ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ኣብ ኢጣልያ ብኸመይ ነጻ ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ይኽእሉ?

ኣብ ርእሲ'ቲ ካልእ፡ ሓደ ካብቲ ምኽንያታት ዝለዓለ ትምህርቲ ንምቕጻል ዘኽእል [ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት] ዘሎ ዕድላትን ትካላት ትምህርትን ዘራኽብ መንገዲን ኣገባብን ዘይምፍላጥ እዩ።

ኤበንኤዘር ታረቀኝ ኣብ ኢጣልያዊት ከተማ ፒዛ ትምህርቱ ይከታተል ኣሎ።

ፒዛ ትውልዲ ናይቲ ምሁር ስነ-ሕሳብ፡ ተመራማሪ ስነ-ፍልጠት ከዋኽብትን ፈላስፋን ዝዀነ ጋሊልዮ ጋሊሊ እያ።

እታ ከተማ ኣብ መበል 11 ክፍለ ዘመን ብዝተሃንጸን ናብ ጎኒ ብዝዛዘወን ህንጻ ትልለ።

ምናልባት እውን ዩኒቨርሲቲታት ብብዝሒ ዝሓዘት ስለ ዝዀነት ካልእ መለለዪኣ ክኸውን ይኽእል።

ቍጽሪ ተምሃሮ ካብ ጠቕላላ ህዝባ ከም ዝዛይድ ኣብ ዝዝረበላ ከተማ ፒዛ ስሙያት ዝዀኑ ዩኒቨርሲቲታት ይርከባ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ተምሃሮ ከኣ ኣብዘን ዘመናት ዘቝጸራ ዩኒቨርሲቲታት ይመሃሩ።

ካብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዓት ዓለም ዝመጹ ዓለምለኻውያን ተምሃሮ እዮም ኣብታ ከተማ ዝርከቡ።

መብዛሕትኦም ብ'ስኮላርሺፕ' [ወጻኢታቶም ብምወላ ተሸፊኑ] ዝምሃሩ እዮም።ኤበንኤዘር ድማ ሓደ ካብቶም ተምሃሮ እዩ።

ኣብ 2012 ዓ.ም [ኣ.ግ] ኣብ ኢትዮጵያ ብሕክምና ተመሪቝ። ኣብ ሃገሩ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽንሑ ምሉእ ወጻኢታቱ ዝሽፈን ብነርቭ ሳይንስ ማስተርስ ዲግሪ ዝምሃረሉ ዕድል ኣብ ፒዛ ረኺቡ።

ኤበንኤዘር ነዚ ዓይነት ዕድል ንምርካብ ኣብ ኢንተርነት ሃሰስ ክብል ከም ዝጸንሐ ይዛረብ።

ይዅን እምበር ዓርኩ ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ብተመሳሳሊ ትምህርቲ ዕድል ከም ዝረኸበ ስለ ዝሓበሮ ንነገራት ቀሊል ገበረሉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየት ረድኤት ሌንጮ እውን ሮማ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሳፒየንሳ ካብ እትጽንበር ዓመት ኰይኑ'ሎ።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ብማሕበራዊ ሳይንስ ናይ መጀመርታ ዲግሪ ክትከታተል ከላ ካብ ጁባኣ እተውጽኦ ወጻኢ የብላን። ነቲ ናይ ትምህርቲ ዕድል ‘ኮመን ኣፕ’ ብዝበሃል ኣፕሊኬሽን (መተግበሪ) እያ ረኺባቶ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፒዛ ባዮሮቦቲክስ ዝምሃር ብሩክ ኣስራት ድማ ምስ ኣዕሩኽቱ ብሓባር ነዚ ዕድል ብምእላሽን ብምዝርራብን እዩ ረኺብዎ።

ብሩክ ኣብ 2011 [ግ] ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ብባዮሜዲካል ኢንጅነሪንግ ተመሪቑ።

ብድሕሪኡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጎንደር ከም ተሓጋጋዚ መምህር ኰይኑ ንኽልተ ዓመት ሰሪሑ።

ኣብቲ እዋን "ስኮላርሺፕ ምድላይ ቀንዲ ስርሐይ እዩ ነይሩ" ይብል።

ካብ ዩኒቨርስቲ ሳንታ ኣና ብምሉእ ስኮላርሺፕ ሳልሳይ ዲግሪ ዝሓዘ ኣፈወርቂ ዮሃንስ ነዚ ዕድል ካብ ካልኦት ብዝተፈለየ መንገዲ እዩ ረኺብዎ።

ኣብ መቐለ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣፈወርቂ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር እዩ ነይሩ።ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝመስረቶ ሌላ ተጠቒሙ ከኣ ነቲ ዕድል ከምዝረኸቦ ይዛረብ።

ሕጂ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳንታ ኣና ተመራማሪ ድሕረ ዶክትሬት ዝዀነ ኣፈወርቂ ቅድሚ ሎሚ’ውን ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ብስኮላርሺፕ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ተምሂሩ እዩ።

ኣብዚ እዋን ኣርባዕቲኦም ተመሃሮ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ኢጣልያ ክምሃሩ ተራኺቦም ኣለዉ።

ኵሎም ከኣ ድልየት እንተሃልዩን ግዜ እንተሂብካዮን ኣብ ዓዲ ጥልያን ስኮላርሺፕ ክትረክብ ኣየጸግምን ይብሉ።

እቶም ዕድላት ብኸመይ እዮም ዝርከቡ? እንታይ ጌጋታት የጋጥሙ? እቲ መስርሕከ እንታይ ይመስል?

ሓደ ካብ ዩኒቨርሲቲታት ከተማ ፒሳ

ዕድላት ትምህርቲ ዝርከቡሎም መገዲታት

ተምሃሮ ነጻ ዕድል ትምህርቲ ረኺቦም ናብ ኢጣልያ ዝኣትዉሎም ብዙሕ መንገድታት ኣሎ።

እቲ ዝውቱር ግን ዩኒቨርሲቲታት ንዘውጽእዎም ምልክታታት ምክትታል እዩ።

እዞም ምልክታታት ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ምውጽኦም ጥራይ ዘይኮነስ ብቝጽሪ እውን ብዙሓት እዮም።

እሞ ደኣ ሓደ ተምሃራይ ካብዞም ኵሎም መገዲታት ከመይ ኣቢሉ እዩ ነቲ ዝደልዮ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲን ክረክብ ዝኽእል?

ኤበንኤዘር እቲ ቀዳማይ ስጕምቲ "እቲ ተመሃራይ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ክምሃር ከም ዝደሊ ምንጻር" ክኸውን ከም ዘለዎ ይምዕድ።

ቀጺሉ ኣየናይ ዩኒቨርሲቲ ነቲ ዓይነታት ትምህርቲ ከም ዝህብ፣ ብኣየናይ ቋንቋ ከም ዝምህርን ነቲ ወጻኢታት ክሽፍን ምዃኑን ምፍላጥ የድሊ።

“ኣብዚ እዋን ኢንተርነት ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። ካባና ዝድለ ነቲ ንደልዮ ነገር ጽሒፍና ምድላይ እዩ። ንኣብነት ኣብ ኢጣልያ ኣየኖት ትምህርቲ እዮም ብቋንቋ እንግሊዝ ዝወሃቡ? ዝብል ክንፈልጥ ንኽእል ኣብ ኢንተርነት እንተኣሊሽና እዩ" ክብል የረድእ።

እዚ መንገዲ ከኣ ነቶም ደለይቲ ዕድል ትምህርቲ ድኻም የቃልሎም።

ብሩክ እውን ኣብ ዩኒቨርስቲ ጎንደር መምህር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ መሳርሕቱ እናተዘራረበን እናሓተተን እቲ ዕድል ብኸመይ ከም ዝርከብ ክፈልጥ ከም ዝኸኣለ ይዛረብ።

በዚ ኵነታት ዩኒቨርሲቲ ፒሳ ልክዕ ከምቲ ዝደልዮ ዝነበረ ዓይነት ዕድል ትምህርቲ ከም ዘለዎ ተረድአ።

ብድሕሪኡ ድማ ከመልክት ዝኽእለሉ ዕለት ክፈልጥ ንመርበብ ሓበሬታን ማሕበራዊ ገጻትን እቲ ዩኒቨርሲቲ ምክትታል ጀሚሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ትምህርቲ ኣብ ዝተዓጸወሉ እዋን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዘሎ ዕድላት ትምህርቲ ትእልሽ ምንባራ እትዝክር ረድኤት ኣብቲ እዋን’ቲ ግን ውጽኢት ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ’ውን ገና ኣይወጽአን ነይሩ።

“ኣብቲ ፈለማ ትዅረት ዝገበርኩለን ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ኣሜሪካ ዝርከባ እየን ነይረን። ምኽንያቱ ውጽኢት 12 ክፍሊ ስለዘይሓተቱ” ትብል።

ኮመን ኣፕ ዝተባህለ ኣፕሊኬሽን ከኣ ዕድላት ትምህርቲ ኣብ እትደልየሉ እዋን ንነገራት ቀሊል ገይሩላ።

ነቲ መተግበሪ - ኣፕ- ተጠቂማ ዋላ ንመመልከቲ ክፍሊት ዘይሓቱ ዕድላት ትደሊ ነይራ።

“ምኽንያቱ ንዘቕርበሎም መመልከቲ ክቕበልዎ ድዮም ኣይቅበሉዎን ርግጸኛ ክኸውን ኣይክእልን። ካልኣይ ድማ 75 ወይ 80 ዶላር ንዓይ ልዕሊ ዓቕመይ እዩ" ክትብል ተረድእ።

እቲ ኮመንኣፕ ዝበሃል መተግበሪ (ኣፕሊኬሽን) ብመሰረት ድልየት ተምሃሮ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዕድላት ትምህርቲ ብዝርዝር’ዩ ዘቕርብ። ናይ መመልከቲ ግዜን ኣገዳሲ ሓበሬታን ድማ ይሕብር።

'TOEFL' ወይ 'ILTS' [‘ቶፍል’ ወይ ‘ኣይ.ኤል.ቲ.ኤስ’ - ናብ ናይ ወጻኢ ዩኒቨርሲቲታት ንምእታው ወሰንቲ ዝዀኑ ፈተናታት] ዘየድልዮም ዕድላት ትምህርቲ በዚ መተግበሪ እዚ ብቐሊሉ ምርካብ ከም ዝከኣል ረድኤት ትጠቅስ።

ብዙሓት ተምሃሮ ነቶም ዕድላት ዝረኽብዎም በቲ ኤበንኤዘር፡ ብሩክን ረድኤትን ዝረኸቡሉ መገዲ’ኳ እንተዀነ ካልኦት መገድታት ግን ኣለዉ።

ንኣብነት ኣፈወርቂ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ሓደ ንመጽናዕቲ ናብ ክልል ትግራይ ዝኸደ ፕሮፌሰር ብዝፈጠሮ ምትእስሳር ኣቢሉ እዩ ዕድል ትምህርቲ ረኺቡ።

“መጽናዕቲ ዘካይዱ ኣብ ዝመጽኡሉ እዋን ምስተላለኻዮም ብግብሪ እቲ ናትካ ብቕዓትን ድልየትን ይርእዩ። ስለዚ ብውልቆም [ናብቲ ዝምህሩሉ ትካል] ክወስዱኻ ይኽእሉ" ይብል።

ዓይነታት ዕድላት ትምህርቲ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ከም ዘመልክቶ ኣብ ዓመት ብዓሰርታት ኣሽሓት ተምሃሮ ኣብታ ሃገር ናጻ ዕድል ትምህርቲ ይረኽቡ።

ገሊኦም ዕድላት ኣብ ኣካዳሚያዊ ዓቕሚ ሓደ ተምሃራይ ዝምርኮሱ ክዀኑ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ንብቑዓት ግን ከኣ ትሑት ቍጠባዊ ዓቕሚ ንዘለዎም ተምሃሮ ዝዓለሙ እዮም።

በዚ መሰረት ኣብ ዓዲ ጥልያን ምሉእ ብምሉእ ሰለስተ ቀንዲ ዓይነታት ዝምወሉ ናጻ ዕድላት ትምህርቲ ኣለው።

‘ኢንቨስት ዩር ታለንት' [‘Invest Your Talent']፡ እዚ ነጻ ስኮላርሺፕ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ኢጣልያ ዝወሃብ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ብኤጀንሲ ንግድን ቤት ምኽሪ ንግድን ኢጣልያ ይድገፍ።

'ኢንቨስት ዩር ታለንት’ ልዕሊ 130 ናይ ድሕረ ምረቓ ዓውዲታት ትምህርቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ይህብ።

ኣብ ዓውድታት ምህንድስና፣ ኣድቫንስድ ቴክኖሎጂ፡ ስነ ህንጻ፡ ዲዛይን፡ ቍጠባን ምሕደራን ገለ ካብቶም ዝህቦም ዕድላት ትምህርቲ እዮም።

እዚ ዕድል ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ 17 ሃገራት ንዝኸዱ ዕድመኦም ካብ 26 ዓመት ንዘይበልጽ ተመሃሮ እዩ ዝወሃብ።

ኣብ ዓመት ካብ 21 ታሕሳስ ክሳብ 22 ለካቲት ንኣመልከትቲ ክፉት እዩ። ይዅን እምበር ተምሃሮ ዘመልክቱሎም ዕለታት ካብ ዓመት ናብ ዓመት ክፈላለ ይኽእል እዩ።

ናጻ ዕድል ትምህርቲ መንግስቲ ኢጣልያ

እዚ ስኮላርሺፕ ኣብ ኢጣልያ እቲ ዝዓበየ ኰይኑ ብዙሓት ተምሃሮ ዘሳትፍ እዩ። ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ዓለምለኻዊ ምትሕግጋዝን ኢጣልያ ከኣ ይምወል።

ኣብዚ ዕድል ብዙሓት ዓውድታት ትምህርቲ ይጠቓለሉ፤ ካብ 120 ሃገራት ንዝመጹ ተምሃሮ ክፉት እዩ። ትሕቲ 29 ዓመት ዝዕድመኦም ተምሃሮ ነዚ ዕድል ክጥቀሙሉ ይኽእሉ።

ናይዚ ስኮላርሺፕ ናይ ምምልካት ግዜ ኣብ ወርሒ ሰነ ይኽፈት። ናይ ሎሚ ዓመት ግዜ ምምልካት ካብ 13 ሰነ 2016 [ግ] ይጅምር።

'ስኮላርሺፕ ዞባዊ መንግስታት' እዚ ዓይነት ስኮላርሺፕ ብመንግስታት ምምህዳራዊ ዞባታት ኢጣልያ ዝምወል እዩ። እቶም ዕድላት ከከም ዓቕምን ድሌታትን መንግስታት ይውሰኑ።

ብተወሳኺ ብላዕለዋይ ትምህርቲ ወይ ብሃይማኖታዊ ትካላት ዝቐርብ ናይ ትምህርቲ ዕድላት እውን ኣሎ።

ትኽክለኛ ሓበሬታን ‘ሊንክን' [መላግቦ] ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ዓለምለኻዊ ምትሕግጋዝን ኢጣልያ ከምኡ’ውን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓሓሊፉ ድማ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ኤምባሲታት ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ዝመሃሩሉ ዩኒቨርሲቲ ሳንት ኣና

ኣገደስቲ ሰነዳትን መርትዖታትን

ኣመልከትቲ ነቲ ናይ ስኮላርሺፕ ምልክታ ምስረኸቡ ነቲ ዝድለ ነገራት ብጥንቃቐ ከንብብዎ ከም ዘለዎም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተምሃሮ ይምዕዱ።

ቅድሚ መመልከቲ ምእታዎም እቲ ዘድሊ ዝርዝር ሰነዳት ከምዘለና ከነረጋግጽ ይግባእ" ይብል ኣፈወርቂ። ኤበንኤዘር ነዚ ሓሳብ ይድግፍ።

ብሩክ ድማ ተምሃሮ ‘ሲቪ’ (ካሪኩለም ቪተ) ኣብ ምድላው ፍሉይ ኣቓልቦ ክገብሩ ከምዘለዎም ይዛረብ።

“ደሓራይ ‘ኣብቲ ሲቪ ከምዚ ኢልካ ነይርካሞ ኣብርህ ኣቢልካ ንገረናስኪ’ ክብሉኻ ይኽእሉ? ስለዚ ኣብ ከምዚ ዓይነት ነገራት ክንጥንቀቕ ኣለና" ክብል ይመክር።

ብተወሳኺ እቲ ንድልየትካ እትገልጸሉ ደብዳበን ናይ ‘ሪኮመንዴሽን’ ደብዳቤን ነቲ ሓቂ ዘንጸባርቕ ክኸውን ከምዝግባእ ይሕብር።

ዝዀነ ተምሃራይ ዝተሳተፈሎም ክለባትን ወለንታዊ ኣገልግሎታትን ከምኡ'ውን ዝወሰዶም ስልጠና ምጥቃሱ ዝሓሸ ሕጹይ ክገብሮ ከምዝኽእል እትገልጽ ድማ ረድኤት እያ።

ሕቶ ስኮላርሺፕ ስለ ምንታይ ዘይክዕወት ይኽእል?

ብርግጽ እዚ ሕቶ እዚ ሓጺር መልሲ የብሉን።

ዩኒቨርሲቲታት ዝተፈላለዩ መዐቀኒታት መሰረት ብምግባር እየን ንኣመልከትቲ ዝመርጻ።

ይዅን እምበር እቶም ኣመልከትቲ ዘቕርብዎ ሰነዳትን እቲ ኣፋዊ ፈተናን ነቲ ስኮላርሺፕ ክረኽብዎ ድዮም ክስእንዎ ዝውስን ምዃኑ እቶም ተምሃሮ ይዛረቡ።

ብሩክ ናብቲ ናይ ቃል ፈተና ምስ ሰገረ ካብቲ ዝሓሰቦ ዝተፈልየ ነገር ከም ዘጋጠሞ ይዛረብ።

“ኣብ ኢጣልያ ዝካየድ ቃለ መሕትት ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝተፈለየ እዩ። ሽዑ እቲ ሓበሬታ ኣይነበረንን። ነቲ ልሙድ ሕቶታት እየ ተዳልየ ነይረ። ኣብ ቅድሚ ሽዱሽተ ፕሮፌሰራት እየ ቀሪበ። መጀመርታ መን ከም ዝዀንኩ ኣላልየዮም። ድሕሪኡ ብቐጥታ ብዛዕባ ንመመረቒ ዝሰራሕክዎ መጽናዕቲ ሓቲቶምኒ። ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ዲግሪ ዝተምሃርናዮ ዝተኣሳሰር ነገር እውን ሓቲቶምኒ" ክብል ይዝክር።

ብሩክ፡ ብዛዕባ ዝተምሃርዎን መመረቒ ጽሑፎምን ጽቡቕ ርድኢት ዘለዎም ኣመልከትቲ ኣብዚ መስርሕ ብቐሊሉ ከም ዝዕወቱ ይዛረብ።

ካልእ ጉዳይ ድማ ናይ ትምህርቲ መረጋገጺን ሰነዳትን ከም ዝዀነ ይጠቅስ።

ረዲኤት ብወገና፡ ዘይምምራጽ ወይ ዘይምቕባሎም ተስፋ ከቝርጸና የብሉን ብምባል ተተባብዕ።

ኣብ ፈተነ ዘጋጥም ሓደ ዝውቱር ነገር ተቐባልነት ዘይምርካብ እዩ ትብል።

ስለዚ ኣብ ሓደ ጥራይ ካብ ምትኳር ተወሳኺ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካልኦት ኣማራጺታት ምርኣይ "ናይ ምዕዋት ተኽእሎኻ እዩ ዝውስኽ" ትብል።