"ናብዚ መዓስከር ካብ ንመጽእ ካብ ሞት ኣየዕረፍናን፡" ዝበለ ንድሕነቱ ስሙ ዘይንጠቕሶ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ በረኸት ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ከም ዝተቐትለ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ናይ ሞባይል ቻርጀር ከምጽእ ኢሉ ምስ ወጽአ እዩ እዚ ሽግር ረኺቡዎ። ድምጺ ሰሚዕና ክንረድእ ኢልና ምስ ወጻእና፡ ነቲ ካባና ቀዲሙ ዝወጽአ ኣባዲ ዝተባህለ ጥይት ተኲሶም ኣውዲቖሞ። ካልኣይ ጥይት ተኲሶም ድማ ኣብ መንኵቡ ወቒዖሞ። መሊሶም ሳልሳይ ጥይት ተኲሶም ስሒቶምና። ሽዑ ንሕና ክረድኣና ዝኽእል ኣካል ስለ ዘየሎ፡ ህይወትና ከንድሕን ንነብስና ፈሪሕና ክንወጽእ ኣይከኣልናን፡" ይብል።
ጸኒሖም ምስ ከዱዎም፡ እቲ ክረድእ ክብል ዝተሃርመ ኣብ መሬት ወዲቑ ደሙ ጃሕ-ጃሕ ክብል፡ እቲ ዘይሓሰቦ ረኺቡ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ዝተኸትረ በረኸት ድማ ደም ወዲኡ ከም ዝጸንሑዎምን ማእዶ ናብ ዝበሃል ኣብ ዳባት ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝወሰዱዎምን ኣረዲኡ።
ወሲኹ'ውን፡ "መጀመርታ ብበትሪ ኣብ ኣፍልቡን ኣብ ዝባኑን ሃሪሞሞ። ኣብ ጕንዲ እዝኑን ኣብ ክሳዱን'ውን ብጥይት ሃሪሞሞ፡" ክብል እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ንኣማውታ እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ,SM
ካልእ ኤርትራዊ ስደተኛ ምስ መዋቲ ናይ 9 ዓመታት ፍልጠት ከም ዝነበሮ ብወገኑ "እዚ ሰብ እዚ ገበነኛ ኣይኰነን፣ ናብ ሓዳሩን ናብርኡን ዝጐዪ ሰላማዊ ሰብ ክነሱ እዮም ካብ ገዝኡ ጸዊዖም ቀቲሎሞ። ኣብ መዓስከር ዓዲሓርሽ ከርተት ዝበለ ሕጅ'ውን ኣብ መዓስከር ዳባት 4 ዓመታት ዝገበረ ሓላፍነት ስድራ ዝተሰከመ ወዲ 37 ዓመት'ዩ፡" ብምባል ንመዋቲ ብዘይምኽንያት ከም ዝቐተሉዎ የረድእ።
በረኸት ብዓል ሓዳርን ኣቦ ቈልዑን ጥራሕ ዘይኰነ፡ 80 ዓመት ንዝተቓረባ ወላዲቱን ኣሕዋቱን'ውን ዝኣሊ ኣቦ ስድራ እዩ ነይሩ።
እዛ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝነበሩ መዓስክራት ኣጽሊላ ዝነበረት ስድራ፡ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምውልዑ፡ ከም ኵሎም በቲ ኲናት ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት ትግራይ ፋሕፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብ መዓስክር ዓዲ ሓርሽ ናብዚ ብተደጋጋሚ መጭወይን ሞትን ኤርትራውያን ዝርኣየሉ ዘሎ
ይዅን'ምበር፡ እዞም ግዳይ መጭወይትን መቕተልትን ዝዀኑ ዘለዉ ስደተኛታት፡ እቲ ቦታ ንስደትኛ ውሑስ ዘይምዃኑን ብተደጋጋሚ'ኳ እንተ ጠርዑ፡ ኣውያቶም ሰማዒ ከም ዝሰኣነ እዮም ብዙሓት ኣብቲ መዓስከር ዝነብሩ ንድሕነቶም ስሞም ዘይንጠቕሶ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝገልጹ።
እቲ ናይ ዓይኒ ምስከር ብወገኑ፡ ኣለምዋጭ ስደተኛ ክነብረሉ ዝኸእል ኣይኰነን ብምባል፡ "ሓደ ሃገር ወይ ከባቢ ንገዛእ ርእሱ ሰላምን ጸጥታን ምስ ዝህሉዎ እዩ ንስደተኛ ከዕቍብን ውሑስ ክኸውንን ዝኸእል። ኣብዚ ቦታ ግን ኣሽንዃይዶ ንዓና ንባዕሎም'ውን ኣብ ኣሸጋሪ ናይ ጸጥታ ኵነታታት እዮም ዘለዉ፡" ብምባል ደም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ "ይዛሪ ኣሎ፡" ይብል።
'በቃ ወዲእና ኢና፣ እዞም ኣብዚ ተሪፍና ዘለና ክንቅተል ኢና እምበር ብህይወት ዝወጽእ የብልናን ኢልና ተስፋ ቈሪጽና ኢና፡' ብምባል እቲ እንኮ ፍታሕ እቶም ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ክወጽኡ ጥራሕ ምዃኑ፣ ኵለን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝምልከቶም ኣካላትን ጸማም ህዝኒ ከይሃቡ ክረድኡዎም ምሕጽንትኡ የቕርብ።
ካልእ ስሙ ዘይንጠቕሶ ኤርትራዊ ስደተኛ ብወገኑ፡ "ኣብ ዳባት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘሕልፉዎ ዘለዉ መከራ ናይ ክፉእ ክፉእ እዩ፡" ይብል።
"ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዜጋታት ዝግበር ዘሎ ግፍዕታት መዓልቦ ክግበረሉ፡ ብሰላማዊ ሰልፍን ካልእ መንገድታትን ንዝምልከቶም ኣካላት ንምሕታት ተደጋጋሚ ፈተነ ተኻይዱ እዩ፣ ክሳዕ ሕጂ ግን ዝተገብረ ነገር የሎን።"
ቀጺሉ፡ "ሕጂ'ውን እዚ ከምዞም ዝቐደሙ ዝተቐትሉ ኣሕዋትና ተቐቲሉ ዘሎ፡ ጠዋሪ ስድራ ናይ መወዳእታ ከም ዘይከውን ርግጸኛ እየ። ንሓደ ዕቝባ ዝሓተተ ስደትኛ ብኸምዚ ኣገባብ ምቕታል ዘሕዝንን ኢሰብኣውን ክነሱ፡ ዓለም ዝባና ዝሃበትና ምኽንያት እንታይ እዩ?" ይሓትት።
"ክንደይ ኣካሉ ዝጐደለ፡ ዝሰንከለን ዓቕሉ ኣጺቢቡ ናብ ፈቐዶ ሊብያ ሃጽ ዝበለን እውን ኣሎ፡" ብምባል ከም ዝተሓለሉ የረድእ።