ፈላሚ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ኣትዩ

ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር ተቐዳደምቲ 2019 ሜትሮ ብራኸ'ዮም ሓዂሮም።

ኣብዛ መድረኽ ኣብ መበል 32.3 ኪሎ ሜተር ናይ ዓቐበት፡ ኣብ መበል 72.6 ኪሎሜተር ከምኡ'ውን ኣብ መበል 113.4 ኪሎሜተር ከኣ ናይ ሞንጎ ንቕጽበታዊ ውድድር ነጥቢ ዘውህባ ተሰሪዐን ነይረን።

ጸወታ ብተራር ጸሓይ ተሰንዩ ብኣቆጻጽራ ርዋንዳ ልክዕ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ'ዩ ጀሚሩ።

ኣብ ውሽጢመኪና እንከለኻ ተርህጽ ጸሓይ።

ጸወታ ማንካ ከይተላዓሎ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ ዲደር ሙንየኔዛ በይኑ ብምውጻእ ካብ ዓባይ ጉጀለ ተፈንተተ፡ ዕላማ ሙንየኔዛ ነታ ኣብ መበል 32.3 ኪሎኬተር ዘነበረት 8 ነጥቢ ተውህብ ዓቐበት ቀዳማይ ብምውጻእ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ንምውናን ነበረ፡ ምስ ዓባይ ጉጀለ ዝነበሮ ፍልልይ ናብ ልዕሊ ኣርባዕተ ደቒቕ ብምብጻሕ ከኣ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ኣውሒሱ።

ርዋንዳዊ ማይክ ዊድሃይን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳንኤል ማትዩው ከኣ ነተን ዝተረፋ ነጥቢ ተማቐልወን። ሳልሳዮም ካብ ጋንታ መይ ስታርስ ተሓዊስዎም ነቲ ኣብ ቅድሚት ዝነበረ ኣብ ምህዳን ነጠፉ።

ኣብ ዓባይ ጉጀለ ዝተፈላለየ ናይ ምሙላቕ ፈተነ ይካየድ ነይሩ፡ ዓባይ ጉጀለ ከኣ ብኩሉ ኣብ ምዕዛብ ጥራይ ዝነበረት ትመስል።

ዲደር ሙንየኔዛ ነታ ኣብ 72 ኪሎሜተር ዝነበረት ነጥቢ ተውህብ ሕንጻጽ'ውን ብዘይ ተቓጻጺ ኣተዋ።

ካብቶም ብድሕሪኡ ዝነበሩ ድማ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳንኤል ማትዮም ካልኣይ፡ ዚክሊስ ኒኮላስ ካብ መይ ስታርስ ድማ ነተን ዝተረፋ ነጥቢ ወሰድወን። እዚ ከኸውን እንከሎ ጸወታ ፍርቂ ተላዒልዎ ነበረ። እቶም ኣብ ማእከል ዝነበሩ ንዲደር ስለዘርከብዎ ኣብ ቅድሚት ኣርባዕተ ኮይኖም ብዘገምታ ኣብ ዝዝውርሉ ዝነበሩ ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሮም ፍልልይ ክጸብብ ጀሚሩ።

ጸወታ 90 ኪሎሜተር ምስ ተላዓሎ፡ ዓባይ ጉጅለ ካብታ ኣርባዕተ ተጻወትቲ ዝሓዘት መራሒት ጉጅለ ናይ ሰለስተ ደቂቕ ፍልልይ ተሪፍዋ ነበረ።

ኣብ መበል 113 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረት ካልኣይቲ ናይ ነጥቢ ርዋንዳውያን ማይክ ዊድሃይንን ሙንየኔዛን ተመራሪሖም ክእትዉ እንከለዉ፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ማትዮው ሳልሳይ ኣትዩ። በዚ መሰረት ኣብዛ መድረኽ ሙንየኔዛ ናይ ዓቐብን ናይ ነጥብን ማልያታት ከምዝሓዘን ኣረጋገጸ። እታ ንሓያል ምፍኸኻር ዘርኣየ ተጻዋታይ እትውሃብ ማልያ'ውን ንዕኡ ዘይትግባእ ኣይኮነትን።

ጸወታ ክዛዘም 20 ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ ኣብ ዓባይ ጉጅለ ካብ ቀዳሞት ብ2 ደቒቕን 35 ካልኢትን ድሒራ ነበረት።

ዓባይ ጉጅለ ናህራ ስለዝወሰኸትን እቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ስለዝደኹምን ከምዝውሓጡ ርግጽ ኮነ። ጸወታ ክዛዘም 15 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ከኣ ውሓጠቶም። ጎብለል ናይዛ መድረኽ ኮይኑ ዝወዓለ ሙንየኔዛ ግን ኣላሽ ምባል ኣብዩ፡ ንበይኑ ኣብ ቅድሚት ተረፈ። ቅድድም ክዛዘም 10 ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ ከኣ ፍልልዩ ናብ 55 ካልኢት ክብ ኣበሎ። ብጫ ማልያ ዝሓዘት ሎቶ ዲቨሎፕመንት ቲም፡ መሪሕነታ ክትዕቅብ ንዓባይ ጉጅለ ሓቖነታ።

ጸወታ ክዛዘም 5 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ድማ ንሙንየኔዛ'ውን ግዳይ ግበረቶ፡ ብዓባይ ጉጅለ ተዋሓጠ።

ዓባይ ጉጅለ ናብ ቅጽበታዊ ውድድር ኣብ ዘምረሓትሉ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ኣትዩ።

ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ 2023 ሄኖክ ምሉእብርሃን ምስቲ ኣብ 2023 ዘመዝገቦ ክልተ ናይ መድረኽ ዓወት እዚ ሳልሳይ ኮይንሉ ኣሎ።

ብጫ ማልያ ከኣ ኣባል ቶታል ኢነርጂ ፋብያን ዶቢ ሒዝዋ ኣሎ።

ካብ ኤርትራውያን ኩሎም ግዜ ከይከሰሩ፣ ዩኤል ሃብታኣብ ዓስራይ፡ ዓወት ኣማን 15፡ ዳዊት የማነ 23፡ ናታን መድሃኔ 26፡ ናሆም ዘርኣይ 27፡ ያፌት ሙሉጌታ 35፡ ዓወት ክብሮም 43 መትከል እዮብ ከኣ መበል 46 ወጺኦም።

ካብ ኢትዮጵያውያን ተቐዳደምቲ ኣማንኤል ተስፋይ 9ይ፡ ኣማንኤል ደስታ 11፡ ብዛየ ተስፉ 20፡ ገርዝግሄር ገብረመድህን 29፡ ፊልሞን ዘርኣብሩኽ 49፡ ሃይለሚካኤል ኣማንኤል 52 ኪያ ሮጌራ ከኣ መበል 54 ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።