኽ እቲ ውድድር ቀዳማይ ናይ ነጥቢ ቀጠልያ ማልያ ክውንን ዝኸኣለ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ክኢሉ፤ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርቸ’ውን ብመንገዲ ቢንያም ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ናይ መጀመርታ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊባ።

እቲ ካልእ ታሪኻዊ ፍጻመ እንግሊዛዊ ማርክ ካቫንድሽ ትማሊ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ቀዳማይ ብምውጻእ ኣብ ታሪኽ እቲ ውድድር 35 ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ እንኮ ተቐዳዳማይ ምዃኑ እዩ።