ብመሰረት ጸብጻብ ኮምሽን ስደተኛታት፡ ካብ ጥሪ 2024 ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 10 ኣዋርሕ፡ ልዕሊ 20ሽሕ፡ ሓደስቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ይግመት።
ኣብዚ እዋን ድማ ብሓፈሻ ልዕሊ 70 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ተመዝጊቦም ኣለዉ።
ነዞም ሓደስቲ ስደተኛታት ብኣጋኡ ደገፍ ምሃብ ወሳኒ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ መስርሕ ምዝገባን ሰነዳት ስደተኛን ከምዝሕዙ ምግባር ድሕነቶም ንምርግጋጽ ወሳኒ ስጕምቲ እዩ ኢሉ።
ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቝባ መስርሕ ምዝገባ ብቕልጣፈን ብስፍ ሓትን ዝረኽቡሉ ኵነታት ንኽፍጠር ንመንግስቲ ክድግፍ ድሉው ምህላዉ ኣረጋጊጹ።
እቲ ኮሚሽን ኣብዚ እዋናዊ መግለጺኡ ግን ንህሉው ኵነታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣይጠቐሰን።
እንተዀነ ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ኣዲስኣበባ ዝነብሩ ኤርትራ፡ ብኣኽበርቲ ጸጥታ ዝተፈላለየ በደላት ይወርዶም ከምዘሎ ከስምዑ ጸኒሑም እዮም።
እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ኢትዮጵያ፡ ኣልማማ ማእሰርቲ፡ ምስርጣይ፡ ደው ኣቢልካ ምሕታት፡ ኣሲርካ ገንዘብ ክኸፍሉ ምግባርን ካልእ ግህሰታትን ከምዝበጽሖም ከምዘሎ ይንገር ኣሎ።
ምንጪታት መንግስቲ ከምዘመልክትዎ፡ ምስ ምኽባር ጸጥታ ዝተሓሓዝ፡ “ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ይዅን ገንዘብ” ንዝተዋፈሩ ንምህዳን ዝብል ምዃኑ ይስማዕ እዩ።
እንተዀነ ነዚ ዝምልከት ዝቐረበ ወግዓዊ መረዳእታ የለን፤ እቶም ዝእሰሩ ዘለዉ ኤርትራውያን’ውን፡ “ንኽፍትሑ ገንዘብ ክኸፍሉ እምበር፡ ዝዀነ ገበናዊ መርመራ ከምዘይካየደሎም” ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ ኣዲስኣበባ ይገልጹ።
እዚ ከምዚሉ እናሃለወ፡ ምስ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪን ምሕዳስ ወረቐት ስደተኛታት ተኣሳሲሩ ዝስማዕ ጉዳያት እውን ከምዘሎ ይፍለጥ።
እቲ መስርሕ ምዝገባ ንምቅልጣፍ ንመንግስቲ ክድግፍ ድሉው ምዃኑ ዝኣመተ ኮሚሽን ስደተኛታት፡ምዝገባ ንመሰረታውያን ኣገልግሎታት ክንክን ጥዕና፡ ትምህርቲ ንምርካብን፡ ከምኡ’ውን ምጥርናፍ ስድራቤትን መሰረታዊ ምዃኑ ኣስፊሩ።
“ቅልጡፍ ምዝገባ ሓተቲ ዑቕባ፡ ንሓደጋ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ካልእ ስክፍታታትን ከጕድል ይኽእል እዩ፡” ይብል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት።
ስደተኛታት ካብ ጽግዕተኛነት ሰብኣዊ ረዲአት ተላቒቘም ነብሶም ዝኽእልሉ ባይታ ንምፍጣር ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገለጽ እቲ ኮሚሽን፡ ብመሰረት ኣዋጅ ነሓሰ 2024 ስደተኛታት መሰል ስራሕ ክረኽቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ነቲ ዝበጽሖ ዘሎ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ይወርድ ከምዘሎ ብስፍሓት ዝግለጽ ብዘይፍርዲ ኣልማማ ማእሰርቲ፡ ምስርጣይን ግህሰት መሰላትን ኣብ ዝምልከት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝህቦ ንጹር ርእይቶ ተወኪሱ’ሎ፤ ዛጊት ግን ዝዀነ ምላሽ ኣይረኸበን።