እቲ ን34 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ብዛዕባ ዓለማዊ ኵነታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባውን ዓለማውን ኵነታት ብምትኳር፡ ብዛዕባ ኣመሪካን ዓለማዊ ስርዓትን፡ መስርሕ ህንጸት ሃገርነት ሱዳንን ኢትዮጵያን ሰፊሕ ትንተና ሂቡ።
ብምምጻእ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣንን ኣመታቱን መደረኡ ዝኸፈተ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ዝመጽኣ ዘለዋ ኣርባዕተ ዓመታት ንኣፍሪቃ ዝህሉዎ ጽልዋ ገሊጹ።
"ብመንጽር ናይ ትራምፕ ኣመታዊ ፖሊሲታት ክርአ እንከሎ፡ ዘይተሓስበሉ ወይ ዘይተገመት ሳዕቤናት ከም ዝበሃል፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብመግደፍን ድጐማን ኣመሪካን ካልኦትን ክኸይድ ዝጸንሐ ሰንኰፍ ስርዓት ክቕየር ንኣፍሪቃውያን ዕድል ዝህብን ዝቕስቅስን እዩ፡" ክብል ገሊጹ።
ቀጺሉ፡ "ብኸመይ ኣፍሪቃ ኣብዘን ዝመጽኣ ኣርባዕተ ዓመታት ትዋሳእ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዘላቕነት ዝህሉዎ ርትዓዊ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ምምጻእ እንታይ ክትገብር ትኽእል፡ ዛጊት ተነዲፉ ዘሎ ፖሊሲታትና ከሊስና ከነስፍሕን ከነዕምቝን ዝሕግዝ እዩ፡" ኢሉ።
ንግጭት ሱዳን ብዝምልከት፡ ንምትእትታው ሓይልታት ወጻኢ ብምንቃፍ፡ "ጐደቦ ሱዳን ከኣ ሕልናዊ ሓላፍነቱ ተሰኪሙ ዘይተቘጠበ ደገፉ ንህዝቢ ሱዳን ክህብ ግቡእ'ምበር ግንዖ ኣይኰነን፡" ኢሉ። እቲ ደገፍ እንታይ ምዃኑ ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን።
ኤርትራ፡ ኣብቲ ነታ ሃገር ዘዕነወን ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝፈጠረን ኲናት፡ ነቲ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ መንግስቲ ከም እትድግፍ ይግለጽ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ኢትዮጵያን ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግናን ዘነጻጸረ'ውን ተሪር ነቐፌታ ኣቕሪቡ። ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ተፈጢሩ ዝነበረ ለውጢ፡ "ትስፉው ናይ ህዝቢ ሃንቀውታ፡" ኢሉ ብምግላጽ፡ እዚ "ዘሰናበዶም ናይ ግዳም ሓይልታት ኣይቀሰኑን፡" ክብል ተዛሪቡ።
"ኣብ ውሽጢ ናይ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ጥራይ፡ ብሽም ብልጽግና ከም ሓድሽ ወኪል ወይ ተገዛኢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣዊጆሞ ዘለዉ ኲናታት ናይ ጭንቀቶም መርኣያ እዩ፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ "ዝተፈላለየ መኣዝናት፡ ናይ ማያት፡ ናይ ኒልን ቀይሕ ባሕርን፡ ናይ ባሕሪ መስኮት፡ ንህዝቢ ኦሮሞ ዘይውክል 'ኦሮሙማ' ስነሓሳብ፡ ኩሻውያንን ሴማውያንን ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ናይ ኢትኒካት ሓድሕድ ኲናት፡ ህዝቢን መሬትን ዓፈር ከም መድረኽ መጻወቲ ምምዝማዝ ወዘተ፣ እቲ ዕንደራን ምህውታትን ኣብ መወዳእታ ህድማ ንቕድሚትን ጥራይ'ዩ ክበሃል ዝከኣል፡" ክብል ተዛሪቡ።
"እቲ ተኣዊጁ ዘሎ ኲናታት - ሓንቲ ዘይኰነ ብዙሕ ኲናታት - ንምብራዕ ዝጓረት ዘሎ ቴክኖሎጂን ኣጽዋርን ምስ ዘሰንዮ ሕሱር ጃህራን ፈኸራን ምዝጉብ'ዩ፡" ይውስኽ ፕረዚደንት ኢሳይያስ።
"ንተጻብኦ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝፍሓስ ዘሎ ቅሉዕን ስዉርን ሸርሕታትን'ውን ዘይፈለጠ የሎን፣ እንታይ'ዩ እቲ መደምደምታ? ተበጊሱ ዝነበረ ትስፉው ሃንቀውታ በኒኑ'ዩ፡" ድሕሪ ምባል፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ'ውን ሕርያታቱ ፈሊጡ ተቓውሞታቱ የበራትዕ ይርአ ምህላዉ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ፡ "ተበጊሱ ዝተባህለ እረማዊ ሪፎርም ዘይተቘጠበ ደገፍ ምሃቦም፡ በዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሃንደበት ዘጣዕስን ዘሰክፍን የብሉን፡" ኢሉ።
ኣቢይ ኣሕመድ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ሃገሩ መሰል ዋንነትን ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዘለዋ ብተደጋጋሚ ምግላጹ ንኤርትራን ሶማልያን ከቘጥዕ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ 2018 ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንኣስታት 20 ዓመት ዝነበረ ኲነተ-ኲናት ዘኽተመ ስምምዕ ሰላም ምፍራሞም፡ ኣቢይ ኣሕመድ ሽልማት ኖበል ክቕበል ዘኽኣለ'ዩ ነይሩ።
እቲ ካብ ዘቤታዊ ሃለዋት ናይ ደገ ጉዳያት ዝገድሶ ተባሂሉ ዝንቀፍ መራሒ፡ ሎሚ'ውን፡ "ናጽነትና ምሕያልን ምድራዕን፡" ኣገዳሲ ምዃኑ ተዛሪቡ'ሎ።
ንዘቤታዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ጥሙር ልምዓታዊ መኸተ ኣብ መስርሕ ኣሎ፡" ክብል ቃል ኣትዩ።
ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ዋላ'ኳ ተስፋ ዝቘረጹ እንተ ዘይተሳእኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ፖለቲካዊ ለውጥታት ብምግባር ቅዋማዊ መንግስቲ ክምስረት ከፍቅድን እሱራት ክፈትሕን'ዮም ዝጽበዩዎ።
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ንዕድመ መንእሰያት እታ ሃገር ዝበልዐ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ብሕጊ ዝተመደበሉ 18 ኣዋርሕ ክምለስ ወይ ከብቅዕ'ውን ቀጻሊ ትጽቢት ዝግበረሉ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ,EriTv
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘስምዖ ተመሳሳሊ መደረ፡ "ቀዳምነት ቀዳምነታትና ህንጸት ናጻ ሃገርና ስለ ዝዀነ ልምዓታዊ መደባትና ኣዕቢና፡ ኣድማዕነቱ ንምሕያል ሒዝናዮም ዝጸናሕና ውጥናት ኣወርጺጽና፡ ዘድሊ ጸጋታት ኣጐሳጒስና፡ ዘድሊ ሕድገትን መስዋእቲን እናገበርና ወዳበታትና እናደራዕና ክንሰርሕ ኢና፡" ክብል ገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ እታ ሕጂ'ውን ካብ ደበና ኲናት ዘይተገላገለት ሃገር ከቢድ ቍጠባውን ማሕበራውን ብድሆታት ኣጋጢሙዋ ምህላዉ ይግለጽ።
ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ዝምድና ድሕሪ ምውዳእ ኲናት ትግራይ፡ ናብ ምትፍናንን ወጥርን የምርሕ ምህላዉ ድማ እታ ሃገር ናብ ካልእ ደማዊ ግጭት ከይትኣቱ ኣብ ህዝቢ ዓቢይ ሻቕሎት ተፈጢሩ ኣሎ።