ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናበይ ገጽ?

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ30 ሕዳር 2024 ምስ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣብ ዓለምለኸ፡ ዞባዊን ዘቤታዊን ጉዳያት ዝምልከት ቃለ-መጠየቕ ገይሩ ነይሩ። ኣብዚ ን2 ሰዓትን 40 ደቓይቕን ዝኸደ ቃለ-ምልልስ፡ እተን ቀዳሞት ክልተ ሰዓታት ኣብ ዓለምለኸ ጉዳያት ብቐንዱ ግን ኣብ ኣመሪካ፡ ቻይና ከምኡ’ውን ከባቢያዊ ኩነታት ካብኡ ዝበዝሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጠቐሰ መብርሂ ሂቡ።

ነዚ ስዒቡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ዘለዎ ምዃኑ ዝሕበር መደበር ቴለቪዥን ፋና፡ ንቃለ-መጠየቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብትሪ ዝነቅፍን ቁዋም ዘይብላ ሃገር እናመርሐ ንገዛእ ጉዳያቱ ገዲፉ ብዛዕባ ናይ ካልኦት ጉዳይ ዝዛረብን ዝብል ተሪር ግብረ-መልሲ ሂቡ። እዚ ብ9 ታሕሳስ 2024 ብፋና ዝተዋህበ መግለጺ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ካብ ዘለዎ ወገን ወግዓዊ ዝዀነ ናይ ፈለማ ምላሽ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንዝምድናን ተኽእሎ ጎንጺ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ኣዛረቢ ዛዕባ ኰይኑ ኣሎ።

ንምዃኑ ኣብ መንጎ ክልቲኣን መንግስታት ዝተፈጥረ ሓድሽ ምዕባለታት እንታይ’ዩ ዘሎ? ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተንተንቲ፡ ተኽእሎ ኲናት ርሑቕ ምዃኑ ይገልጹ። እቲ ቀልጢፉ ዝለዋወጥ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ስጉምታት መሪሕነትን ግን መሊእካ ንምዝራብ ከም ዘጸግም ገለ ወገትና ይጠቕሱ።

ምሉእ መደብ ንክትታል ኣብዚ ሰዓቡ።