ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ዳግመ ውዳበ የካይዱ ምህላዉ ተሓቢሩ።
መርበብ ሓበሬታ ማእከል ጋዜጠኛታት ኣፍሪቃ፣ ብ13 ግንቦት ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ኤርትራውያን ብዘካየድዎ ዳግመ ውደባ፣ ‘ጽላል ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ‘ ዝብል ሓድሽ ጥርናፈ ኣቝሞም ኣለዉ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሓያሎ ውዳበን ጽልዋን ዝነበሮ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ከምዝነበረ ይዝከር።
እንተኾነ፣ በብዝተፈላለየ ምኽንያታት እናተዳኽመ ክኸይድ‘ዩ ጸኒሑ።
እዚ ሕጂ ቆይሙ ዘሎ ‘ጽላል ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ‘ ንኹሎም እቶም ኣብታ ሃገር ዝርከብይ ለውጢ ዝጠልቡ ኤርትራውያን ክሓቝፍ‘ውን ተስፋ ይንበረሉ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 5 ሽሕ ካብ 10 ሽሕ ዝብዝሖም ኤርትራውያን ከምዘለዉ ማእከል ጋዜጠኛታት ኣፍሪቃ ይጠቕስ።