ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጠቐሶ 'ካልእ ፍሕሶ ኲናት' ካብ ምንታይ ዝብገስ እዩ?

ኣብቲ እዋን፡ ንሩስያን ቻይናን ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ ንሕብረት ኣውሮጳን ምዕራባውያን ሃገራትን ዘለዎ ተሪር ነቐፌታ ኣይሓብአን።

እቶም "በሃራት ዓብልል ገብት" ክብል ዝገለጾም ብንጹር ዘይጠቐሶም ሓይልታት ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ "ተጻብኦታት" ከካይዱ ጸኒሖም ክብል'ውን ከሲሱ እዩ።

በዚ ምኽንያት፡ "ካልእ ኲናት ናይ ምብራዕ ፍሕሶታት'ውን ቅሉዕ ምስጢር'ዩ ክብሃል ይክኣል፤" ብምባል ኣብ ሰዓቱ ዝግለጽ ወይ ዝንገር'ዩ ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት፡ መንነት እቶም ነዞም ተግባራት ከሳውሩን ውዲት ጐንጺታት ክገብሩን ጸኒሖም ዝበሎም ሓይልታት ካብ ምግላጽ ዝተቘጠበ ኰይኑ፡ እዚ ‘ኣብቲ ከባቢ ኲናት ክውላዕ ዝደልዩ ሓይልታት ኣለው’ ምባሉ ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።

ኤርትራ፡ ጐረባብታ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ግጭታት ይካየድ ምህላውን ተወሳኺ ስግኣት ኲናት ብዛዕባ ምህላውን ምዝራቡ ካበይ ዝመጽአ እዩ ዝብል ሕቶታት ድማ ኣልዒሉ ይርከብ።

ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ጐረባብታ ብሰንኪ ዝካየዱ ዝነበሩ ኲናታት ተሃዋሲት ኰይና ጸኒሓ’ያ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም 2018 ናብ ተሪር ምሕዝነትን ሽርክነትን ዓብዩ ዝነበረ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዚ ቀረባ እዋናት ከምዝሓርፈፈ'ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ግን፡ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለ ወርቅ፡ ከምኡ'ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ታየ ኣጽቀስላሴን ብምኽንያት መበል 33 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ናይ ዮና መልእኽቲታቶም ከምዝሰደዱን፡ "ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነታዊ ዝምድና እናሓየለ ክቕጽል" ምዃኑ ዘለዋ እምነት ገሊጻ ክብል ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢሩ'ሎ።

ሱዳን፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ኲናት ሓድሕድ ትርከብ፤ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ኣዝዩ ኣዕናዊ ኲናት'ኳ እንተወጽአ ብንቡር ኣይሓወየን ዘሎ፤ ብሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ዘላ የመን’ውን እንተዀነት ንዓሰርታት ዓመታት ኣብ ኲናት ሓድሕድ’ያ ትርከብ።

ስለዚ፡ ስግኣት ኲናት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ ምንታይ ዝነቐለ’ዩ?

እቲ ፕረዚደንት፡ “በሃራት ዓብለል ገብት” ክብል እንከሎ፡ “ብሓፈሻ ነቲ ምዕራባዊ ዓለም ብፍላይ ድማ ንኣመሪካ ንምጥቃስ’ዩ” ክብል ተንታኒ ማእከላይ ምብራቕን ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝዀነ ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም ይዛረብ።

ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ርክብ ካብ ዝበላሾ ዓሰርታት ዓመታት ተቘጺሮም ኣለው።

ኢሳይያስ’ውን፡ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ብእትኽተሎ ፖሊሲ ክኸሳን ክነቕፋን ጸኒሑ ኣሎ። ኣመሪካ’ውን፡ ኤርትራ ብዘለዋ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ፖለቲካ እቲ ዞባ ኣለዋ ብእትብሎ ኣሉታዊ እጃምን ትነቕፋን ትኸሳን።

ዓብዱራሕማን፡ ክሲ ኣቶ ኢሳይያስ፡ ሓቅነት እንተሃለዎ’ውን ንሱን ምሕደራኡን ኣብ ኤርትራ ክገብሩዎ ዘይክኣሉ ትጽቢት ዝግበሩ ዕማማት ብዘይምስርሖም ካብቲ ህዝቢ ክለዓል ንዝኽእል ሕቶን ቅሬታን ንምሽፋን ካልኦት ተሓተቲ ንምግባር ብሸነኽ ኢሳይያስ ዝተለምደ ነገር’ዩ ይብል።

“ኢሳይያስ ኣብ ዘረባኡ ዝተፈላለዩ ወገናት ብምኽሳስ፤ ነዚ ምኽንያት ገይሩ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ድልየት ልዕልነት ሕጊን ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ክሳብ መወዳእታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ምግባር ልሙድ ኰይኑ’ዩ።”

ንሱ ወሲኹ፡ ዓለም ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሓደ ወይ ካልእ ሓይሊ ምዃና ዝጸንሐን ዘሎን ክውንነት’ኳ እንተዀነ፡ “ኢሳይያስ ግን ኣብ ውሽጢ እዚ ኵነታት ርእሳ ክኢላ ብዘላቕነት እትጕዓዝ ሃገር ኣብ ምህናጽ፡ እዚ’ዩ ዝበሃል ስራሕ ኣይሰርሐን” ክብል ይነቅፍ።

ስግኣት ኲናት ኤርትራ

እቲ ፕረዚደንት ንነዊሕ ዓመታት፡ ኣብ ሸንኰለል ኲናት ኣብ ዝጸንሐ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጐባልል ኰይኖም ንዅሉ ናይ ምቍጽጻር ሓይሊ ኣለዎም ዝበሎም ወገናት፡ ካልእ ዙርያ ኲናት ንምውላዕ ድልየት ከም ዘለዎም ምዝራቡ ነቲ ዞባ ቅሳነት ዝህብ ኣይኰነን።

ተንታኒ ፖለቲካ እቲ ዞባ ዓብዱራሕማን ሰይድ፡ ኣብቲ ከባቢ ከጋጥም ይኽእል’ዩ ዝብል ውዱእ ነገር’ኳ እንተዘይኰነ፡ መደረ እቲ ፕረዚደንት ግን ድኽመቱ ንምሽፋንን ነቲ ህዝቢ ወትሩ ኣብ ስግኣት ከም ዝነብር ንምግባር ዝጥቀመሉ ልሙድ ስልቲ’ዩ ይብል።

“ኣብ ዝሓለፉ 33 ዓመታት፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ መሪሕነት ሓደ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ንሃገሩ ብዲሞክራሲያዊ መገዲ ናብ ዝመርሕ ፖለቲከኛ ከሰጋግር ዘይምኽኣሉን ድኽመቱ ንምሽፋንን በብግዚኡ ከምዚ ዝኣመሰለ ንህዝቢ ዘለዓዕል ዘረባታት ክገብር’ዩ ዝመርጽ።”

ኤርትራ ምስ ሃገራት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ጅቡትን ትዳወብ። ገለ ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ጐንጺ ይርከባ፤ ገሊአን ድማ ቅድሚ ሕጂ ብዝተኻየደ ብኲናት ተሃስየን ኣለዋ።

ስለዝዀነ፡ ኣብዚ ዞባ ካልእ ኲናት ዝለዓል እንተዀይኑ ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይከውንን እዩ።

ዓብዱራሕማን ከም ዝብሎ፡ ኣብ ሃገራት እቲ ዞባ ኲናት ንምውላዕ ዘኽእል ምቹእ ኵነታት ብምህላዉ፡ ካልእ ኲናት ዝለዓለሉ ዕድል የለን ምባል ከም ዘይክኣል ይግምት።

"ክልቲአን ሃገራት ሓዊሱ፡ መራሕቲ እቲ ዞባ ዘለዎም ምምሕዳራዊ ውድቀታትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ንምሽፋን ኲናታት ከልዕሉ ይኽእል'ዮም" ብምባል ስግኣት ኢሳይያስ ጋህዲ ዝዀነሉ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

ነዚ ድማ ብቐንዱ፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ክጥርጥር እንከሎ፡ እዘን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ዘውጽእኦ መግለጺታትን ምዝሕሓል ምሕዝነት መራሕተንን ናይዚ መርኣያ ጌርካ ክውሰድ ከም ዝኽእል ይጠቅስ።

"ኤርትራ ካብ ዘለውዋ ስግኣታት እቲ ሓደ ውሽጣዊ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ዘላቒ መንግስታዊ ስርዓት ብግቡእ ዘይምዝርግሑ'ዩ" ዝብል ዓዱራሕማን፡ "ካልኣይ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዘሰጉሞ ዘሎ ክቱር ድልየት ኣፍደገ ባሕሪ'ዩ" ይብል።

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንሓድሕደን ኣብ ዘካየዳኦም ውግኣት ብዙሕ ደም ፈሲሱ'ዩ።

"መራሕቲ እቲ ዞባ፡ ውሽጣውን ግዳማውን ጸገማቶም ንምፍታሕ ሰላማዊ መገዲ ከም መፍትሒ ኣይርእዩዎም'ዮም። በዚ ምኽንያት ከም ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝበሉ መራሕቲ ህዝቦም ኣብ ጽላሎት ዘላቒ ኲናት ክጸንሕ'ዮም ዝገብሩ" ይብል ዓብዱራሕማን።

ካልእ ምንጪ ስግኣት ዝዀነ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት እስራኤል-ቓዛ፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ኤደንን ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ካልእ ስግኣት ፕረዚደንት ኢሳይያስ'ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ እዚ ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ንኤርትራ ዘተሓሳስባ ከም ዝዀነ ኣመልኪቱ'ዩ።

ገዘፍቲ መራኽብ ንግዲ ዝንቀሳቐሳሉ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብሰንኪ ኲናት ቓዛ ከቢድ ስግኣት ኣጋጠሙዎ'ዩ።

ምስ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝዋሰን ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ፡ ዝተፈላለያ ሃገራት ሓይሊ ባሕሪ ኣዋፊረናሉ ይርከባ።

እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ ዝቃወሙ ዕጡቓት ሑቲ የመን፡ ኣብ ልዕሊ እተን መራኽብ ብድሮናትን ሮኬታትን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ፈጺሞም እዮም።

እዚ ንምዕጋት ሃገራት ምዕራብ፡ ሓይሊ ባሕርን ኣየርን ኣብቲ ከባቢ ከዋፍራ ጸኒሐን ኣለዋ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ነዊሕ ገምገም ባሕሪ ዘለዋ ኤርትራ፡ በዚ ስግኣት ትጽሎ እያ። ምስ ሩስያን ቻይናን ምሕዝነታ ብምሕያል ሃገራት ምዕራብ ኣብቲ ከባቢ ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ሚዛን ንምትሓዝ ንሓይሊ ባሕሪ እተን ሃገራት ኣፍደገ ከተርሕወለን ትኽእል'ያ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣብ ባጽዕ መልሕቓ ደርብያ ከም ዝነበረት ይዝከር።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘረባኡ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጥረ ወጥሪ ብምጥቃም ሓይልታት "በሃራት ዓብልል ገብት፤ ዓለምለኸ መስመር ባሕሪ ንምሕላው" ብዝብል ምኽንያት ዝገብሩዎ ዘለው "ዘይሕጋዊ ምትእትታውን ኣራግጽን" ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ብኣግባቡ ክምርመር ከም ዝግባእ ተዛሪቡ።

ዋላ'ኳ ሃገራት ምዕራብ፡ ሓይልታተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዎም ምንቅስቓስ ኣብ ቀረባ ይሰፍሕ እንተሃለወ፡ ኤርትራ ብሸነኽ ደቡብ እተዋስና ጅቡቲ ንነዊሕ ዓመታት ወተሃደራዊ መዓስከር ብርክት ዝበላ ሃገራት ምዕራብ ኰይና ጸኒሓ እያ።

ክልቲአን ሃገራት ብምኽንያት ዶብ ናብ ግጭት ካብ ዝኣትዋ ንደሓር ዘለወን ዝምድናታት፡ ኣዝዩ ዝሑልን ጥርጣረ ዝመልኦን'ዩ።