ኤርትራ - ሰለስተ መንእሰያት ሓድሽ ኣገባብ መረዳድኢ ‘ቋንቋ ምድህሳስ” ኣማዕቢሎም

ተመስገን እያሱ፡ ዳንኤል ተኽለጊዮርጊስን ሮዳስ ተኽለን ዝተባህሉ፡ ኣብ ሳዋ ከም ኣማኸርቲ መምህራን ኮይኖም ኣብ ምስራሕ ዝርከቡ ናይ ስነ-ልቦና ምሁራት፡ ብተበግሶኦም ዘማዕበልዎ ‘ቋንቋ -ምድህሳስ’፡ ረቡዕ 28 ስነ ኣብ ኣስመራ፡ ኣዳራሽ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ንህዝቢ ኣላልዮም።

እዚ ዘማዕበልዎ ሓድሽ ኣገባብ መረዳድኢ፡ ኣብ ከብዲ ኢድ ኣብ ዝተዳለዉ ነጥብታት ብምድህሳስ፡ ቅርጺ ፊደላት ብምምልካት ጽሙማንን ዓይነ-ስዉራንን ከምኡ’ውን ናይ ክልቲኡ ድርብ ስንክልና ዘለዎም ሰባትን ንኽረዳድኡ ዝሕግዝ ከም ዝኾነ፡ ሓደ ካብቶም ኣማዕበልቲ ተመስገን እያሱ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ቀንዲ መበገሲ ናይ’ዚ ሓሳብ ድማ ኣብ መንጎ ኣባላት ማሕበር ጽሙማንን ዓይነ-ስዉራንን ዘጋጥም ናይ ምርድዳእ ጸገም ከም ዝኾነ ተመስገን ገሊጹ።